ሓሰውቲን ወረጃታት ማዕዶን ዝሓፍሩሉ፣ እዋን ኢና ዘሎና። ግን ከኣ ገና ትንፋስ ኤርትራውያን ንምሕላፍ ኣይቀበጹን። ቀትሪ ምስ ተቓወምቲ ዝውዕሉ፣ ለይቲ ግን ኢሳይያስ ኣብ ክሳድ ኤርትራውያን ንዘጉዶሞ ካራ ክስሕሉ ዝሓድሩ ሰባት ውሑዳት ኣይኮኑን። ታሪኻዊ ጉዕዞ ህዝቢ ኤርትራ ‘ኣኽላባት ይነብሑ፣ ገመል ግን ጉዕዞኡ ይቕጽል” ስለዝኾነ ጉዳይና ክሳብ መሰረታዊ መዕለቢ ዝረክብ ደጊም ድቃስ የለን። ካብ ዓሰርተ ቃላት፣ ወላ ካብ ሚእቲ ቃላት’ውን እንተበልና ሓንቲ ግብሪ ኣድሚቓ ትገልጽ።

ከምቲ “ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌም ህውከትን ቶኽሲን እንተደኣ በርቲዑ፣ ምጽኣታት ዓለም ይቀርረብ ከም ዘሎ ተረድኡ” ዝብል ቃል፤ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ድማ ምርኩስ ንዝሓዙ ደቂ 60-70 ዓመታት ቆረብቲ ኣረጋውያን፣ ንመሻይኽ፣ ንፈለስቲ፣ ንኮማሮ ጠበንጃ ብኣስገዳድ ምዕዳል ካብ ቀጸለ፣ ኣብ ገምገም መቓብር ከም ዘሎ ኢዩ ነጊሩና።

እቲ መደብ ንኤርትራ ዳግማዊት ሶማል፣ ንኣስመራ ድማ ሕሳስ-ልደ ሞቓድሾ ንምግባራ ዝተኣልመ ሰባብ ርኪያሞ ባዕዳውያን ምዃኑ ህዝቢ ኣይዘንግዖን። እዚ ጥበብ’ዚ ናይ ቅብጸተ-ተስፋ ስጉምቲ ኢዩ። ሎሚ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ፣ ዕምሪ ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም ዕምሪ ደርሆ ዓርቢ ስቕለት ኮይኑ ኣሎ። እዚ ግዜ’ዚ ብርግጽ ከምኡ’ዩ ዝመስል ዘሎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተሃዋሲ ግዜ ኢዩ’ምበኣር መስራቲ ጉባኤ ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ዝሰላሰል ዘሎ። ግንባር ዓደቦና ኣብ ጉዳይ ታሪኽ፣ ባህሊ፣ መንነትን ክብሪታትን ኤርትራውያን ወ.ዘ.ተ… ብዕምቆት ክዝቲ ኢዩ።

ዕለትን ኣድራሻን ጉባኤ ግንባር ዓደቦ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ፦

October 5-6-7 2012

Jugendherberge Kassel

Schenkendorf Str.18

34119 Kassel – Germany

For more information please contact us@

Kassel: 01639641968

Frankfurt: 017652611213 / 015211261995

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ንህሉው ሃገራዊን ኣህጉራዊን ኩነታት ብምግምጋም፣ ምምስራት ግንባር ዓደ’ቦ ይጽንሓለይ ዘይበሃሎ ህጹጽ ውራይ ደቀባት ኤርትራ ኢዩ። እዚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ቶንዲኖ ዝተኸለ ግንባር ዓደቦና፣ ከምቲ ኣብ ካይላ ዝበስል ጸብሒ፣ ቀስ-ብቐስ ኣብ ታሪኽ ደምበ ተቓውሞ ኣልፋን ኦሜጋን ንክኸውን ክንጽበዮ ኢና። ምምስራት እዚ ታሪኻዊ ግንባር’ዚ ምብዛሕ ውድባት ማለት ኣይኮነን። ከመይሲ እዚ ግንባር’ዚ ሓጋዚ ደምበ ተቓውሞ፣ ከምኡ ከኣ ሓጺናዊ ድርዒ ንሃገራዊ ባይቶ ክኸውን ኢዩ።

እስከ ጋእ ንበል! “እሕሕሕ! ዘይተሰርነቐ ይኽእላ” ከም ዝተባህለ፣ መራሕቲ ደምበ ተቓውሞ ስለ ኣደራዕ ህዝቢ ኤርትራ እሕሕሕሕ! በሉ። ኩሉ መራሒ ደምበ ተቓውሞ ናብ መስትያት ቀሪቡ መመልክዑ ንክርኢ መድረኽ ይሓትት ኣሎ። ሎሚ መልክዕ ደምበ ተቓውሞ ከመይ ይመስል ኣሎ? ባይቶን ኪዳንን ኣብ ቅድሚ መድረኽ እንታይ ኢዩ ተርኦምን ተሓታትነቶምን? ስለምንታይ ብድሕሪ’ቲ ን600 ዜጋታት ዘሳተፈ ምምስራት ሃገራዊ ባይቶ፣ ኪዳን ብወግዒ ቀጺሉ? ብሄራውያን ውድባት’ከ ከመይ ዝኣመሰለ መጻኢ ዕድል ክህልወን ኢዩ? “መሰል ብሄራት ክሳብ ምግንጻል” ዝብል መትከል’ከ ምስ ታሪኽን ድሕረ-ባይታን ኤርትራ ብከመይ ኢዩ ኪገጣጠም?

ወተሃደራዊ ሓይሊ ደምበ ተቓውሞ’ኸ ስልምንታይ ብሓደ እዚ ክእዘዝ ዘይከኣለ? ዝምድና ውድባትን ማሕበራት መንእሰያትን፣ ከምኡ’ውን ዝምድና ባይቶን መንእሰያትን ናበይ ገጹ’ኾን ይጓዓዝ ይኸውን? ማሕበር መንእሰያት’ከ ሓድሕዳዊ ዝምድንኡ ከመይ ኢዩ? ክሳብ ሎሚ ብዝጸንሐ ኣሰራርሓ’ኸ ዕግበቱ ክሳብ ክንደይ ኢዩ? ሃገራዊ ባይቶ ክሰርሕ ይኽእል ኣሎ’ዶ? ከመይ ዝኣመሰሉ ገመዳት ይሓላልኽዎ ኣለዉ? ንክሰርሕ’ከ ይድለ ድዩ? ዝምድና መስፍን ሓጎስን መንግስቲ ኢትዮጵያን’ከ ከመይ ዝኣመሰለ ሕብሪ ኢዩ ዘለዎ? ተራ መስፍን ኣብ ምብትታን ደምበ ተቓውሞ ክሳብ ክንደይ ማህሰይቲ ኣውሪዱ? ካብ ሎሚ ንደሓር’ከ ምብትታን ህዝባዊ ተቓውሞ ይቕጽል’ዶ ይኸውን?

ኣብ ደምበ ተቓውሞ ብድሕሪ መስፍን ሓጎስ ዝተኸወሉ በዓል መን ኣለዉ? ተራ ኤርትራውያን ምሁራት ስለምንታይ ባዶሽ ኮይኑ? መርገጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራውያን ብድሕሪ ሞት ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ ከመይ ክቕጽል ኢዩ?

እቶም ኣብ ቅድሚ ደምበ ተቓውሞ ዘለዉ በዳህቲ ጉዳያት ብዙሓትን ዓበይቲን ኢዮም። ስለዚ መሪሕነት ደምበ ተቓውሞ ነዞም ከበድቲ ብድሆታት ብከመይ ዝኣመሰለ ሜላታት ኢዩ ክፈትሖም? ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ካብ ተመኩሮታት ዝሓለፈ ግዜ ግሩም ዝኾነ ምህሮ ቀሲሙ ትልሚታቱ ንክጅምር ኣብ ምሽብሻብ ኣሎ።

ኣብ ዓለም ካብ ዝነበሩን ዘለዉን መራሕቲ፣ ወላ እቶም ውልቀ-ምልካውያን ዝበሃሉ ዝነበሩ ከም በዓል ቃዛፊ፤ ዓደቡኡ ዘይሃነጸን ንህዝቢ እንዳባ ዘይቀለበን መራሒ ኣይረኣናን። እዚ ኣብ መሬት ኤርትራ ኣብ ሳሕልን ሰምሃርን፣ ኣብ ደንካልያን ሰንሒትን፣ ኣብ ኣከለ-ጉዛይን ሰራየን፣ ኣብ ሓማሴንን ጋሽ-ባርካን ታሪኽን መበቆልን ዘይብሉ ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንኤርትራ እንተኣዕነዋን ንህዝብና እንተበታተኖን ኣይናቱን ኢና። እወ! ክንዛረብ ኢና፤ ክሳብ መዓስ’ከ “ብወለዶ ኣይትዛረቡ” እናበልና ክንጸንሕ?

እምበኣርከስ እዚ ገጢሙና ዘሎ ጉዳይ ዓደቦና ንትከል’ዶ ንንቀል ዝብል ምርጫታት ኢዩ። “ልኡኽ ዝበልዎ ይግበር፣ በቕሊ ከም ሕዛባ ትስገር” ከም ዝበሃል፤ ዝተለኣኽናዮ መልእኽቲ ንምብጻሕ ብጥውይዋይ መንገዲ ተጓዒዝና ናብታ ብማዕዶ ኣብ ደረት ትርኢት እትርአ ናይ ሓርነት ቀንዴል ንምዕራፍ ንጹር ራእይ ኣሎና።

ክንሰርሕ: ክንደክምን ክንውፈን ምባል ናብቲ ሕንፍሽፍሽ ዝበለ ፖለቲካዊ መልክዕ ኤርትራ ኣቲና ምስ ግብራዊ ስራሕ ንምጥምጣም ኣብ ጭቃን ጸብሪን ከነንገርግር መሪጽና። ዝተቐብረት መፍትሕ ሓርነት ንምድላይ ኣብ ጽላት ምድሪ ቤት ኤርትራ ስለ ሓርነት ክንመላለስ ምርጫና ኮይኑ። ሎሚ ኣብዚ ኮላሊት ኤርትራውያን መንእሰያት ከም መቀያየሪ ኣቑሑት ኣብ ዝሽየጠሉ ዘሎ መስደምም ግዜ: ክንግብት ወይ ክንዕብልል ኢና ማለት ብኤርትራዊ ደምን ሂወትን ምጽዋት ማለት ኢዩ። ኣንጻር እቶም ዝገበቱን ትልኽ ንዝበለት ክሳድ ዝቖረጹን ንምቅላስ ኢና ዳግማይ ናብ ስራሕ ንብገስ ዘለና እሞ ዮሃና ንገበታ ተስፋ ኤራውያን ተቓለስቲ!

ማሕላ ኣቦታትና ኣብ ግዜ ሓምሳታት: ማሕላ ቀዳሞት ጀመርቲ ሰውራ ኤርትራን ከምኡ’ውን ማሕላ እቶም ልዕሊ 65 ሽሕ ፋኖታት ኤርትራውያን ሰማእታትን “ሓንቲ ኤርትራ!” ኢዩ ዝነበረ። ንሕና እዞም ሎሚ ሓርነት ህዝብና ብጭፍራ ህግደፍ ምስ ተጨውየ ናብ ዳግማይ ቃልሲ እንብገስ ዘለና ደቂ ሔማ ኤርትራ ድማ፣ ኣብ ደጎል እዛ ዕትብትና ዝተቐብረላ ሃገርና ኤርትራ እናሰገድና ስለ ሓንቲ ኤርትራ ክሳብ መስዋእቲ ሱባኤ ንኣቱ ከም ዘለና ብድርብ ማዕተብ ንምሕል ኣሎና። ዝተወልደ ሕጻን ንክጥመቕ: ዝዓኾዀ ወዲናን ዝጎበዘት ጓልናን ንክምርዓዉ: ዝሸምገለ ኣብ መሳጊዳቱን ኣድባራቱን ክጽጋዕን ዝሞተ ድማ ናብ ሓመድ ዓደቡኡ ንክቕበርን ሕቶ ሓንቲ ኤርትራ ማእከላይ ቦታ ይሕዝ።

ከም ባህሊን ግቡእን ንሕና ኢልና ምሳኹም ምስ ክቡር ህዝብና ክንላለ እንከለና ሓበን እስመዓና። እምበኣርከስ ንሕና መስረትቲ ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ (ግዓሓኤ) ኣቐዲምና ብስም “ደምበ ኣለና” ዝብል መጸውዒ እንፍለጥ ከማኻትኩም ኤርትራውያን ተቓለስቲ ንሓርነት ኢና። ንሕና ትርግታ ልብታትና ከም መሰንቆ ቅዱስ ዳዊት ብሓደ ዘዳምጻ ኤርትራውያን: ሰራውርናን እቲ ነቕ ዘይብል መሰረትናን ኣብ ውሽጢ ሓመድ ኤርትራ ኣብ ጎድኒ እቲ ረዚን ኣዕጽምቲ ስዉኣት ዝተሰከመ ሩባን ኩርባን: መንዶዃዱኽን ስንጭሮታትን ኢዩ ዘሎ።

ኣቦታትና ኣብ ግዜ ሓምሳታት ከምዚ ሎሚ ኤርትራ ናብ ሓደጋ ምግምማዕ ኣብ ዝበጽሓትሉ ግዜ “ሓንቲ ኤርትራ” “ኤርትራ ንኤርትራውያን” ዝብል ዜማ ኢዩ ዝነበሮም። ንሕና እዞም ሎሚ ብስም ዜማ ሓርበኛታት ኣቦታትናን ሕድሪ ቶም ብቑንጣሮ ሓመድ ዝቐበርናዮም ጀጋኑ ስዉኣትናን ንምትግባር፣ ግንባር ዓደቦና ንምስርት ኣሎና። ክሳብ’ ዚ እዋን ኣብ ምውድዳብ ቃልሲ ኣንጻር ጨካን ስርዓት ህግደፍ ዝነበርና፤ ኣብቲ እምባ መግዛእቲ ንምምድማድ ዝነበረ ውዕሎ ወፈራ ንናጽነት ሃገርና ኤርትራ ከኣ፣ ሓሓደ ጭራሮ ዝዓጸድና ደቂ ህዝቢ ኤርትራ ኢና።

ኣብዚ እዛ ሰፍ ዘይብል ዋጋ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሂወት ዝተኸፍላ ሃገርና ንምድሓን ሰናይ ትልሚ ንጅምረሉ ዘሎና ግዜ፣ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘይነጽፍ ምንጪ ዛራ ጽንዓትና ከም ዝኸውን እምነትና ዝለዓለ ኢዩ። ሎሚ ብድሕሪ ናይ ዕስራን ሓደን ዓመታት ሸንኮለልን ዕንኪላሎ ምህርቲ ኣልቦ ዓውዲ ህግደፍን፣ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ኣፈፌት ሓርነት ገጹ ይቀራረብ ኣሎ። ኣብዚ ገበነኛ ስርዓት ህግደፍ ንሞት ርብዒ ጎደል በጺሑሉ ዘሎ ተሃዋሲ መድረኽ ምበኣር ስለ እቶም ካብ ባሕቲ መስከረም 1961 ክሳብ 1991 ኣብቲ 30 ዓመታት ዝተኻየደ ናይ ጥምጥም ቃልሲ በጃ ንናጽነት ዝሓለፉ ጀጋኑ ደቂ ኤርትራ መቓልሕ ድምጽና ንከነስምር ናብ ግንባር ዓደቦ ንጽዋዕ ኣሎና።

ዓወት ንመስራቲ ጉባኤ ግንባር ዓደቦ

ብርግጽ ክንዕወት ኢና!

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!!

ይቕጽል…

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...