ሃገርና ኤርትራ ዘርዚርካ ዘይውዳእ ታሪኽ ዘለዋ ሃብታም ዓዲ’ያ። ባህርያዊ ሃብቲ ዝተዓደለት፡ ዘወናውን ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ዘለዋ፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ተቓሊሶም ዘቃልሱ ጀጋኑ፡ ተበጅዮም ህይወት ብጾቶም ዘድሕኑ ሓርበኛታት እትውንን ሃገር’ያ። ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጥልያን፡ እንግሊዝ፡ ሃይለ ስላሴን ደርግን እምቢ ንመግዛእቲ ብምባል መዘና አልቦ ቅያ ሰሪሖም ዝሓለፉ ጀጋኑ ወለድና’ዮም። አባ ጥመር ባህታ ሓጎስ፡ ዓብደልቃድር ከቢረ፡ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣንን ኣቶ ወልደአብ ወልደማርያምን ገለ ካብቶም ቀለስቲ ታሪኽና ኮይኖም ብክብሪ ንዝክሮም ሓርበኛታት’ዮም።

ሎሚ ህግደፍ፡ ታሪኽና ጨውዩ፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ጅግንነት ቀዳሞት ኣህሲሱ ሓድሽ ሞዛይክ ናይ ‘ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና’ ቅኔ ኣብ ህዝብና ከስርጽ ህርድግ ይብል ኣሎ። ታሪኽ ጀማሪ ሰውራ ሓምድ እድሪስ ዓወተ ኣህሲሱ፡ ንውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ዘይቆቢዑ ክኸድኖ ይፍትን። ንጋኒነ ምድሪ ‘ንበረልና፡ ኩነና’ እናበለ ህዝቢ ክምህለል ብመንገዲ ኣቕሽሽቲ ይቕስብ። እቲ ንሕሉፍ ኣበርክቶ ጀጋኑ ቀዳሞት ጀመርቲ ሰዉራ ሞጊሱ ዘይፈልጥ ጋኒን ድማ፡ ምንጪ ፍልቀት ኤርትራ ምስ ዝንኡ ንምትእስሳር ካብኡ ክንወርስ ይግዕር። ካብ ፈርዖን ኢሰያስ ዝውረስ ነገር እንተሃልዩ ግን ጥልመት፡ ጭካኔ፡ ቂም፡ ቅርሕንቲ፡ ድንቁርና፡ ኲናት፡ ድኽነት ወዘተ ጥራሕ እዮም።

ንሕና ግን ታሪኽ ጠላማት ኣይንወርስን ኢና። ታሪኽ ናይቶም ንስለ ሪሞምን ክብሪ ሃገሮምን ዝሓለፉ ጀጋኑ ኢና ክንለብስ ንደሊ። ነዚ ንምግባር ድማ ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም እንርከብ ደለይቲ ሰላም፡ ፍትሕን ደሞክራስን ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ነቶም ካብ ማሕበር ሸዉዓተ፡ ተ.ሓ.ኤን ህ.ግ.ሓ.ኤን ጀሚሮም ንህላወና ህላወኦም ዘጥፍኡ ጀጋኑ ስውኣት፡ ነቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ጎድንና ዝረጋረጉ ዘለው ሓርበኛታት አቦታትን አዴታትን ወግዓዊ ክብርን ሞሳን ክንህብ ነቒልና ኣለና።

ባሕቲ መስከረም 2012 ሽግ ሓርነት ናይ ምርኽኻብ ጽምብል መዓልቲ ንምግባራ፣ እታ ሽግ ካብ ኢድ ሓርበኛታት ተቓለስቲ ብወግዒ ናብ ኢድ መንእሰያት እናተሰጋገረት ዘርኢ ድሙቕ በዓል ንምክዋን ንሰርሕ ስለዘለና፡ ኩሉኹም ደለይቲ ለውጢ መንእሰያት ንባሕቲ መስክረም ናይ ምርኽኻብ ሽግ ሓርነት ዕለት ክትገብርዋ ልባዊ ጻውዒት ነቕርብ።

ንሕና ሰብ ሕድሪ መንእሰያት ኢና። ኣሰር እድሪስ ዓወተ ክንክተል ንደሊ ሰብ ቅዱስ ዕላማ ኢና! ድሙቕ ታሪኽ ዓዋተ ብረሳሕ ተግባራት ህግደፍ ተበሊሉ ከይተርፍ ነጎድጎዳዊ ድምጺ ከነስምዕ ዝተቐረብና ደለይቲ ለውጢ ኢና። ስለዚ ዓበይቲ ንኣሽቱ፡ ደቂ-ተባዕትዮ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣስላም ክርስትያን ኮታ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ባሕቲ መስከረም ብሓደ ድምጺ “ኩልና ደቂ ዓዋተ ኢና” ንበል! ድምጽና ካብ ጻት ናብ ጻት ዓለም ነቃልሓዮ። ሽግ ሓርነት ኣትሪርና ንዓትዕቶ!

ኩልና ደቂ ዓዋተ ኢና!

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...