ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ንዝሓለፈ ኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ብሕማም ምኽንያት ኣብ ሆስፒታል ክሕከም ድሕሪ ምጽናሕ ትማሊ ለይቲ ካብዚ ዓለም ብሞት ብምፍላዩ ዝተሰመዓና ሓዘን ንገልጽ።

ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ንዝሓለፈ ኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ብሕማም ምኽንያት ኣብ ሆስፒታል ክሕከም ድሕሪ ምጽናሕ ትማሊ ለይቲ ካብዚ ዓለም ብሞት ብምፍላዩ ዝተሰመዓና ሓዘን ንገል ሞት ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ንኢትዮጵያውያን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኩሉ እቲ ደላይ ሰላምን ብልጽግናን ኣፍሪቃዊ እውን ብቐሊሉ ዝረኤ ኣይኮነን

ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ እቲ ንሱ ዝመርሖም ውድባት ህወሓትን ኢህወደግን ኣብ መሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ነቕ ዘይብል ቅኑዕ ምርገጽ ክሕዙ ዝነበሮ ታሪኻዊ ተራ ብኣኽብሮት ንዝክሮ። ኣብ መንጎ መንግስታት ናይ ክልቲኡ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ጎንጽታት ብዘየገድስ ኣብ መንጎ ህዝብታት ናይ ክልቲኡ ሃገራት ዘሎ ሕውነታዊ ዝምድና ናብ ንቡር ቦትኡ ክምለስ በብእዋኑ ከተኣታትዎ ዝጸንሔ ቅኑዕ ፖሊሲታት ብኣድናቖት ንገልጽ።

ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ቀናማይ ሚንስተር መለስ ዜናዊ ከተረጋግጾ ዝጸንሐት ቅልጡፍ ኩሉ መዳያዊ ምዕባሌ ኣብ ኣፍሪቃ ካብተን ከም ኣብነት ክግለጻ ዝኽኣላ ሃገራት ኣብ ዓለም ድማ ዝጸንሔ ናይ ድኽነት ተምሳል ኣናቐየረት ከምዝመጸት ብኣንክሮ ክንዕዘቦ ዝጸናሕና እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዘተኣታተዎ ቅኑዕ ፖሊሲታት በቲ ዝገደፎ ዱልዱል ፓርቲ ኢህወደግ ክቕጽል ከምዝኽእል ዘይንጠራጠር እኳ እንተኾንና ኣብዚ እዋን እዚ ወሪዱ ዘሎ ከቢድ ሓዘን ብቀሊሉ ዝረኤ ኣይኮነን እሞ ናይ ኩሉ ደላይ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ኢትዮጵያዊ ተኻፈልቲ ሓዘን ምዃንና ንገልጽ።

በዚ ኣጋጣሚ ንመዋቲ መንግስተ ሰማያት ንስድራቤት ድማ ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።

ሕውነት ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዘልኣለም ይንበር

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

21 ነሓሰ 2012

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...