ኣብዚ ቀረባ እዋን 42 ኤርትራውያን ናብ ሃገረ እስራኤል ከይአትው ካብቲ ንስደተኛታት ንምእጋድ ዝተተክለ ሓጹር ከም ዝተመልሱ ካብ ቃል ጥሩዛት ክረጋገጽ ተኻኢሉ። ዑቕባ ሓተቲ ኣብቲ ዶብ ምስ በጽሑ፡ ከመ ቅጽበት ኣብ ኣብ መንጎ ወተሃደራት እስራኤላውያንን ግብጻውያንን ብዝተገብረ ርኡይ ርክብ ስደተኛታት ብግብጻውያን ተቐፊዶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ  ኣለዉ። ካብቶም ካብ ትሪኮላታ ዶብ እስራኤል ዝተመልሱ ኤርትራውያን ትሕተ ዕድመ ከም ዝርከብዎም ከምኡ’ውን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብሕሱም ማህረምቲ ወንጀለኛታት በደውን ቀጺሉ ድማ ወተሃደራት ግብጽን ብዘስዓብዎ ምግፍዕን ብቓንዛ ትሳቐ ምህላዋ ተነጊሩ። ዶባት እስራኤል ካብ ግዜ ናብ ጊዜ እንዳጽንዔ ምህላዉ ዘረድእ ብወርሒ ነሓሰ 2000 ሰሪጾም ክአትዉ ብወርሒ ሓምለ ግን 250 ዝኾኑ ናብ ኣስራኤል ምእታዎም ብተወሳኺ ካብ እስራኤልውያን ተሓባበርቲ ICER ክረጋገጽ ኪኢሉ። ብሓደሸነክ እዚ ናይ እስራኤል ዶብ ምጽንካር ነቶም አብ ደቂ ሰብ ምንጋድ ተዋፊሮም ዝርከቡ ኤርትራውያንን ዓረብን ዓቢ መርድእ ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ። እዚ ብሰብ መዚ እስራኤል ዝተፈጸመ ተርእዮ ዘይ ሕጋዊ ምዃኑ Hotline for Migrant Workers and the Refugee Right Forum ዝተባህሉ ናይ እስራኤል ግብረ ሰናይ ማሕበራት ኣጥቢቐን ኮኒነንኦ፡ ተግባራት ወተሃደራት እስራኤል ድማ ብሕጊ ንምፍራድ ኣድላይ ምድላዋት ይገብራ ምህላወን ተፈሊጡ። ግንከስ ስደተኛታት ዝእገድሉ ኣስዒቡውን ናብ  ዝመጽዎ ሃገር ዝምለስሉ፣ ናብራ ኣቶም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ድማ ናብራ ህበይ ንምግባር ሓደሽቲ ሕግታት ከም ዝተደንገጉ ካልእ ሕግታት’ውን ኣብ ምርቃቕ ምህላዎም ካብዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዝርከብ ክንርድእ ንኽእል።

* ብጸረ ሰረጽቲ(ሰረግቲ) ዝፍለጥ ሕጊ ብጥሪ 10, 2012 ብባይቶ እስራኤል ጸዲቑ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ኣካላት ናይ ድህንነት ፖሊስን ኣብ ምሽብሻብ  ይርከቡ። እዚ ዝጸደቐ ሕጊ ብዘይ ፈቃድ ናብ እራኤል ምእታው ከም ገበነኛ ዘቑጽር ምዃኑ ከይአክል ንሰለስተ ዓመትውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘዳጉን ኢዩ።

* ብገበን ንወሃብቲ ስራሕን፣ ኣዕቖብትን አካረቲ ኣባይትን ከምኡ’ውን ናይ መጓዓዝያ ኣግልግሎት ወሃብትን ዝፍለጥ ሕጊ ብዝሓለፈ ሓምለ 25 ኣብ ባይቶ ቀሪቡ አብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ናይ ሕጊ ሰውነት ከም ዝለብስ ይፍለጥ። እዚ ሕጊ’ዚ ንመላእ እስራኤላውያን ወሃብቲ ስራሕን፣ ጠወርቲ ስደተኛታትን ነዳያንን ኣዝዩ ኣብ ራዕዲ ዘኣቱ ኢዩ።

* ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ 8 ነቲ ዛጊት ጸዲቑ ዝርከብ ጸረ-ስርጸት(ስርገት) ዘጎልብት ስደተኛታት ገንዘብ ከይተሓላልፉ ዝእግድ ምምሕያሽ ረቒቑ፡ ብዕለት 25 ወርሒ ሓምለ ኣብ ባይቶ ቀሪቡ ኣሎ። እዚ ሕጊ’ዚ ጸደቑ ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ፡ እቲ ብሓደሕደ ጉዱሳት ናብ ኤርትራውያን ስድራ ቤት ዝልአኽ ገንዘብ ከም ዝትንክፎ ዘይከሓድ  ኮይኑ፡ ብአንጻሩ አዝማዶምን፡ ፈተውቶምን ካብ ምንጋጋ ገበነኛታት በደው ንምልቃቕ ብስም ወለደኛን፣ማይቤትን፣ ዓሌትን፡  ዝውህለል (መሻደኒ ሸይጥቲ ሰብ) ገንዘብ ግን ጠጠው ከም ዘብሎ ግምት

* ካልእ በዚ ኣብ ልዕሊ ዝተጠቅሰ ዕለት ዝቐረበ ረቂቕ ነቶም ንኽሰርሑ ዝተፈቕደሎም ንጥሪ ወይ ዑማኾ ኢድ ዝምልከት ኢዩ። ንሱ ድማ ዝኾነ ይኹን መስርሒ (ወሃስራሕ) ንሰራሕተኛኡ ኣብ መፈጸምታ ናይ ስርሕ ውዕል ወይ ምስ ዝጥረዝ ወይከአ ብፍቓዱ ካብ እስራኤል ምስ ዝለቅቕ ዝወሃቦ እስትሕጋግ ወርሓዊ 700 ቅርሺ ኣብ ባንካ ከቐምጥ ዘገድድ ኢዩ። እዚ ሕጊ’ዚ’ውን እስራኤላውያን ንስደተኛታት ስራሕ ንምሃብ ዘተባብዕ ኣይኮነን።

* ብነሰ 6, 2012 ናይ እስራኤል ናይ ፍትሒ ምንስቴር ኣብ ዘቕረቦ ሓዲሽ ረቂቅ ስደተኛታት ኣብ ቤት ፍርዲ ክሲ ክምስርቱ ከምዘይክእሉ ዘስምር ኢዩ።

*አቀድም ኣቢሉ ብሓምለ 22 ናይ እስራኤል ውሽጣዊ ግዳያት ምንስቴር’ውን ሓዲሽ ረቂቕ ኣዳልዩ፡ ናብ እስራኤል ንምእታው ዝተአገደ ውልቐሰብ ናይ ይግባኝ መሰሉ ክሕረሞ፡ ይግብኙ ዝኽበረሉ ድማ ካብ ኣስራኤል ወጻኢ ኮይኑ ምስ ዝከራኸር ጥራይ ምዃኑ ዘስምር ኢዩ።

እዚ ካብ ሰብአውነት ዝረሓቐ ሕግታት ኣፍ ለቦም ዘርጊሖም ዝቃለሱ ዘለዉ Hotline for Migrant Workers,  ከምኡ’ውን the Refugee Right Forum ዝተባህሉ እስራኤላውያን ግብረ ሰናይ ማሕበራት ኢዮም.

ICER ከም ወትሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብወስልታታትን ገበነኛታትን ተሰድዖም ካብ ዘለውዎ ስደኛታት ካምፕ ከይንቀሳቐሱ እንዳተማሕጸነ ናብ ግብፅንሊብያን ከምኡ’ውን ናብ እስራኤል ንምኻድ ዝግበር ፈተና ፋይዳ ከምዘይብሉ  ከስምረሉ ይግደድ። ኣቦታትና ከም ዝምስልዎ “ ንጉስ ሓማሴን ዑዋኑ ኣብ ኢድካ እንከሎ ልማኖ’  ኢዩ’ሞ መፍትሕ ሽግራትና ብጽሞና ክንምልከቶ ይግባእ። ቀጻሊ መፍትሕ ናይዞም ኣጋጢሙ ዘሎ ሽግራት ድማ ብኣድማሳዊ ትንተናን ምስ ዝስነዩ ድአ’ምበር ብውልቓዊ ኣተሓሳስባን ፣ኣርአእያን  ህንጠያን ኣይኮነን።  ብመጋረጃ ውልቓዊ ኣተሓሳስባን ፣ኣርአእያን  ህንጠያን ዝተጋረደ እአምሮ ኣደዳ  ስደት፣ ባርነት፣ ናውቲ ኣካልት ምሻጥ፣ መዋቲ ብ ኢድ ጠለፍቲን፣ መዋቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ  ይኸውን።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...