ንሕና ኤርትራውያን መንእሰያት ተቓለስቲ ንለውጢ ከተማ ኖቲንግሃም ዓባይ ብሪጣንያ ትማሊ 18 ነሓሰ 2012 ብዛዕባ ጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ፡ መላእ ህዝብና ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ መንእሰያትና ኣብ ኣዚዩ ዘሻቕል ናይ ጽንታ ሃዋሁው ከምዝርከቡ ብምግንዛብ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ 2012 ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝተኣኻኻቡ ኤርትራውያን ተቓለስቲ መንእሰያት ኣብ ከተማ ደብረዘይት ኢትዮጵያ ተጋቢኦም ዝዘተዩሉ ኩለንትናዊ ዛዕባ ብምግምጋም፡

•ኣሻሓት ደቂ ህዝቢ ዝተሰውኡሉ ብስርዓት ህግደፍ ዝተጠልመ ክቡርን ቅዱስን መብጽዓን ሕድሪን ጀጋኑ ሰማእታትና ብዕምቆት ድሕሪ ምስትንታን

•ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንህዝብናን ሃገርናን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናብ ፍጹም ዕንወትን ጥፍኣትን ይመርሖም ምህላዉ ብምርዳእ
•ስቓይን መከራን እዚ ኣብ ፈቐዶ በረኻን ኣጻምእን ምድረበዳ ሲናይን ዝጠፍእ ዘሎ ኤርትራዊ ላህመት መንእሰይ ብምግንዛብ
•ሃለዋትን ህይወትን ናይቶም ኣብ ፈቐዶ መዕቆብ ስደተኛታት ጎረባብቲ ሃገራት ዘለው ስደተኛታት ዜጋታትና ኣብ ግምት ብምእታው

ንሕና ተቓለስቲ መንእሰያት ከተማ ኖቲንግሃም ኣካልን ኣምሳልን እቲ ኣብ ደብረዘይት ዝሰመረን ዝሓበረን ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር እተሰምየ ዓለማዊ ማሕበርን ምትእኽኻብን ኬይናን ነቲ ዕላማን መትከልን ንምዕዋት ብኹለንትናን ተወፊና ኪንሰርሕ ተሰማሚዕና ምህላውና ንህዝብናን ዓለምን ብወግዒ ነፍልጥ።

ምስዚ ማሕበር እዚ ሰሚርናን ሓቢርናን ከኣ ስቓይን መከራን ህዝብና ንምሕጻርን ንሙቑጻይን ኩሉ ንኽእሎ ዘበለ ኪንፍጽም ድልውነትና ነረጋግጽ። ስምረትን ጥርናፈን ንጸላእቲ ዘሰምብድን ዘርዕድን ፍቱን መሳርሒ ሙዃኑ ብምእማን ከኣ በዚ ኣጋጣሚዚ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ንዘሎ ኣብዚ ጥርናፈ እዚ ንዘይተጸንበረ መንእሰይ ኤርትራ ኪሓብረናን ኪስዕበናን እናተላበና ኣብዚ ተሃዋሲ እዋን ህዝብና ሃገርናን ካብ ጥፍኣት ከነድሕን ጸጸርና ኪንድርቢ ንጽውዕ።

18 ነሓሰ 2012

ከተማ ኖቲንግሃም


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...