ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ድማ ብዛዕባ ኣብ ከባቢ 90ታት ዕድመ ዝርከቡ ክልተ ሽማግለታት (ኣባሓጎኣን ዓባያን ንመኣዛ) ኣቦይ ትኩእ ምራጭን ኣደይ ዘውዲ ሃብተሚካኤልን ኢየ ክዛረብ። ኣብ ኣርእስተይ’ውን ‘ካብ መኣዛ ክሳብ ኣማረ’ ክብል ኢየ ጽሒፈ። ኣብዚ ኣማረ መን ኢዩ? ምስ መኣዛ’ኸ ኣንታይ ኣራኸቦ? ዝብሉ ሕቶታት ክስዕብ’ውን ግድን ኢዩ። ኣማረ ትኩእ እምበኣር ሓወቦኣ ንመኣዛ ተኽለኣብ ትኩእ ኢዩ። ታሪኽ ናይዞም ክልተ ሽማግለታት ድማ ንናይ ብዙሓት ስድራ-ቤታት ኤርትራን ንብዙሕ መድረኻት ታሪኽ ኤርትራ ሃገርናን የንጸባር’ዩ ኤለ ስለዝኣመንኩ ኢየ። ኣቦይ ትኩእን ኣደይ ዘውድን ኣርባዕተ ደቆምን ክልተ ደቂ ወዶምን ኢዮም ነዛ ሃገር ወፊዮም። ንሳቶም ድማ ፦

1. ኣማረ ትኩእ

2. ተክለሃይማኖት ትኩእ

3. ስምኦን ትኩእ

4. ኮ/ል ኣየለ ትኩእ (ፊዳ)

ከምኡን ክልተ ደቂ ወዶም ማለት

5. ኣማኑኤል ተኽለኣብ ትኩእ

6. ደምሳስ ተክለኣብ ትኩእ

መኣዛ ትክለኣብ’ምበኣር ሻብዐይቲ ግዳይ ናይቲ ሃገር ንምምጻእን ምስ መጸት’ውን ንምዕቃባ፣ ዝተካየደ ደማዊ ኵናትን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ጉዕዙይ ምሕደራን ኢያ።

ኣስዒበ መስዋእቲ ናይዞም ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎም መንእሰያት ምስ ነብሲ-ወከፍ መድረኻት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብኸመይ ይተኣሳስአር ክገልጽ ኢየ።

  1. ኣማሪ ትኩእ ፦ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተፈጺሞም ካብ ዝበሃሉ ጸለምቲ ፍጻሜታት እቲ ብስም መንካዕን የሚንን ኣብ 1973ን ኣብ 1976ን ዝተፈጸመ ቅንጸላ መንእሰያት ሃገርን ኢዩ። ኣማረ ሓደ ካብቶም ግዳያት ኢዩ። ኣብ ስድራ-ቤት ኣቦይ ትኩእ ድማ ፍሉይ ሕላገት ኣለዎ። ብዛዕባ’ዚ ኣብ ታሕቲ ኣሕጽር ኣቢለ ክገልጽ ኢየ።

  1. ተክለሃይማኖት ትኩእ ፦ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ካልእ ጸሊም ዝበሃል ፍጻሜ እቲ ብስም ኵናት ሓድሕድ ኣብ መንጎ ተጋደልቲ ህ. ግንባርን ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ዝተካየደ ሓድሕድ ምቅትታል ኢዩ። እቲ ኣብ መወዳእቲ 1976 ኣቢሉ ኣብ ህ. ግንባር ዝተሰለፈ ተክለሃይማኖት ትኩእ ፣ ብዙሕ እዋን ምስ ወታደራት ኢትዮጽያ ተዋጊኡን ተወጊኡን እኳ እንተኾነ፣ ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ 1981 ብጥይት ኣሕዋቱ ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኢዩ ሂወቱ ዝሰኣነ። እቲ ሂወት ሓደ ወዶም ዝወሰደ ኵናት ሓድሕድ እምበኣር ሓደ ካብቲ ኣሉታዊ ጐኒ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ’ኳ እንተኮነ፣ ኣብዞም ክልተ ሽማግለታት ፍሉይ ሕላገት ኣለዎ።

  1. ስምኦን ትኩእ ፦ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝበዝሐ መስዋእቲ ዝኸፈለሉን ዝሕበነሉን ታሪኽ እቲ ን30 ዓመታት ዘካየዶ’ሞ ናጽነት ዘዕተሮ ኵናት ኢዩ። ስምኦን ኣብ 1978 ተሰሊፉ። ብዙሕ ውግኣት ሓሊፉ ኣብ መወዳእታ ኣብ ወርሒ ግንቦት 1985 ኣብ ጥቓ ታባ ሸገ ከባቢ ሮራ ባቕላ ብጥይት ወታደራት ደርግ ተሃሪሙ ተሰዊኡ። እቲ ምስ ወታደራት ኢትዮጽያ ዝተኻየደን ናጽነት ዘዕተረን ኵናት እምበኣር ከም ኩሎም ንናጽነት ዝተኸፍሉ ሰማእታት ኤርትራ፣ ኣብ ስድራ-ቤት ኣቦይ ትኩእ’ውን ፍሉይ ተዘክሮ ኣለዎ።

  1. ኮሎነል ኣየለ ትኩእ (ፊዳ) ፦ ካብቲ ነዊሕ ናጽነት ንምምጻእ ዝተኸየደ ኵናት ምስ ሓጺነ-መጺን ተጋጭዮም ከም ጥረ ካብ ብሱል ዝወጹ ተጋደልቲ፣ ኣብቲ ካብ 1998 – 2000 ብስም ናይ ዶብ ኵናት፣ ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ውግእ ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም። ኮ/ል ኣየለ (ፊዳ) እውን ሓደ ካብኣቶም ኢዩ። እዚ ኵናት’ዚ ነቲ እንኮ ብህይወቱ ኣትዩና ዝበልዎ ወዶም ርእዮም ዝሰኣኑሉ ስለዝኾነ ኣብ ስድራ-ቤት ኣቦይ ትኩእ ፍሉይ ሕላገት ገዲፉ ኢዩ ሓሊፉ። ብዛዕባ ኮ/ል ኣየለ ኣብ ታሕቲ ቁሩብ ክዛረብ ኢየ።

  1. ኣማኑኤል ተክለኣብ ትኩእ ፦ እቲ ንናጽነት ዝካየድ ዝነበረ ኵናት ክድምደም ሓደ ወይ ክልተ ዓመት ምስ ተረፎ፣ ካብ ውሽጥን ወጻእን ብዙሓት መንእሰያት ኢዮም ተጸንቢሮሞ። ብዙሓት ካብኣቶም ኣብቲ ውግኣት ተሰዊኦም ብዙሓት’ውን ብሀይወቶም ተመሊሶም። እንቲኾነ እቶም ተካእቲ ክኾኑ ዝግብኦም ኣብ 1990ን ኣብ 1991ን ዝተስለፉ መንእሰያት ድሕሪ ናጽነት ‘ወጋሕታ’ ተባሂሎም ካብ ሰራዊት ተፋንዮም። ኣብ 1998 ካልኣይ ኵናት ምስ ተወለዐ ድማ ከካብ ዝነበርዎ ነነጢሮም ኢዮም ኣብቲ ውግእ ኣትዮምን ሃገር ኣውሒሶምን ኢዮም። ብዙሓት’ውን ተሰዊኦም። ህዝቢ ኤርትራ ነቶም ‘ብሀይወት ኣትዮሙለይ’ ዝበሎም ደቁ ዳግማይ ርእዩ ስኢኑዎም። ኣማኑኤል ተክለኣብ ካብኣቶም ኢዩ። ናይ ዶብ ኵናት እምበኣር ህይወት ኮሎኔል ወዶምን ዳግማይ ርእዮም ዝሰኣንዎ ወዲ ወዶምን ስለዘግደፎም ኣብ ስድራ-ቤት ኣቦይ ትኩእ ፍሉይ  ተዘክሮ ገዲፉ ኢዩ ሓሊፉ።

  1. ደምሳስ ተክለኣብ ትኩእ ፦ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ንዓመታት ክድምደም ዝተጸበዮ ኵናት ኣብ 1991 ብዓወት ድሕሪ ምዝዛሙ፣ ካልእ መሪር ኩናት ክርኢ ኣይተጸበየን። እንተኮነ እቶም ኣብ 1991 ደቂ 10 – 12 ዓመት ዝነበሩ ቆልዑ  ሽግር ናይ ኣያታቶም ክርእዩ ግዲ ተደልዮም፣ ኣብ 1998 ካልእ ህይወት ኣሽሓት ዝሓተተ ኩናት ስዒቡ። ብዙሓት መንእሰያት ሃገርና ድማ እታ ብደም ኣያታቶም ዝተረኽበት ሃገር ከይትጠፍኦም ክቡር ህይወቶም ወፊዮም ኢዮም። ደምሳስ ተክለኣብ ሓድ ካብኣቶም ኢዩ። ኣቦይ ትኩእን ኣደይ ዘውድን ድማ ገና ዕሸላት ደቂ ወዶም’ውን ክስዕቡ ኢዮም ተዓዚቦም።

  1. መኣዛ ተክለኣብ ፦ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ንመጀማርያ ግዜ ኣብ ታሪኹ ግቡእ ወታደራዊ ታዕሊም ዝወሰዱን ዘይወሰዱን ወታደራት ደቁ ብዝበዝሐ ቁጽሪ፣ ብዘይ ገለ ዕላማ ‘ሃጽ’ ኢሎም ናብ ስደት ከምርሑ ተዓዚቡ ኢዩ። ብዙሓት ካብኦም ኣብ ባሕሪ መዲተራንያን ጥሒሎም፣ ኣብ ምድረ-በዳታት ሲናይን ሰሃራን ጠፊኦም። እታ ኣቐዲምና ዝተዛረብናላ ብበደዊን ኣብ ሲናይ ዝጠፍአት ጎርዞ መኣዛ ሓንቲ ካብኣቶም ኢያ። እዚ ኣንርእዮ ዘለና ስደት’ምበኣር ከም ንብዙሓት ኤርትራውያን፣ ኣብ ኣቦይ ትኩእን ኣደይ ዘውድን’ውን እቲ ሕማቕ ገጹ፣ ዘሕዝን ሕላገት ገዲፉሎም ኢዩ ዝሓልፍ ዘሎ።

እዚ ክሳብ ሕጂ ክዝርዝሮ ዝጸናሕኩ ታሪኽ ስድራ-ቤት ኣቦይ ትኩእ ምስ ፍሉያት መድረኻት ህዝቢ ኤርትራ ከተኣሳስሮ ፈቲነ። እስከ እዞም ክልተ ሰብ-ኪዳን ድሕረ-ባይትኦምን ኣተዓባብያ ደቆምን ከመይ ይመስል ንርአ።

ኣቦይ ትኩእን ኣደይ ዘውድን ቃል-ኪዳን ካብ ዝኣሰሩላ ዕለት ጀሚሮም ክሳብ’ዛ ዕለት ኣዚኣ ኣብ ኪዳኖም ጽኒዖም ይነብሩ ኣለዉ።ኣቦይ ትኩእ ገና ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም’ዮም ኣብ መፍረ-ንህቢ ተዋፊሮም። ብዝሒ ዝሕዝዎም ኣናህብ በብዓመቱ ክብ-ለጠቕ ዝብል’ኳ እንተኾነ ብገምጋመይ ካብ 70 – 100 ኣናህብ ይውንኑ ነይሮም። ኣብታ ‘ኣዳራሽ’ ኢሎም ዝጽውዕዋ መጠነኛ ገዛ ድማ ኩሉ ዓይነት መሳርሒ ጽርበት ነይሩዎም። ገለ ካብ ዝዝክሮም መሳርሒታት ንምጥቃስ ፦ ንመተኣሳሰሪ ዝኽውን ሞርሳታት፣ መጋዝ፣ መጽረቢ (plane)፣ መንደሊ፣ መንኮሊ ወዘተ ነይሮም። ብሓጺሩ ኣዳራሽ ኣቦይ ትኩእ ሓንቲ ንእሽቶ ቤት-ጽርበት ዕንጸይቲ ኢያ ነይራ። እዚ ሎሚ ብዘመናዊ መፍረ ንህቢ ዝዝመረሉ ዘሎ ኣገባብን ዓይነቱን ብምሉኡ ኣቦይ ትኩእ ኣብታ ኣዳራሽ ትበሃል ቤት-ጽርበት ገዛ ኢዮም ዝሰርሕዎ ዝነበሩ። ንመስርሒ ሳንዱቕ ንህቢ ዝኸውን ጣውላ ካብ ዕዳጋ ገዚኦም ኣይፈልጡን። ኣብ በረኻታት ዓዶም ካብ ዝርከብ ኣግራብ ጸሪቦም፣ ክይቡኽቡኽን ከይቁንቁንን ፍሉይ ፈሳስን መድሃኒት ኣስትዮምን ዝተፈላለየ ቅርጽታትን እናውጽኡ ንመሳርሒ ቆፎታት ንህቢ ይጥቀሙሉ ነይሮም። እዚ ዘመናዊ ዝበሃል ሳንዱቕ ንህቢ፣ እታ ርቡዕ-ኩርናዕ ዝቕርጻ ኣብ ውሽጢ ሳንዱቕ ትኣቱ መጽፈይት ጋርና፣ እታ መዓር ካብቲ ጋርና ፈልያ ትመጺ ዘመናዊት ትብአሃል ዘላ ማሽን፣ ኣቦይ ትኩእ ገና ብንእስነቶም ኣብ ሓሙሳታትን ስሳታትን ኢዮም ዝሰርሕሉ ዝነበሩ። ንኣብነት ኣብቲ ኣብ 1972 ዓ.ም (1964 ግእዝ) ኣብ ኤክስፖ -ኣስመራ- ዝተካየደ ናይ ምርኢት ውድድር፣ ኣቦይ ትኩእ ንኩሉ’ዚ ሕጂ ብስም “ዘመናዊ ናውቲ መፍረ- ንህቢ” ንርእዮ ዘለና ሒዞም ቀሪቦምን ፍሉይ ስልማት ተሰሊሞምን ነይሮም።

ኣቦይ ትኩእ ኣብ ድግሳ ወረዳ ደቂ-ድግና ንኡስ-ዞባ ሰገነይቲ ኢዩ ዓዶም። ‘ንህቢ ኣቦይ ትኩእ ዘይተነኽሰን ማዓር ኣቦይ ትኩእ ዘይጠዓመን ወዲ-ድግሳ የለን’ እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን። ኣቦይ ትኩእን ኣደይ ዘውድን ሎሚ ኣሪጎም ኣብ ትሒት በዓልቲ ሓዳር ሓንቲ ጓሎም ኣብ ደቀምሓረ ይእለዩ ኣለዉ። እቶም ዝኣልዮም ዝሰኣኑ ኣናህብ ጠፊኦም ኢዮም። እቶም ብመዓርን ጠስምን ዓኵኾም ዝዓበዩ ደቆም እምበኣር ነቲ ዝነበረ ውዕዉዕ ሃገራዊ ንሕቶ ምላሽ ንምሃብ፣ ዕድሚኦም መምስኣኸለ ነነጢሮም ንሜዳ ከምዝወጹ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ ናብ ፋብሪካን ትካል መፍረ-ንህብን ክዓቢ ዝነበሮ መፍሪ-ንህቢ ኣቦይ ትኩእ ሎሚ ኣሰሩ ጠፊኡ ኢዩ። በዚ ከኣ ኢዩ “ፍሪ-ሓርነታዊ ቃልሲ ብመንጽር ሓንቲ ስድራ” ኢለ ክጽሕፍ ዝጀመርኩ። ኣብዚ ከነጽሮ ዝደሊ ነቲ ንናጽነት ዝተኻየደ ገድሊ ይነቅፍ የለኹን። ኣብ 1991 ንስርሖም ዝትክኡ ኮሎነል ኣየለን ክልተ ደቂ ወዶምን ነይሮም ኢዮም። ስለዚ እቲ ናይ ናጽነት ገድሊ ኣብ ስድራ ኣቦይ ትኩእ (ከም ኩለን ኢርትራውያን ስድራ-ቤታት) ሓያል ጽልዋ’ኳ እንተነበሮ ኣብዚ ናይ ሎሚ ደረጃ ግን ዘብጽሕ ኣይነበረን። ኣቦይ ትኩእ ከም ኣብነት ድኣ ቀሪቦም’ምበር ኣብ ኤርትራ ኣሽሓት ስድራ-ቤታት ተመሳሳሊ ታሪኽ ከም ዘለወን ክዝከር ይግባእ። ኣቦይ ትኩእ ሬድዮ ካባ ኢዶም ፈልዮም ኣይፈልጡን ኢዮምት። ነቲ ብቋንቋ ኣምሓራ ካብ ጀርመንን ካብ ኣመሪካን (VOA) ዝፍኖ፣ ከምኡ’ውን ናይ ሰዓት ሸሞንተ ድሕሪ ቀትሪ ዜና ሬድዮ ኣዲስ ኣበባ ከይሰምዑወን ዝሓለፉለን መዓልታት ሳሕቲ ኢየን። ስለዚ ካብቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነብሩ ሓረስቶት ፍልይ ዝበሉን እዋናዊ ኩነታት ዓለም ብደቂቕ ዝከታተሉን ኢዮም ነይሮም።

ክብ ኢለ ብዛዕባ ኮሎኔል እየለ (ፊዳ) ቁሩብ ክዛረብ ምዃነይ ገሊጸ ነይረ። ኮሎኔል ኣየለ ኣብ 1974 ኢዩ ናብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፉ። መብዛሕትኡ ናይ ገድሊ ሂወቱ’ውን  ኣብ ኣጋር ከቢድ ብረት ኢዩ ኣሕሊፉዎ። ኣብ 1991 ቦጦሎኒ መሪሑ ዝኣተወ ኮይኑ፣ ኣብዚ ናይ ዶብ ኲናት ብርገድ መሪሑ ግንባር ዓሰብ ኢዩ ነይሩ። ስራዊት ኢትዮጵያ ዓዲ-ኳላ ንምሓዝ ዓዲ ኮቶዮ ምስ ተቀልቀለ፣ እታ ኮ/ል ኣየለ ዝመርሓ ብርገድ ሓንቲ ካብተን ካብ ግንባር ዓሰብ ተሳሒበን ነቲ ዝህንደድ ዝነበረ ሰራዊት ገጭበን ናብ መረብ ገጹ ከም ዘንቆልቁል ዝገበራ ኣሃዱታት ምንባራ እዝክር።  ‘ሰራዊት ኢትዮጵያ ዓሰብ ንምሓዝ ይግስግስ ኣሎ’ ምስተባህለ ድማ ፊዳ ኣሃድኡ ሒዙ ብፍሉያት ነፈርቲ ዓሰብ ተመሊሱ፣ እታ ከተማ ኣብ ኢድ ጸላኢ ከምዘይትኣቱ ካብ ዝገበሩ ሓለፍቲ ሓደ ነይሩ። ኣብ ምዝዛም ናይቲ ኲናት፣ ኣቲ ናብ ዓሰብ ዝግስግስ ዝነበረ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ናብ ድሕሪት ናብ መበገሲኡ ምስ ተመልሰን፣ ኣብ ግንባር ዓሰብ ተሰዊኡ። ኮሎነል ኣየለ ኣቦ ሰልስተ ቆልዑን በዓል ሓዳርን ነይሩ።

ኣብቲ “መስዋእቲ ዋጋ ሓርነት” ዝብል መደብ ድምጺ ሓፋሽ፣ ብዛዕባ ፍሉይ ሞያን ጅግንነትን ኮ/ል ኣየለ፣ ናይ ነዊሕ እዋን ብጾቱን መቓልስቱን ዝሃብዎ ናይ ዓይኒ ምስክር ብሰፊሑ ስለዝተገልጸ፣ ንዓይ ካብዚ ንላዕሊ ምዝራብ ዘድልየኒ ኣይመስለንን። ብዛዕባ ባህግን ድልየታትን ፊዳ ግን ቁሩብ ወስ ከብል ጽቡቕ ኢዩ።

ድሕሪ ምዝዛም ሓርነታዊ ኲናት (1991 -1993) ኩሉ ባህግታት ናይቲ ብዙሕ ዘይዛረብ ኮሎነል፣ ኩሉ ዕጥቁን ወታደራዊ ሞያኡን ገዲፉ ኣብ ትካል መፍረ-ንህቢ ናይ ኣቦኡ ኢዩ ክኣቱ ዝደሊ ነይሩ። ኩሉ ዕላሉ ሓንቲ ሀሉክስ ዝዓይነታ ናይ ጽዕነት መኪና ገዚኡ፣ ነቶም ኣቡኡ ዘጽንሑሉ ኣናህብ፣ ኣብ እዋን ሓጋይ ንባሕሪ (ከባቢ ደንጎሎ) ኣብ እዋን ክረምቲ ድማ ንዓዲ እና ኣመላለሰ ኣብ ዓመት ክልተ ወቕቲ መዓር ክሓልብ ኢዩ ትምኒቱ ዝነበረ። እዚ ብዙሕ እዋን ክደጋግሞ ምስ ሰማዕኩ ሓደ ግዜ ከምዚ ክብል ተዛሪበዮ ነይረ። “ፊዳ እዞም ሓለፍትኻ ኣይፈለጥካዮምን። ካብ ቁጽጽሮም ወጺእካ ኣብ ሰላማዊ ህይወት ተመሊስካ ገንዘብ ክትእክብን ክትህብትምን ኣየፍቅዱልካን’ዮም። ክትጣየስ ክትብል ኣብ ዘየድሊ ህልኽን ጽልእን ከይትኣቱ” ኢለዮ ነይረ። እንተኾነ ብዙሕ እዋን ብዛዕባ መዓርን ካልእ ፍርያት ንህብን ኣብ ዕዳጋታት ሱዕድያ፣ ዓዲ-ጥልያንን ካልኦት ሃገራን ንዝፈልጦምን ናብተን ሃገራት ንዝመላለሱ ሰባት ይሓትትን መጽናዕቲ የካይድን ነርሩ ኢዩ። መስዋእቲ ፊዳ ንስድራ-ቤቱን ወለዱን ጥራይ ዘይኮነ ነታ ትልኽ ትብል ዝነበረት ትካል መፍረ-ንህቢ ናይ ኣቡኡ’ውን ንሓዋሩ ከምትመውት ገይሩዋ ኢዩ።

……..ይቕጽል

 

ታደሰ ኪዳነ

በርሚንግሃም  UK

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...