ደቅና ጌጋታት ወለድኹም ከይትደግሙ ሐደራ!!

ካብኡ ግን ተማሃሩሉ ደኣ!!“

አቐዲመ ንብምልኡ አብ ውሽጢ ዐድን አብ ኩሉ ክፍለ ዐለምናን ፍሕ ኢሉ ዘሎ አማኒ እስልመና ሀይማኖት ክፋል ህዝብና እንቋዕ ነዚ ዒድ አልፈጥር ብሠላም አብጸሓኩም እናበልኩ ልባዊ  ዝኾነ ሠናይ ትመኒተይ ይምነየልኩም፤ ከምኡ ኸኣ ንዝመጽእ ናይ ኩላትና ሀይማነታዊ በዐላትና፣ ልዑል አምላኽና ፍቓዱ ኾይኑ አብ ዝሐጸረ ግዜ ወጽዓ ህዝቡ ብምርኣይ፣ ውጽኢት ፍረ ቃልስና፣ ማለት‘ቲ ሕረስ ሐረስታይ  ንገድ ነጋዳይ ዝብል፡ ብሕግን ሥርዓትን ዝገዝእ፡ ምሰ ጎረባብትን ናይ ዓለማት መንግሥታት ብሠላምን ምልዛብን ዝመርሕ ናይ ስም አሕዋት መንግሥቲ ንምትካል አበቂዑ፡ አበታ ንፈትዋ  ሀገርና  ሕጂ‘ውን ብሠላምን ፍቕርን በምክብባርን፡ ንምኽባር የብቅዓና፤ አሜን።

ራብዓይ ክፋል፤

አብ‘ቲ ዝሐለፈ ክፋል ጽሑፍ ብዛዕባ መቦቆል አህዛብ ኤርትራ ሐፈሻዊ ርኢቶ ናይ ነፍሰ-ሄር ፊተ. ሚካኤል ሐሰማ ካራ ካብቲ ዝገደፉልና ውርሻ መጽሓፎም ቁንጭል አቢለ አብ አንበብቲ አማሓላሊፈ ነይረ‘ዬ፤ ሕጂ ኸኣ እስኪ ካብ  ጆሜትራ ገብረ ኢየሱስ አባይ ካብ ዝጸሓፍዎ  መጽሓፎም  „መሠረት ዓሌት ሕዝቢ መረብ ምላሽ!“ ዝብል ጭልፍ አቢለ ሐደ ቅርንጫፍ ከም አብነት ክጠቅስ እፈቱ፣ እዚ ማለት መቦቆል አህዛብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክገልጹ ኸለው ከም‘ዚ ዝስዕብ ይገልጽዎ።

„ምዕታው ኢትዮጵያውያን ናበዚ፤“ „በዓሰርተው ሸሞንተ ሚእቲ ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ አቦታትና አብዚ አተው፡ ንሳቶም ከኣ ካብ ዓሌት „ሴም፤“ ነገደ ዮቅጣን ዝበሃሉ እዮም፡ ካባኦም ወዲ ወዱ ንብልቅያ ኢትዮጲስ ዝበሃል ዐቢ ንጉሥ 55 ዓመት ነጊሡ ገዝኤ፡ ነሱ ድማ ን5 አወዳት ወለደ፡ ንሳባን ንኖባን ንበለውን ንኸለውን ንላኩንዱን ነዚኦም ወለደ፡ ካብኦም ላኩንዱ ዓራት አቡኡ ወረሰ፡ እቶም 4ተ የሕዋት ግና አብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ምድሪ ናይ አቦኦም ርስቲ ሐዙ፡ ብኡ ምኽንያት ደሓር ደቂ ሳባ አብዚ ሕጂ ትግራይ ትግርኚ ዝበሃል ዘሎ አብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ርስቲ ሐዙ፡ በዚ ምኽንያት‘ዚ ደሓር መንግሥቲ ሳባ ተባሂላ ትስመይ ነበረት፤ ነገደ በለው ከኣ ብሸነኽ ሰሜን ትግራይ ፈለግ ዓንሰባን ፈለግ ባርካ ዝፈሰሉ ዘሎ መታሕት ናብኡ ርሰቲ ሐዙ“ ሕጂ‘ኳ ዓሌት በለው እኒ ዐዲ ናይብ አብ ምፅዋዕ ሒርጊጎ ደኩኖም አለው፡ ቋንቖኦም ድማ ዐረብኛን ግእዝን ዕበራይስጥን ህንድን ዝቀራረብ እዩ፣ ንሳቶም ዝሐዝዎን ዝሠፈርዎን ንኸብቲ ምፍራይ አዝዩ ዝጠዓመ ኢዩ፡ በቲ ሥርሖምን ንብረቶምን ዘላን ሐለውቲ ኸብቲ እናተባህሉ ይጽውዑ፡ በሸነኽ ምዕራብ በሸነኽ ፈለግ አትባራ ወይ ፈለግ ተከዘ ይዳወቡ፡ እታ ንሳቶም ዝሐዝዋ ቋንቋ ትግሬ ኢዩ፣ እዞም ኩሎም አህዛብ አብ ኤርትራ ይኹን አብ ካልእ ቦታታት ፋሕ ብምባል  ዝሐዝዎ ዐድታትን ርስትን አብ መዕራፍ 16 ርኣዩ።“

ሰለዚ ብሰፊሑ ብዛዕባ ወሎዶታት አህዛብና ንምርዳእ እዞም አብዚ ዝተወከሰክዎም ታሪኻውያን መጻሕፈትን ካልኦትን ምውካስ ከድልዩና ኢዮም፣ እቲ ምንታይ አቦታትና በቦታቶም ብቓል ዘተሓላለፍሎም እቲ ሐረግ ወሎዶታቶም፣ ሕድሮም ብምጽናዕ ባዕዳዊ ገዛኢ ምንግሥቲ ዐባይ ብርጣንያ ከም ምኽንያት ናይ ክልተ የሕዋት ህዝቢ ሀይማኖታዊ ፍልልይ ከምሰበብ ተጥቒሙ ሀገር አብ ክልተ ንምኽፋል ዝነብሮ ውዲት አቦታትና ቅድሚ ሀይማኖታቶም፣ ሕውነቶም ብምቕዳም እመቢ! ብመባል ነቲ ናይ ባዕዳውያን ተንኮል ከምዘፍሸልዎ አመቢብና ኢና፤ ባዕዳውያን በዚ ከይተዓገሱ ካልኣይ ፈተነ አካየዱ ንሱ‘ኣ በቶም ናቶም ወታደራት ሱዳናዉያን አብ አሥመራ አምጺኦሞም ዝነበሩ፣ ንኸተማ አሥመራ ክወሩ ብመግባር  ነቲ አማኒ ክረሰትና ነበርቲ ኸተማ መስልም እናበሉ ክቐትሉ ለአኹ ከምኡ ኸኣ ገብሩ፣ ልዕሊ ዕስራ ሰብ ምስ ቀተሉ‘ኣ ደው አበልዎ፤ ሎሚ መቓብሮም አብ መቓብር እንዳ ቕድስቲ ማርያም ( አብ ጎቦ ሐደራ እዝጊ!) ብሸነኽ ምብራቕ አብ‘ቲ ደረት ምገዲ አብ ቅርጺ መስቀል ተኸሊሉ ሐላፍ መገዲ እናረኣዮ ዝሐልፍ ዘሎ ኢዩ።

ባዕዳዊ ወታደራዊ መሕደራ እንግሊዝ ሕጂ‘ውን ንውዲቱ ንምዕዋት ሐንትን ሣልሠይትን ናይ መጨረሻ ፈተነ አካይዱ‘ዩ፣ እሱ‘ኣ እቶም ብሰበብ እስለምና ሀይመኖት ይኹን ክረስትና ሀይማኖት የሕዋት አህዛብ አይንፋላለን ዕጭ ሐንፈፍና! ኢሎሞ አብቂዖም ክንሶም ንሐጺር ግዜ‘ኳ ይኹን‘ምበር ብመኽንያት ክልቲኡ ሀይማኖታት ደም ከፋሰሱ ገይርዎም‘ዩ፣ ኮይኑ ግን  ብሳላ በቲ ዘመን‘ቲ ዝነበሩ ናይ ክልቲኡ መራሕቲ ሀይማኖታትን ልቦናን ከምኡ‘ውን ናይቶም በቲ እዋን‘ቲ ለባማትን ወራዙትን አቦታት ዐበይቲ ዐዲ ናይ ክልቲኡ ወግናት ህጹጽ ሠላማዊ ሐባራዊ ፍታሕ አናድዮም ስለዝፈትሕዎ እቲ ሕድሕድ ናይ  አሕዋት ምፍሳስ ደም ደው ከብል ገበርዎ፤  በቲ ዘመን‘ቲ ኩሉ ክርድኣኒ ዘይክእል ሕጻን ስለ ዝነበርኩ እቲ ኹነታት ካብ ጭነቀት ናይ ወላዲተይ ምስ ጎረባብትኣን፣ ከምኡ‘ውን ገዛውትና በልዕሊ መቓበር እንዳ ቕድስቲ ማርያም  ስለዝኾነ ሐደ ንጉሆ አብቲ መቓብር ማእለያ ዘይበሉ ህዝቢ ዕማመት ዝጠምጠሙን ዘይጠምጠሙን መበዛሕቶም ጻዕዳ ከዳውንቲ ዝተኸድኑ ርኤኹ፣ ኩሎም ከኣ በቲ አፍደገ መቓብር ናበቲ ጎቦ ይድይቡ ከም ዝነበሩ ከም ሐልሚ ይዝከረኒ ነበረ፤ ዳሕራይ ዐብዬ ነዚ አብ አእመሮይ ኮይኑ ዘሸግረኒ ዝነበረ ንዐበይቲ የሕዋተይ ሐቲተ ከምዘብርሁለይ፣  ብሰበብ እንግሊዝ አብ መንጎ ክርስቲያን አስላምን ባኣሲ ክሳብ ነፍሳት ዝጠፍኣሉ ስለዝነበረ‘ሞ ዕርቂ ተገይሩ ሠላም ስለዝሰፈነ አብ ልዕሊ እቶም ዝተቐትሉ መቓብር ዕምባባ ንምቕማጥ ከምዝነበረ ከምኡ‘ውን አብ መቓብር አስላም አብ‘ቲ እግሪ ሐዝሐዝ ዘሎን ከምዝተገብረ ተገለጸለይ።

እዞም ንዓና ዝፈረዩ ወራዙት አባና አብ ደቆም ከም ቂመታ ኾይኑ ተሸፊኑ ከይጸንሕ ብምስጋእ ጥራሕ ዝይኮነ ነቲ ብወሎዶታት ናይ አቦሐጎታቶምን/ እናሓጎታቶምን፡ አቦታቶምን/እኖታቶምን እቲ „ ዘይባኣሱን መላእኽቲ ዘይታዓረቑን አጋንንቲ!“ ዝብል ያታዊ ቢሂል መረኩስ በምግባር ከመይ ገይሮም ብምምኽኻር ጉባኤ ሠላም ብመግባእ ፍታሕ አናድዮም አደቂሰሙዎስ  ከም ዝሐለፉ አብ ቀጻሊ ክንሪኦ ኢና።

አቦታትና ነዚ ውዲታት ጸላእቲ በዲሆሞ ሐሊፎም ክንሶም፣ ብአንጻሩ ግን እዞም ካብ አብራኽ ናይዞም ከምዚ ዝገበሩ አቦታትናን፡ ዝገበራ ከስዔ አዴታትናን ዝቦቖልና ተካእቶም ነቲ ፈቲሖሞዎ ሐሊፎም፣ እንትኾነ ግን  እቶም ነቲ በ1961 ዓ.ም. ገድሊ ዝጀምሩን ቅድሚኡ ማሕብር ሸውዓተ ኢሎም ዘቛቖሙን፣ ነቲ ዝንብረ በሰላ ምጉዳእ ጥራሕ ዘይኮነ  ክሳብ ለይተሎሚ ፈውሲ ዘይተረኽቦ  „ሕማም ደሐር!“ ኮይኑ ንኽተርፍ ገይረምዎ ኢዮም፣ ነዚ አብነት አቦሓጎታትኩም ብምኽታል ሱር ነቀል መድሓኒት እንኮ ፍታሕ ዘድልዮ ብኣኻትኩም በዞም ተካእቲ ወለዶ ክናደየሉ ዘለዎ ሐቂ ኢዩ፤  ምኽንያቱ ነቲ በቦታትና ዝተረኽብ ፍታሕ ከይተወከሰ ዝጀመረ ገድሊ ነዚ ሕጂ ብደገን በራኻን እናጋጠመ ዘኸይድ ንርእዮን ንሰምዖን ዘሎና ጉዳይ አደዳ ባርነት መንእሰያተናን ውላድናን፣ „አደዳ ጽምኢ ምድረበዳ ሳህራን ሲናይን፣ ደቂ ደቂ ናይ ማእከላይ ባሕሪ ሥጋ አቦሓጎታቶም ዝበልዑ ዐሳታት ነባሪ ናይ ማእከላይ ባሕሪ ኸኣ  ንሥግኦም ምሳሕን ድራርን ገይረሞምን ይገብርዎም አለው!“፣ የሐቶም ድማ ናይ ልባውያን ሸውሃት ናይ ሥጋዊ ጽምኦም መርወይ ብሙኻን ዘይድቓልኤን ከሸክምወን ከለው፣ በቲ ሽነኽ ምበራቕ ዘለዉ እተን አዋልድ ብጸወታኤን ብበድዊን ከምተን የሕወዋተን ዝበጽሔን ጥራሕ ከይኣኽለን ልክዕ ከምቶም ደቂ ተባዕትዮ የሕዋተን ናዉቲ ኸበዶም  ከም ከብቲ እናተጎዘዩ መናውሕ ዕድመ ሀብታማትን መደለብ ሀብቲ “መንደዓት ምስቶም እስትራሽኡን!“ ይኾኑ እንሄውለ።

እዚ ውጺኢት ናይ‘ቲ ባዕዳውያነ ገዲፎሙልና ዝኸዱ ሕማም ጥራሐ ከይኣክል፣ እንኮላይ እዚ ክሳብ ለይተሎሚ ህዝበና ከይሰማማዕ ገይሩ ከም „ማእሰር ዘይበሉ ማእዶ ፋሕ ፋሕ!“ ብመባል „ጎሮሮ  ዐንቀር!“ ኮይንዎ ከምዘሎ እተፈልጠ ኢዩ፤ ነዚ ዝተጠቕሰ እቶም አብ ወጻኢ ሀገር መምበሪኦም ብምግባር ነዚ ገድሊ መራሕቲ‘ና ዘብሉ ዝነበሩ „አብ ርእሲ አላታ ተወሰኸታ!“ ከምዝበሃል፣

ብሙኻን አብ ክንዲ ፍታሕ ምግባር ነቲ ብክርስትና ሀይማኖት ዝኽተል „ሐበሽ!“ እናተባህለ ከም ሰጋ ዝባን ክርኤ ጥራሕ ዘይኮነ ከምዘይሃገራዊ ወይ ከኣ ከም ናይ ኢትዮጵያ ሰላይ ተቖጺሩ ነሒወቱ አብ ዝሰግኣሉ ግዜ ኢዩ ዝነበረ።

እዚ ቓላት እዚ ናይቲ ሰባኺ፡ አብ

ኢየሩሳሌም ንጉሥ ዝነበረ ወዲ ዳዊት፡ ኢዩ።

„ናይ ከንቱ ኸንቱ እዩ!“ ይብል እቲ

ሰባኺ።“ ሰብ ካብ ምሉእ ሕይወቱ ዚጽዕረሉን

ዚደኽመሉን እንታይ ረብሓ ይረኽበሉ፤ ወለዶ

ይሐልፍ፡ ወለዶ ኸኣ ይመጽእ፡ ምድሪ ግና

ከይተለወጠት ንሐዋሩ ትነብር። ፀሓይ

ትበርቕ፡ ጸሓይ ትዓርብ። ከም በሐድሽ ክትጅምር፡

ናብቲ ዝበረቐትሉ  ቦታ ክትምለስውን ትቕልጥፍ።

መጽ፡መክ፤

ምዕ፡1/1-5/

ካብ ሻም/ ሐይለ-ሥላሴ ገብሩ፤

በሔረ ጀረመን፤       

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...