ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር ሪፑፕሊክ ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ዜናዊ ብምዕራፉ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና ንስድራቤቱን ፤ ፈተውቱን ፤ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል ።

ወዲ ሰብ ብሂወት እናሃለው ዝሰርሖ ታሪኽ ፡ ድሕሪ ሞቱ ህያው ኮይኑ ስለ ዝዝከር  ፡ ኣቶ መለስ ውን ብሂወት ኣብዘይሃለወሉ እዋን ፡ ከም ህያው ኮይኑ ዘዘክሮ ዓቢ ታሪኽን ብዙሕ ዘኹርዕ ስምብራትን ገዲፉ እዩ ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈልየ። ኣቶ መለስ ኣብ ኢትዮጵያ መሰል ዜጋታት ኣብ ምርግጋጽን ፤ ሰላምን ደሞክራሲን ኣብ ምስፋንን ፡ ንዞባዊን ዓለማዊን ዝምልከቱ ዓበይቲ ጉዳያት ኣብ ምምኻርን ኣብ ምፍታሕን ዓቢ ተራ ዝተጻወተ በሊሕ መራሒ እዩ ነይሩ ።

ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ውን ፡ ፈለማ ኣብ ግዜ ረፈረንደም ሰላማዊ ፤ ተባዕ መርገጺ ብምውሳድ ኤርትራ ነብሳ ዝኸኣለት ሃገር ክትከውን  እዩ ደጊፉ። ቐጺሉ ውን ኣብ ኤርትራ ሰላም ንምስፋን ዝኣክል፡ደምበ ተቃውሞ ኤርትራ ኣብ ምድጋፍን ምሕያልን ዓቢ ተራ ብምጽዋቱ ብኤርትራውያን ኣድናቖትን ተፋታውነትን ዘትረፈ ደላይ ሰላም መራሒ ምንባሩ እናገለጽና ፡ ደጊምና ንቤተሰቡን ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል ።

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

21/8/2012


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...