ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ቤይ ኤርያ (EYSC-Bay Area)ነቲ ካብ ንእስነቱ አትሒዙ አብ ጎኒ ህዝቢ ኤርትራ ደዉ ኢሉ ዝተቓለሰን ገና ዝቃለስ ዘሎን ውሩይ አሜሪካዊ ጋዜጠኛ ዳን ኮነል ብምዕዳም መሃርን መሳጥን ህዝባዊ አስተምህሮ አእንጊዱ። አብዚ ልዕሊ ሚእቲ ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ አስተምህሮ፡ እቲ ብዛዕባ ኤርትራ ሓሙሽተ መጻሕፍቲ ዝጻሓፈ ዉሩይ ጋዜጠኛ ዳን ኮነል ንዝርዝር ኩነታት ኤርትራ ካብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚርካ ስጋብ እዚ ዘለናዮ እዋን ብዕምቆት ተንቲኑ።

እቲ ብስእላዊ መግለጺ ዝተሰነየ ንሕሉፍ ተሞክሮ ህዝቢ ኤርትራ ዝተናኸፈ አስተምህሮ ንተሳተፍቲ አብ ዲቕ ዝበለ ተዘክሮታት ዘእተወ ኔሩ ክበሃል ይከአል። ዳን ኮነል እቲ ተስፋ ዝገበረሉን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝደገፎን ሰዉራ አብ ከምዚ ደረጃ ምውዳቑ አዝዩ ከም ዘሕዝኖ ገሊጹ። ቀጺሉ ዳን ኮነል አብ 2001 .ም አብ ሞንጎ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ አፈወርቅን እቶም ንለውጢ ዘንቀሉ ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ ነበርን ንዘጋጠመ ህሞት ዳህሲሱ።

አብዚ ሕጂ እዋን ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት አብ ኢትዮጵያ ከይዱ ተዓዚቡ እንታይ ከም ዝመስል ናይ ምስክርነት ቃሉ ሂቡ። አብ ኢትዮጵያ አብ ዝነበረሉ እዋን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊን ካልኦት ሰብ ስልጣን ኢትዮጵያን ተራኺቡ ንወደብ ኮነ ሃገረ ኤርትራ ክጎብጡ ድልየት ከም ዘይብሎም ከም ዘረጋገጸን፡ እቶም ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ዘለዎም ስክፍታ መሰረት ዘይብሉ እዩ ክብል ገሊጽዎ። በንጻሩ ኢትዮጵያውያን አብ ሰላምን ምርድዳእን ዝተሞርከስ ተጠቃምነት ወደብ ዓሰብ ከምዘርብሖምን ከምዝደልዩን አረዲኡ።

ቀጺሉ ካብ ተዓዘብቲ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ክምልስ እንከሎ ዳን ኮነል አብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘለው ተቓወምቲ ውድባት አብ ራእይ ጥራይ ከይተሓጽሩ ነቲ አብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዓስኪሩ ዘሎ ስደተኛ ኤርትራዊ አእሚኖም አብ መስርሕ ለውጢ ዘዋስእሉ መንገዲ ክፈጥሩ አለዎም ኢሉ። አብ’ዚ ሕጂ እዋን እቲ አብ ተቓወምቲ ሓይልታት ዘሎ ጸገም ናይ ራእይ ዘይኮነስ ናይ ተግባር ስራሕ ዘይምህላዉ እዩ ዝብል ነጥቢ ጸቒጡሉ።

አብቲ አስተምህሮ ንዝርአዮም አባላት ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያትን ንለውጥን ስጋብ ሕጂ ዘርአይዎ ንጥፈታትን አዝዩ ከምዘተስፈዎን፡ እዚ አብ ደገ ተጀሚሩ ዘሎ ቃልሲ ምስ ናይ ውሽጢ ዓዲ ዝፍጠር ናይ ለውጢ ሓይሊ ተወሃሂዱ ለውጢ ንኸምምጽእ ዘለዎ ሙሉእ እምነት ገሊጹ።

አብቲ ብአባላት EYSC ቤይ ኤርያ ዝተገብረሉ ናይ ድራር ግብጃ ዳን ንመሪሕነት ማሕበር መሃርን ሓጋዝን ምኽርን ተሞክሮን ክልግሰሎም እንከሎ፡ ነታ ካብ አባል መሪሕነት ዝቐረበትሉ ሕቶ ንምንታይ ኢኻ ብኤርትራ ዜጋታታ ከማን ገሊኦም ተስፋ ቆሪጽም እንከስቅጡ ንስኻ ግን ስጋብ እዛ ዕለት እዚአ ትቃለስ ዘለኻ ተባሂሉ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ዳን “አነ ነዚ ንእስነተይ ዝኸፈልኩሉ ህዝብን ሰውራን አብ መዓልብኡ ክበጽሕ ክርእዮ ይደሊ እየ” ክብል መሊሱ። አስዒቡ “ኤርትራ ከምቲ ንስኹም ትሓሙላን ተፍቅርዋን አነ’ውን ማዕረኹም የፍቅራን ይሓመላን እየ” ኢሉ።

ነዚ ንኤርትራውያን ተቐማጦ ቤይ-ኤርያ ካሊፎርኒያ ዝመሰጠን ንአባላት EYSC ቤይ ኤርያ ሓያል ተሞክሮ ዘቕሰመን ሰሚናር አብ ምውህሃዱ ኮነ አብ ምስላጡ ሓያል ጻዕሪ ዘካየደት፡ ቅድሚ ሕጅ’ውን ተመሳሳሊ ተበግሶታት ብምውሳድ እትፍለጥ ም/አደ ወንበር EYSC-ቤይ ኤርያ ዶ/ር ሳባ ኢሳቕ ክትምስገን ይግብአ። ቅዳሕ ናይዚ ሰሚናር ንምርኣይ ኣብዚ ጠዉቁ: http://www.ustream.tv/recorded/25276369

ዜናን ሓበሬታን EYSC-ቤይ ኤርያ

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...