ንኢትዮጵያ ን21 ዓመታት ብብቕዓት ዝመርሐን እታ ሃገር መሰረታዊ ናይ ደሞክራሲን ቁጠባን ዕብየት ንኸተመዝግብ ዘኽኣለን ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ብሕማም ምኽንያት ብ20 ነሓሰ 2012 ካብዚ ዓለም ብሞት ከም ዝተፈልየ ብማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ምስ ተፈነወ ዝተሰምዓና ስንባደን ሓዘንን ክንገልጾ ቃላት እሓጽረና።

ሞት ባህርያዊ እዩ። ንዘልኣለም ዘዘክር ህያዉ ታሪኽ ሰሪሕካ ምሕላፍ ግን ከም ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዝኣመሰሉ ዉሑዳት ብርቂ ሰባት ጥራይ ዝረኽብዎ ጸጋ ዘልኣለም እዩ። ይኹን እምበር፡ ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ፡ ከም ኩሉ ፍጡር ወዲ ኣዳም ካብ ሕማምን ሞትን ሓራ ክኸዉን ዘይክእል’ኳ እንተነበረ፡ ብመንጽር’ቲ ዝነበሮ ንነዊሕ ዝጠመተ ራእይ ብዙሕ ከበርክተሉ ኣብ ዝኽእል ዕድመ ብምኹላፉ፡ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነት ኣፍሪቃ ብዓባያ’ዉን ዓቢ ናይ ለዉጢ ሃዋርያኣ ስኢና ኢያ።

ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ፡ ኣብ ዝሓለፈ 21 ዓመታት፡ ኩሉ ዓቕሙን ፍልጠቱን ኣንጻር ድኽነትን ድሕረትን ብምዉዓል፡ ኢትዮጵያ ቅድሚኡ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ባና ልምዓትን ደሞክራሲን ንኽትርኢ ዘብቅዐ ከምኡ’ዉን ንራኢታቱ ናብ ግብሪ ናይ ምትርጓም ዓቕሚ ዝዉንን መንግስቲ ብምህናጽ፡ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውነትን ኣብ ዓለማዊ መድረኻት በሪኾም ከም ዝረኣዩ ኣብ ምግባር ዝተዓወተ ኣብነታዊ ኣፍሪቃዊ መራሒ ምንባሩ ግብሪ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ።

ልዕሊ ኹሉ ግና ማዕርነት ህዝብታት ዘዉሕስ፣ ሰብኣዊን ደሞክራስያውን መሰላት ዘረጋግጽ፣ ንሰናይ ምሕደራን ምምሕያሽ መነባብሮ ሚልዮናት ኢትዮጵያውያን ድኻታት ዝተወፈየን ቅዋማዊ ስርዓት ንኽትከል ሳላ ዝጸዓረ፡ እነሆ ሎሚ ንትልምታቱ ኣብ መፈጸምትኡ ዘብጽሕ ዘተኣማምን ተካኢ ወለዶ መሪሕነት ተፈጢሩ ንኢትዮጵያ ኣብ ምምራሕ ይርከብ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ፡ ካብቲ ግዜ ንእስነቱ ዘብለየሉ ዘመነ ገድሊ ጀሚሩ ክሳብ ዕለተ ሕልፈቱ ንመሰል ርእሰ-ዉሳነ ህዝቢ ኤርትራ ዝተማጐተን ኢትዮጵያ ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ክትነብር ከም እትኽእል ንህዝብታት ኢትዮጵያ ዝመሃረን ተባዕ መራሒ እዩ ነይሩ። ዘረባ ሃፋፊ ቀለም ተራፊ ከም ዝበሃል ቀዳማይ ሚኒስተር መለስን ንሱ ዝመርሖ ህወሓት/ኢህወደግን ብዘረባ ዘይኮነ መጻኢ ወለዶታት ክልቲአን ሃገራት  ኣንቢቦም ዝዉከሱዎም መጽሓፍቲ ብምጽሓፍ እዮም ንሕጋዉነትን ፍትሓውነትን ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ መስኪሮም። ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተርን ኢህወደግን ኣብቲ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ደጋፊ ንበይኑ ደዉ ኢሉሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ጎኑ ብምዃን ናይ ታሪኽ ወገንነቶም ኣመስኪሮም እዮም። በዚ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ንዘልኣለም ኣብ ታሪኽ ክዝክሮም ክነብር’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊን ብሱል መሪሕነቱን  ግን ኣብ ቀዳማይ ታሪኽ እንዝክሮ ዉዕለት ጥራይ ኣይኮነን ፈጺሙ። ሕጂ’ዉን ንኣሕዋት ኤርትራውያን ኣብ መሬቱ ብምእንጋድ ታሪኽ ይደግም ኣሎ። ካብ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ጀሚሩ ኢትዮጵያ መዕቈቢት ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኮይና ኣላ። እቲ ብሰንኪ ምልካዊ ኣገዛዝኣ ኣብ ሃገሩ ኣስተርሕዩ ክነብር ዘይተዓደለ ህዝቢ ኤርትራ  ሃጽ ኢሉ ዝስደደለን ሃገራት ብዙሓት እኳ እንተኾና ኣብ ሃገሩ ዘየስተማቕሮ ናጽነት ዘስተማቕረላን ኣብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ዘይረኽቦ ክንክን ዝረኽበላን ሃገር ግን ኢትዮጵያ ኢያ።

እዚ ክንብል ከለና እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዝተጀመረ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝተመርኮሰ ሰናይ ጉርብትና ክልቲኡ ህዝብታት ናብ ዝነበሮ ናይ ምምላስ ጻዕሪ ስልጣን ተረኪቡ ዘሎ ሓድሽ መሪሕነት ክቕጽሎ ምዃኑ ጥርጥር የብልናን። እቲ ምንታይ፡ ራእይ ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር ራእይ ኢህወደግን ራእይ መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያን ስለዝኾነ።

ንሕና ስምረት መንእሰያት ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ብወገንና፡ በቲ ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊን እቲ ንሱ ዚመርሖ ፓርትን መንግስትን ዝተለምዎ ናይ ልምዓትን ሰላምን ምዕባለን መደባት ከም ኤርትራውያን ተረባሕትን ሰብ-ብርክን ምዃንና ስለ እንኣምን ንምዕዋቱ ክንሰርሕ ኢና። ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት እተፈጥረ ዘይተደልየ ግርጭት ናብ ንቡር ናይ ልምዓትን ምትሕግጋዝን ኩነት ንምምላስ ድማ እጃምና ከም እነበርክት ቃል ንኣቱ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን ንገልጽ፡፡ ንኽቡር ቀዳማይ ሚኒስተር ዘልኣለማዊ ዕረፍቲ ከምኡውን ንስድራቤቶም፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ፈተውትን ጽንዓት ይሃብኩም እናበልና ናሓዘን ተኻፈልቲ ምዃንና ንገልጽ።

ስምረት መንእሰያት ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር


Ref. no.001

Date: 25/08/2012


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...