ናይ ዕቡዳት ሕዋያት ፈስቲቫል ሽወደን

ብልኡኽ ስርዓት ኣስመራ ዝእለ ዝውነን

ራኣና ብደም ዝተጾምቀ ክኸፍት ሻምፓኝ

ናይ ደስ ደስ ናይቶም ኮላሊት ዝሸጥወን

ዓያሹ ብስብከት ማንኪ ተሰሊቦም

ጨካን ኣደ ድማ ብእልል ተሰኒዮም

ብጠላማት ኣቕሽሽቲ ምስ መሳቕሎም

ንሰይጣን ክውድሱ ብጸጋም ተሲኦም

ማንኪ ድኻሞም ኣዐርዩ ስለ ዝፈልጥ

ብዉሽጡ እናሳሓቐ መልእኽቱ የሳልጥ

ዘስተውዕለሉ ስለ ዝሳአነ ከም ዝልኽብጥ

ከዳናገር ከቕኒዩ ክሳብ መዓልቱ ትቕለጥ

ህግደፍ ክዳን እንተለበሱ ሰብ ዝመስሉ

ውሽጦም ተፈተሽካ ከም ኣድጊ ከም ዒሉ

ንድሕሪት እምበር ቅድሚት ዘየስተብህሉ

ጸሓይ ዓሪቡዎም ሃገርና ማዕቢላ እናበሉ

ካብ ጀርመን እንግሊዝ እንተኾነሎም

ሰባት ተኻሪዮም ገጀፍቲ ሰብ ቀላጽም

ኣሻሓት ከፊሎም ፈሺሎም ተሪፎም

ዘመነ ዕዳን ዒንዲዳ እዮም ኮይኖም

ብጥራዩ መሲሉዎም ሆሊኮፕተር ተራኣዩ

ብቐሊል ሪኦሞ ፖሊስ ዓጢቖም ተዘምበዩ

ከይተረዶኦም ዘራፍ ክብሉሉዮም ዘምሰዩ

ክሳብ ጸብጻብ ዝመጾም ተጠሊዖም ዘእውዩ

ተሓጒስና ብጀጋኑ መንእሰያትና ስመር

ብድምጽኹም ሪዒዱ ህግደፋዊ ፈገር

መሬት ጸቢባቶ ከም ድላዩ ከይዕንድር

ተኸርዲኑ ብደላይ ሰላም ብጀጋኑ ስመር

ነይረናና ዋዕሮታት ቆራጻት ሰብ ሓቦ

ሕድረን ዘይጠልማ ናይ ህዝበን ኣቓልቦ

ደኺምና ከይበላ ዘእውያሉ ንሽግሩ ንዓጸቦ

ከይተሓለላ ዘቃልዓ ንህግደፋውያን ደቀቦ

ናብ ኣንጭዋ ተቐይሮም ህግደፍ ደማሙ

ዘይፍታሕ ተዋስኦ ከህተፍትፉ ክሓልሙ

ከም ቀደም መሲሉዎም ክጭፍሩ ክቑዙሙ

ዎዮ ጉዳይ ዓወት ብግልባጡ ብኣና ተዛዚሙ

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲዩሎ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...