እዚ መልእኽተይ ናብቶም ተቐበልቲ ሐደራ ወረስቲ መንእሰይ ማለት „ስመርርርርር!!“ ዝበል ጭርሖ ተሐንጊቦም ተበጊሶም ንዘለውን ዘየለውን አጠቓሊሉ ዘተኮረ ኾይኑ፤ ነቶም ካልኦት ግን ብሕልፊ እኳ ደኣ ናይ ቀደም መንእሰያት ናይ ሕጂ ወለድቲ አብ ክልተ ክኸፍሎም ኢዩ፡ መኽንያቱ ንገለ ብፍረሂ አብ ልቦም ተቐቢሩ ዘሎ ሐቂ ቃልዕ ስለዝወጸሎም ጸባ ክሰትዩ ኸለው፡ እቶም ገለ ኸኣ ዓመታት ብምቑጻር ፀጉሮም እንተ ፃዕደወ፡ ልቦም ግን ከም ቢጊሓታ ከምዝነበረታ ዘለው፡ እዚ ማለት ክሳብ ለይተሎሚ ካብ ጸቢብ ትመክሕታዊ ጃሀራን፡ መሠረት ዘይበሉ መን ከማና ብሃለነትን፡ ብሐሶ ዝተላዕጠጠ አጉል ሀገራውነት ካበ ምሽፋን ገና ዘይተገላገሉ፡ ፖለቲካዊ አቦ ጊዳ!“ አፍልጦ ዘይብሎም ክኾኑ ኸለው፡ በቲ ሐደ ወገን‘ኣ እቲ አብ ውሽጦም ቀቢሮምዎ ዘለዉ „ሐቂ!“ ቃለዕ ሰለ ዘዉጽኦ፡ ነዚ ጽሑፍ ዘይትርጉሙ ብምሃብ አብ ሐሸውዬ ክአትዉ ከም ዝኾኑ ፍሉጥ‘ዩ።

እምበኣር አብቲ ዘብገሰኒ ሕመርት ሐሳበይ ክመለስ፤ ብጥንቲ ብጥቀመቲ ዝነበረን ዘሎን ወለድቲ ወሊዶም፡ ዝወለድዎም ውላዶም የዕበዮም፡ ቕረሲ አውሪሶምን አታሓላሊፎን ከይዶም እንተደኣ ክብሃሉ ኾኖም፡ እቲ ልዕሊ ኹሉ ሀብቲ ገንዝብ ወይ ከኣ ሀብቲ ጠሪት ዝበለጸ ነቲ ካበ ወለዶምን አባሓጎታቶምን ክወራረድ ናብኦም ዝበጽሔ፡ ሀበቲ ማንነትን ባህልን ያታዊ ሥርዓትን ርስቲ ዐደቦን፡ ኮታ ጠቅላላ ታሪኽ ሀገሮምን ብሐደራ አማሓላሊፎሙሎም ክሐለፉ ከለው፡ ናይ ወለድቲ ሐላፍነቶምን ግዴቶኦምን ፈጺሞም ማለት ይኸውን፤ በቲ ሐደ ሸነኽ ከኣ ሐደ ውላድ ተውሊዱ ደምብን ሥርዓትን ኮታ ባሐሊ አቦታቱ ታሪኹን ክወርስ ትጽቢትን ተስፋን ናይ ወለድቲ ጥራሕ ዘይኮነ ናይ‘ቲ ተቐባል ሐደራ ግዴትኡ‘ውን ኢዩ፡፡

በቲ ቐደም ብወለድና ዝጸንሔን ንሕና‘ውን ዘረከበናሉ፡ ሐላፍነት ወለድቲን ትጽቢቶምን፡ ከም አብነት እመንቱ ወሲኽካ አብ‘ቲ ሕበርተ-ሰብና እንተተመልከትና ዳርጋ ሐደ እዩ ዝምስል፡ ኮይኑ ግን እቲ ሐረስታይ ከበሳዊ ሕበረተ-ሰብና እንተተመልከትና፡ አቦ ንውላዱ ካብ ናወቲ ማሕረስ ጸሪበካ ብምድላው አዋዲደካ፡ አብዑር ጸሚድካ ማሕርሰ ከመይ ትሐርስን ነብሰኻ ኪኢለካ ክሳብ እኽልኻ ካብ ዐውድኻ ሐፊስካ አብ ቆፎኻ ምእታው፡ ጀሚሩ ክሳብ ስነ-ሥርዓት ናይ ባይቶ ምስ ዘበዬ አዝራረብኡን ኮታ ጠቕላላ ሕበርተ-ሰባኣዊ አነባብራ ብቓል ብግብር፡ እነኮላይ መቦቆል ሐርጉን፡ „ማለት ገንኡን!“ ከምታ ብሐድራ ካብ አቡኡን አባሓጎታቱን ዝተቐበላ፡ ንሱ‘ውን ብሐደራ ናብ ወላዱ የትሓላልፋ፡ አብቲ ድሒሩ ዝመጸ እዋን‘ውን እቲ ነጋዳይን ሸቃላይን‘ውን ከምኡ፤ አደ ኸኣ ንጓላ ካብ አዴታታን ዐባያታት ዝተቐበለቶ ሐደራ ናበታ ወላዳ ተታሓላልፍ፤ እምበኣር ናይዚ ድምር ውጺኢት‘ዩ መበቆሉን ማንነቱን ማለት አመጻጽእኡን ዝተፈልጠ ነንሕድሐዱ ዝፋለጥን ሕብረተ-ሰብ ኮይኑ ሕድሕድ ብምክብባር ክሳበ ናትና ወለዶ ዘረከበናሉ ህዝብና ብሰላምን ብቕሳነትን ዝነብር ዝነበረ።

ሀገርና ኸኣ ካብ ጥንቲ ወሎዶታት እናተተኻኸኤ ተካኢ ወለዶ ንአቦታቱን ንአባሓጎታቱን ከምዚ „ናትና ወለዶ ከየዋረደን ጸረፈን!“፡ ከየነኣኣሰን ብቓል ዝተመሓላለፈሉ አፋዊ ታሪኽ ካብ አቦታቱ ዝስምዖ፡ ከይ ወሰኸን ነከየን ከም ዝተረከባ ናብ ወላዱ እናመሓላልፍ ክሳብ አቦታተና በጺሑስ እሳቶም‘ውን ሐደራኦም ብመፍጻም አባና አበጺሖሙዎ ኢዮም።

እቲ ዘገርም ዕዋኑ ፈቒዱልና ግዲ ኾይኑ በጀካ እቶም ናይ ቤተ-ክህነት ሰባት እንተዘይኮይኖም፡ ህዝብና ዐለማውያን ክንሶም ንሳቶም ካብ ወለዶም ዘይረኸበዎ ክነረክብ በምግባር፡ ካብ አባሓጎታትናን አቦታትናን ንላዐሊ „ግናዕ!“ ክንረክብ ገይሮሙና ኢዮም፤ ንሱ ኸኣ „አብ ሀገረና ቅደሚኡ ዘይነበረ፡ ብአና ግዜ እስኻተኩም አብ ሀገረኩም ዝተሓርመኩም፡ የሕዋተኩም አብ ገዝኦም ዝተሓረሞም አብ ጎረቤት ገዛ ማለት አብ ኢትዮጵያ ዝቋደሰዎ ዘለዉ፡ ንሕና ግን „እቶም ሀገር ሸይጦም እንብሎም አቦታትና፡ ንዐታትኩም

አቦሓጎታትኩም ክሳብ ዝአኽለና ትምህረቲ አመሂሮሙናስ በብዝምረጸናዮ ሥርሓት (ፕሮፈሽን) አብ ናይ ዐለም ሥራሕ ተዋፊረና ኔርና ኢና፡ ዝተማሕር ሰብ ሥራሕ አልቦ ዘይነበረሉ ግዜ ነይሩ፤ በቶም ናይ ሽዑ ግዜ መንእሰያት ደቀ አሥምራ አጸዋውዓ „ዲዞ!“ ዘይነበረሉ፡ ነዚ ኸኣ ኢና „ባዕዳዊ መግዛእቲ!“ ዝበለናኩም፡ በዚ ሐድሽ ናይ እዞም ምንድዓት ህዝብና፡ አግድፍ አበሃህላ „ንባርነት!“ ስም ቀይርካ ናጽነት ኢልካ ምምሃር።

ስለዚ እስኪ ካብቲ ብዙሓት ቢሂላት ሐዲጎሙልና ዝኸዱ ሐደ ከም ዝብሎ ንርኤ „ሕማቕ ንፉዕ እንተወለደ ተቐልተ፡ ንፉዕ ሕማቐ እነተወለደ ተዘምተ!“ ከምዝብለዎ ያታውያን ንአባሓጎታትኩም „ሐቖንቲ ማይ ጌርናዮም ኢና!!“፡ ስለዚ ካባናስ ተዘሚቶም „ወላድ መኻን ጌረናዮም ኢና‘ሞ!“ ብአኹም ክቕለቱ ገበርዎም።

ሕጂ ከመዚ ናህና ወለዶ ብናይ ሀደራ ጥልመት!! ብናይ ሕልና ወቐሳ ዝኸስስ ዘሎ ግን፡ ምልስ ኢሉ ክመራመር ኮሎ ማለት እቶም ወለድና አብ ገገዛና ከምኡ‘ውን ብአገጣሚታት ማለት ዕድል ብዘጋጠመ መጠን ዝመኽሩና ዝነበሩ ክትሐስቦ ከሎኻ ክሳብ ክንደይ „ከይተማህሩ ምሁራት!፡“ አርሒቖም ዝጠምቱን ከምዝፈረዩና ኢና ንፈልጥ፡ ማለት ነዚ ሕጂ አብ ሀገረና ወሪዱ ዘሎ ይግለጸሎም ግዲ ነየሩ ኾይኑ! ከም ዝመጽእ‘ሞ በቲ ንሐና ንዝዛረቡና፡ ብሐነቲ አይትፈልጡን ኢኹም ሱቕ ጥራሕ በሉ! ዝዐይነቱ መልሲ ክንቦም ከሎና፡ ነሳቶም ስሌና ብምሕዛንኒ በመሽቑራርን „አቦታት አብ ውሽጦም ብምሓዝ ምዓንጥኦም ክቕረጹ ከለው! አዴታት ብጓሂ ተኾራሚተን ጓሄኤን ብምቑዛም!“ ይገለጽዎ ከምዝንብሩ፤ ሕጂ እናበርሃልና ኸይዱ።

ንሕና ካብ 1942 ዓ.ም. ክሳብ 1952 ዓ.ም. ዝነብሩ ዐበይት ወራዙትን አቦታትና ነቲ በቲ ዘመን‘ቲ ዘነበረ ደሞክራስያዊ ምሰላቶም ተጠቒሞም ክርስትያኖም አስላሞም ብሐንሳብ ብ1941 ዓ.ም. መጀመርያ ፋሽሽቲ ጣልያን ካብ ምሬት ኤርተራን ኢትዮጵያን ተጋሒጡ ምስ ወጸ „ማሕበር ፍቕሪ ሀገረ፤“ ዝብል ሐንቲ ፖለቲካዊት ማሕበር አቛቒሞም፤ ዕላምኡ ኸኣ „ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ህዝብታት ሐድነት ማሕብር፤“ ተባሂሉ‘ዩ ዝተመሥረተ፤ እዚ‘ኣ ከምዞም ናይ ሎሚ አሰማት እናኣጠመቑ መራሕቲ ውድባት ኢና እናበሉ አበ ጸጽባሕ እናተጸፍዩ ዝሐድሩ ዘለው፡ ንጥቕሞም ከበሉ ንነበሶም ብመሻጥ፡ ንህዘቦም የሕሊፎም ብመሃብ፡ በስቓዩ ዝጣልእሉ ዘለው ዘይኮኑስ፡ እንታይ ደኣ ዘይጋሃስ ምሉእ ደሞከራስያዊ ምሰላቶም ተጠቒሞም፡ ጥቕሚ ህዝቦም ጥቕሞም ሐደ ሙኻኑ ስለዝኣምኑ ዝንብሩ፡ ደኣ‘ምብር ከም‘ዚ ንሕና በጌጋ ዘረዳእናኩም ሀገሮም! መሬት ዐደቦኦም ዋጋ ዕዳጋ ገይሮም ገንዘብ ተቐቢሎም የሕሊፎም ንባሕሪ ተሳጊሩ ዝመጸ ባዕዳዊ ገዛኢ አየረከብዋን?

እመበኣረ ነዚ አብ ልዕሌኹም ተጻዒኑ ዘሎ ባረነታዊ አርዑት ክወረደኩም ዝገበርና፡ ማለት እቶም ብሐሙሳታት ፍደል ሙቕጻረ ዝጀምረና፡ ብሱሳታት ከኣ ጥራዝ ነጥቕ ፖልቲካ ፈሊጥና ምሰ በልና፡ እሞ ናይዛ ሕጂ ዘላ ባዶ ሠለሰተ ዝወለደትን ከሳብ ሕጂ‘ውን መበዛሐትኡ ዝአምኖ ዝጻሓፍን ከተነብ ከሎኻ እቶም ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸመብርዋ ክርሰትያን ብሕለፊ ተኸተልቲ ሀያማኖት ተውሃዶ ከምዝኾኑ ጌይሮም ይነግሩና ዝነብሩ፡ ከምኡ‘ውን „ኢትዮጵያ ትካላት አብ ኤረተራ ዝንብረ ንኢተዮጵያ አግዒዛቶ!“ „ኤርትራ መሬታ‘ምበረ ሰባ አየድልዬናን ኢዩ!“ „ሐይለ-ሥላሴ ንፈደረሽን አፈሪስዎ!“ ካልኦትን ናይ „እዛ ናይ ሎሚ 03 ዝወለደት አደ!“ እተዝረገሖ ዝንብርት ነቲ በጀካ ንጽህና ሐንቲ ዘይ ውንን ዝነበረ የዋህ ናይቲ ግዜ‘ቲ መንእሰይ ከኣ ስለዝኣመኖ፡ ክሳብ ሕጂ ከም ሐቂ ተወሲዱ ዝነበር ዘሎ ኾይኑ ሕጂ ግን ከመዚ እዚ ሲዒቡ ዘሎ ታሪኻዊ መጽሕፍቲ ቃልዕ ከወጻኢዎ ጀሚሮም እነሄው።

„ማሕበር ፍቐሪ ሀገር“ ክርስትያንን አስላምን አትሐባቢሩ ዕላምኡ ንመውቃዓ ዘኽእሎ ዐቢ ሐይሊ ዝሐዘ ምኻኑ እንግሊዛውያን ስለ ዝትራእዮም፤ ነቲ ናይ እንግሊዝ ወታደራዊ ምምሕዳር ዐቢ ሰግኣት የሕዲሩሉ፤ ደሐር ግን ወዲ እቶም አብ ኤርትራ ማለት አብ ተሠነይ ከምኡ‘ውን አብ ከሰላ ዝነበረ ናይ ኩትምያ ማሕበረ-ሰብ መሥራቲ ዝኾኑ፡ ብመራሕ ሀይማትነቶም ብጣዕሚ ፍሉጥ ዝነበሩ „ሰይደ አቡበከር ኤል ሞርጋኒ“ አቦ ወመብር ብሙኻን „አል ራቢጣ አል ኢስላሚያ“ ብ1947 ዓ.ም መሥረቱ፡ አብ‘ዚ እዋን‘ዚ እመበኣር ኢዮም ነፈሰ ሄር ኢበራሂም ሱልጣን ናይ ማሕበር ፍቕሪ ሀገር አባልነቶም ደው ብምባል ናይ‘ዚ ሐድሽ ማሕበር አባል ዝኾኑ፤ ብአንጻሩ ኸኣ ናይ ቤኔ ዐሚር መራሒ ደግለል፡ ናይ እምበረሚ ሸኽ አል አሚን፡ ናይ ሐባብ ወደባት ከነቲባ ኦስማን ህዳድ፡ ናይ ዐዲ ሸኽ ምራሒ መሓመድ ኦማር ፓሻ፡ ከምኡ‘ውን ካልኦት ዐበይቲ ተኸተልቲ ሀይማኖት እስልምና አብ „አባላት ማሕበር ፍቕሪ ሀገረ ኮይኖም ቀጸሉ።

(„የኤርትራ ጉዳይ!“ 1941-1963 ብውዴ ረታ፡)

እቲ ሐድሕድ ምፍቕቓርን ምክብባርን ካብ ቀዳሞት አባሓጎታትና ሒዙ‘ኳ ነይሩ ከበሃል እንተተኻእለ፡ ከመዚ ሊዒሉ ዝተገለጸ ኢድ በምእትታው እቲ አብ መንጎ ህዝብታትና ግን ፍጹም ሕድሕድ ምትእምማን ግን ሐቂ ከንዛርብ እንተኾና ሕጂ‘ውን የለን፤ ዘይ አበቲ ዝዝነበሩ ከተሰተውዕል ከሎኻ፡ እዚ አብ ካላኣይ ከፋለ ናይ‘ዚ ከብርሆ ከፍተን አዬ።

ወደዬ! ምንዋሕ መዓልትታትን ዐመታት

ህይወትን ሠላምን ኪውስኸካ እዩ እሞ፡

ንሕገይ አይተረስዓዮ፡ ልበኻውን ንትእዛዘይ ይሐልወን።

ሕያውነት ሐቅን ካባኻ አይፈለያ፡ አብ ከሳድካ እሰረን፡

ካብ ፅላት ልብኻ‘ውን ጽሓፈን።

ሽዑ አብ ቅድሚ አምላኽን ሰብን ሞጎሰን

ፅበቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ።

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣቢሔር ተአመን፡

አብ ልቦናኻ አይትጸገዕ፡

አብ ኩሉ መገድኻ ንዕኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ

አካይዳኻ ኬቕነዕ አዩ።

ባዕለይ እፈልጥ አሕትበል፡ ንእግዚኣቢሔር ፍራህ፡

ካበ ክፉእ ርሐቕ።

መጽ/ምሳ፡ 3፡ 1-7፡

ካብ ሻም/ ሀይለ-ሥላሴ ገብሩ፡

በሔረ ጀርምን፡

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...