ኤርትራ ሃገርና ዘተኣማምን ዕቑር ባህርያዊ ሃብቲ ከም ዘለዋ ካብ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን ዝተፈልጠ ሓቂ ኢዩ። እዛ ብወርቂ፣ ብነሓስ፣ ብነዳዲ ዘይቲ፣ ብፖታሽ ባህርያዊ ጋዝ ወ.ዘ.ተ.... ሃብታም ዝኾነት ኤርትራ፣ ክሳብ ኣብ መቑሕ ህግደፍ ዘላ፣ ባህርያው ሃብታ ናብ ዜጋታት ክመቓራሕ ዝሕሰብ ኣይኮነን።

እቲ ኣብ ኤርትራ ተኣምር ቁጠባዊ ዝላ ከምጽእ ኢዩ እናተባህለ ብዙሓት ዓያሹ ዝንየቱሉ ዝነበሩ ወርቂ ቢሻ ብምስጢርን ብሓራጅን ክሽየጥ ጀሚሩ ኣሎ። “...ምህርቲ ቢሻ ምስ ጀመረ ደጊም ኣዴታት ኤርትራ ኣእዛነን ብወርቂ ክምናዕ ኢዩ። ዝኾን ሰብ ናብ ቢሻ ከይዱ ካብቲ ዝጎሓፍ ሓመድ’ውን ወርቂ ክኣሪ ኢዩ” ክበሃል ከም ዝጸንሐ ኩላትና እንዝክሮ ሓቂ ኢዩ። ኣብ ዘመን ህግደፍ ብዘይካሕሰም ዝጠልቅዐ ገጻትን ብራዕዲ ዝተሸቑረረ ኣዒንቲን ካልእ ጸጋ ክርከብ ማለት ዘበት ምዃኑ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ እናተገንዘቦ ክመጽእ ጸኒሑ ኢዩ። እቶም ካብ ዕሽነት ዘይተበየኑ ኣብ ደገ ዝነብሩ ኢሳይያሳውያን፣ ሞባእ ኣድባራት ኤርትራ ናብ ካዝና ሓጎስ ክሻ እናተኣከበ እንከሎ፣ ከመይ ቢሉ ኢዩ ምህርቲ ወርቂ ቢሻ ከም ጥጥቖ ሓራሳት ገዛ-ገዛ ንክዕደል ዝጽበዩ?

ምህርቲ ወርቂ ቢሻ ካብ ኣዒንቲ ህዝቢ ኤርትራን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ተኸዊሉ ዝኮዓት ዝነበረ ምህርቲ መሬት ዓደቦና ኢዩ። እቲ ዛጊት ክሳብ ሎሚ ዝተኣከበ ወርቂ ምስ ሰበስልጣን ሱዳን ብምዝርራብ ብዓቢ ምስጢር ናብ ከተማ ካርቱም ብሓራጅ ክሽየጥ ጀምሩ ኣሎ። ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይዚ ሓራጅ ድማ ባዕሉ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ክፍላይን (ማንጁስ) ኢዮም። ነቲ ዕማም ንከሳልጥ ሓላፍነት ዝተዋህቦውን ኣብ 09 /ኩባንያ ኮርፐረሽን ቀይሕ ባሕሪ/ ዝለዓለ ሓላፍነትን ሓለፋን ዘለዎ ኣቶ ነስረዲን ዓሊ በኺት (ወዲ በኺት) ኢዩ።

ወዲ በኺት ነቲ ብኢሳይያስ ኣፈወርቂ 2.5 ቶን ወርቂ ንምሻጥ ዝተዋህቦ ፍሉይ ዕማም ንምፍጻም፤ ምስ ዓብዱ ጀርደል፣ ምስ ክልተ ኣሕዋት ሱዳናውይን መሓመድ ዓብደላን ዓብደል ዓዚዝ ዓብደላን ዝተባህሉ  ደላሎ ብምትሕብባር፣  ንሓደ ሚልዮነር ወዲ ቀጠር ኣብ ከተማ ካርቱም ሸይጡዎ ኣሎ።

ነስረዲን ኣብ 1996 “እዋን ኣባ ጎብየ” ምስ ደሱ ተስፋጽዮን፣ ብርሃነ ሃይለን ብርሃነ ነጋሽን ካልኦት ኣባላት 09ን ተኣሲሩ ዝነበረ ተጋዳላይ ኢዩ። ብርሃነ ሃይለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተሓኒቑ ሞይቱ ብዝብል ምኽንያት ክስዋእ እንከሎ፣ ደሱ ተስፋጽዮንን ካልኦት ኣባላት 09 ነበርን ግን ደስኪሎም ኣለዉ። ወዲ በኺት ብኢሳይያስ ተኣማንነት ዝረኸበ፣ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ከተማ ተሰነይ ብቐጥታ ዝራኸብ ሰብ ኢዩ። ነቲ ኩሉ ምስ ራሻይዳን ሱዳናውያንን ዝግበር ንግዳዊ ስራሕ ብሓላፍነት ተሰኪሙ ካብ ዝሰርሕ ከኣ ሓያሎይ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ነስረዲን ዓሊ በኺት ኣብ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ ነቲ ቅድሚ ምእሳሩ ብሓላፍነቱ ኣብ ሱዳን ፋሕ ኢሉ ዝነበረ ገንዘብ ንክእክበሎም፤ ኮሎኔል መልኣከ ገብረማርያም (ወዲ ፊተውራሪ) ብነፋሪት ሒዙዎ ናብ ካርቱም ከይዱ ከም ዝነበረን፤ ብድሕሪ ምእካብ እቲ ገንዘብ ድማ ናብ ካርሸሊ ከም ዝመለሱዎን ይዝከር።

ብዙሓት መኮንናት ሚኒስትሪ ምልኻል ነቲ ብጊልያዊ ጉልበት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዛራ፣ ኣስማጥ፣ ጃኒ፣ ሃደምደሚ (ሃይኮታ) ዝፈሓር ዝንበረ ወርቂ በብኢዶም እናሰረቑ ናብ ውልቃዊ ሕሳባቶም ኣእትዮሞ ኢዮም። እዚ ግዜ’ዚ እዋን ውራ-ውራ፣ እዋን ስራቕ ዝመት ስለዝኾነ መብዛሕትኦም ጀነራላት ህግደፍ ንደቆም ናብ ደገ እናለኣኹ ገንዘብ ናብ ምምእራር ስራሕ ተዋፊሮም ይርከቡ። እቲ ካብ ኩላቶም ጀነራላት ዝሃብተመን ብኢሳይያስ ተኣማንነት ዝረኸበን ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ብእዝራ ዝተባህለ ዜጋ ሚልዮናት ዶላራት ኣዋፊሩ ኣሎ።

እንተኾን ብሰንኪ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ኣሓት ሱዳን ዝተፈረመ ናይ ሰላም ስምምዕ፣ እቲ ክሳብ ናብ ትሕተ-ቅርጺ ደቡብ ሱዳን ወፍሪ ዝጀመረ ርእሰማል ተኽለ ማንጁስ ናይ ሓደጋ ስግኣት ከም ዘለዎ ሓበሬታ ይስማዕ ኢዩ። ከም ዝፍለጥ ኣብ መንጎ ክልተ ደቡብን ሰሜንን ሱዳን ባእሲን ዕግርግርን ከሳውር ዝጸንሐ ባዕሉ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኢዩ። በቲ ዝተፈረመ ናይ ሰላም ውዕል ከም ዘይተሓጎሰ’ውን እቲ ሕጂ ዘሎ ሓርፋፍ ዝምድና ደቡብ ሱዳንን ኤርትራን ይሕብር።

ኣለና ብውሽጢ!


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...