ወዲ ሰብ ክፍጠር እንከሎ መዓስ ከምዝመውት እንተዝፈልጥ ባህርያቱ ምቐየረዶ? ኢልካ እንክሕሰብ ብዘይካ ምስ ጥበብ ኣምላኽ ምጽራድ ፍጹም ሓባራዊ መልሲ ኣይምተረኽበን። ኩሉ ፍጥረት ሰብ ዘበለ ሓላፊ ከምዝኾነ ተቐበለ ኣይተቐበለ ግድነቱን ከለላ ዕድመኡን ድሮ ተነጊርዎን ርእይዎን ክንሱ፡ ንሱ ግና እንተሓመቐ ኣማውታ ክመርጽ ይርአ። ካልእ ገዲፍና ኣብቲ ዝተፈጠርናሉ ንቡር ህይወት፡ ዕድመ-ጥዕናን መንነትን መዋቲ ኮነ ዓይነት ሞት እተን ቀንዲ መዛረቢ ዛዕባ ሕልፈት ምዃነን ንዝክር።

“እስከ ብሙርኩስ ተደጊፎም ዝትንስኡ ፕረሲደንት እንከለዉስ ኣምላኽ ናብ ጳጳሰ-መለስ እንታይ ኣጉየዮ“? ኢሉ ዝሓስብ ትግራዋይ እንተኣልዩ፡ ብኣንጻሩ’ቲ ካልእ ዝተፈለየ መልሲ ኣለዎ። ብሕልናና እንቕበሎን ዘይንቕበሎን ኣማውታ ድማ ምስ ጌታ ከየተሓማመየ ወይ ከየመሳገነ ኣይተርፍን ኢዩ።

“ከይሓመመ ኢዩ መይቱ፡ ሃንደበት ልቡ ሰቲዃቶ፡ ኣብ ምዝንጋዕ እንከሎ ርሃጽ ጀሚርዎ፡ ኣየድለወን“!!............... እናተባህለ ዝግለጽ ኣማውታ ብኣስማቱ ምስጡር ተሓሲቡ ህይወት ከምዛ ዋዛ ቅጽበት እንክትሰቱኽ መቸም ንርእሱ ዘይቕምስል ነፍሲ ሓዘል ሰብ ከምዘየለ ኢዩ ዝውረ። ምናዳ እቲ ምኽንያት እናጸንሐ ኢደ-ሰብ ፖለቲካ ከምዘለዎ እንተመሲሉ ኣኸለ። እስከ ናትና ኣቐሚጥና ብዛዕባ’ዚ ናይ ሎሚ ቕነ ረኽቢ ኢቲዮጲያ ነድህብ።

ጽምዲ ጉዳይ ኢዩ። በቲ ሓደ ዜና ዕረፍቲ ናይቶም ወዲ 76 ዓመት ፓትሪያሪክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ብጹእ ዎቅዱስ ኣቡነ ጳውሎስ ተሰሚዑስ፡ ብጾሎተ-ማህሌት ተዓጂቦም ድሕሪ ምሕዳር ኣብ ጽባሕ ማርያ ሓርያ ጉባኤ ከኣ ምዕሩግ ስርዓተ-ቀብሮም’ ተፈጺሙ። በቲ ካልእ ሞት ክቡር  ጠቕላይ ሚኒስተር  ለገሰ ዜናዊ ብምድራቡ ነገር ኣይጸበቐን ክመስል ይኽእል። እዚ ማለት ህዝቢ’ታ ሃገር ንወዲ 57 ዓመት ጠ/ሚኒስተር፡ ብመንጽር ንእስነቱን ሕልናኡን ብዙሕ ትጽቢት ኣንቢርሉ ክንሱ ሃንደበት ብምቑጻዩ፡ በቲ ካልእ ከኣ ኣማውታኡ ዘይተፈለጠ ብምዃኑን ኢዩ።

መለስ ኣብ ሃገሩን ብዓለማን ክነኣድን ክንቀፍን’ዃ እንተጸንሐ ዝምጎሰሉ ስራሓት ከምዝመዝንሲ ኣይሰሓትን። ንዓና ንኤርትራዊያን’ውን ብዛዕባ’ቲ ስጋዊ ዜግነት ከየስመርና፡ ከምመጋድልትናን ሓውናን ብድርቡ ይብጻሓና ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተኾነ ብሳላ ጻዕሩ ነባሪ ፖለቲካዊ ፍታሕ ምተጸበና፡ ብዝተረፈ ፖለቲካዊ ነገራት ወናዚፍና ሕልፈቱ ክሳራና እንተወሰድናዮስ ንምዕርግ እምበር ኣይንፈኩስን።

እቲ ከም ቀንዲ ተስፋ ኣፍሪቃ ዝተፈለጠ ጠ/ሚኒስተር ካብቶም ዘርከብናሎም መራሕቲ ብዝተፈለየ ኣገባብ ወግዒ ብዘለዎ ስርዓተ-ቀብሪ ንምግባር ድማ ንዘመናት ንመሰነይታ ምዉታን ዘገልገሉን፡ንርእሳቶም በኽዮም ከምሕሱም ኣህዛብ ዘብክዩን ናይ ሓዘን ዜማታት ክፍነዉ እናሰማዕና ንስነ-ስርዓት ኣቀባብላኡ ስለዝተኸታተልና ልክዕ ከም’ቶም ሕዙናት ከምዝሓዘንና፡ ከም’ቶም ቀባሮ ከኣ ከምዝቐበርና፡ ኩሎም ኢቲዮጲያውያን ኣሕዋትና / ኣውራ ከኣ ተጋሩ/  ክፈልጡልና ይኾኑ። ኣበሃህላና ከምቶም ኣንገት በላይ ወይ ዘይበጻሕኩም ከይበሃሉ ዝበጽሑ ሰብ ሓያሎ ልብታት ቃልዓለማዊ ኣይኮነን።  ዝኾነ ኮይኑ ደጊም ብወገነይ ንሕሉፋት መንግስተ-ሰማይ ከዋርሶም ካብልበይ እጽሊ። ተወንዚፉን ተጣሚሙን ዝጸንሐ መሰረታዊ ነገር፡ ከምኡ’ውን ነዛ ዘይትተርፍ ሕልፈት ተቐራሒኑ ዝነበረ ኣህዛብ ናብ ንቡር መልክዑ ክምለስ ዘለኒ ምንዮት’ውን ወሰን የብሉን። ንስድራ-ቤቱን ምሉኣት ቤተ-ሰብን ድማ ጽንዓት ይሃቦም ክብል እፈቱ።

ዓለም ተራመን ተረፈ ኢያ። እንተኾነስ ሂወትካ ክትከላኸል ክበሃል ሂወት እንዳማትካ ምጥፋእ ከኣ ኣሎ። ዝኾነ ኮይኑ ብኣጋጣሚ ሞት ከኣ ነፍስኻ ትፍትሸሉ ህሞት ክኸውን ምተገብአ። ግናኸ ተኸኣሊ ኣይኮነን’ሞ ገበናት ዘዘኽበደ ገበነኛታት እንተበዝሑ ዝናገፍ ከምዝመስሎ እንትርፎ ክውስኽ መምለሲ የብሉን። ንቡርነት ዘዝጎሰየ ዘበለ’ውን ኣንጻር ሕልናኡ እናኸደ ዝተፈጸሙ ገበናቱ ባዕላቶም ከምዘይምሕርዎ ይፍለጥ። ዝኾነ ኮይኑ ክቡር ጠ/ሚኒስተር ከምዞም ሕልፈቶም ብደዎም ዝርእዩ ዘለዉ መራሕቲ ከይተጠላቐየ ምሕላፉ ብርግጽ ጅግናን ውፉይን ከምዝኾነ ኣመስኪሩ ኣሎ። አብ ህዝቢ ኢትዮጲያ ሰሚርዎ ዘሎ እወታዊ ስምብራት ቁጠባ ኮነ ፖለቲካ ከኣ ነባሪ ኢዩ።

ንእግረ-መገደይ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኤርትራ ዝሃቦ ናይሓዘን መግለጺ እንተኣልዩ ዝነኣድ ምዃኑ ክገልጽ እፈቱ። ከመይሲ ዋላ’ዃ ነገር ዓለም ኮይንና ክንቆሻመድ እንተጸናሕና፡ ኣብ ግዜ ፈነወ ምጽቃጥ ግና ንተንኮላትን ቂምተኛነትን/ፖለቲካዊ ዘይብቕዓት/ ኣጋሊጹ፡ ንሕልፈት ምኹናን ንርእሱ ኩነኔ ስለዝኾነ መንግስትና ሎምስ ንቡር መሊቑዎ ማለት ኢዩ። ከምኡ ከኣ እንተኾነ አሕዋት ኢና፡ ብዝተረፈ መለስ እሙን ኣባል ህግደፍ ከምዝነበረ ክመስለና ይኽእል እንድዩ፡ ደጊም ነቲ ሓንሳብ ከምጸላኢ፡ ጸኒሑ ከምፈታዊ እናመሰለ ብክልቴና ኣህዛብ ክንቀፍን ክነኣድን ዘኽኣሎ ኩነተ-ፖለቲካ ኣወንዚፍና፡ ስለ’ቲ ክቡርነቱን ኣውራ ከኣ ስለ’ቲ ወግዑን ኢና ንዛረብ ዘለና። ከምዝፍለጥ ኣብ ሃገርና ወግዒ ካብዝጠፍእ ብዕድመ ህግደፍ ክግመት ይከኣል። ስለዚ እምበኣር መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ ሓቂ እንተኾይኑ ምስ ሬሳ ምጉርፋጥ ከኣ ክሕሰበሉ ኢዩ። እሞ ምናዳ ክቡር ፕረሲደንትና ከይከዓብ ምእንቲ ምስቶም መዛንኡ ኣብ ቀብሪ’ቲ መሰሉን መሳርሕቱን እንተውዒሉ ፈጣሪ ክሕጎሰሉ፡ ፍጡራት ከኣ ክስዕብዎን እቲ ተመስሪሑ ዘሎ ኢደ-ሰብ ፖለቲካ ከኣ ብይቕረታ ክሃስስን ሙሉእ ዕርቂ ክኸውንን ኢዩ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ግን፡ ንምንታይ ከምኡ ከምዘሓሰብኩ ከይደንጸወኒ ኣይክተርፍን ኢዩ።

“መለስ እንዃዕ ቅድሚ ኢሰይያስ ሓለፈ“! ክበሃል ከኣ ተሰሚዑ። እዚ ካብ ባህሊ ዝወጸ ብሂል ካልእ ተወሳኺ ድማነይርዎ።“ከይመተ እንከሎ መይቱ ዝተወርየሉ ሰብ ዝነውሐ ዕድመ ከምዝውንን ተመሲሉ ተዘንትይልና ኣሎ። ነገራቱ ይዓጅብ ኢዩ። እዚ ኩሉ ምዝርባዕሲ ካበይ ኮን ይኸውን? ዓላማኡኸ? እንተበልና መመሊሱ ክድንጽወና ይኸውን። ብሓቂ ጠባይ ዲክታቶር ነዚ ከምዝመስል ይዝንቶ። ኮይኑ ግን ዝተባህለ እንተተባህለ ዝቕይሮ ነገር የብሉን። መንነት ከምቲ ዝተለቕለቐ መንደቕ ከጋጊ እንተተሃቂኑ መሊሱ ኢዩ ዝኹላዕ። ብከቢድ ምድንጋር ዝልቀብ ሂወት፡ ካብ ሞት ትተርፍ ነፍሲ ከኣ ብፍጽም የላን። እምበርከ፡ ንሕናከ ክንደይሳዕ ኢና ሕማቕ እናተፋለየልና ክንሱ ካብ ሞት እናተረፍና ንክንደይ ዝሓለፉ መንግስተ-ሰማያት ከዋርሶም ክንምነ?

ኣብ ዝሓለፈ ፈነወ ጽሑፈይ መለስ ጋኔን ኣባይ ለኺዕዎ እንተኾይኑ መንግስተ-ሰመያት የዋርሶ“ ብምባለይ ሰባት ኣቐይመ እንተኾይነ፡ ኢሰይያስ ዘይብላ ኤርትራ ክርኢ ከምዝደሊ ዝውንጅሉኒ ከኣ ኣይውሑዳትን ኢዮም።

ብዝኾነ ክልቲአን ሃገራት ብዘይ’ካ እህወደግን ህግደፍን ከም ዝነበራ መጠን ሕጂ’ውን ብዘይብአአን ከምዝንበር ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ህግደፋዊ ፈራዕራዕ ናይ ተዓጠቕ፡ ተኣንጎትን ተሸብሸብን መዝሙር ገዲፍና፡ ዝድለ እዚ ክልቲኡ ሓድሽ ወለዶ ኢድ ንኢድ ተጣሚሩ ከመይ ጉዕዝኡ ይምርሽ ክኸውን እምነ ብወገነይ።

ንቤተ-ሰብ ጽንዓት፡

ንሙታን መንግስተ-ሰማይ የዋርሶም!!

ጎደፋ፡

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...