ኣብ ትሕቲ ``ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፤ ንናጽነት ተቓለስቲ ናይ ዝነበሩ ዳግመ- ርኽክብን ናይ`ቲ እዋን ነጸብረቕታን`` ብዝብል መርሖ ፡ ኣብ ደንቨር-ኮሎራዶ ካብ 27-29 ሓምለ 2012 ብጻያውን ዕዙዝ ናይ ምርድዳእ መንፈስን ብዝመልኦ ተሳላሲሉ።

ቀንድን ቀዳማይን ዕላማን ዳግመ-ርኽክብ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ንክብሪ ሃገራዊ ናጽነት፡ ንልዑላውነትን ሓድነት ህዝብን ንምርግጋጽ፡ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራውን፡ ሕብረተሰብኣውን ምጣነሃብታውን ከምኡ`ውን ኣብ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ብዝምልከት ዘወፈየቶ ሓርበኛዊ ግደ ግቡእ ታሪኻዊ ቦትኡ ንምትሓዝ ኢዩ።

ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ትንፋስ ዘሪእካ ንምብርባር ወይ ካልኣይ ንምፍጣራ ብዓንተብኡ ዕላማ`ኳ እንተዘይነበረ፡ ኣብ ሓንጎል ነቲ ንዕስራታት ዓመታትት ነጻ ከተውጽኦ ዝተቓለስትሉ ህዝቢ፡ ታሪኻ ብልሉይ እናተዘከረ ክነብር ከምዝግብኦ ብትኩር ዝጠመተ ዳግመ ርኽክብ እዩ ነይሩ።

ሰለዝኾነ ድማ፡ ኩሉ እቲ መደባት ነቲ ብዙሓት ጀጋኑ ዝተሰውእሉን ዝሰንከልሉን ታሪኽ ብሓበን ዝዝክርን፡ ነቲ ሓርበኛዊ ታሪኻዊ ተራ ተ.ሓ.ኤ. ዘደንቕን ዝሞጉስን ኢዩ ነይሩ።

ፈለማዊ ዳግመ-ርኽክብ ተ.ሓ.ኤ. ቀዳም ዕለት 27 ኣብ ናይ ንግሆ መደቡ -

ንስምዒታትን ተዘክሮታትን ተሳተፍቲ ብልዑል መንፈስ ዘበራበረ፡ ልዕሊ 300 ስእልታትዝኾኑ ቅያታት ጀባሃ ዘንጸባርቕ (ስዉኣትን ህልዋትን ተጋደልቲ ዝርከብዎ) ዓብዪ ፕሮግራም ቀሪቡ። `

``ኣነ ከም ዝዝከረንን ከም ዝወዓልክዎን`` ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ከኣ ፡- (1) ሰራዊት ሓርነት ዝፈጸሞም ወተሃደራዊ ቅያታትን (2) ቤት-ትምህርቲ ካድርስ ከመይ ከም ዝተመስረተን ዘፍረዮም ካድራትን ተረኦም ኣብ ህዝብን ሰራዊትን ፣ ንጥፈታት ህዝባዊ ስርዒት ኣብ ውደባን ምምሕዳርን ህዝቢ (3) ኣብ ህዝባዊ ናብራ ዕብየት፡ ህዝባዊ ሕክምናን ምጥፋእ ድንቁርናን ኣብ ዝኣመሰሉ ዝተኻናወኑ ንጥፈታት (3) ህዝባዊ ማሕበራትን፡ ብማሕበር ሓረስቶት ዝተሳላሰለ ምድልዳል መሬትን (4) ናይ ወጻኢ ጉዳያት ... ወዘተ፡ ብሰፊሑ ተገሊጹን ተዘትዩሉን።

ኣብ ናይ ምሸት መደቡ- ምኽንያት ውድቀት ተ.ሓ.ኤ. እንታይ ነይሩ? ካብ ውድቀት ክትድሕነሉ ዘኽእል ኩነታት ነይሩ`ዶ ?... ሎሚ ድሕሪ 30 ዓመት፡ ዕድመን ልቦና ወሲካ ብከመይ ንመዝኖ? ንዝብሉ ሕቶታት ንኩሉ መኣዝናት ኣብ ግምት ዘእተወ ትንተናታት ቀሪቡ። ነፍሲ-ወከፍ ተጋዳላይ በብደረጅኡን ዝነበሮ ግደን፡ ኣብ`ቲ ውድቀት እጃሙ ዝወስደሉ እምበር ናብ ፍሉያት ሰባትዝቐንዕ ክስን ጸለመን ክኸውን ከምዘይግበኦ ርእዩ። መኣዳዊ ዘተ ብመሃርን ሓላፍነታውን መልክዕ ትኩር ቓልዓለም ዘይብሉ ናእዳ ዘትረፈ ትንተና ተሰሚዑ።

ቀጺሉ- ናይ ሜዳ ሓርበኛዊ ዜማታት ንቀልብን ሃምን ናይ`ቲ እዋን ከም እንደጋና የሐዲሱ ንስምዒታትን ወኒታትን ዘሳራሰረ፡ ብኣሕዋት ተዋነይቲ እዮብ ሃይለ፡ ኣስመላሽ ክፍለማርያም፡ ባራኺ ሙሴን በርሀ ብጹዕ ኣምላክን ተሰንዩ፡ ንፍናንን ንያትን ሰማይ የዕርጉ ኣምሰየን ሓደረን።

ሰንበት (29 2012) ካብ እዚ`ከ ናበይ? ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ብዛዕባ ቀጻነትን ከመይነትን ዳግመ-ርኽክብ ተ.ሓ.ኤ. ዘትዩ ኣብ ምርድዳእ በጺሑ። ብጠቕላላ ዓሰርተ ሰዓታት ዝወሰደን ተሳታፋይ ብምልኣት ብዘይምስልካይ ዝተሳተፎን ዳግመ-ርኽክብ፡ ንዝመጽእ ዘሎ ዓመት ኣብ ኣትላንታ-ጆርጂያ ኣብ መጀመርታ ክፋል ናይ ወርሒ ሓምለ ካልኣይ ዳግመ-ርኽክብ ክትግበር ወሲኑ ደምዲሙ።

 

ዘልዓለማዊ ክብርን ሞጎስን ንስውኣትና


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...