ናብ ኩቡር ህዝቢ ኢትዮጵያ!!!

ኩቡራትን ኩቡራንን! እዚ እንልእኾ ዘለና ናይ ሓዘን ደብዳቤና ብህዝቢ ኤርትራ ብወግዓዊ ውክልና ዘርቀቕናዮ ዘይኮነ፡ ስነ-ልቦናዊ ስሚዒት ህዝብና ኣንቢብናን ተዓዚብናን ንስሚዒታቱ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ እንተገለጽና ብምባል እንልእኾ ዘለና ኢዩ፡፡

ዝኸበርኩም ህዝብታት ኢትዮጵያ!! ብመስዋእቲ በዓል ጽኑዕ ዕላማን ራኢን መራሒኹም ኣብ መሪር፡ ከቢድን ዓሚቑን ሓዘን ከምዝቐነኹምን ከምዘለኹምን ሰሚዕና፡፡ ብጀካ እዚ ካብ ቂምን ጽልእን መኽሰብ ዝትምነ ነውራም ስርዓት ሃገርና እሞ መን ኣሎ ዘይሓዘነ?  መላእ ዓለም ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ኣህጉርናን ዞናናን ኩሎም ተኻፈልቲ ሓዘንኩም ኮይኖም፡ መራሒኻ ብህይወቱን ብሞቱን ካብ ዝለዓለ   ክብሪ ንላዕሊ ምርካቡ እንታይ ዘሕብን ኣሎ፡፡ ዘይንስኹም መን ዶ ረኺብዎ ኢዩ፡፡ ብህይወቱን ድሕሪ ሕልፈቱን ዘኹርዕ መራሒ ነይርኩም፡ ዕድለኛታት ኢኹም!

እንተ ንሕና ኣብ ውሽጢ እንርከብ ህዝቢ ኤርትራ’ሞ ዕድልና ሓሲሙ፡ ኣብ ጎንኹም ብምዃን ሓዘንኩም ሓዘና ምዃኑ ብወግዒ እንገልጸሉ ዳሳት እኳ እንተዘይረኸብና ኣብ ሕድሕድ ቤትናን ካንሾሎናን ተዓቢጥና፡ ምስ ስድራቤትናን መቕርብናን ብቲሒም ቲሒም ንውሽጥና ነቢዕና!!  ዓው ኢልካ ዘይብከዮ መሪር ሓዘን ነሕልፍ ኣለና፡፡

ካልኦት ኣህዛብ ጎረባብትና ኣብ ሃገሮም ምስ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን፡ ኣብ ኣደባባያት ወጺኦምን ናይ ሓዘን ዳሳት ተኺሎምን ሓዘኖም ብመንፈስ ጥራይ ዘይኮነ ብኣካል ተጸንቢሮም፡ ኩቡር ቀ/ሚ/ር መለስ ዜናዊ ናትኩም ጥራይ ዘይኮነ ናይ ኣህጉርናን ዞናናን ብሉጽ መራሒ ኩላትና ኢዩ፡፡ ናይ በይንኹም ዘይኮነ ናይ ኩላትና መሪር ሓዘን ኢዩ፡ ብምባል ክገልጹን ንኢትዮጵያውያን ከጸናንዑን ምስ ሰማዕና፡ ዝተደራረበ ሓዘን ተሰሚዑና፡፡ እቲ ምንታይ ሎሚ ብጎናይ “መንግስቲ” ተጓኒና’ምበር፡ ጓኖት ኣይነበርናን ኣይኮናን’ውን፡፡ ቀ/ሚ/ር መለስ ዜናዊ እንተ እቲ ቕድም ተጋደላይ ህ.ወ.ሓ.ትን ወይ ኢ.ህ.ወ.ዲ.ግ.ን ኮይኑ ዲሒሩ ከኣ መራሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዃን ልዕሊ ማንም ንካልኦት ጎረቤት ሃገርን  ህዝብን  ንዓና ንኤርትራውያን ብኹለንተንኡ ይቐርብን የግድሰናን ነይሩ፡፡

እቲ ንዓና ዘግድሰሉን ዝቐርበሉን ቀንዲ ምኽንያት ከምቲ ገለገለ ድኹማት ሰባት “ወዲ ጓልና ወድ ሓፍትና ወዲ እንታይና” ብዝብል ልሙስ ዓቐብ ዘይወጽእ ስነ-ሞጎት ዘይኮነ፡ ካብኡ ንላዕሊ በዓል ዘይርሳዕ ውዕለት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ስለዝነበረን፡ ስለዝኾነን ጥራይ ኢዩ፡፡

ቀ/ሚ/ር መለስ ዜናዊ ዝመርሖ .... ይኹን ውድብ .ህ.... ንናጽነትን ሉኣላዊነትን ኤርትራ ብመትከል ምእማኑ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ፈታኒ ናይ 6ን ሰላሕታውን ወራር ደርግ እዋን ንእምነቱ ኣብ ምትግባር ከም ወርቂ ኣብ ሓዊ ተጠቢሱ ዝሓለፈ፡ መዘና ዘይብሉ መስዋእቲ ዝኸፈለ ውድብን ህዝብን ዝመርሐ ውፍይ መራሒ ምንባሩ ዝርስዕ ሕልና የብልናን፡፡

ነዚ ታሪኽ ክድምስስ ዝደሊ ጣልማይ ጊዝያዊ ስርዓት ዋላ እንተሃለወና፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣንዳዕዲዑ ዝፈልጦ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ፡፡ ናይዚ ህያው ምስክርነት ከኣ ኣብ ገለ ገለ ስድራ ቤታት ኤርትራ ኣብ በረኻታት ሳሕል ብሓባር ናይ ዝተሰውኡ ተጋደልቲ ደቁ ስእልታት ጎኒ ንጎኒ ምስኣቶም ኣኽቢሩ ዘንጠልጠሎ ናይ ተጋደልቲ ህወሓት ስእልታት ኣብ ገዛውቱ ይርከብ ኣሎ፡፡ እዚ ንወለዶታት ዝወራረስ ዘይሃስስ ወርቃዊ ታሪኽ ናይ ክልቲኦም ህዝብታት ኢዩ፡፡

ሕሉፍ ሓሊፉ ቀ/ሚ/ር መለስ ዝመርሖ ውድብ ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ. ድሕሪ ምድምሳስ ስርዓት ደርግ ምስ ህዝብታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ምስ ገለ ውልቀ ትምክሕተኛታት እቲ ሃገር ብጉዳይ ሃገረ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ረጽሚ ተሸሚሙ ብኣዝዩ ፈታኒ ቃልሲ ንበዳህቲ ድሕረታት መኪቱ ንሓቂ ኣእሚኑ ብሓያሎይ መስርሕ ስዒሩ ምውጽኡ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ፡፡ ጉዳይ ኤርትራ ብህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ከምዝፍታሕ፡ ኲናትን ውግእን ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዘይጠቅም፡ ቅድሚ ቀዳድም ኩናት ካብ ምጽሕታር ብሰላም ናይ ምፍታሕ መትከል ከም እምኒ ዓረ ዝተረረ መርገጺ ኩቡር ቀ/ሚ/ር መለስ ዜናዊ ከምዝነበረ ንፈልጥ ኢና፡፡

ግደ መለስ ንሱ ጥራይ ኣይነበረን፡፡ ንሕና ኣየስተብሃልናሉን፡ እምበር ተጋዳላይ መለስ ገና ካብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚሩ ኢሳያስ ዝመርሖ ውድብ ንህዝቢ ኤርትራ መሪሑ ናጽነት ከረጋግጽ እኳ ዝኽእል እንተኾነ፡ ድሕሪ ናጽነት ግን ሃገር ናብ ባርነት ክመርሓ ምዃኑ ኣቐዲሙ ኣሚቱልና ነይሩ ኢዩ፡፡ እንተኾነ ብህርፋን ናጽነት ልብና ተዓቢሱ ንብሩህ ራኢይ መለስ ብኣግኡ ኣይተጠቐምናሉን፡፡ እንሆ ድማ ሎሚ መለስ ዝበሎ ኩሉ ጋህዲ ኮይኑ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ብኢሳያስ ዝደኸየት ብኩለንተንኣ ድሕሪት ዝተረፈት፡ ህዝባ ፋሕፋሕ ዝበላ ኤርትራ ንርኢ ኣለና፡፡

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ ህይወት ሕቶ ንዘቕረቡ ኣብ ኩናት ንናጽነት  ዝሰንከሉን ታሪኽ ዘይርስዖ ተጋድሎ ኣሕሊፎም ነጻነት ዘረጋገጹን ደቂ ህዝቢ ገዳይም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር፡ ንሕቶታቶም ኣብ ክንዲ ብዴሞክራስያዊ ፍታሕን ብልዝብን ምእላይ፡ እቲ ሕግን ልዕልናን ህዝቢ ዘይኣምን “ፕረዚዳንት” ኢሳያስ በቲ ንናጽነት ሃገሮም ከረጋግጹ ኣንጻር ባዕዳዊ ጸላኢ ዝተዋግእሉ ጠበናጅኦም ኣሕዲጉ ኣፈሙዙ ኣንጻሮም ኣቕኒዑ ክጭፍጭፎም ዝተዓዘበ ኩቡር ቀ/ሚ/ር መለስ “ኣይፋልካን ዓገብ!” ከምዝበሎ ንፈልጥ ኢና፡፡ እንተኾነ በቲ ክንዲጻጸ ክንሱ ንነብሱ ክንዲሓርማዝ ዝቆጽር “ፕረዚዳንት” ኢሳያስ “ኣብ ጉዳይና ኣይእትወካን ኢዩ” ዝብል ብደዐ ንመሰማዕታ መለስ ከምዝነፈጎ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተኸዊሉ ክነብር ዝኸኣለ ሚስጥር ኣይኮነን፡፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ነዚ ኣብ ዘለሊ ህሞት ስለዘይነበረና ኣይኮነን ክንፈልጦ እንግምቶ እውን ኣይነበረን፡ ሎሚ ግና ሓቂ ተቐቢሩ ስለዘይነብር በቶም ኣብቲ እዋን ነቲ ሓቂ ዝፈልጡ ገዳይም ተጋድልትና ክንሰምዖ በቒዕና ኣለና፡፡

እቲ ካብ 1998 -2000 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ህልቂት ኩናት በቲ ቀዲምካ ተኩስ ከይተቀደምካ የእውይ ዝመትከሉ ጃንዳ ኢሳያስ ዝተወለዐ ኩናት ምዃኑ፡ እንተኾነ ድሕሪ ምውላዕ ኩናት እውን ቀ/ሚ/ር መለስ ናብ ኩናት ንዘይምእታው ኣብ ውሽጡን ምስ ኢሳያስን ዝገበሮ ዘይሕለል ቃልሲ ከምዝነበረ ሓሓሊፉ በግ ህልም ዝብል ወረ ነይሩ፡፡ እቲ ሓቂ ንሱ ምንባሩ ድማ ሎሚ ኣብ ታሪክ ህይወቱ ብወግዒ ተገሊጹ ኣሎ፡፡ ድሕሪ ምዝዛም እቲ ኩናት እንተኾነ እውን ሰፊሕ መሬት ኤርትራ ተቖጻጺሩ ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንድሕሪት ክምለስን፡ ኢሳያስ ዘመሳምሰሉ ጉዳይ ዶብ ብሕጊ ክውዳእን ምእማኑ ይፍለጥ፡፡

ድሕሪ ብይን ዶብ ንኣፈጻጽማ እቲ ምሕንጻጽ ዶብ ንናይ ክልቲኡ ቀጻሊ ወለዶታት እናሓደረ ዝትኮስ ፈንጂ ብዘይሓድግ መገዲ፡ ብናይ ክልቲኡ ወኪል ህዝቢ ድሌትን ሰናይ ምርድዳእን ክፍጸም ዝወጸ እማመ (ንድፊ) ነይሩ፡፡ እዚ እማመ ንግዚኡ ቁንቁኝኡ እንታይ ብዛዕባ ምኻኑ ዘይርደኣና እንተነበርና ውዒሉ ሓዲሩ ግን ንዓና ንኤርትራውያን እውን ዝረብሕ ኣብ ናይ እንካን ሃባን ሓበራዊ ረብሓ ዝሰረቱ፡ በቲ ኣርሒቑ ዝጥምት ብልሒ መለስ ዝተሓንጸጸ ናይ ዘላቒ ሰላም መፍትሒ እማመ ከምዝነበረ ኣስተውዒልናሉ ኢና፡፡

እቲ ካልእ ብሰንኪ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ግናይ መንሽሮ ዝኾነ ስርዓት ኣንጸርጺሮም ካብ ዝፈትውዋ ሃገሮምን ስድራቤታቶምን ተፈልዮም ዝስደዱ መንእሰያት ወገናትና፡ ቀንዲ መዕቆቢቶም እዛ ለዋህ ሃገርኩም ኢያ፡፡ ሃገርኩም ብቐጥታ ንዝመጽዋ ደቅና  ጥራይ ዘይኮነት ተዕቁብ ዘላ ናብ ኤውሮጳን ካልኦት ሃገራትን ካብ ዝሰጋገሩለን ሃገራት (ሊብያ፡ ምስሪ፡ እስራኤልን ሱዳንን) ዝተሰደዱ ዜጋታትና ኣብ መስርሕ ምስግጋሮም በተን ዝሰግሩለን ሃገራት ተታሒዞም ናብቲ ፈንፊኖምዎ ዝሃደሙ ሕማም መንሽሮ ዝኾነ ስርዓት ንክምለሱ ኣብ ዝግደድሉ እዋን ኢትዮጵያ ንክትወሓሶም ንዘቕረብዎ ጠለባቶም፡ ብወገን ኢትዮጵያ እወታዊ መልሲ ረኺቡ ብሰላም ናብ ሃገርኩም ዝኣተው ዜጋታትና ብዙሓት ኢዮም፡፡ በዚ ሰናይ ተግባር ሃገርኩምን መንግስትኹምን ከኣ ኣዝዮም ብዙሓት መዓንጣ ዘይቋጸሩ ደቅና ከይተረፉ ካብ ግዳይ በደዊንን ካብ ዘይሕጋውያን ነጋዶ ክፋል-ኣካላት ዲሒኖም ኣለው፡፡ እዚ ሰናይ ተግባር መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ንዘላኣለም ዘይርስዖ ውዕለት ኢዩ፡፡ እዚ ውዕለት እዚ ሳላ እቲ ሎሚ በመስዋእቲ ዝተፈለየና ኩቡር ቀ/ሚ/ር መለስ ዜናዊ ዘመንጨዎ ቁኑዕ መሪሕነት ምዃኑ ኣይስወረናን ኢዩ፡፡

ብሓቂ ንሕና ኤርትራውያን እዚ ስደትን መከራን እንቋዕ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ኣሕዋትና ኣይወረደ፡፡ ንሕና ነዚ ግብረ-እከይ ስርዓት ሒዝናስ ክንድኡ ዶ መሓገዝናዮም ኢልና ንገዛእ ነብስና እንሓተሉ እዋን ኢና ዘለና፡፡ ይውሓዱ እምበር ብዝተፈላለየ መገዲ ናብዚ ሃገር ዝኣትውን ኣብዚ ሃገር ዝንበሩን ኣሕዋትና ኢትዮጵያውያን ዜጋታት እንታይ ሕማቕ ተረኽቦ የሕልፉ ከምዘለው ንዕዘቦ ኣለና ኢና፡፡

ብዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ይኹን ካብ ካልኦት ሃገራት ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትው ደቅናን ኣሕዋትናን ኣብታ ብኣእላፍ መስዋእቲ ኣሕዋቶምን ኣያታቶምን ዝረኸብዋ ሃገሮም ዘይረኸብዎ ትምህርቲ፡ ካብን ናብን ናይ ምንቅስቓስ ናጻነት፡ ተወዲብካ ናይ ምዝታይ፡ ዝመስሎም ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን መሰል ከምዝረኸቡ ብዝተፈላለየ መገዲ ንሰምዕ ኣለና፡፡

ብሓፈሻ ነዚ ዓቓል ልቦና ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ  ብፍላይ ከኣ መሪሕት ቀ/ሚ/ር መለስን ውድቡ ኢ.ህ.ወ.ዴ.ግን ህዝቢ ኤርትራ ፍጹም ንዘለኣለም ኣይክርስዖምን ኢዩ፡፡

ሎሚ ብመስዋእቲ ኩቡር ቀ/ሚ/ር መለስ ዜናዊ ዝሕጎስ ደስደስ ዝብሎ እንተሎ እዚ ኣረጊት ስርዓት ኢሳያስን ጃንድኡን ጥራይ ኢዮም፡፡ ንሳቶም እውን ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ደኣ’ምበር ፍጹም ዝውክልዎ ክፋል ማሕበረ-ሰብ ኤርትራ የለን፡፡ እንተኾነ ግና ዛጊት ዘፍርሕ ግዲ ኣፍርሒዎም ካብ ብድሕሪ መጋረጃ ሓሊፎም ብግህዶ ብጩቕ ኣይበሉን፡፡ ብሒም ክብሉ ከኣ ኣይክእሉን፡፡ ብጭርጭር ዓበደ ግን “ኢትዮጵያ ድሕሪ መለስ ዕጫ ሶማል ኣጓኒፍዋ ክትበታተን ኢያ፡ ኢትዮጵያ ደጊም ኣብቂዓ ኢያ…” ወዘተ ዝብል ካብኣቶም ዝለሓኸ ህውተታ ንሰምዕ ኣለና፡፡ ኣብ ሓድሓደ ኣጋጣሚታት እውን ናይ ደስደስ ፍሽኽታቶም የንጸባርቑ ኣለው፡፡ እንታይ ግድኹም ሕልሚ ቀትሪ ይሓልሙ ኣለው፡፡

እዚኦም ካብ ነባሪ ኩነታት ኣይመሃሩን፡፡ እንተዝማሃሩ እኮ “ዳኛ ህዝቢ ኢዩ” ዝብል ቃል ቀ/ሚ/ር መለስ ዜናዊ ኣብ ባይታ ከመይ ተፈጺሙ ምተምሃሩ፡፡ ግን ሎሚ ክንመሃረሉ ኢና እንተዝብሉ’ውን ኣየርክብሉን፡፡ ሓደሽቲ ወለዶታት እዛ ሃገር ግን ብዘይጥርጥር ክመሃርሉ ኢዮም፡፡  ጃንዳ ኢሳያስ ዝበሉ እንተበሉ ዝገበሩ እንተገበሩ ካብ ድሌትን ባህጊን ህዝቢ ወጻኢ ኣብ ዝበጽሕዎ ስለዘይብሎም ሓቢርና ክንርኢ ኢና፡፡

ደናቁር! ብስሚዒቶም ጥራይ ዝግዝኡ ንክውንነት ዝጎስዩ ኮይኖም’ምበር፡ ይትረፍ ንሳቶም “መንግስቲ” ኢና ዝብሉስ ንሕና እኳ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝርከቡ ዜጋታትና ብቴሌፎንን ካልኦት ናይ ተቓወምትን ዓለምን መራኸቢ ብዙሃን ንሰምዖ ከም ዝቐነናን ዘለናን ኣብ ዝኾነ ዓለም ተራኢዩን ተሰሚዑን፡  ዘይፈልጥ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ፡ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ ጫፋት እቲ ሃገር ዝርከብ ህዝቢ ኩሉ፣ ካብ ህጻን ክሳብ ዓቢ፡ ሰብኣይ ሰበይቲ፡ ሙሁር ሓረስታይ፡ ነጋዳይ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኩሉ ብሓደ ድምጺ ተላዒሉ መሪርን ዓሟቑን ሓዘኑ ድሕሪ ምግላጽ ኣብ ቀ/ሚ/ር መለስ ዝነበሮ ዓሟቕ ፍቕሪ ይገልጽ፡ ብይኑ ይህብን ከምዘሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩቡር ቀ/ሚ/ር መለስ ን38 ዓመታት ከየዕረፈ ኣብ 57 ዓመቱ ምስውኡ ብመሪር ሓዚኑ፡ ይኹን’ምበር መትከሉ፡ ኣሰሩ ተኸቲሉ ከመይን ናበይን ከምዝጓዓዝ ናይ 40 ዓመት  ስንቂ ብዘይስክፍታ ከምዘስነቖ ይገልጽ ከምዘሎ ደጋጊምና ሰሚዕና፡፡ በዚ ነድሪ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘይተገረመት ዓለም እውን የላን፡፡

ንሕና እውን ተዓዲልኹም ኢልና ኢና፡፡ እንተ ከምቲ ሕልሚ ቀትሪ ጃንዳ ኢሳያስ እሞ ዘበት፡፡ ንሕና ድሕሪ ኩቡር ቀ/ሚ/ር መለስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝለውጥ ነገር ክህሉ ኢዩ ኢልና ኣይንጠራጠርን፡፡ ዝሓንጸጾ መትከላትን ዘርሓዎ ማዕጾን  ተኸቲልካ ነዊሕ ምጓዓዝ ከምዝከኣል ጋህዲ ኢዩ፡፡ በዚ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምሒር ነድሩን ሓሪኑን ብዙሓት መለሳት ከምዝፈጥር ንኣምን፡፡ መለስ ብህይወቱ ጥራይ ዘይኮነ ብመስዋእቱ’ውን ንህዝቡን ንሃገሩን ኣሕቢኑ ዝሓለፈ ናይዚ ዘመና ጅግና ኢዩ፡፡

ኣቓልቦን መርኣይን ደኣ ኣይፈጠረሉን’ምበር እቲ ኣብ ሃርና ዘሎ ዘንጋር ሰብኣይ ንነብሱ ብመስትያት መለስ እንተዝሪኣ እንታይ ኮን ይብል ይኸውን? ኢልና እንሓስበሉ እዋን ኢዩ ዘሎ፡፡

ኣሕዋት! ብዛዕባና ደሃይ ክህልወኩም ተስፋ ንገብር፡፡ ልዙብ ቃልን ውሑሉል መደረን፡  ኩቡር ቀ/ሚ/ር መለስ ክንሰምዕ ስራሕናን ድቃስናን  ገዲፍና ኮፍ ኢልና ንውዕልን ንሓድርን ምንባርና ትፈልጡ ዶ ትነብሩ? ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዓጃው መራሒ ምስማዕ ካብ ንሓድጎ እኮ ነዊሕ ዓመታት ኢና ኣቑጺርና፡፡ ሓድ ሓደ እዋን እኮ፡ ምስ ቀ/ሚ/ር መለስ ዜናዊ ተሰሪዑ “ፕረዚዳንት” ሃገረ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ተባሂሉ ክስየም ክንሰምዕ እንከለና ብክብሪ ሃገርናን በቶም ኣእላፍ ሰማእታትናን ንሓንኽ ኢና፡፡ ግን እንታይ ንግበር! ትማል ንናጽነት ብኸፈልናዮም ኣእላፍ ሰማእታትና ከይሓልፈልና፡ ሎሚ”ውን ነዚ ጨካን ክነጥፍእ ኣእላፍ ክንከፍል? ክንጸንት? ኩሉ ሻዕ ዘተሓሳስባና ዘሎ ብደሆ ኢዩ፡፡

ግን ከ እንታይ ምርጫ ኣለና? ደሓን ሎምስ ካብ ደቡብ ብዝውርወር ኮኾብ ጽባሕ ደቅና ክወግሓልና ኣብ ተስፋ ኢና ዘለና፡፡

ኩቡር ሓው ህዝቢ ኢትዮጵያ! ንኩሉ ነገር ልዕሊ ማንም ባዕልኻ ብልሳንካ ትገልጾ ከምዝጸናሕኻ ኩሉ፡ ንሕና እውን ካብኡ ንላዕሊ ዝበሃል ኣይክህልወናን ኢዩ፡፡ እንተኾነ ግን ሓንቲ ነገር ክንውስኸልካ፡፡ ሞት ሓደ ሓደ እዋን፡ ንዝውሰድ ሓዲጋ ንዘይውሰድ ትወስድ ፍትሓዊ ፍርዲ ዝጎደላ ክሳብ ትመስለካ መራር ኢያ፡፡ ኩቡር መራሒኹም፡ ካብ ኣብራኽኩም ዝተፈጥረ ውላድኩም ኣብ 57 ዓመቱ ኣይኮነን ዓሪፉ፡ ኣብ 100 ዓመቱ ዓሪፉ ኢዩ ክበሃል ዘለዎ፡፡ ገና ንብድሕሪ ሕጂ’ውን ን40 ዓመታት ዘጓዕዘኩም ስንቂ ስለዝሓደገልኩም ህያው ነባሪ ኢዩ፡፡  ይትረፍ ንዓኹም ንኣፍሪቃ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ንዓና እንተ ብቐጥታ እንተ ብተዘዋዋሪ  ጽባሕ እውን ከም ትማል ካብ ዘስነቐኩም ስንቂ ተቋደስቲ ከም እንኸውን ሰብ ተስፋ ኢና፡፡

ካብ ኣብራኽኩም ተፈጢሩ፡ ኣብ ሕቑፈኹም ዓብዩ በሊሑ፡ ምእንተ ሃገሩን ህዝቡን ክሳብ ናይ መወዳእታ ሕልፈቱ በጃ ህዝቡ፡ ሃገሩን ኣህጉሩን ከም ሽምዓ ነዲዱ፡፡ ብርሃኑ ግና ድሕሪ ሕልፈቱ እውን ህያው ኮይኑ ስለዝቕጽል ዕድለኛታት ኢኹም!! ዕድለኛታት ኢና!!!


ፈጣሪ ነብሱ ኣብ ገነት የንብረልና !!

ጽንዓት ይሃብኩም! ይሃበና!!

ሰናይ ሓዱሽ ዓመት ይግበረልኩም!!


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...