ኦ ተባዕ ህዝቢ ኤርትራ እንቋዕ ናብዛ ዕዝዝቲ ዕለት ኣብጽሓካ። ሓቂ ብሓሶት ኣይክትቅበርን ኢያ! ደጊም ከም ጨርቂ በሊና’ውን ኣይክንተርፍን ኢና’ሞ ንበገስ ጥራይ። እዚ እዋን’ዚ ሃገርና ኤርትራ ሃጥር ከም ዓዋተ ንምውላድ ኣብ ቅልውላው ዘላትሉ ግዜ ኢዩ። ‘ሕማም ሕርሲ ተረሰዓይ’ ከም ዝበሃል፣ እቲ ኤርትራ ናጽነት ንምውላድ ን30 ዓመታት ዝጠነሰቶ መዋእል፣ ኣከጃህ! ተረሲዑ።

ታሪኽን ጅግንነትን ኤርትራውያን፣ ክብሪን መንነትን ህዝባ፣ ባህሊን ሃይማኖትን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ንምቕባር ኣፍራዛታት ህግደፍ ካብ ዝኹዕቱ ነዊሕ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ።

ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ሓደ ካብቶም ብስርዓት ህግደፍ ዝተኻሕደ ጅግና ተቓላሳይ ኢዩ ዝነበረ። እዚ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር መግዛእቲ ሽግ ናጽነት ዝወልዐ ፋርስ ግን መን ኢዩ? ዓዋተ፣ ኣብ ርእሲ ከተማ ሃገር ሓወልቲ ክስራሓሉ ምተገብአ። ኣብ ናይ ክብሪ ቦትኡ ግን ኣለክሳንደር ፑሽኪን ዝተባህለ ደራሲ ክሰፍሮ እንከሎ፣ ክቡር ኣዕጽምቱ ድማ ናብቲ መጸዓኛ ከንገርግሩሉ ዝውዕሉ፣ ካምሲን ዝተጉግ ጎልጎል ሃይኮታ ተቐብረ።

ንሓምድ እድሪስ ዓዋተ ከም ተራ ሽፍታ፣ ንገድሊ ኤርትራ ስለ ናጽነት ድማ ከም ዕሽንት ዝቖጽርዎ፣ ነቲ ስለ ህዝቢ ሂወቱ ዝወፈየ ስዉእ’ውን ‘ተጋግዩ…ሕማቕ መዓልቲ ውዒሉ’ ዝብሉ ፈላስፋታት’ዚ ዘመን’ዚ ምርኣይና  ዘገርም ጽውጽዋይ ኢዩ። ሓምድ ከመይ ዝበለ ሰብ ነበረ? እስከ ካብ መስከርቲን ቤተ ሰብን ዝበሃል ዝነበረ ንርአ፦2

ጠሃ በሽር (ኣብ ኣስመራ ጠበቓ ዝነበረ) ከምዚ ይብል፦ “ሓምድ ኣንጻር’ቲ ዝነበረ ስርዓት በዲሁ እናተንቀሳቐሰ ከሎ፣ ዝስዕብዎ ሰባት ይምልምል ኔሩ።” ንኣብነት እቲ ንባዕሉ’ውን ርሱን ሃገራዊ ስምዒት ዝነበሮ ጠሃ በሽር ናብ መንሱራ ከይዱ፣ ንሓምድ ምስ ክልተ ደቂ-ባዜንን 20 ሚንዓምርን ምስ ረኸቦ፣ ናቱ ሽጉጥ ኣቡሲታ (ናይ እንግሊዝ) ከምዝሃቦ ይገልጽ። ክምለስ ከሎ ድማ ሓምድ ብዓረብ ጽሒፉ ኣድራሻኣ “ናብ ስዒድ መሓመድ” እትብል ሰታሪት ንሃዘሞ ከብጽሓ ለኣኾ።

ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ስዒድ መሓመድ (ሳሆታይ) ሞይቱ ስለ ዝጸንሖ ክህቦ ኣይከኣለን። ብዝኾነ ጠሃ በሽር እታ መልእኽቲ “ንተዓጠቕ፤ ንዋጋእ፤ ንቝጣ ጸላኢ ነጥቅዕ፤ ሰራቒ ንደምስስ፤ ሓሳዊ ነጥፍእ፤ ከምኡ ከይገበርካ ዓዲ ኣይጸርን’ዩ፣ መስዋእቲ ኣብ ዓድኻ ግቡእ ኢዩ” ዝብል ትሕዝቶ ከምዝነበራ ብምዝርዛር፣ ሓምድ ምስ ሰባት ንዝነበሮ ዝምድናን ጽንዓትን ብኣድናቖት ገሊጽዎ ይርከብ።

ኣስዒቡ’ውን ንሓምድ በረኻ ምስ ወጸ ብህዝቢ ቢንዓምር ይድረፈሉ ከም ዝነበረ ይውስኽ፦ “እወላሎ እወላሎ ኢድሪስ ወዲ ሓምድ ማሉ ባዶ - እርድ እግል ልሕደ (ሓምድ ምእንቲ መሬት ክብል ከብቱ ኣጥፊኡ) የስምዕ። ሰኒ ፋሉ ሓምድ ሰኒ ፋሉ፣ ብሬን ረሽረሽያ ድብጣሩ ኢሉ ብምዝካር ሓምድ ብህዝቢ ተቐባልነት ከምዝነበሮ ኣብርሀ። ሓምድ ንባዕሉ’ውን፦ “ኮሎምቦ ዳሊ ኮሎምቦ እትደነክ ምድር መስዲባ” ኢሉ  ብረባባ (ክራር) እናደረፈ  ንብጾቱ የዘናግዖም ከምዝነበረ ይንገር። ኮሎምቦ ኣብ 2ይ ኩናት ዓለም ምስ ኣሽሓት ወተሃደራት ኣብ ባሕሪ ዝጠሓለት መርከብ’ያ። ቀጥታዊ ትርጉሙ “ኮሎምቦ ሓያል ኮሎምቦ ኣብ ጉዕዞኣ ምድሪ መስዩዋ” ዝብል ዝነበረ።

ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ካብ ኣቦኡ ኢድሪስ ዓዋተን ኣደኡ ሃዋ ሽቡልን ኣብ ከባቢ 1911 ዓ.ም. ኣብ ከባቢ ገርሰት ተወልደ። ሓምድ ቀጢን ኮይኑ፣ ማእከላይ ቁመት ድማ ነበሮ። ናብ ሕጽሪ ዝቐርብ ጎተና ዘዘውትር ዝነበረ ሓምድ፣ ከደራይ ዝሕብሩ በዓል ቀጢን ድምጺ ድማ ነበረ። ብዛዕባ ጀጋኑ ከዕልል ወጊሑ ይዓርቦ ከምዝነበረ ድማ ይንገር። ኣብ ግዜ ንእስነቱ ብምግላብ ኣፍራስን ኣግማልን ዝወዳደሮ ኣይነበረን። ምዑት ብምንባሩ ዝረኣዮ ሰብ ወዲቑ ተሓምቲሉ ከይመውት ይፈርሓሉ ነበረ። ቋንቋታት ትግረ፣ ትግርኛ፣ ኩናማ፣ ሕዳርብ፤  ብግቡእ መሊኹ ቋንቋታት ጥልያንን ዓረብን’ውን ይጽሕፍን የንብብን ነበረ።

ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዝፈለመሉ ብዙሓት ሰባት ይደግፍዎ’ምበር፣ ዘቈናጽብዎ ውን ዉሑዳት ኣይነበሩን። ንኣብነት እቲ ሰፊሕ ሕርሻ (ጀርዲን) ኣብ ሃይኮታ ዝነበሮ፣ ምቕማጡ ኣብ ኣቑርደት ዝነበረ ወዲ-ፈንገረዲስ ዝተባህለ ሓንፈጽ ግሪኻዊ “እዚ ወዲ ዓዋተ ጽጋብ ሰርኒቕዎ፣ ከምቲ ቀደም ዘበን እንግሊዝ’ዶ መሲልዎ፣ ብኢዱ ክውጠጥ’ዩ” እናበለ የስተናዕቖ ነበረ። ሓምድ ነዚ ነገር’ዚ ምስ ሰምዐ፣ ነታ ኣብ ሃይኮታ ትርከብ ጀርዲን ኣኽቢቡ ነቲ ግሪኻዊ ሓንፈጽ ክሕዞ ፈቲኑ’ኳ እንተነበረ ኣይረኸቦን። ይኹን’ምበር ነቶም ኣብቲ ሕርሻ ዝጸንሑ ማዕረ 50 ዝኾኑ ሸቃሎ ፋሳት ኣትሒዙ ነቲ ባናና ናይቲ ጀርዲን ኣብረሶ። ኣብቲ ቦታ ንዝጸንሓቶ “ሚኒኮሎ” ብምውሳድ ከኣ፣ ነቲ ግሪኻዊ ሓንፈጽ መአረምታ፣ ንኻልኦት ድማ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ ተመርቀፈ።

ሓምድ ዓዋተ ኩሉ ግዜ ንፖሊስ “ግደፉ! 40 ቅርሽኹም እናበላዕኩም ደቅኹም ናብዩ” እናበለ’ኳ መልእኽቲ ይሰድድ እንተነበረ፣ ንዕኡ ንምሓዝ ግን ዳህሳሶም ኣየቋረጹን። ሓደ መዓልቲ ብብዝሒ ኣኽበብዎ’ሞ ገጠሙ። ሓደ ዓሳውርታ ሰርጌንትን ክልተ ወተሃደራትን ቀቲሉሎም ድማ ኣምለጠ። እንተኾነ ሓደ ቅድም ተኣሲሩ ዝነበረ “ቤረክ” ዝተባህለ ቢንዓሚረታይ፣ ብረት ቂም ኢላ ምትኳስ ስለዝኣበየቶ፣ ሴፍ መሊሑ “ኣነ ፋርስ” ኢሉ እናፈከረን እናደበለን ኣብ መንጎ‘ቶም ፖሊስ ኣተወ።

ፖሊስ ድማ ብእምኒ ክሳዱ ወቒዖም ሓዝዎ። ከም እንደገና ከኣ ናብ ቤት ማሕቡስ ወሲዶም ኣሰርዎ። ብድሕሪኡ ኣብ ግዜ ሃይለስላሴ ናብ ባረንቱ ወሲዶም ቀተልዎ። ሓምድ ብዙሓት ከምዘዘንትውሉ፣ “ጥይት ዘይወግኦ ፍጡር’ዩ” ይበሃል ነበረ። ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ብምጭማት  ፍሉጥን ዉሩይን ነበረ። ዝፈጸሞ ዘደንቕ ምስትንክር’ውን ኣሎ። ሓደ እዋን ኣብ ኣውጋሮ፣ እታ ብቖራጽነቱን ናይ ምጭማት ክእለቱን ምክሕቲ ዝነበረት ዓባይ ሓብቱ ፋጥና፣ ሓምድ ብተዅሲ ካብ ርእሲ-ሰብ እንቋቝሖ ክቐልዕ ከምዝኽእል  ንጎረባብታ ትነግር ነበረት።

እዚ ግዜ’ዚ፣ ማለት ጨካን ስርዓት ህግደፍ ተደምሲሱ ህዝባዊ መንግስቲ ክሳብ ዝትከል፤ ዋና ዘይብሉ ግዚ ኢዩ። እቶም ዋናታት ኤርትራ ክሳብ ዝመጹ፣ ብደም ደቂ ኤርትራ ዝጻወቱ ዘረንጦታት ምህላዎም ኣየገርመናን! ግን ከምቲ ንጉስ ሰለሞን ‘ንኹሉ ግዜ ኣለዎ’ ዝበሎ፤ እታ ዝተቐብረት ሓቂ ክሳብ እትቕልቀልን ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ፍረ እቲ ሓምድ ዝተለሞ ስርናይ ክሳብ ዝበልዕ ንግዜ ክንጽበ ኢና።

ሎሚ ኤርትራ ሃገርና ከም ዛውራይ ማሕጎማ ዳግማይ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፣ ደምዓ ርሱን ቃልሲ ኣንጻር ጨፍጫፊ ስርዓር ህግደፍ ትደሊ ኣላ። ኤርትራ ሃገርና ብዝተፈላለዩ ናይ ባዕዲ መንግስታት፣ ብከም “መግዛእቲ ቱርኪ” ተባሂሉ ኣብ ታሪኽ ዝፍለጥ ካብ እትግዛእ ሓያለይ መዋእል ኮይኑ ኢዩ’ሞ ኣይከም ስርዓት ህግደፍን። እቲ ሸንኮለል ‘ዝመለለይኡ ጽሕፍቶ ኤርትራውያን ካብ ቱርኪ ናብ ጥልያን፣ እንደገና ድማ ናብ መግዛእቲ ዓባይ ብሪጣንያ ተሰጋገረት።

እቲ ኤርትራ ንምግዛእ ዝጥጃእ ዝነበረ ውዲታት እናሓየለ ይኸይድ ስለዝነበረ፣ ድሕሪ 2 ኲናት ዓለም ኣብ ክንዲ ናጽነታ እትረክብ ናብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ተቖርነት። ምምሕዳር ስርዓት ብሪጣንያ ነቲ ኤርትራ ከም ናጻ ሃገር ክትቀውም ዘኽእላ መሰረታዊ ቁጠባዊ ሰረት ስለዘይብላ ብዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ኣገባብ ምስ ኢትዮጵያ ክትተኣሳሰር ኣለዋ ዝብል ፖለትካዊ መጎተ ንምርጓድ ካብ 1941 ክሳብ 1952 ንቑጠባዊ ትሕዝቶ ኤርትራ ኣዕነዉዎ። እቲ ናይ ዘመነ-ኣርበዓታት ቁጠባዊ ዕንወት ከኣ ኣብ ፋሉላዊ ምምሕዳር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተደግመ።

ማዕረ-ማዕረ ቁጠባዊ ዕንወት ድማ ህዝቢ ኤርትራ ብብሄር፣ ሃይማኖት፣ ኣውራጃን ቀቢላታትን ኮነ ኢሎም ስለዝከፋፈሉዎ ናብ ትሕቲ ስርዓት እምባራጦር ሃይለ ስላሴ ከም ተስታይ ብዕራይ ንክቑረን ሰባብ ውዲት ተሓንጸጸ። ቅዳሕ እቲ እከይ ተንኮል ድማ ብዘይ ሓደ ጎደል ሎሚ ኣብ ዘመነ ክሻ-ማንከይ ረኣናዮ።

ልክዕ ሓደ ህዝቢ ታሪኹ እንተዘይዓቂቡን እንተዘይፈሊጡን፣ ቁጠባዊ ኩነታቱን ሓድነቱን እንተዘይኣደልዲሉን ከም ውሕጅ ካናለ ናብ ዘቕናዕካዮ ከም ዝቐንዕሲ ተመኩሮ 50ታት ሃገርና ዓቢ መምህር ኢዩ።

ኣቦታትና ግን ዘይከም ንሕና ደቆምን ደቂ-ደቆምን ዘይተማህሩ ክነሶም ለባማትን መስተውዓትን ስለዝነበሩ፣ ነቲ ብውዲት ፈላለይቲ ዝግበር ዝነበረ ተንኮላት ካብኡ ኣጸቢቖም ርሒቆም ስለዘስተብሃሉ፤ ነቲ ብሓይሊ ጠበንጃ ህዝብና ንምንብርካኽ ዝተላዕለ ኣደራዕ፣ ብሓይሊ ብረት ጥራይ ክምልዓስ ከም ዝከኣል ተገንዚቦም ናብ ብረታዊ ቃልሲ ምምራሕ እቲ እንኮ ምርጫ ምዃኑ ኣስተውዓሉ።

ካብ 40ታት ዝተላዕለ ሰልፍታትን ኣድማታትን ኣይሰርሐን። ኣብ 50ታት ዝማዕበለ ዘመነ-ሰልፍታት ሓይሉን መኸትኡን ናብ ጉንዲ- እዝኒ ጸላኢ ክበጽሕ ኣይቀረበን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ዘካይዶ ዝነበረ ሰላማዊ ቃልሲ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ክሰጋገር ከም ዝነበሮ ኣስተብሂሉ። ነቲ ቃልሲ ዝመርሕ ድማ ኤርትራና ንጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ወሊዳ ነበረት።

ሕልኽላኽመከራን፤ ግፍዕታትን ስደትን መመሊሱ እንተቐጸለ ህዝብና ኣላሽ ኢሉ ኢዱ ኣይሃበን። እቲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነትን ሰላምን 30 ዓመታት ዘካየዶ ሓያል ብረታዊ ቃልሲ ክንድቲ ጽንኩርነቱ ዝኸውን ዓስቢ ወይ ካሕሳ ክረክብ ኣይከኣለን። ዓስቢ ናጽነት! ገድላዊ ሂወት ህዝቢ ኤርትራ ብኹሉ መለክዒታቱ ብስቓይ ዝመልአ ኢዩ ነይሩ። ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ባሕቲ መስከረም ኳሕ ካብ ትብል ኣትሒዛ እቲ ዘይውዳእ ዝመስል ዝነበረ ጉዕዞ ናጽነት፣ ተወድአ ድኣ።

ገድሊ ስሙ ከም ዝሕብሮ ዘይጽወር ገደል ክነሱ፣ እቲ ኣሰር ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋት ዝተኸተለ ኤርትራዊ ተጋዳላይ ናጽነት ሃገሩ ጋህዲ ንምግባርሲ ጸይሩዎ ደኣ። ክሳብ መስዋእቲ መጺኣ ትገላገሎ ስለ ናጽነትን ሓርነትን ኩሉ እንትንኡ ኣብ መጋርያ ኲናት ክፍተን ነብሱ ንስቓይ ኣሕሊፉ ሂቡዋ። ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ባሕሪ ተጋድሎ ልዕሊ መስዋእቲ ዝበሃግ ዕረፍቲ ስለዘይነበረ፣ ኢርትራዊ ተጋዳልይ ንመስዋእቲ ክቡር ባህሊ ከም ዝኸውን ኣሚኑን ኣእሚኑን ሓሊፉ። ሎሚ’ኸ ከም ወዝቢ ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ካብ መቓብሩ እንተዝትንስእ እንታይ’ኮን ምበለ?

ተጋዳላይ ንክነብር መታን እንስሳታት ዝበልዕዎ ቆጽለ-መጽሊ ከም መግቢ ተጠቒሙሉ። ኣብ ኣጻምእ ምድረ-በዳ ኣሰር እግሩ ርእዮም ከይስዕብዎ ንሓንሳብ ሽድኡ ገምጢሉ፤ ካልእ ግዜ ድማ ኣሰር እግሩ ዝድምስስ ሓጹር እናጓሰሰ ተጓዒዙ። ጽምኡ ንከርዊ ፈርሲን ደምን እንስሳታት እናመጸየ፤ ንሓንቲ ዓጽሚ በብተራ እናመንጨተን ንሓንቲ ቆሎውን ኣብ ክልተ እናመቐለን ትንፋሱ ንናጽነት ክትከውን እናዓቀበን ጅግንነት እናኣውረሰን ተጓዒዙ።

ባሕቲ መስከረም እዛ ንህዝቢ ኤርትራ ባና ናጽነት ዘበሰረት ዕለት፣ ሓርበኛ ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ባሪኹዋ። በረኸቱ ጥሉልን ቅዱስን ስነዝነበረ ድማ፣ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሽም ንህቢ ዓሲሉዎ። ኣብቲ ብዕለት ሓደ መስከረም 1961 .. ኣብ ጎቦ ኣዳል ዝተኻየደ ቦኽሪ ግጥም ሰውራን ሓይሊ መግዛእትን ድማ ንመዝገብ መስዋእቲ ሓርበኛታት ዜጋታትና፤ ጅግና ዓብዱ መሓመድ ፋይድ ቀዳማይ ስዉእ ነዛ ሃገር ኮነ።

ሰማያት ሃገርና በታ ናጽነት ንከተበስር ዝተተኮሰት ቦኽሪ ጥይት ኣቃልሐ። ኣብ ባሕቲ መስከረም እታ ብልጭ ዝበለት ንጣር ቁልዒ፣ ብሳላ ዘይጽንቀቕ ባህግን ድሌትን ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዘይጠፍእ ዳሜራ ተቐየረት። ኣነ ነታ ናይ ናጽነት ሓዊ ኣጒደያ ኣለኹ። ብድሕረይ ብዙሓት ደቂ ሃገረይ ከም ዘሳውርዋን ኣብኣ ከም ዝስሕኑን ኣይጠራጠርን እየ‘’ ቃል ስዉእ ሓርበኛ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ኢዩ። ጉዳይ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጽንዓት ዋናታቱ ተመርኲሱ 30 ዓመታት ከም ሓንቲ መዓልቲ ነቶም ኣሽካዕላል ክጻወቱሉ ዝሓሰቡ ሕሱማት ገዛእቲ፣ ኣብ መንጎ እንኲ- ዲኖን ሞዶሻን ቀርቂሩ ኣብ መወዳእታ ኣላሽ ኣቢሉዎም።

ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ፣ ንእሽቶ፣ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፣ ብዘይ ኣፈላላይ ከም ሓንቲ ስድራ-ቤት ሓድነቱ ኣትሪሩ ብሳላ ዝተቃለሰን ዝተሰውአን ኣብ መወዳእታ ኣኽሊል ናጽነቱ ጨቢጡ። ሃገርና ኤርትራ ድማ ኣብነት ነቶም መንገዲ ስሙር ቃልሲ ዝተሰወሮም ህዝብታት ዓለም ንክትከውን በቒዓ። እዛ ወትሩ ብወለዶታትና ክትዝከርን ክትከብርን እትነብር ዕለት ዘበርከተቶ ህያብ ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎ ስለዝኾነ ድማ፣ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ከነኽብራን ካብታ ባሕቲ ተበጊስና ከኣ ዝሓለፍናዮ ጽንኩር ግዜ ቃልስን ተሪፉና ዘሎ ጉዕዞ ክንግምግምን ይግባእ።

ወላ’ኳ ኣብ ዘመነ-ክሕደትን እንክሒራ ህግደፍን እንተለና፣ ኤርትራ! ናትና ናይ ኤርትራውያን ዘውዲ ኢያ። ኣብዛ ዘውዲ እዚኣ እንተ ከቢብናን ብኣኣ እንተተሓቢንናን፣ ብርግጽ ክንማሙቕ ኢና።ለጋዕ ልም ዘላቶ ጎጎ ነይሓንቆ‘ ከም ዝበሃል፤ ብሳላ ጀጋኑ ሰማእታትና ዝተባረኸት ዕለት ባሕቲ መስከረም ስለዘላትና፣ ኣይክንሕነቕንኣይክንደንንን ኢና። ሃገርና ዓባይ ቅርስና ኢያ። ኣባሓጎታትና ኣቦታትናን ኣያታትናን ዘረከቡና ሃገር ሕብራ ኣድሚቕናን ድኽነታ ኣቃሊልናን ናብ ዳሕረዎት ወለዶታት ናይ ምርካብ ሓላፍነት ከም መንደዓት ኣብ እንግድዓ ነፍስ-ወከፍ ዜጋ ዘሎ ዘይራገፍ ሰኸም ኢዩ።

ነቲ ብባሕቲ መስከረም ዝተዘርአ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ከም ካልኣይ ጉዳይ ጌርና፣ ንምፍልላይን ንምብትታንን ማዕጾ እንተከፊትና ግና ነዚ ኣብ ኢድና ሒዝናዮ ዘለና ጸጋ ኣምባሂቑናውን ክንረኽቦ ኣይክንክእልን ኢና። ከምቲ ዓረብ ዝብሉዎ፤ኣጂዓን የሕለም ቢልዒሽ!‘’ ከይከውን ድማ ኣጸቢቕና ንሕሰብ። ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣይከምዓሚን እናበልና ንኸይድ ከም ዘለና ካብ ኩላትና ዝተሰወረ ኣይኮነን። ኣብ ገገዛና ኴንና እስከ ዝግ ኢልና ንሕሰብሞ፣ ናበይ ገጽና ንኸይድ ከም ዘለና ነስተውዕል። እዚ ዘመን ዘመን 50ታት ይመስል ኣሎ።

ህዝቢ ብሃይማኖትን ኣውራጃን፣ ብሰልፍታትን ወገነይ ወገንካን ይበታተን ኣሎ። ንሕና እዞም ክንዲ-ሰብ ዝኣኸልና ዜጋታት ኣብ ኣዐንትና ሓበላ እንተኣቐሚጥና ግን ወይልና። ከምቲንማዕጺድ ትውሕጥያ ምውጽኣ ይኸፍኣኪዝበሃል፤ ብሰንኪ ዘይንቕሓትና ንገብሮ ንዘለና ናይ ፍለ-ፍለ ሆየ-ሆየ! ናብ ደቅና ዘንጸላሉ ደበና ከጸግም ምዃኑ ምስትውዓል ከድሊ ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ በቶም ነፍስ-ሄር ሓርበኛታት ኣቦታትና ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ዓሊን፣ ወልደኣብ ወልደማርያም ዝተዛረቡዎ ቃል ሓድነትን ናጽነትን ክንድምድም። ውላድ ዓጄ!... ሓተ እደ ግብኡ…“ ከምኡውን ‘’ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ብገዛእ ሓይሉ ዘውዲ ደፊኡ ኢዩ ዝርከብ ዘሎ። ነዛ ዘውዲ እዚኣ ድማ እግዚኣብሄር ባሪኹሉ ኢዩሞ፣ ወይልኡ ዝትንክያ”

ዕንባባባሕቲ መስከረም!

ኣለና ብደገ፣ ኣለና ብውሽጢ!

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!!

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...