ሎሚ ሰሉስ ዕለት 21 ነሓሰ 2012 ሞት ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ መለስ ዜናዊ ሰሚዕና። እዚ መርድእ’ዚ ንኢትዮጵያውያን ጥራይ ዘይኮነስ ንህዝቢ ኤርትራን ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃን እውን ዓቢ ክሳራ ኢዩ። ገዲም ተጋዳላይ ዝነበረ መለስ ዜናዊ ሙሉእ ዕድሚኡ ንስለ ፍትሒ ኣብ ቃልሲ ጽንኩር ጉዕዞ ዘሕለፈ፣ ብድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ደርግ ድማ ኣብ ታሪኽ ዘመናዊት ኢትዮጵያ ብወለዶታት ዘይርሳዕ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረ ሓያል መራሒ ኢዩ።

መለስ፣ ንደምበ ተቓውሞ ኤርትራውያን ደጀን ዝነበረ፣ ብሰንኪ ፋሉላዊ ምሕደራ ህግደፍ ንዝተዘናበሉን ብካልኦት ሃገራት ጥርዝያ ንዝተበየነሎምን ኤርትራውያን ዑቕባ ንክረኽቡ ዘፍቀደ፣ ንኣማኢት መንእሰያትና’ውን ክሳብ ናይ ዩኒቨርሲቲ ምምሃር ዕድል ንምርካብ ከይተሓለለ ዝሓገዘ  ትጉህ መራሒ ኢዩ ዝነበረ። መለስ ብሓፈሻ ንህዝቢ ኤርትራ፣ ብፍላይ ከኣ ነቶም ስለ ናጽነት ኣብ ሜዳ ዝነበርና ኤርትራውያን ናይ ቀረባ ብጻይናን መጓዕዝትናን ዝነበረ ምኩር ተቓላሳይ ኢዩ።

ወዲ 57 ዓመት መለስ ዜናዊ፣ ኣብ መዋእሉ ንኢትዮጵያውያን ዘውረሶም ኣከያይዳ ሕገ-መንግስቲ ኣብ ፖለቲካ፣ ቁጠባን ማሕበራዊ ሂወትን ተዓቂቡ ናብ ዳሕረዎት መራሕቲ ንክመሓላለፍ ንትስፎ። ወዲ ሰብ ታሪኽ ሰሪሑ ኢዩ ዝሓልፍ’ምበር ነባሪ ኣይኮነን። መለስ ድማ ነቲ ኣብ ጉዕዞኡ ዝሰርሖ ታሪኽ ገዲፉ ሓሊፉ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን ሞት ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ መለስ ዜናዊ፣ ናይ ሓዘንኩም ተኻፈልቲ ምዃንና ንገልጽ።

 

ንነፍሱ መንግስተ-ሰማያት ይሃቦ።

ንስድራ ቤቱን ንሙሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ከኣ ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።

 

ደምበ ኣለና

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...