እወ! ብብሑት ሕሹኽታ “ጠላም ብጻዩ ረቢ ሻባዩ“ ኢለ ኢየ። ኣብ እዋን ወጋሕታ፡ ኣብታ ዝበዝሐ ፍጡር ጸጥ ዝበለላ ግዜ፡ ንዓይ’ሞ ወዮ ናይ ባዕለይ በዓል ሽራራ ኣባጃማይ ከም’ቲ ቀደሙ ከላህየኒ ከምዘንቀደ ካብቲ ድቃሰይ ኣተንሲኡ ዘዐንዝዘኒ ዘፍዝዘኒ፡ ዘፋጥጠለይ ዘዋጥረኒ ብሓያል ናይ ጉዕዞ ፈጣን ፈረስ ሓሳባት ኣላህይንስ፡ ኣብታ ብሕቖይ ዝተሰጣሕኩላ መደቀሲተይ ዓራት ኮይነ ሰማየ-ሰማያት ኣንቛሪዐ ናብቲ በለፎን እናጠመትኩ ከኣ ከምዚ ክረኣየኒ ጀመረ።

እዋኑ ድሮ ወሪሒ መስከረም፡ መበል 51ን ሃገራዊ በዓል ምጅማር ብረታዊ ቃልስና። ኣብቲ መንግስታዊ መራኸብታት ዋዕዋዕታን ዳህሳስን ምጅማር ናይ’ቲ ዝሓለፈ መንጓድ በዓልና እናተቓልሐ፡ ብወገን ማዕዶ ከኣ ምስረታ ዳግማይ ብረታዊ ቃልሲ ክእወጅ ከምዝሰማዕኩ ርግጸኛ ነበርኩ። መቸም ኤርትራውያን ዕድሎትና ኮይኑስ ገለ ፍታሕ እንተተረኽበ ተባሂሉ ናይ ውሽጢ ንግዳም፡ ንሳቶም ከኣ ንውሽጢ ምቁማትን ምጽንጻንን ኣይገደፍናን።

ምስረታ “ግምባር ዓደ’ቦ ሓርነት ኤርትራ“ ክበሃል ከምዝሰማዕኩ ደጋጊሙ ኣኹደደለይ። መስከረም መመሊሳ  ትእምርቲ ከምእተርእና እናሓሰብኩ ብማንታ ልቢ “ሕጂኸ ንምንታይ ግምባር፡ ንብረታዊ ቃልሲ“? ክብል ባዕለይ ተዋላእኩ። ድሕሪ ናጻነት ብረት ምዕጣቕ ንሓዋሩ ከምዝተረፈ ክመስላ ዝጸንሐት ነፍሲ መቸስ ሳላ መንግስትና ብዝተፈላለየ ላግጽን ምስምስን ሓንቲ መዓልቲ’ውን ደምና ከይፈሰሰ ውዒሉ ኣይፈልጥን። ንሓዋሩ’ውን ተኣጒድና ዘሎ ባርዕ ኣይክጠፍእን ኢዩ። ኩሉ ኪኖ ምትካል ባንዴራ ክሕፈስ ዝተመነናዮ ምህርቲ ሓርነት ብሰንኪ ናይ መራሒና ጥልመት ማይ ዓሚኹና ካብተረፍና ድኣ’ሞ እንታድኣ! ክሳዕመዓስከ ብኸምኡ ክሕለፍ? ብምባል ቀጺለ ከኣ ነቲ ኣብቲ ሰውራ ዝሰማዕኩዎ ዛንታ ደቂ ማይ ጠላሚት ኣኮማሲዐ ከምዚ በልኩዋ ንነፍሰይ።

“ስለቲ ክብሪ ሃገር፡ ስለ’ቲ ቅኑዓትን ተረከብትን ምዃንና’ምበር፡ መራሒና ድኣ ካብመዓስከ ብጻይና ነይሩ“?

ንምዃኑ መንእሰይ ኤርትራ ኣብቲ ንኡስ ዕድመኡ ከመይ ኢሉ ኢዩ  ንሰውራ ዝወጽእ ዝነበረ? ድንገት ሽዑ ክረኣየኒ ዝነበሮ ሓሳባት ኮነ። መሬት ምስበርሀ፡ ኣጠላላም ስለዝበከሎም መብዛሕትኡ ተሰላፊ ምርጫ ስኢኑ ከምዝሰዓቦም ይግዓሩ’ምበር፡ እቲ ተመኩሮ ናይቲ ግዜ ናይ ኩላህና መንእሰያት ብዙሕ ኣይረሓሓቕን ነበረ።

ናይ ባህ ኣይበሎ ግዲ ኮይኑ ብሓሳባተይ ኣብታ ብስርቖት ኣብ እንዳዓርከይ ኣብ ሓደ መርበብ ሓበሬታ ተሰቒሉ ዝረኣኹዎ ድቑስ ስእሊ ወዲኣፎም ተዂረ ጠመትኩ። ኦይ! እንዃዕ እምነቱ በልይለይ ጸንሐ። ዝሓለፈ እዋን ሞቱ ምስሰማዕና ንእዋኑ’ዃ እንዶስእንዶስ እንተነበረ ጸኒሑ ግን ፕረሲደንትና ንሓዋሩ ከምዘይተፋነወ ተበሰርና። ንሱ ከኣ ዘይምሕላፉ ነፍሱ ዕድለኛ ገይሩ ምስቲ ድሕሪኡ ኤርትራ እንታይ መልክዕ ከምትሕዝ ዝኾነ ራእይ ከምዝሰኣነ ብትዕቢት “ኣነ ነቢይ ኣይኮንኩን“…….. ብማለት ዝሃቦ መግለጺ፡ ከምኡ ከኣ ክዝክሮ ዝኸኣልኩ ዝፈልጦን  ዘይፈለጥኩዎን ዘይተረዳኣንን ካልእ ኣደራዕ ሓሳባት ተቖላፍዩ ንዓቐብ ክብል ኣሰራሰረኒ። እሞ፡-

“ከዳዕ!“  ከኣ በልክዎ ንምስሊ ነፍሲሄር። ብደረቐኛ ውሳነ “ከዳዕ’ወ ከዳዕ“ ደገምክዎ ብዘይውልውል።

ተዓዛቢ ሓደ ድሮ ብኻልኦት ዝተባህለ ታሪኽ ዝደጋግም ከምዘለኹ ክሳብ ዝመስሎን ንምንታይነቱ ከዳቕቕ ከም

ዝብህግን ሓያለይ ዓመታት ንድሕሪት ተመለስኩ። እቲ ገጥሚ መቸም ኣጋጣሚ ጥራይ ኢዩ። እታ በቲ እዋን’ቲ

ኣብ ኩሉ ላዕለዋይ ቤት ትምህርትታት ዝተዘውተረት “ናጻነት“ ትብል ተሃራፊት ትጽቢት ኤርትራውያን ከኣ ከምዛ ሽዓኣ ቁልጭ ኢላ ተራእየትኒ። ከምቲ ተዘክሮይ ንዝክሪ እንተኾነኩም ኢለ ኢየ’ውን ኣብታ ንመዋእለይ ዘየጥፋኣን

ዘይትፍለየንን ኖትቡክ ናይ ሓደ ኣቐዲሙ ዝሓለፈ ብጻይና ንተዘክሮ ዝሓናጠጦ ዘካፍለኩም ዘለኹ።

“ኩሉ ድሕሪ ሃገር“ ዝበሃለሉ እዋን ብምንባሩ፡ ናይቲ ግዜ’ቲ ውሳነን ትብዓትን ድማ ዘዳግም ብዘይምንባሩ ካብታ ቅድሚኣ ዝነበረት ፈተነ ዝሓሸት ክትኮነለይ ብሕልናይ ክቱር ተማህለልኩ። ይዝከረኒ ኣብ ቀዳማይ እግረይ በርበረ ከምዝተነፈየኒ ክቱር እናነባዕኩን እናተነኽነኽኩን  ነቲ ኣብታ ከውሒ ኮይኑ ኩንታለይ ደዂዐ ክመጽእ ዝኣዘዘ ’ጨካን’ ተጋዳላይ ክቱር ለመንኩዎ። ዝረኣዮ ነገራት ይነብር ኣይሰምዓንን። ዳግማይ ካብተራኸብና ከኣ እንተኾይን ለይሲ ንከይፍለጥ እናተቓለስኩ ካልኣይ ፈተና ቀረብኩ። ከምቲ ሕሉፍ ተማዓደ ምእንቲ ከይምለስ መንከሰይ ከንቀብቅብ ኣብዝጀመረሉ እዋን ግዳ ልዕሊ ቃላተይ እቶም ምሳይ ኣጻድፍ መሓንቖ ጸበል ዝሰንጠቑ  መተዓብይተይ ተሰምዑ። እንተተመሊሰ ሓደጋ ከምዘነበሮ ከረድኡ ብምኽኣሎም“። ኢሉ ብጻይና። ንሱ ሽዑ ይኹን ድሂሩ ንገዝኡ ኣይተመለሰን። ሕዱር ዓላማ ህሉውን ሕሉፍን ዘበት ነይፈላለ!

ናባይ ክመልሰኩም። ስመይ ኣብታ ክብርቲ መዝገብ ተጋዳላይ ተመዝገበት። ኦላ! እንዃዕ ነታ ከምዋዛ ኣንሶላይን ሽዳይን ዝጠቕለልኩላ ቁራጽ ጨርቂ ሒዘ ዳግማይ ኩንታለይ ክጥሕን ኣይተመለስኩ! ኣኸለ እምበኣር፡ ልበይ ብታሕጓስ ተሰራሰረት። ብምግዳለይ።

ነታ ምዉቕቲ ገዛይ፡ ነታ ሂወተይ ክመርሓላ ዝመሃረላ ዝነበርኩ ቤት ትምህርተይ ጠንጢነ እምበኣር ምስብጾተይ ንበረኻይ!

ኣብ በረኻ ሳሕል ካብ ታዕሊም ኣብምፍናውና ፖለቲካዊ ማዕዳን ሓበሬታን  ኣብዝሰነቕናሉ መዓልቲ፡ ምኽንያት ናይቲ ነቲ ድሩቕ ገጽ ናይቲ ዘፋነወና ላዕለዋይ ሓላፊ /ሰለሙን ወልደማርያም/ ኮነ ካልኦት ዘጨቀወ ነገር እንታይ ከምዝነበረ ኣይፈለጥኩን።ኣብ ዝተሰለፍናዮ ሰልፊ ዓወት ወይ ሞት ጨሪሕናን ተመኒናን ከኣ ንቕሎ ኮነ።

ህይወት መሸም ተነቃፊት ኢያ። ከምኡ ድማ ዕጫ ተሰባሪትን ተቐባሪትን። ረኻቢና መን፡ መዓስን ብኸመይን ከም

ዝኸውን ከይገመትና ጥራይ ንመግዛእቲ፡ ንጦርሰራዊት እናኣቛመትና ቅድም ከምሓደስቲ፡ ድሓርከኣ ከምካድረታት ክንመሃርን ክንምህርን ንትሕዝቶ “ንሕናን ዕላማናን“ ከምሕሱም ኣጽናዕናያ። ልዕሊ ኩሉ መጻሕፍቲ ማርክሰ-ለኒንነት፡ ልዕሊ ዲያለክቲካዊ ነገርነትን ጥቕስታት ማኦን ተሓንገጥናያን ሸምደድናያን። ንደራሲ ንሕናን ዕላማናን ዘሕደርናሉ እምነት እሞ ኣይዝረቦዃ!  መዳርግቲ ከኣ ኣይነበሮን።

ዕድመ ረኺብና እናሰራሕና ዓመታት ደራረብና። ቀልጢፉ ዘይተኻረጀ ውዕል ሕድር እንተኢሉ ምስኣበሳኡ ኢዩ።

ኮይኑ’ውን እናጸናሕናስ ምስቶም ገለ ካብ ትሕዝቶ ትምቢተ-ኢሰይያስ ክእረም ዝሓተቱ ቀዳሞት ኣባላትና ዝሳነ ሓሳባት ተራእየና። ቃል ንቃሉ፡ “ ነቲ ብኣመሪካ ዝምራሕ ዓለማዊ ሃጸይነት ምውዳቕን ንእስራኤል ምድምሳስን“።

ዝብል እምነ-ኩርናዕ መጽሓፍ ንሕናን ዓላማናን ዘይግብራዊ ትንቢት መሰለና። ምኽንያቱ ወፍርና ንሃገራዊ ናጽነት ነበረ። ኪኖ ብዲሞክራሲያዊ ሰውራ ኣንጻር ኢትዮጲያ ምግጣምስ ክሳብ ንምድምሳስ ኣመሪካን እስራኤልን እንታይ ኣምጽኦ? ንምዃኑኸ ተኻኣሊ ዲዩ ዶስ ካልእ ብልሓት ሃልይዎ?........ዝብል ሕቶታት’ውን ተወሰኸና።

እዚ ብፍላይ ኣብቶም ምሁራት ሓያል ውሽጣዊ ጎንጺ ጀመረ። እዚ ታሪኽ’ዚ ኣብገለ ቃለ-መሕትት ወይ ዝተጻሕፈ ተመኩሮ ክገጥመኒ እንከሎ እቲ ዝነበረ ገድሊ ከኣ ይናፍቖ። ንስኻትኩምከ?

ዝኾነ ይኹን በሉ በቲ ሓደ፡ መራሕትና ካድረታት ቻይና ከምምንባሮም መጠን፡ ብፍላይ ኢሳይያስ ካብቶም ካብ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ዝመጹ መወዳድርቱ ተመሃሮ ብፖለቲካን ውትህድርናን ልዑል ጸብለልታ ረኺቡስ ኣብ ደብተረ - ኮሙኒስታ ከምዝተመዝገበ ኮይኑ ተናፈሰ። ንእግረ-መገድና ምስረታ 03 ካብዚ ከምዝተጀመረ ዝዛረቡ ኣለዉ። ኣብቲ ጸምጸም በረኻ፡ ኣብቲ ብዘይካ ነንሕድሕድካ ካልእ ትጽውዖ፡ ትምርቖን ትረግሞን ኣብዘይነበረ ግዜ፡ ተጋደልቲ ደቂ ኤርትራ ከምቲ ኣካይዳ ተሓኤ ዘይማእምኦም፡ንምንታይ ከምዝተሰለፉን ዝተፈንጨሉን ስለዝፈልጡ፡ ኣብሓዳስ ውድቦም’ውን ንሳቶምን ዝተነገሮም ዓላማን ምጥዕዓም ኣብይዎም ክላዘብሉ ተገደዱ። ነዚ ሎሚ በጺሕናዮ ዘለና ግዜ ከምዝብጻሕ ቁልጭ ኢሉ ስለዝተገልጸሎም ድማ ተቓውሞኦም ንጹር እናኾነ መጽአ። ብሓጺሩ ጉዳይ ደምበ ተመሲሉ ኣብሞንጎ ሰዓብቲ ማርክስነትን ርእሰማልነትን መልክዕ ተላበሰ። ወዮ ደምበ ሃጸይን ኮሙኒስታን ፍሉይነቱ ኣሻቡ ከምዝተነጸረ ብሓደ ዝተራቐቐ ጥበብ በቲ ኣብሃገርና ዘሎ ኣውራጃውን ወገናውን ተምሳል ክሕዝ ከኣለ። ንገሊኦም ውርሻ ሕ/ሰብናን ተሓኤን ኮይኑ ተሰምዖም። ንውሑዳት ግን ካልእ ትርጉም ክህብ ስለዝኸኣለ’ሞ እቲ ብጉልቡቡ ክብላዕ ዝተወጠነ ፍረ ሳግላ ክቕላዕ ካብጀመረ ካብኡ ንምህዳም ክበሃል ብዙሕ ጎዳኢ ነገራት ተፈጸመ። ከምውጽኢቱ ነቶም ቀለም ዝቐለሙ ጸጋማይ፡ ነቶም ጨጓራት ዳናጉ ድማ የማናይ ዝበሃል መአከብ ጎሓፍ ሰብ / ምንቅስቓስ / ተዳለወ። ግንከ ብሓቂዶ ስጋብክንድኡ ጸገማት ነይሩ ይኸውን ወይስ ዝተመስረሐ ነገር ነይርዎ? ንዝብል ሕቶታት ዋላ ተገላጺ ኣይንበር ሎምስ ሳላ’ዞም ሰብግዜ መንእሰያትን ጭርሖኦም ’ስመርን ተዛረብን’ ነባራት ወነንቱ እናኣብረስካ ንኩሉ እዋን ክዕበጥ ዝተሓለነ ጥልመት እናተገልጸ ኢዩ።

እቲ ግምባር ጦርስ’ዃ እንታይ በሃላይ። ኣመና እንተኸፍአ ዘይግልግል ኢዩ። ሓወይ ትብሎ  ኣይጽመደልካ ስለዝኾነ ናይ ገዛእ መራሕትና ጉስጥታት ግና ንሓዋሩ ከይተረፈ ዝምሕር ኣይነበረን።ኩሉ’ቲ ብዕላማ“ሓንቲ መዓልትና“ ዝወጸ ዘበለ ከኣ ኣብቅድሚኡ ሰለስተ ገደላት ተገተርዎ።  ልምሰት፡ ሃዳምነትን ምግትታርን። ኩሉ እናፈለጥካ ሓንቲ ከምዘይትፈልጥ ምስቲ ዝበዝሐ ምጽቃጥ። ተገዲድካ ናብ ዝጠዓመካ ምኹብላልን ዝመጸ እንተመጸ ግምባርካ ንዓረር ምግላጽን በቃ! እሞ ብዕጫኻ እንተተረቲዕካኸ?

መቸም ሃገራዊ ማሕላ ኢዩ። ማሕላ ከኣ ንኤርትራዊ መንነት ማለት ኢዩ። መንነት ድማ ሕመረት ተግባር ምዃኑ ይፍለጥ። ወዲ ኤርትራ ከነጸባብቖ ስለዝደለና ኣይኮነን ’ጀግና ኢዩ’ ንብሎ። ጅግንነት ኤርትራዊ ዘይፈልጥ ዓለም የለን። ስለ’ቲ ንሱ ክውደስን ክጽረፍን ጸኒሑ ኣሎ ዜጋና። ኩሉ ዝፈልጥ ዝለበመ ድዩ ግምባሩ ንዓረር ዝህብ ወይስ ሓንቲ ዘይፈልጥ ኣማራጺ ዘይብሉ ጽሕፍቶኡ መሳርሒ ምዃን ጥራይ? ነዚ ክፈትሑ ዘይከኣሉ ተጻባእትና ኣብ ውሽጥና ንዝወልዕዎ ተጻብኦ፡ ብካብውሽጥና ዝኸተብዎም ዕሱባት ከጥፍኡና ከምዝፈተኑ ታሪኽና ዘረጋግጾ ሓቂ ኢዩ። ስለ’ቲ ንሱ ከኣ “ብዝቐለለ ኣጸዋውዓ “ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ“ ብዝብል ስያመ ይዝንቶ እንሆ። ኣየ ከምዚ ዋዛ ነቲ መጽሓፍ ተረር ተረር ኣቢልካ ተቓውሞታት ምድርዳር ክጥዕም! ተጋደልቲ እምበኣር ክልተ ዝብልሑ መላጸ ክረግጹ ኢዮም መሪጾም። ብከምኡ ግዜ ሓሊፉ። ክሳብ መዓልቲ ናጻነት።

ይቕጽል፡

ዕድመ ንወርሒ መስከረም!

ኣለና ብውሽጢ’ውን!

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...