ተቓወምቲ ሓይልታት ካብ ሚላኖ

ንሕና ነዚ መልእኽቲ’ዚ እንዝርግሕ ዘሎና ሰባት ኣብ ከተማ ሚላኖ እንነብር ብተቓወምቲ እንፍለጥ ኤርትራውያን ዜጋታት ኢና። ተቓውሞና ከኣ ኣንጻር እቲ፡ ዓሰርታት ኣሽሓት ስውኣትና ህይወቶም ዝኸፈሉሉን ካልኦት ኣሻሓት አሕዋትና ኣካሎም ዝሰንከልሉን ሕድርን መብጽዓን ጠሊሙ፡ ቅዋማዊ ደሞክራሲ መንግስቲ ንኸይምስርት ሓንጊዱ ኣብ ኤርትራ ብኢደ ወነኑ ስልጣን መንዚዑ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ማእለያ ዘይብሉ ቁጠባዊ፣ ማሕበራውን ባህላውን ክሳራታት ዘውርድ ንዘሎ ስርዓት ህግደፍ ኢዩ።

ተቓውሞና ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ብሉጻት ጀጋኑኡ ከፊሉ ዘረጋገጾ ናጽነትን ስውኣትና ንዝተለሙዎ ዓላማታት ጨውዩ፡ ንህዝብና ዘይከምትጽቢቱ ኣብ ዝኸፍአ ባርነትን ጭኮናን ቆሪኑ  ኣብ ሓሳርን መከራን ጸሚዱዎ ንዝርከብ ዘሎ ውሑድ ዝቑጽሩ  ጉጅለ ህግደፍን  ንሱ መስሪትዎ ንዘሎ ገባቲ ስርዓት ኢዩ።

ተቓውሞና ነቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ልዕልና ሕግን ፍትሕን ረጊጹ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ፈጥሩዎ ዘሎ ናይ ራዕድን ከበባን መንፈስ ኢዩ። ተቓውሞና ነቲ ንጹሃት ኤርትራውያን ዜጋታት ከም ኣቕሓ ብሓደራ ዝኣስርን ኣብ ቅድሚ ሕግን ፍትሕን ከየቕረበ ከም ቃሕ ዝበሎ ዝፈርድን ዝቐጽዕን ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ  ስርዓት ኢዩ።

ንሕና እዞም ብተቓወምቲ እንፍለጥ ዘሎና መንእሰያት፡ ትማሊ ኣብ ሃገርና ግቡእ ኣገልግሎትና ዝፈጸምና፡ ኣብ መደባት ልምዓትን ዳግመ ህንጻን ረሃጽና ዘንጠብጠብና፡ ሃገር ኣብ ምውሓስን ኣብ ምክልኻልን እጃምና ዝገበርና፡ ዳሕራይ ግን ነቲ ደረት ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርናን ክቱር ባርነትን እቲ ስርዓት ራሕሪሕና ብኣጻምእ ሰሃራን ባሕሪ ሜዲተራንያን ዳግማይ ምስ ሞትን ጥፍኣትን እናተቖራቖስና ናብ ስደት ዘምራሕና ሰባት ኢና።

ንሕና ከም ኩሎም ምእንቲ ሃገር ክቡር እጃሞም ዝወፈዩ ዓበይቲ አሕዋትና ተጋደልትን ንቓልሲ ሓርነት ብኹለንትናኦም ዝደገፉዎን ዝሓብሓቡዎን ስድራ-ቤታት ኤርትራን ብሰላምን ቅሳነትን ኣብ ሃገርና ኪንነብር ዝግበኣና ሰባት ኢና ነይርና። እንተኾነ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኬይኑ ግን ከይፈተና ተገዲድና ብሰንኪ እዚ መላኺን ጸቓጥን ገፋዕን ስርዓት ህግደፍ ነታ ረሃጽናን ደምናን ዘንጠብጠብናላ ክብርቲ ሃገርና ራሕሪሕና ኣብ ስደት ንርከብ ኣሎና። ሓደ መዓልቲ ግን ይንዋሕ ይሕጸር ብዘየገድስ ኣብ ሃገርና ከም ትምኒትና ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ስርዓት ምስተተኽለ ናብ ሃገርና ተመሊስና  ብሰላምን ቕሳነትን ኪነብርን ሃገርና ኪንሃንጽን ዓቢ ሃንቀውታ ዘሎና ዜጋታት ኢና።

ይኹን እምበር ካብ ትጽቢትና ወጻኢ፡ ሃገርና ኣብ ህዝቡን አሕዋቱን ዝጭክን መላኺ ጉጀለ ስለዝበሓታ ንግዚኡ ከነርሕቕን ኪንስደድን ተገዲድና ኣሎና።  እንተኾነ ኣብ ዘለና ንሃሉ ኣንጻር እቲ ዓድና ገዲፍና ኪንስደድ ዘገደደና መላኺ ሓይሊ ኪሳዕ መጨረሻ ብኹለትናና ኪንገጥሞ ድልዉነትና እነረጋግጽ ዘሎና ደለይቲ ለውጢ መንእሰያት ኢና።

እዞም ተቓወምቲ እንስመ ዘሎና መንእሰያት ተቓውሞና ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ስርዓት ህግደፍን ተግባራቱን ኢዩ። መብዛሕትና ከኣ ብሕሱም ኣተሓሕዛ እቲ ስርዓት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቱ ዝተገረፍናን ዝተለብለብናን ኢና። ከምቲ መን ይንገር ዝወዓለ መንከ የርድእ ዝቐበረ ዝበሃል፡ ንሕና እቲ ንዓና ብኣካል ዘጋጠመናን ኣብ መሰልትናን አሕዋትናን ዝወረደ በደልን ግፍዕን ኢና ንገልጾ ዘሎና። ኪሳዕ  ኣርዑት ህግደፍ ካብ ዝባን ህዝብና ዝእለ ከኣ አዒንትና ኣይክዕመታን ኢየን። ብሓጺሩ ኣብ  መቓብር እዚ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ቅዋማዊት ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ተመስሪታ ብህዝቢ እተመርጸ፡ ህዝብና ባዕሉ ቖጽሊ ብዘንበረሉ ብሕጊ ዝግዛእ መራሒ ኪሳዕ ዝነባበር ቓልስና ቀጻሊ ምዃኑ ደጊምና ከነረጋግጽ ንደሊ።

ስለዝኾነ በዛ ቕልዕቲ መልእኽቲ እዚኣ ኣብዛ እንነብረላ ዘሎና ከተማ ሚላኖ ንዘጋጠመና ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ንህዝቢ ሚላኖን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዝርከብ ህዝብና ኪንሕብርን ከነፍልጥን ንደሊ።

ንሕና ብሕጊ እቲ እንነብረሉ ዘሎና ከተማ ሃገርን እናተነባበርና ንመላኺ ስርዓት ህግደፍ ስለዝተቓወምናን መላኺ ባህሪያቱን ኣበራቱን ንህዝብናን ንማሕበረሰብ ዓለምን ስለዘቃላሕና ጥራሕ፡ ናህሪ ቃልስና  ዘስገኦም ኣካላትን ደገፍትን ህ.ግ.ደ.ፍ ኣንጻርና ዝተፈላለየ ዘመተታትን መጥቃዕትን  ከካይዱ ካብ ዝጅምሩ ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ።

ድምጽናን ሓይልናን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበርተርዐ ስለዝኸደ፡ ብዛዕባ ስርዓት ህግደፍ ንእነቕርቦ ዝኾነ ይኹን ሕቶታት ኪምልሱዎ ስለዘይክእሉ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ካብ ዝምልከት ናይ ህዝቢ ኣኼባን  ኣብ ግፍዒ መወትቲ ኣብ ሓዘን ንኸይንሳተፍ ብምኽልካል፡  ካብ ህዝቢ ኪንጹሉናን ከጸልሙናን ዘይፈተኑዎ ነገር ኣይነበረን። ብኡ ምቕናዕ ምስ ኣበዮም ግን ሕጂ ኣብ ልዕሌና ተቓወምቲ ስርዓት ህግደፍ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ከካይዱ ጀሚሮም ኣለዉ።

ገላ ካብቲ ዝፈጸሙዎ ተግባራት ንኣብነት፡-

1. ብ29/04/2012 ኣብ ፓርማ ብግርማይ ሃብተሚካኤል (ወላሞ) ኣብ ዝተኻየደ፣  ንኹሉ ኤርትራዊ ዝዓደመ ናይ ህዝቢ ኣኼባ ዝተሳተፉ መንእሰያት ብዛዕባ ጉዳይ ሃገራን ህዝብናን ዝምልከት በዳሂ ሕቶታት ስለ ዘቕረቡ ጥራሕ ንኽልተ መንእሰያት ተዘራርዮም ብምህራም ከቢድ ጉድኣት ኣውሪደሙሎም። ኣብዚ ጉዳይዚ ካብ ሚላኖ ዝኸደ “ጉሒላ” ብዝብል ሳጓ ዝጽዋዕ ተኸስተ ዝስሙ ሰብ ዝመርሖ ጉጅለ ከምዝተሳተፈ ይፍለጥ።

2. ብ27/07/2012 ሰዓት 11.00 ናይ ምሸት ኣቢሉ፡ ኣብ “ቤት መግቢ ኣፍሪቃ” ዝዘናግዑ ንዝነበሩ ክልተ ኣባላት “ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ” ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ሃንደበት፡ ብጉጅለ ኮይኖም፡ ገሊኦም ሃረምቲ ገሊኦም ተሓዝቲ ብሙዃን   ዘይተጸበይዎ  ብዳርባ ጠራሙዝ ሃሪሞሞም። ኣብ ርእሲኡ እውን ካልእ ኪገብሩ ሙኻኖም ብምፍካር ኣፈራሪሖሙዎም።

3. ብዕለት 25/08/2012 ከባቢ ሰዓት1.00 ናይ ለይቲ” ካብ 15 ዘይውሑዱ ደገፍቲ ህግደፍ ተቓወምቲ መንእሰያት ይኣትውዎ  ኢዮም ኢሎም ንዝሓሰብዎ ትካላት ምዝንጋዕ፡ ጠራሙጥ ሒዞም ኪመላለሱዎ ኣምሲዮም። ኣብ መወዳእትኡ ከኣ ንምልክት ንግዲ እቲ ትካል ብምድምሳስ ንመዓጹ እቲ ትካላት ከበላሹዉዎ ፈቲኖም። ብመኪና ኪንረግጸኩም ኪንጥሕነኩም ኢና ዝብል ፈኸራን ታህዲድን ድማ ስራሕና ኢሎም ሒዞሙዎ ይርከቡ።

4. ናብ 28/08/2012  ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ንሓደ ተቓዋሚ መንእሰይ አዕሩኽቱ ተመሲሎም ካብ ገዝኡ ብቴሌፎን ብምጽዋዕ  ገሊኦም ኣድብዮም ብምጽናሕ ኣብ ርእሱ ብበሊሕ ነገር  ብኸቢድ ስለዝሃረሙዎ ካብ ገጹ ኪሳዕ ወተጉ ብኸቢድ ብልሒ ተጠቢሑ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ወዲቑ። ኣብ ሆስፒታል ንነዊሕ ዕለታት ኣብ ኮማ ቐንዩ ብሳላ ልዑል ጻዕሪ ሓካይም ሚላኖ ኢጣልያ ካብ ኣፍ ሞት ወጺኡ ይርከብ ኣሎ። ዛጊት ኣብ ትሕቲ ሕክምና ዘሎ መንእሰይ ነቲ ዘጋጠሞ መጥቃዕቲ ኣብ ሓይልን ጎንጽን ናይ ዝኣምኑ ናይ ዘይሰልጠኑ ፈራሓት መጥቃዕቲ ኪብል ገሊጹዎ ኣሎ።

እዚ ብጎንጽን እምባጓሮን ኪጋሃሃር ዝድለ ዘሎ መጥቃዕቲ፡ ታህዲድን ምፍርራሕን ብሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሚላኖ፡ ብኣቶ ርእሶም ገብረገርግስ ዝተወደበ  ምዃኑ ንፈልጦ ኣጸቢቅና ኣረጋጊጽናዮ ምህላውና ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ንሕብር። ቀንዲ ተዋሳእትን መጓሃሃርትን ድማ ቤት መግቢ ኣፍሪቃ ሙዃኑ ኣዳዕዲዕና ፈሊጥና ኣሎና።

ነዚ እምባጓሮን ቃጻን ኮነ ኢሎም ዝደፍኡሉን ዘነሃህሩዎን ዘለዉ

1. ግርማይ ሃብተሚካኤል (ወላሞ)

2. ኤርምያስ  ግደይ  እንግዳ

3. ጸሃየ  ትኩእ  (ቸለንታኖ)

4. ተኸስተ  (ጉሒላ ብዝብል ሳጓ ዝጽዋዕ)

5. መብራህቱ  መሓሪ

6. ኣንገሶም  ከምኡውን

7. ሳሙኤል ገብረዝጊ  ዝበሃሉ ውልቀ ሰባት ኪኾኑ እንከለዉ ካልኦት ተሓባብረቲ ከምዘልዉ እውን ኣረጋጊጽና ፈሊጥና ኣሎና።

ነዚ ፈጺሙ ድሑሩን ፈጺሙ ዘይሓላፍነታዊ ናይ ጎንጺ ተግባር፡ ባህርን ምስልና ናይቲ እንቃወሞ ዘሎና ኣብ ሃገርና ብሓይልን ምፍርራሕን በስገዳድን ማእሰርትን ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ዘንጸባርቕ ብሙዃኑ ንህዝብናን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ባህሪያቶምን ተግባሮምን ኪንገልጾ ንደሊ። ንሕና ኣብ ዓዲ ሕግን  ደሞክራስን  ንነብር ስለዘሎና ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሃገርና ሕጊን ፍትሕን፣ደሞክራስን ሰላምን ከነንግስ  ስለ እንቃለስ ነዚ ኣንጻርና፡ ኣንጻር ተቓውሞ ምልኪ እንቃለስ ዘሎና ናይ ለውጢ ሓይልታት ነዚ  ኩነታት’ዚ  ብሕጊን ሕጋዊ መዳያትን ክንገጥሞን ንኹሎም እቶም ኣብዚ ጎንጽን ቃጻን እተሳተፉ ሰባት ብሕጊ ከነረኻኽበሎም ሙዃንና ንሕብር።

መለኽትን ዓመጽትን ስርዓታት ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ኣብ ህዝቢ ህውከትን ዕግርግርን ንምስዋር ድሕር ከምዘይብሉን፡ ንህዝቢ ብዝተፈላለየ ከፋፋሊ ሜላታት መቓቒሎም ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ከምዝሰርሑን ታሪኽን ተመኩሮን መሰልቶም መለኽቲ ስለዘምሃረና ተግባራቶም ብዙሕ ኣይሕድሰናን ኢዩ። ይኹን እምበር ንሕና ከም ተቓለስትን ደለይቲ ለውጥን መጠን ናብቲ ንሳቶም ዝተለሙልና መስመር ኣቲና ኣብ ዘየድሊ ሓሸውየ ግዜናን ጸዓትናን ከነባኽን ኣይንደልን ኢና። እዚ ሕልና ዘይብሉ ናይ ጎንጽን ቃጻን ተግባሮም እንተቐጺሎም ግን ብሕጋዊ መዳይ ዝኣጎዱዎ ሓዊ ንምጥፍኡ ፈጺምና ከምዘይንጽገም ዳግም ነረጋግጽ።  ህዝቢ ሚላኖን ነበርቲ ኢጣልያን፡ ከምኡውን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ዜጋትታ ነዚ ጉዳይ እዚ ዓገብ ኪብሉዎን ኪኽዕብዎን እናጸዋዕና፡ ኩላትኩም ደለይቲ ለውጢ ነዞም ደም ንጹሃት ደለይቲ ፍትሒ ኣባላት ስምረት መንእሰያት ንለውጢ ዘፍሰሱ ሕግን ታሪኽን ከምዘይንሕፎም ደጊምና  ብምሕባር እዚ ኣብ ሃገራን ብገዛእ ፈቓዱ ብሓይሊ ስልጣን ሒዙ ንህዝብና ዝዕምጽን ዝገፍዕን ዘሎ መላኺ ስርዓት ንኺእለን ኪጽረግን ብኹሉ ሕጋዊ መዳያት ኪንቃለሶ ሙዃንና ነረጋግጽ!!! ዓወት ንደለይቲ ለውጥን ፍትሕን ዜጋታት!!!

ሓባራዊ ተቓውሞ ኤርትራ - ሚላኖ።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...