ስልጣን መቸም ሓይሊ ኢዩ። በትረ-ስልጣን እንተተተባሒቱ ከኣ ሓለንጊ እኩያት ካብማዃን ዝዓግቶ መን ኣልዩ። ዓለም ብዙሓት ህቡባት ሰብ ዝናን ቅዉም ነገርን ሰበ-ስልጣናት ተዓዚባ ኢያ። ብዙሓት ካልኦት ዓይነታት ድማ ነይሮምን ኣለዉን። ኩሎም ሰብ ግዜ ዝውክልዎ መደብ ህዝቢ ስለዘለዎም፡ ዝኽተልዎ ፖለቲካዊ ቅዲ ከኣ ኣለዎም። ገሊኦም ክፋል ህዝቢ’ዛ ዓለም “ሃጸያውያን“ ተባሂሎም። በዓል ጺዮነ-ካልእ ከኣ ሰብኪዳኖም ምዃኖም ይንገር። ዝውክልዎ ሓይሊ ከኣ ነቲ በዓል ሃብትን፡ ብጠመተኦም ከኣ ኣብዛ ዓለም ክነብር ዝተፈቕደሉን ምዃኑ ፈሊጥናዮ። ገለ ከኣ ዴሳውያን ከምዝኾኑ ተረኽቲ ኣውጊዖሙና። እዚ ከኣ ነቲ ዝበዝሐ ርሂጸ-በላዕ ይውክል። ስለዚ እዛ ብተፈጥሮኣ ምዕርይቲ ዓለምና፡ ብፖለቲካዊ ጠመተ ግን ረብሓን ስስዐን ብዝእዝዞ መሰረት ኣብ ክልተ ደምበ ተጎዛዝያሃልና እነሀት። ሰባት ንተፈጥሮኣዊ ማዕርነት ረጥሪጦም ብመንግስታዊ መካይኖም ዓለሞም ክዘሩዋ ይህቅኑ። መን ኢዩ ንፉዕ መራሕ ማኪና? ኣየናይ ኮንዩ በዓል ውጹእ ሕብሪ ዓይኒ? ምርጫን ውድድርን ከኣ ይርአ ንምምራሕ። ዝኾነ ኣንቂዱ ንስልጣን ዝመጣጠር ዘበለ እምበኣር ምድንጋር ከምውሁብ ተወሲዱ እንተኾነስ መርገጺኡ ከነጽር ይሕተት። ብተወሳኺ ድሕረ-ባይታን መበቆልን ተወዳዳሪ ንስልጣን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ኣለዎ። እናሓንሳብ ግን ስልጣን ብኣቛራጭ’ውን ትመጽእ ኢያ። እዚ እቲ ውሁብ መዐቀኒ ሰበ-ስልጣናት ይበሃል።

በዚ እንተተሰማሚዕና፡ ንነብስና ክንውከሳ ንኽእል ኢና። መራሒናኸ ካበየኖት ኢዩ? ንመንከ ይውክል?

እናሓንሳብ “ዜግነት’ኮ መበቆል ዘይኮነስ ብቐንዱ ተግባር ኢዩ“! ኢለ ስለዝኣምን ንርእሰይ’ውን ዘይብርሃኒ ነገር ከልዕል ይግደድ ኢየ። መቸም ሓያለይ ብመበቆል ዝማሕደጉ ሰባት በትረ-ስልጣን ክጭብጡ ተራእዮም ኢዮም። “ኢሳይያስን መለስን ክልቲኦም ንኤርትራ ደቂጓል ኢዮም“ ኢለሞም። ከምኡ እንተኾይኑስ ዓደብኡ ዘመሓደረ መለስ ዝያዳ ወዲ ኢቲዮጲያ ኢዩ። እንተኾነስ እንዳኖኡ ከምዘይረስዐ ከኣ ይውረ። ኣብ ኩሉ ፖሊሲታቱ ድማ ብእምነት፡ ብፍቕርን ሓልዮትን ህዝቢ’ታ ሃገር ክገብሮ ዝኽእል ዘበለ ኩሉ ብምግባሩ፡ ወዮም ብልቓሕ ኮነ ብረዲአት ከተንስእዎ ዝጸንሑ መሻርኽቱ ዝኾነ ቁጠባዊ ረብሓ ከይሃለዎም ንሱ ግን ክመጾ ዝኽእል መዘዝ እናፈለጠ ምስ ህንዲ ቻይና እናሰለለ ብዙሕ ገይሩ። ከምሳዕቤኑ ምእንቲ ኢትዮጲያን ህዝባን ንመስዋእቲ ተጋሊጹ ተባሂሉ ይትንተን። ብሓቂ ከኣ መለስ ወዲ ኢቲዮጲያ ምዃኑ ህዝቡ መስኪርሉ።

ናብ ሃገርና ንጠምት። ባህላዊ ምሕደራና ንስልጣን ኮነ ዜግነት ሕጊ ከምዝገበረሉ ንፈልጥ ኢና። ተግባር ዝያዳ ገላጽ መንነት ከምዝኾነ’ውን ኣዝዩ ንጹር ኢዩ። ኮይኑ ድማ ህዝብና ኩሉ እናፈለጠ ንመራሒኡ ኪኖ’ቲ ክኾኖ ዝግባእ ተማእዚዝዎ። እንተኾነስ ፕረሲደንትና መኣዝኑ ስለዝሰሓተ ብዘይካስልጣኑ ብመን ክሕለቕ ተራእዩ ይፈልጥ? ነየናይ ቀጸላ ሕ/ሰብና ይውክል። ንሱ ከምቲ ተባህለ ናይ መንነት ቅልውላዉ ካብሃለወቶ፡ ነየናይ ህዝቢ ከፍቅር ይክእል? ብዙሓት ሰባት ወተሃደራዊ ፖሊሲታቱ ከም መደባት ንዓሰብ ምግዳፍ፡ ብዓቢኡ ከኣ ካብ ናጻ ሃገር ናይምዝላቕ መደባቱ ኣስተብሂሎም ብቐደሙኸ ናጻነት ብሓቂዶ ምንዮቱ ትነብር ትብሉዋ? ኢሎም ከምዝውከሱ ይውረ። ብዝኾነ ጉዳይ ስልጣኑ ካብዓጠቶ ፍቕሪ ክልቲኡ ህዝብታት ከኣ የብሉን’ሞ ንኩልና ምዃን ክስእን ከኣ ሓቁ ኢዩ።

ንሱ ሰባት ኣብምድንጋር ሓያል ውህብቶ ከምዘለዎ ይንገር። ከምቲ ሓንቲ ህጻን ብዙሕ ቛንቛታት ከምዝሸምደደ ዝገለጸትልና፡ ብዘይካ ኣብዚ ገርሂ ህዝብና፡ ክንድቲ ዝፈልጦ ቛንቛ ኣህዛብ ከደናግርሲ ኣይከኣለን። ንኣብነት ንሱ ኣብ ህዝበ-ዓረብ ብኣስማቱ ክሹፍ ምዃኑ ይውረ። ዝኾነ ኮይኑ መገዲ ጥልመት ሓያል ጥበብ መንግዱ ምዃና ይዛረቡ። ንኣብነት ንሃገርና ኣብዲቕ ዝበለ ምብትታን ሸሚምዋ ክንሱ፡ ክቕላዕ ኣብዝጀመረሉ ከኣ ብውሽጢ ውሽጢ ንርእሱ ከም ተሓላቒ ዞባ ማእከል ገይሩ ብምህናጽ ኣብልዕሊ ካልኦት ቅርሕንቲ ከምዝሰርጽ ገይሩ ከተሃናኹተና ፈቲኑ ኣይተዓወተን። ንሱ ከምንሕብረተሰብና ዘጽንዐ ተጋዳላይ ነበር፡ መስፍነ-ርእሰማልነት ንምቅላስ ንኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደ ዕትሮ ኣምኪኹ ሓድሽ ዝመንነቱ ህዝቢ ኤርትራ ክፈጥር፡ ድሒሩ ብመንነት ዝጥይቕ ሰብ ዘየለ ክኸውን፡ ዝዓይነቱ ፈተናኡ ምስቶም ካብንጉሁኡ ህዝቢ ኤርትራን ሶማልን ከይህሉ ዝሓንጸጹን ዝጻረዱን ሓያላን ግርም ኣሰማሚዓቶ ከምዝነበረት ዝፍለጥ ኢዩ። እዚ ንርእዮ ዘለና ብርሰት ሃገርና እምበኣር ብሃውሪ ዝመጸ ኣይኮነን።

ከምኡ እንተኾይኑ እስከ ደጊመ ክሓትት። ፕረሲደንት ኢሳይያስ ነየናይ ህዝቢ ነየነይቲ ኤርትራ ይውክል?

ነገራቱ ከምዚከማይ ጋን ዝኾኖም ሃገራውያን ብዛዕባ ጥልመት ኢሳይያስ ምጽሓፎም ከየመስገንኩ ኣይሓልፍን።

ገሊኦም’ሞ ክሳብ መለለይ ጥልመቱ ክመርጹሉ ኣስተውዒለ። ከምቲ ናይ ማኦ ቀይሕመይሕ፡ ባርኔጣ ኣመሪካን

ካልእን ክፍተን ተዓዚበ። ክሳብ እታ “ስዋሲንካ“ ዝተባህለት ኣርማ ሂትለር ከኣ ተዋሂባቶ ርእየ። ደጊመ ነቲ ፈተነ

ከየመስገንኩ ኣይሓልፍን። እንተኾነስ ገለ ዘራኽቦም ጠባያት’ዃ እንተሎ፡ ኢሱ ብኣርማ ሂትለር ክምሰልሲ ዝከኣል ኣይኮነን። ሂትለር “ኣርያን ልዕሊ ኩሉ“ ዝብል ንጹር ዓላማ ነይርዎ። ኣብሓድነትን ዕብየትን ህዝቡ ነቕ ዘይብል እምነት ነይርዎ። ኣብውሽጢ ርእሰ-ማላዊ ስርዓት፡ እቲ ህዝቢ ከኣ ብሜላ ማሕበራዊ ናብራን ኢዩ ዘንብሮ ዝነበረ።

ክሳብ ለይቲ ሎሚ መንግስቲ ጀርመን ብትልሚ ሂትለር ከምትጎዓዝ ይውረ። እቲ ጠብቆ ክልተነቶም ደምሲሶም ንከባቢኦም ከይተረፈ ብምሕባር ኣብዝሓጸረ ግዜ’ውን ጸብሊሎም እነዉለ።

ኣባናኸ? ነዚ ብባህሪኡ ሓደ ህዝቢ ንምብታኑ ካብዝፈተኑ ገዛእትን ዕሱባትን ከምንኢሳይያስ ዝሰለጦ ከምዘይነበረ ተወርዩ ነይሩ። ቅድም ህዝብና ከሀምል ፈቲኑ። ጸኒሑ ህዝቢ ኤርትራ ስቕኢሉ ድኣ ናጽነት ብሂግዋ’ምበር ሓንቲ

ከምዘይተርብሖ ንምምሳል ምኽኑይ ንዘይኮነ ኲናታት እናኣወጀ ቁጠባና ብጋህዲ ድሂኹ ሃገር ብምብታን በረኻኡ ክሽፍት ወጢኑ ነበረ። እንተኾነስ ኤርትራውነት ከምካብ ዕዳጋ ሓራጅ ዝዕደግ ሕሱር ኣቕሓ ኣይኮነን’ሞ ወዮ ጥልመት ከኣ ሎምስ ልዕሊ ኩሉ ድሙቕ ነገር ደሚቕ እንሆ። በሉ’ስከ ኣርማ ጥልመት ከድኣ ከመይ ትኹን?

ከምንዓይ’ዃ ትርኢቱ ንርእሳ ኣርማ ኢያ። ኣርማ ጥልመት። ናይ እንዳማትና ትርጉም ኣርማታት ከይንድውን ግዳ ኣንቱም ክኢላታት ደቂሃገርና ንጥልመት መራሒና ትበቕዕ ኣርማ ምቕራብ ተድልየኩም ኣላ።

ብሓቂ “ጠላም ብጻዩ ረቢ ሻባዩ“!

ሰናይ ዘመን።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...