ነዕልል ኢና ዝነበርና። ገለ ካብ’ቶም ’ዘይቁምነገራውያን’ ከኣ ከም መለሊኽካ ወይ ኩባይኻ ዓቲርካ ወጃዕ ዝኣመሰልዎ ጥዑም ነገር ኣይህሉን በሃልቲ መሊእና ኢና። ነውርድ ነደይብ፡፡ ኣረጊት ነፋኑ ሓድሽ ንቕበል….። ኣብከምኡ ጥዑም ሂወት፡ ሓደ ካባና ከምገለ ኢሉ ናብ ጉዳይ ወይዘሮ ሳባ ሃይሉ ደርገመና። ንነገሩ ሓበሬታ ቀልጢፉ ኣይበጽሓናን ኢዩ። እንተኾነ ሽዑሰ ከምቲ ልሙድ ከኣ ብዙሕ ኮይኑ። ገለ ካባና ብመጠኑ’ውን ፈለጥታ ብምዃኖም ብዙሕ ድማ በሉና። ዘይትርሳዓኒ ሓደ ካብኦም፡ “ ካብመዓስከ በዓልቲ ሓዳር ነይራ? ኣብሎሚ በጺሓ ፍትሕ ምጥላባ ግን ተጋግያ“ በለ።

አይመሓረንን’ቲ ናይ ውልቀይ እኩይ ሓሳብ። ዕድሎተይ ኮይኑስ ብዙሕ እዋን ብዛዕባ ሕሉፍ ክጥቀስ ንበይነይ ኢዩ ዘሽከርክረኒ። እሞ ብዛዕባ ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝነበረ ዘረባ ከኣ ንበይነይ በሓተኒ። ካብ ኣድናቖት ኣያ ዝተላዕለ “ሰበይቲ ኢሰይያስ ክትከውን ዝተመርጸትስ እንታይ ዓይነት ብቕዓት ኮን ኣልይዋ“? ዝብል ናይቲ ግዜ ሓሳብ።

ሎሚ ከኣ ኮነ። ዜና ፍትሕ ድማ ተሰሚዑ። እቲ ተካል ከኣ ከምዚ ኢሉ ሕሹክ በለኒ። “ እሞ ከምቲ ሳእንኻን

ሰበይትኻንስ………፡ ዝበሃል ዶኾን ኮይኑ ? ደቃ ዶኾን ኣእኪላ? ኢዳ ዶኾን መሊእላ? መናበሪኣ ዶኾን ኣጣጢሓ“? ካልእ ብዙሕ ብዙሕ ኢዩ ተወሲኽኒ። ብዝኾነ “ክሳብሕጂ ዝጸንሐት’ውን እዝጊ ይግበረላ“ ኢለ ዝዓርፍ መሲልኒ ነይሩ። ኣይዓረፍኩን ግን። እንተዘይደለየቶኸ? ከምቲ ምስእሽኽ ጎኖቕ ዝተጸግዐት ቆልቛል ክትነብዕ ምንባር ኢዩ’ኮ።

ሳባ ሃይሉ፡ ኣነ ከወርቓ ከማዕርጋ ደልየ አይኮንኩን። ብልክዕ ግን እዚ’ዃ ተጸሚማ። ከመይሲ ንሳ ሕጋዊት በዓልቲ

ቤት ፕረሲደንትና ኢያ። እንተኾነስ ብሰንኪ’ቲ ፋሉልን ካሕዳይን ጠባይ በዓል ቤታ፡ ብዛዕባ ኣብምንታይ ከምዝወዓለት ንዘይትፈልጦ ሕቡእ ጉዳይ ግዳይ ብምዃና፡ ከምታ ሰበይቲ ጎይታይ፡ እምበይተይ ክትከውንስ ይትረፍ፡ ነቲ ሕዉስን ተደናጋጽን ጠባያ’ውን ከይተዘውትር ዝተሓረመት ጭኩንቲ ወይዘሮ ኢያ። ብዓይኒ በዓልቲ ቤት መራሕ መንግስቲ እንክትርአ ከኣ ዝተደፍረቶ መዓስ ውሒዱ።

ኩለን’ተን ሰብ ረ ጒድ ቁናኖ ሰዓምቲ ኢደ-እግሪ’ኮ ክትርእየን ጸኒሓ ኢያ። ሓቂ ይኹን ኣይኹን ኩለን’ተን ካብ በዓል ቤታ ወሊደን ዝተባህላ ከኣ ክትሰምዖ ጸኒሓ ኢያ።

ቅድሚ ናጻነት፡ ኣብ ከባቢ 1985- 1986 መራሒና ሓደ ፍልስፍና ፈንዩ ነበረ። “ ዕዋላታት ክትፈልጥ ዕዋላ ክትከውን ኣለካ“ ዝብል ጥቕሲ። እዚ ከምቅቡል ተወሲዱስ፡ ብኣምሳል ናይቶም ኮማንድስ ክቑጸሩስ ከምመፈተንታ ነዃል ፍስቶ ማይ ክመልኡ ዝእዘዙ ዝነበሩ ተቖጸርቲ ተባሂሉ ዝዝንቶ፡ ተጋዳላይ ከኣ „ጨጓር ዳንጋ“ እናተሰመየ ንታዕሊም ዝወረደ ኣይወሓደን። ሽዑ መራሒና ገለ ነጥሪ ካብቲ ምህሮ ዘይረኸበ ምስቲ ቀለም ዝቐለመ ከጻርዶ ክኢሉ ኢዩ። ልዕሊ ዓቕሚ ስልጣን እናተዓደለ ኣመሓላላፊ ሓበሬታ ጥራይ ክኸውን ምስተላእከ፡ ኣብኩሉ ምዝንጋዕ ተባሂሉ ዝዳሎ ውራይ ብድሙድሙ ተደፋፊኡ ብናይ ኢቲዮጲያዊያን ኮነ ምቺኤል ጃክሰን ሙዚቃ ተረሳሲኑ ኣብ ማእከል ዳስ ምስወረደ፡ ኣድላይን ተኻኣልን ኣይነበረን እቲ ስራሕ’ሞ፡ ብንበይኑ ዝሰምዖ ዋጣን ክራርን ተመሲጡ  ክድብልን መንኮቡ ከሰራስርን ዝተራእየ ኩሉ ዓዃይ ዘበለ ምንባሩ ኩላህና ንፈልጦ ኢና። ብሓጺሩ ምዝንጋዕ’ዃ እንተዘይተጸልአ እቲ ዓላማ ግን ኣብድሮ ካልኣይን ሓድነታውን ጉባኤ ዝተሸረኸ መጻወድያን ብከላን ኢዩ። ከምትምኒቶም ከኣ ኩሉ ተፈብሪኹን ኮይኑን።

እቲ ስራሕ ከም ተመኩሮ ዝመዝገበ መራሒ ድሕሪ ናጻነት ከኣ ናብ ሃዳሙ ኣጓዱ እናተላኽዐ ኣብኡ ንገሊኣ ጉንዲ

እዝና ክሽፍና እንከሎ፡ ንገለ ድማ ንሕልፈታ ፈሪድዋ ኢዩ። ይኹን’ምበር ነቲ ተግባር ባሌህ ዝበለ ኣይተረኽበን። እኻ ድኣ ሳላ ጎሰጓስ ባዶ-ሰለስተ ከኣ “ ፕረሲደንትስ ሰብዶ ኣይኾነን፡ ስትረሱ ከራግፍዶ ኣይግባእን ኢዩ“ እናተባህለ ምስተጸባበቐሉ፡ ኣስመራ ጸቢባቶሰ ንባጽዑ ክሸሕሻሕ ከምዝጸንሐ ኩልና ንፈልጦ ኢና።

ኣብኡ ምስተን ኣብኡ ዝጸንሓ ወይዘራዝር እንታይ ከምዝግበር ወይዘሮ ሳባ ከኣ ትሰምዖ ነገራት ይነብር።

መራሒና ብዝተፈላለየ ምስምስ አውራ’ዃ ብፍቕሪ ሓፋሽ ኤርትራ ልቡ ተመሊሑስ ነዛ ሓዳሩ ኣራኽቦ ከምዝሰኣነላ

እናተመኽነየ ንመጀመርታ ግዜ ’ ሞይቱ ምስተንስአ’ ከምዝዘከራ ሓቂ ናበይ ከይድና። ዝኾነ ኮይኑ ካልእ ትንታነ ድማ ኣሎ። ንሳ ኣብሎሚ በጺሓ ሕቶ ፍትሕ ምቕራባ  ጠለባ ኢዩ ኢልካ ጥራይ ምእማን ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብዙሕ ግዜ ከምዝተራእየ፡ ሓዳር ምስ ስርዓተ-ምልኪ ኣይጠዓዓምን ኢዩ። ንሳ’ውን ዘይከምትማሊ ሎሚ እንተ ብግዳማዊ ባህታ፡ ብብቕዓታ፡  ወይ’ውን ብእምነት ማሕበራዊ ኮነ ፖለቲካውን ጸጥታውን ኩነታታ ንበዓል ቤታ ዘይተደላይት ኮይና ትኸውን። እሞ እቲ እኩይ ከኣ ከባርራ እንተኣሕሊምዎ  ነቲ ፍትሕ ባዕላ ከምዝደለየቶ ኣምሲሉ ከታልል ወይ ከስገድድ ይክእል ኢዩ። ከምኡ እንተኾይኑ ምፍታሓ ግዳ ቀቀሊሉ። ካልእ’ውን እኮ ኣሎ። ረሲዕናዮ ዲና ዓበይቲ መለኽቲ ፖለቲከኛታት ኣብ ርእሲ መጻምድቶም ዝውሰድዎ ተግባራት ። ረሲዕናዮ ዲና ንመጻርድቶም ሰብኡት ንምጅጃው ነታ ጠዋሪትን ኣርኣያ ስድራን ዝኾነት ኣደ እናኣረሳሰንካ ዝፍጠር ምምዝባል።

ዝኾነ ኮይኑ ንሕናስ ብሓቂ ሃለውለው ኣብዚሕና ኢና። እንተ’ቲ ነገር ግን ሎሚ ካብተጋህደ፡ ጽባሕ ተመሊሶም  ክተሓቛቘፉ ምንዮትና ወሰን የብሉን። እንተዘይመዓረ ግና ወይዘሮ ሳባ  ነቲ ሽምግልናን ካልእ ኩነታቱን ዝጻወር ዓቕምን መዋጽኦን ፈጢሩ ሙሉእ ምሕረት ይግበረላ። ንሕና ከኣ ድሕሪ ሕጂ “ ካላእ ምስ ሓንቲ ሰበይቲ ይንበር“ ብማለት ምስ ዘዋዕልኦ ዝውዕል፡ ምስ ዘተሓድርኦ ድማ ዝሓድር ወግዓዊ ’ወንደላጤ ፕረሲደንት’ ክህልወና ኢዩ። ገለ ኣባላት ሃማድኤ ከኣ “እንዃዕ፡ ንሰንዶ በዚሐንኦ“ ብማለት ክምርቓሉ ይኾና። በሉ ፕረሲደንትና ውጹእ ፍቱሕ ይግበሮ። እንኮላይ ምስ ሃገረ-ኤርትራ ማለተይ ኢዩ።

ሰናይ ቅነ።

ጎደፋ፡


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...