ኣብ’ዚ እዋን፡ ህዝቢታት ኢትዮጵያን፡ ከምኡ’ውን ኤርትራ፡ ኣፍሪቃን ካልእ ዓለምን ኣብ ከቢድን መሪርን ሓዘን ይርከብ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ኣፍሪቃን ዓለምን ዓቢ ተራን ተሰማዓንተን ዝነበሮ፡ ኣዚዩ በሊሕ፡ ለባም፡ በዓል ራኢ፡ ጅግና ተጋዳላይ ቀዳማይ ሚኒስተር ክቡር መለስ ዜናዊ፡ ብሕማም፡ ብሰኑይ 20 ነሓሰ ካብ’ዛ ዓለም ስለዝተፍለየ እዩ።

ሬሳ ኣቶ መለስ ዜናዊ ፡ ሰሉስ 21 ነሓሰ፡ ብነፋሪት ካብ ብራስልስ ርእሰከተማ በልጂም፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ፡ ዝኣተወሉ እዋን፡ ህዝቢ ኣዲስ ኣበባ፡ ልክዕ ከም ሓደ ህያውን ዓቢን ጅግናን ተቐቢልዎ። እቲ ህዝቢ፡ ጥዋፍን ሽምዓን ኣብርሁ፡ ባንዴራኢትዮጵያ ኣንበልቢሉ፡ ስእሊ ናይ ኣቶ መለስ ተሓንጊጡ፡ “ ህይወትና ኣብ ዓሙቕ ሓዘን ኣላ” “መለስ ኣይሞተን”  “ጅግና ኣይሞውትን እዩ” ዝብልን ካልእን እንዳ ጨርሐ፡ ዘለዎ ከቢድ ናይ ሓዘን ስሚዒት ብኣውያትን ብንብዓትን ገሊጹ። ብዓልቲ ቤት ኣቶ መለስ ዜናዊ፡ ወይዜሮ ኣዜብ መስፍንን ካለኦትን ኣንስትን’ውን፡ ምልክት ሓዘንን ዝገልጽ ክዳን ለቢሰን፡ ነቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዓረፈ ሬሳ ኣቶ መለስ  እንዳ ሓቘፋ፡ ኣእዳወን እንዳ ኣመሳቐላ፡ ኣፍ ልበን እንዳ ደሰቓ፡ ብዓውታ ኣልቂሰንን ነቢዐንን።  ከምኡ’ውን ብዙሓት ናይ ሓዘን ካባ ዝለበሱ ኢትዮጵያውያን ደቀተባዕትዮ፡ ሚኒስተራት፡ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ሓለፍትን ሰበስልጣን’ውን  ብተመሳሳሊ ልክዕ ከም ህጻውንቲ እንዳበኸዩ ገጾም ብዘንጀርብብ ንብዓት ክሕጸብ ተራእዩ እዩ።

እወ፡ ኢትዮጵያ፡ ብዓል ጽኑዕ ዕላማን ራኢን ብሉጽ መራሒኣ፡  ስለዝኸሰረት ኣብ ከቢድ ሓዘንን ድነ ጸልማትን ትርከብ። ህዝብታት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃለው ይሃልዉ፡ ኣብ መሪር ሓዘን ይርከቡ ኣለዉ። እቶም፡ ኣብ ወጻኢ ኣብ ስደት ዝነብሩ ህዝብታት ኢትዮጵያ’ውን ናይ ሓዘን ዳስ ተኺሎም (ኣብ ኣዳራሻት ማሕበረ ኮማት ተኣኻኺቦም) ሓዘኖም ይገልጹ ኣለዉ። ኣብ ኢትዮጵያ ባንዴራ እታ ሃገር ኣብ ፍርቂ ተንጠልጢላ ኣላ። ኢትዮጵያን ዝተረፈ ዓለምን፡ ሬሳ ናይ’ቲ ወዲ 57 ዓመት ተጋዳላይ ክቡር መለስ፡ ንሰንበት 2 መስከረም ሓመድ ክሳብ ዝለብስ፡ ሓዘና ክትገልጽ ክትቅንይ እያ።

ኢትዮጵያ፡ ክሳብ’ቲ ኣብ 2015 ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ፡ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ጉዳይ ወጻኢን ዝነበረ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ከምትመሓደር ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ በረኸት ስሞኦን ብ21 ነሓሰ ገሊኡ እዩ። “ብሕጊ መንግስትና መሰረት፡ ከምኡ’ውን ኣቀዲሙ’ውን ብኢህወደግ ብስሩዕ ተተሊሙ ዝጸንሐ ናይ ምትኽኻእ ኣካይዳ መሰረት፡ ሎሚ መዓልቲ ብቤት ምኽሪ ሚኒስተራት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ጊዚያዊ መራሒ ናይ’ዛ ዓዲ (ሃገር) ኮይኑ ተመዚዙ ኣሎ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ፡ እቲ ንኽረምታዊ ዕረፍቲ ተበቲኑ ዝነበረ ፓርላማ፡ ኣብ ዝተኣኻኸበሉ፡ ብሩኽ ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ቃለ ማሕላ ጌሩ፡ ሓላፍነት ወሲዱ ስርሑ ከሳልጥ እዩ።” ክብል ኣዊጁ።

ተጠባባቂ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ቅድሚ ኣብ 2010 ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን፡ ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢን ምዃኑ፡ ኣብ 2006 ኣማኻሪ ኣቶ መለስ ኮይኑ ሰሪሑ ነይሩ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ  ልምዓት ንኽቕጽል ሓደራ” ብክቡር መለስ ዜናዊ ዝተዋህብ ቃል ንዛዜ ምዃ`ኑ ዝጠቐሰ፡ ተጠባባቒ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ደሳለኝ፡ “ንመለስ ተኪእካ ክትሰርሕ ከቢድ እዩ” ኢሉ። ይኹን’ምበር፡ ወዲ 47 ዓመት ሓዲሽ መራሒ  መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ሓደራ ኣብ ምዕራፉ ንምብጻሕ ኢህወደግ ናይ ህልኽ መንፈስ ሓዲርዎ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ንኣቶ መለስ ካብ እዋን ንእስነትን ብረታዊ ቃልስን ናይ ቀረባ ዓርኪ ዝነበረ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ፖለቲካ ተቓዋሚ ደንበ ዝርከብ፡ ኣቶ ስየ ኣብርሃ’ውን ብወገኑ፡ “ናይ ኣይተ መለስ  ምጉዳል ኣብ ኢህወደግ፡ ኣብ ናይ’ቲ ዓዲ ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ቀሊል ክፍተት ኣይኮነነ።” ኢሉ። ኣቶ ስየ ብተወሳኺ፡ ንኣቶ መለስ፡ ሰሓቒ፡ ተጻዋቲ፡ ቁልጡፍ፡ ጽቡቕ ሓሳባት ዘመንጩን፡ በሊሕ ፖለቲከኛን እዩ ክብል ገሊጽዎ። (ድምጺ ሬድዮ ኣሜሪካ)

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣሜሪካ ኣምበሳደር ዝነበሩ ደቪድ ሽን፡ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ዘመዝገበቶ ቁጠባዊ ምዕባለ፡ ማሕበራዊ ህንጸትን ሃገራዊ ዕብየትን ዝድነቕ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣቶ መለስ ንኣፍሪቃን ዓለምን ዘበርከቶ ብኣብነት መስኪሩ

ብቀዳምነት ኣብ ዞባዉን ኣህጉራውን ኣጀንዳታት ምስ መራሕቲ ሃገራት ዝነበሮ ዝምድናታት ዝጥቀስ እዩ። ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣብ ምውፋር ንኣብነት ኣብ ሶማልያን ላበርያን ከመኡ’ውን ኣብ መድረክ ዘተ ዓለማዊ ኩነታት ኣየር (Environment) ድምጺ ኣፍሪቃ ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ” ክብል መስኪሩ።

ኣቶ መለስ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 21 ዓመታት፡ ኣብ ኢትዮጵያን ዓለምን ዝተጻወቶ ኣወንታዊ ተራ፡ ንዘንቲ ዕለት ክዝከር ዝነብር እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ፡ ንኢትዮጵያ ካብ ወተሃደራዊ ጨቋኒ ስርዓት ደርጊ ኣናጊፉ፡ ቅዋምን ሕጊ መንግስትን ንኽትከል፡ ህዝብታታ ኢትዮጵያ ውልቃዊ፡ ጉጀለኣዊን ብሄራውን ሰብኣዊ መሰላቶም ብማዕርነት ንኽኽበር፡ ካብ ድኽነትን ድንቁርናን ወጺኦም፡ ኣብ ጐደና ሰላምን ደሞክራስን ቁጠባዊ ምዕባለን ንኽምርሹ ጽቡቕ መሰረትን ኣንፈትን ዘትሓዘ ኣዚዩ ንፉዕ መራሒ እዩ ነይሩ።

ኣቶ መለስ ኣብ ኢትዮጵያ ገለ ኣይተጋገየን ወይ ኣየጉደለን ማለት ግን ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ጉዳይ ነጻ ፕረስን ደሞክራስን ብገለ ኢትዮጵያውያንን ዓለምለኻዊ ትካላትን ወቐሳ ዝቐርበሉ ኣጋጣሚታት ነይሩ እዩ። እዚ ግን ነቲ ኣቶ መለስ ኣብ ኢትዮጵያ ዘስፈኖ ሰናይ ምሕደራ፡ ኣብ ኣፍሪቃን ዓለምን ዝነበሮ ኣወንታዊ ተራ ፈጺሙ ዘደምዝዝ ኣይኮነን።

እዃ ድኣ፡ ኣቶ መለስ፡ ንኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበራ ኣወንታዊ ታሪኽ ንኽዓዝዝ፡ ከምኡ’ውን ኣፍሪቃ ኣብ ዓለም ዘለዋ ተራ ንኽዓቢ፡ ብዘበርከቶ ዓቢ እጃም፡ ብዓለም ደረጃ ሞጐስ ዝረኸበ መራሒ እዩ። ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ ጫፍ ዓለም ዘለዉ መራሕቲ ሃገራት፡ ብሞት ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ዝተሰምዖም ሓዘንን፡ ዝነበሮም ክብርን ይገልጹ ኣለዉ። እቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ብጻዩ፡ ድሕሪ ናጽነት ከኣ ከም ናይ ቀረባ ዓርኩ ዝፍለጥ ዝነበረ፡ ናይ ዓለምና ቀዳማይ ውልቀ መላኺ ዝተሰምየ ኣቶ ኢሰይያስ ኣፈወርቂ፡ ክሳብ ኣዛ ሰዓት እዚ’ኣ ሓንቲ ቃል’ውን ብጭቕ ኣይበለን ዘሎ። ኤርትራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኪዳንን ካለኦት ውድባትን ውልቀሰባትን ግን፡ ብመራኸቢ ብዙሓን ናይ ሓዘን መልእክቶም ኣመሓላሊፎም ኣለዉ።

ኣቶ መለስ፡ ብሓፈሻ፡ ኣብ ብረታዊን ሓርነታዊን ቃልሲ ህዝብና፡ ብፍላይ ከኣ፡ ኣብ ናጽነት ኤርትራ ዘበርከቶ እጃም ንውሉድ ወለዶታት ክዝከር ዝነብር ሓቂ እዩ። ኣቶ መለስ ኣብ ህዝባዊ ወያኒ ሓርነት ትግራይ (ህውሓት) ተጋዲሉ ዝመርሖ ውድብ፡ ካብ ፈለማ ኣትሒዙ፡ ኣብ ጉዳይ ናጽነት ኤርትራ፡ መሰል ርእሰ ውሳኔ መርገጺ ወሲዱ፡ ኣብ ጐኒ ቃልሲ ኤርትራ ተሰሊፉ ዝተጋደለ፡ ዘጋደለን፡ ንስለ ኤርትራ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣብ በረኻታት ምድሪ ሃገርና ክስንክሉን፡ መስዋእቲ ክኸፍሉን ዝገበረ ወገን እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ 1991 ዓ.ም. ብብረት ዝጨበጦ ዓወት፡ ብሪፈረንደም ብድምጹ ምስ ኣውሓሰ፡ ናይ ኤርትራ ናጽነት ኣብ ዓለም ኣፍልጦ ዝሃበ ቀዳማይ ናይ ኢትዮጵያ መራሒ ኣቶ መለስ ዜናዊ እዩ። መለስ ከም’ቶም ቀዳሞት መራሕቲ መንግስታት ኢትዮጵያ ነይሩ እንተዝኸውን ግን፡ እቲ ኩናት ናይ ምቕጻል ተኽእሎ ኣይምሃለዎን ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን እዩ። መለስ ዜናዊ ግና፡ ኣብ ሞንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ናይ ዘመናት ኩናት ኣብቂዑ፡ ክልቲኦም ህዝብታት ብሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ንኽነብሩ ዘኽእሎም ሓዲሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ መራሒ እዩ።

ኣቶ መለስ፡ ናይኢህወደግ መንግስቲ ኣቑሙ ክሳብ እዛ ዕለተ ሞቱ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝመርሓሉ እዋን’ውን፡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝነበሮ መርገጺ ኣይተቐየረን። በዚ መሰረት ኣቶ መለስ ኣብ ፖለቲካዊ ከይዲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጉዳይ ብዝሓዞ መርገጺን እምነትን ተጋዲሉን ፖለቲካዊ ነቐፌታን ወሪድዎ እዩ። ብፖለቲካዊ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት እታ ሃገር፡ ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ከይህልዋ ዝገበረ መራሒ፡ ዝብል ሓደ ካብ’ቲ ንኣቶ መለስ ዜናዊ ዝቐርብ ቀንዲ ወቐሳ እዩ።

ኣቶ መለስ፡ እቲ ኣብ ሞንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዓ.ም. ዝተኻየደ ኩናት ንኸይፍጠር ብዙሕ ከምዝጸዓረ’ውን ይፍለጥ እዩ። ነቲ ብሰንኪ ኩናት ዝሰዓበ፡ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ዝተፈጸመ’ውን ብተደጋጋሚ ብወግዒ እቕረ ሓቲትሉ እዩ።

ብድሕሪኡ’ውን እንተኾነ፡ ሓው ኣቶ መለስ፡ ኣብ ሞንጐ ክልቲኡ ህዝቢታት ንዝተፈጥሩ ቁስሊ ኣብ ምሕዋይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮ ሕውነታዊ ክብሪን ሰናይ ሓሳብን ብተግባር ኣረጋጊጽዎ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንብረቶም ዝተወርሶም ኤርትራውያን ብሕጋዊ መንገዲ ንኽመለሰሎም ኩነታት ኣመቻቺኡ።

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛትት ተቐቢሉ ብሰላም ኣዕቑቡ እዩ።

ኣሸሓት ኤርትራውያን፡ ካብ’ታ ሃገር ብሕጋዊ መገዲ ናብ ካለኦት ሃገራት ንኽሳገሩ ብዝካኣሎ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ኣምበሳደራት ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ።

ካብ ካለኦት ሃገራት፡ ንዝጥረዙ ኤርትራውያን ከይተረፈ፡ ካብ ሓለንጊ ስርዓት ህግደፍ ከምዘምልጡ፡ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክልተ ኣእዳዉ ዘርጊሑ ተቐቢልዎም እዩ።

ኤርትራውያን መንእሰያት ክሳብ ዪኒቨርስቲ ደርጃ ንኽመሃሩ ማዕጾታት ትካላት ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣርሕዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ናይ ስራሕን ዜግነትን ፍቓድ ንኽረኽቡ ኣፍደገ ከፊቱ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ውልቀ-መላኺ ስርዓት ኢሰይያስ ዘካይዶ ዘሎ፡ ናይ ሓርነት ቃልሲ’ውን ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ደገፍ ብቐዳምነት ዝርቋሕ እዩ።

ናይ ኤርትራ ተቓወምቲ ሓይልታትን ውድባትን ኣብ’ታ ሃገር ኮይኖም ደሞክራስያዊ ቃልሲታቶም ብዉሑስ ከሰላስሉ ብኢህወደግ ዝግበሩ ኩሉ መዳያዊ ሓገዛት ኣቃሊልካ ዝርአ ኣይኮነን። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ዓመታት’ውን፡ ብመንግስቲ ኢህወደግ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዕላማታቱ ከነጽር፡ ውዳብኡ ከደልድልን ህዝባዊ ሰረቱ ንኸስፍሕን ዝሕግዝዎ መድረኻት ንምጥጣሕ ዓበይቲ ስራሓት ተሰላሲሎም እዮም። እቲ ኣብ 2010 ዝተኻየደ ዋዕላ ኮምሽን ኣብ 2011 ዝተኻየደ ናይ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ሃገራዊ ጉባኤን ናይ ምሁራት ኣኼባን፡ እቶም ኣብ ወርሓት ሓምለን ነሓሰን ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ዝተኻየዱ ናይ መንእሰያትን ተመሃሮን ኣኼባታት፡ ከም ኣብነት ክጥቐሱ ይኽእሉ እዮም። በዚን ካልእን ምኽንያታት፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ውዕለት ሓው መለስ ዜናዊን፡ ንሱ ዝመርሖ ኢህወደግን ፈጺሙ ዝርስዖ ኣይኮነን። በዚ ከኣ ንህዝቢን መንግስትን ኢትዮጵያ ልዑል ልባዊ ምስጋና ይግብኦም እዩ።

እቲ ሕጂ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣገዳሲ ሕቶ ኮይኑ ዘሎ፡ ሓው መለስ ብሃንደበት ካብ’ዛ ዓለም ብምፍላዩ፡ ኣብ ሞንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ኩነትት ከመይ ክኸውን እዩ? ዝብል እዩ። እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ፡ ንዓሰርተ መዓልታት ብዛዕባ ጉዳይ ሃገሮም ክዛተዩ ኣብ ደብረዘይቲ ዝነበሩ መንእሰያት ኤርትራ፡ ንሓደ ካብ’ቶ መስረቲ ህውሓትን፡ ሎሚ ብደረጃ ማዕርግ ሚኒስተር ዝመርሕ ዘሎ፡ ኣቶ ኣባይ ጸሃየ ተመሳሳሊ ሕቶ ኣቕሪቦምሉ ነይሮም። እቶም መንእሰያት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ  ዜናዊ፡ ድሕሪ ወርሒ ናይ ኣኼብኦም ከምዝመውት ኣቐዲሞም ፈሊጦም ዘይኮኑሲ፡ ናይ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት ዝምድና፡ መብዛሕትኡ እዋን ምስ ሓለፍቲ ሕውሓት ዘተኮረ ብምዃኑ፡ ካብ ምስትውዓል ዝብገሰ እዩ። እቲ ብሓንቲ ጉጅለ ተወኪሉ ዝቐረበ ሕቶ ከም’ዚ ዝስዕብ ይብል ነይሩ።

ካብ ተመኵሮና፡ ኩሉ ዓይነት ናይ ተቛውሞ ጉዳያትናን ርክባትናን፡ ምስ ኣብ ኢህወደግ ዘለዉ፡ ኣባላት ህወሓት ዘለዉ ብጾት እዩ። እቶም ካለኦት ውድባት ኣባላት ኢህወደግ ነዚ ጉዳይ’ዚ ከመይ ይስዕብዎ ኣለዉ? ኣብ ኢህወደግ ዘሎ ናይ ሕጂ መሪሕነት፡ ብኻለኦት ውድባት እንተተኪኡ ቀጻልነት ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራን ደሞክራስያዊ ምንቅስቓሱን ከምዘለዎ ናይ ምቕጻል ከመይ ይመስል?

ንሕና፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ብጻይ መለስ ስለዝኾነ፡ ወይ ሕውሓት ኣብ ኢህወደግ ሕይል ዝበለ ተመክሮ ዘለዎ ውድብ ስለዝኾነ፡ ጥራሕ ዝመጸ ጌርና ኣይኮናን ንርእዮ። ቀደም ከምኡ ነይሩ ክኽውን ይኽእል እዩ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 20 ዓመት ኢህወደግ ካብ ዝምስረት ንድሓር ግና ከምኡ ኣይኮነን። ነቲ ናይ ሰናይ ጉርብትና ፖሊሲ ከም መንግስቲ ኢህወደግ ኢና ንቕበሎ። እዚ ቅዋማት’ዚ ናይ መንግስቲ ፖሊሲ ክኸውን ከሎ፡ ናይ ኢወደግ መሪሕነት ናይ ኣርባዕቲአን ውድባት’ውን ብሓባር (ማዕረ ውክልና ኣለዎ ኣብ’ቲ ኣመራርሓ) ዝወሰናዮን ዘጽደቕናዮን እዩ” ክብል መሊሱ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ ዝተረኸቡ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣማኸርትን ላዕለዎት ሓላፍትን ንኣብነት ኣቶ በረኸት ስመኦን ከምኡው’ን ኣቶ ሬድዋን ሑሴን’ውን ብተመሳሳሊ፡ ከምወትሩ ኢህወደግ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዘለዎ መርገጺ ዘይቅየር ምዃኑ ኣረጋጊጾም እዮም።

ብምኽንያት ዕረፍቲ፡ ኣቶ መለስ ዜናዊ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝቐረቡ ኩሎም መራሕቲ ኢህወደግ ልዕሊ ኩሉ ከኣ፡ ህዝብታት ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ዝገልጽዎ ዘለዉ፡ ኣቶ መለስ፡ ዘቘሞ ዕላማን ራኢን፡ ዘንበሮም መትከላትን ሕንጻታትን መስመርን ክፍጽሙ፡ ዝጀመሮ ናይ ሕዳሴ ስርሓት ክቕጽሉ ከምዝመሓሉን ከምዝተተዓጠቑን ገሊጾም ኣለዉ።

ከም ኤርትራውያን፡ ካብ’ቲ ክቡር ኣቶ መለስ፡ ኢህወደግ ከኣ ብሓፈሻ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዘለዎ መርገጽን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሰናይ ክውንነት ተበጊስካ፡ ናይ ኢህወደግ መንግስቲ ንኽቕጽል ካብ ምምናይን ዝከኣለካ ካብ ምብርካትን ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ካልእ ኣማራጺ የልቦን።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ህዝብታት ኢትዮጵያ ካብ’ዚ ወሪድዎም ዘሎ ከቢድ ከነታት ብኣወንታ ጸኒዖምን ሓይሎምን ወጺኦም፡ ኣብ ሞንጐ ክልቲኡ ሓው ህዝብታትን ከምኡ’ውን ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ዘላቒ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ምዕባለን ንኽመጽእ፡ ናይ ወትሩ ሓሳብና ጸሎትናን ተግባርናን ክኸውን እግዝኣብሄር ንኹላትና ይሓገዘና።

እግዝኣብሄር ንሓው መለስ ብየማኑ ይቀበሎ!

ጽንዓት ንኹሎም ቤተሰብን ሓው መለስ ዜናዊ!

ጽንዓት ንህዝቢን መራሕትን ኢትዮጵያ!

ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ!

ቴድሮስ መንግስቱ

ጋዜጣ ሰላም

ህይስቶን ቴክሳስ

08/23/12

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

Cell: 832-455-0540

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...