ኤርትራውያን መንእሰያት ሎንደን ኦንታርዮ ኣንጻር ህግደፍ ዘካይድዎ ቃልሲ ብዝተወደበ መንገዲ ንምክያድ፡ ጨንፈር ማሕበር ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ብ19 ነሓሰ ኣብ ከተምኦም መስሪቶም።

ኣብቲ ናይ ምምስራት ኣጋጣሚ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ - ሎንደን ኦንታርዮ (ስ.ኤ.መ.ለ.-ሎንደን)፡ ኣቶ ይትባረኽ ገብረትንሳአ ነቲ ጽምብል ብዝክረ-ሰማእታት ከፊትዎ። ቀጺሉ መንእሰይ ዮሴፍ ተኽለብርሃን ንራኢን ዕላማን ስ.ኤ.መ.ለ.  ዝገልጽ ጽሑፍ ብምንባብ ተሳተፍቲ ብዛዕባ ስ.ኤ.መ.ለ. ዘለዎም ኣፍልጦ ኣዕብይዎ።

ካብቶም ነቶም መንእሰያት ንምትብባዕ ዝተጸንበሩ ሓርበኛታት ተቓለስቲ ሓደ ተጋዳላይ ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ ኔሩ። ናይ ቃልሲ መንፈስ መንእሰያት ዝስሕል መግለጺ ከኣ ኣስሚዑ። ኣቶ ረድኢ ኣብ መግለጺኡ፡ መንእሰያት ኣብቲ እንጻር መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ ብስለትን ምስትውዓልን ዝተሓወሶ ኽኽውን ብምሕባር፡ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ዝጥቀመሉ  ኣጉል ናይ ሃይማኖት፡ ዓዲ ምክፍፋል ክነቕሕሉን ክብድህዎን ኣዘኻኺሩ።

መንእሰይ ተኽልያ ኣርኣያ ብወገኑ፡ እዚ ሎሚ ተመስሪቱ  ዘሎ ማሕበር ኣብ ከተማ ሎንዶን ጥራይ  ከይተሓጽረ፡ ኣብ ኩለን ከተማታት ኦንታርዮን ምሉእ ካናዳን ኣስፋሕፊሑ ናይ ሓባር ርክባት ብምግባር  ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ቃልሲ ብዝለዓለ ንምሕያሉ ክሰርሑ ምዃኖም ንተሳተፍቲ ሓቢሩ።

ሓደ ካብቶም መንእሰያት፡ መንእሰይ ቢንያም ውልቃዊ ተመኩርኡ ንተሳተፍቲ ኣካፊሉ። መንእሰይ ቢንያም ኣብ ኤርትራ ከሎ ብሰንኪ ዝተኸተሎ እምነት ዘጋጠሞ ማእሰርትን ስቕያትን ንተሳተፍቲ ብምክፋል፡ “ኣነ ኣብ ኤርትራ ከሎኹ’የ ይኣክል ክብል ጀሚረ” ኢሉ። ቀጺሉ ነቲ ኣብ ዓሰብ ን8 ኣዋርሕ ኣብ ኮንተይነር ተኣሲሩ ዘሕልፎን ብስርዓት ህግደፍ ዝወረዶ ግፍዕታትን ብዝርዝር ብምግላጽ ኣብ ስ.ኤ.መ.ለ. ዘለዎ ኣኽብሮትን ተወፋይነትን ገሊጹ።

.... - ሎንደን-ኦንታርዮ ነቲ ሕጉስ ናይ ምትእኽኻብ ኣጋጣሚ ብምሳሕን ፌስታን ጸምቢልዎ ውዒሉ። ኣብ ሎንደን ኦንታርዮ ዝቕመጡ ኤርትራውያን መንእሰያት ናብዚ ማሕበር ክጽምበሩ ምስ ዝደልዩ በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ስልኪ 226-919-4257 ወይ 519-852-1814 ተወከሱ።

ዮናስ ተስፋማርያም /ዮሴፍ ተኽለብርሃን/

ስምረት ኤርትራዊ መንእሰይ ንለውጢ-ሎንደን ኦንታርዮ-ካናዳ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...