ወየን ኣብራኽ ናይ ደደቢት

ዝረሃጻ ሳሕል ሰንሒት

ተኣሲረን’ምበኣር ኩርንኩሪት

በዛ ዓለም መዳለዊት

ተኹላ እንከሎስ ገንሸል’መውት።

እዛ ውራይ ርኢናያ

ኣቤት ጉያ!

ኣብ’ዛ ዓለም ራህያ

ምስ’ዛ ሂወት ሙግያ

ገድልን ዘውድን ርኢኻያ

ተልእኾኻ ደምዲምካያ

መለስ መለስ ኣቢልካያ።

ኣካ ፈለጥካያ

ኣንጊህካ ስለዝተተሓሓዝካያ

ኣብ ድላይካ ኣብጺሕካያ።

በል ሕጂ

ተመሊስካ እንተትርእያ

ፍቑራት ኣደታት

እንቅዓ’ንቅዓ ክበኽያ

ሚዛን ሞያኻ ምፈለጥካያ።

ቆሪጽካ

ካብ ወሰንካ ግን ሕለፍሞ

ክጸንሓካ’ዩ ዓቢ ህድሞ።

ናይ’ታ ግርማዊት

ኣኽሱማዊት

ማርያም ጽዮን ኖላዊት

ተኸቢቡ ብድባብ ብዳዊት

ስጋ’ምበር ነብሲ ስለዘይመውት

ክትሕወሲ’ኻ ምስ ነጋውስ

ኣብ’ቲ ዙፋን እንዳ ስሉስ ቅዱስ።

እንተ ንሕና እንድዕልና

ብድሕሬኻስ የፍርሃና

ምስ’ቶም ትፈልጦም ስለዝገደፍካና።

መሪሩ ሓዘን በርቲዑ ስቓይ

ሓብር’ባ ኣባይ

በየን’ዩ ሰቲኹ ዝ’ኣባይ

እናተገደበ ቀላይ

ካብ ስራሕ መንጢሉስ ናብ ሰማይ

ንምድሪ ድዩ ከርብሕ ንጸሓይ

ብመድሓኒት ዘይፍወስ ስራይ

ነ’ንበሳ ኣቢሉዎ ኣላሽ ሕራይ።

ተዛረቢ ባድመ

ጉዳይኪ ከይተዓ’መ

መለስ መይቱ ከይሓመመ

ናትኪ ነገር ሓግዩ ዝኸረመ።

መሬት ድዩ ህዝቢ ዝተረግመ

ንእስነት’ዩ ስብእነት ዝጠለመ

እዝኒ ድዩ ሕልና ዝጸመመ፡

ኣብ ዓድዋ

ሓመ’ድበ እናተፈጸመ

ዓዲ ዝወዓልኩ ተኾዲመ

መረብ ዘየስግር ድየ ሓሚመ።

ኮይኑ ግን

ኣብ ፍትሓትካ ክሰግድ’የ ጸዊመ

ወለ’ዝጊ ክሳብ ዝቕበለካ

ክምህለል’የ ቀዊመ

ተልእኾኻ ካብ ተዛዘመ

ይፍጠረልካ ዝጠዓመ

ኣብ’ቲ ደገሰላም ዘይብሉ ባድመ።

08/21/2012

ዳንኤል ተፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ

(This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.)

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...