እዚ ብስእሉ ትሪእዎ ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ “ተኽለ ነጅስ” ናይቶም ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያን፡ ሱዳንን ወተሃደራዊ ኣወሃሃዲ ብምኳን ክሰርሕ ዝጸንሐ ሰብ ኢዩ፡፡ ከም ካልኦት እቶም ኣዘዝቲ ግንባራት፡ ኣብ ግዝኣተ ምምሕዳር ተኽለ ነጂስ’ውን ብርክት ዝበሉ መዐለሚ መዓሰከራትን ኣብያተ ማእሰርትን ኣለውዎ፡፡ ወተሃደራትን ሲቪል ዜጋታትን ይገርፍ ይርሽን፡፡ ንሱዳን ክሰግሩ ዝተተሓዙን ሓሲብኩም ዝተብሃሉን ኣብ ዶባት ሱዳንን ኤርትራን ዝርከቡ ዜጋታት “ኣብ ዝተታሓዝሉ ቦታ ይረሸኑ!” ዝብል ትእዛዝ ዘመሓላልፈ ምኻኑ ተኸሲሱ፡፡ “ደቕኹም ኣህዲምኩም” ንዝተብሃሉ ወለዲ ይኣስርን ይገፍፍን፡፡ ሕጂ’ውን ልዕሊ ዓቕሙ ስልጣናት ተሓንጊጡ፡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወጻእን ምስ ራሻይዳ ተመሓዝዩ፡ ዝፍጽሞምን ብደረጃ ዓለም ዝዝርግሑን ዘለው ግፍዕታት ከይኣኽልዎ፡ ንነበርቲ ከተማና ከጽንት ኣብ ምሽብሻብ ይርከብ፡፡

ኣስመራ ቅድምን ድሕርን ናጽነት ብዙሓት ከንቲባታት ኣእንጊዳ’ያ፡፡ ኣብ ዘመነ ደርግ ከም በዓል “ኣንድ ኣርጋቸው፡ ቅጣቸው….” ዝኣመሰሉ ወተሃደራዊ ከንቲባታት ትመሓደር ነይራ፡ ድሕሪ ናጽነታ’ውን መበቆሎም፡ ቋንቆኦምን ኣስማቶምን ናትና፡ ተግባራቶም ግን ልዕሊ በዓል ቅጣቸው ብዝኾኑ ወተሃደራዊ ከንቲባታት ትቕጻዕ ጸኒሓን ኣላን፡፡

ኣስመራ ድሕሪ መወዳእታ 3 ወራር እኳ እንተጸብጺብና ብርክት ዝበሉ ወተሃደራዊ ከንቲባታት ገኒሖማ፡ ፡ መጀመሪያ “ኣስመራ ጃንግል ኮይና ስለዘላ ኣጽርያ” ተባሂሉ ብኢሳያስ ዝተሾመ ሓደ ከንቲባ ጀነራል ውጩ ነይሩ፡፡ ውጩ ኣብ ትሕቲኡ ምስ ዝነበረ ቅጫ (ወዲ ቁማርጂ) ኣዘዚ ብርጌድ ብምኳን ኣስመራ ሃዊኾማ፡፡ ውጩን ቅጫን ኣብ ዕድመ ግዝኣቶም ታሪኽ ዘይርስዖም በደላት ኣብ ልዕሊኣ ፈጺሞም ሓሊፎም፡፡ ምእሳር ንገዳይም መራሕቲ ህዝባዊ ግንባርን ጋዜጠኛታት ብሕትን፡ ምእሳርን ምግፋዕን ተምሃሮ ኣስመራ ዩንቨርስቲን ወለዶምን፡ ጭፍጨፋ እሱራት ቤት ማእሰርቲ ዓዲኣቤቶን ካልእን ካብቲ ዘብጽሕዎ ብዙሕ ግፍዒታት እቲ ውሕድ ኢዩ፡፡

ሽሞኛ ውጩን ቅጫን ንዝተወሰነ ዓመታት ምስ ገዝኡ፡ ንምርኣዮም ዘጽልእዎ “ቲፋኖስ” ፡ወዲ ኢታይ ምስ ቅጭኡ ካብ ኣስመራ ኣርሒቕዎም፡፡ ኣምሳይኡ ከኣ ሓዱሽ ሽሞኛ ንፍሊጶስ (ነቐዘ) ኣምጺኡላ፡፡ ሕጂ ከኣ ኣብ ቀረባ ኣብ ልዕሊ ነቐዘ ካልእ ሓዱሽ ብርጋዴር ተኽለ ማንጁስ “ነጂስ” ከንቲባ ክትቅበል ተበይኑላ ኣሎ፡፡

ንምዃኑ እዚ በዓል ግዜ፡ ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ “ነጂስ” ኣብቲ እዋን ኩናት ምስ ወያነ ኣበይ ነበረ?

እዚ ነጂስ ጀነራል እዚ ኩላትና እንፈልጦን ብምኽንያት ረሳሕ ተግባሩ ስሙ ገኒኑ ዝተሰምዐን ፡ ድሕሪ ኩናት ምስ ወያነ ኣብ ኣደር ሰርን፡ ተሰነይን መበገሲ ብምግባር ሓንሳእ ሓላፊ ምክትታል ዶባት፡ ሓንሳእ ኣዛዚ ስርሒት 01፡ ካልእ ግዜ ኣዛዚ ስሜናዊ ግንባር፡ ሕጂ ከኣ ነቲ ኣዛዚ ዕቑር ሰራዊት ዝብል ስም ገዲፎም ንዕቑራት ክፍላተ ሰራዊትን ነቶም ሕጂ ብኣልመማ ጠበናጁ ክስከሙ ዝግደዱ ዘለው ወለድናን ሓዊሱ ኣዛዚ “ህዝባዊ ሰራዊት” ኢሎሞ ኣለው፡፡ ብርክት ዝበሉ ንዝተፈላለዩ ሽፋን ዝተዓደሎ ጽፍሕታት እኳ እንተነበሮም እቲ ቀንዲ ልእኹ ግና፡ ንናይ ጎረባብቲ ዕጡቋት ተቓወምቲ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣወሃሃዲ ኢዩ፡፡

ንኻልእ ገዲፍና ኣብ ጉዳይ እታ ታሪኻዊት ፈታዊት ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት ጎረቤት ሃገር ሱዳን ጣልቃ ብምትእትታው ክሓማዙቋ ምጽንሑ ሓቂ ኢዩ፡፡ ናይ ምብራቕ፡ ደቡብን ምዕራብን ሱዳን ተቓወምቲ ክውድብ፡ ክዕልም፡ ከዕጥቕን ከዋፍርን ብምጽናሕ ኣብ ሱዳን ህውከት ንምፍጣር ዝከኣሎ ኩሉ ዝገበረ ኢዩ፡፡ ብተግባራቱ ሕሱም ጽልኣት ዝሓደሮም ሱዳናውያን ኣሕዋት ከኣ ካብዚ ተበጊሶም ክሪእይዎ ቅጭ ስለ ዝብሎም “ነጂስ” ዝብል ስም ሰይሞሞ፡፡ ነጂስ ዝብል ሰጓ ከምዝሰየምዎ ዝነገሩኒ ካብቶም ብወደብ ባጽዕ ንዓሊጊደር (ተጉለት) በመንገዲ 09 ሸቐጣቶም ዘእትው ገሊኦም ሱዳናዊያን ነጋዶ ኢዮም፡፡

ተኽለ ማንጁስ “ነጂስ” ግን ንሱዳናውያን ጥራይ ኣይኮነን ነጂስ፡፡ ንዓና ንኤርትራውያን እውን ኣብ ብገዛእ ሃገርና ይኣስረና፡ ይርሽነና፡ ሓሊፉ ተሪፉ ምስ ራሻይዳውያን (በድዊን) ተሻሪኹ ንክፍሊ ኣካላትና ይሸጠና፡ ብሂወትና ንዶላር ክዋገየልና ዝውዕል ዘሎ ነጂስ ኢዩ፡፡

ስለዚ ኩላትና ኤርትራውያን ካብ ሎሚ ጀሚርና ክሳብ መዓልቱ “ተኽለ ነጂስ” ኢልና እንተጠመቕናዮ ይንእሶ’ምበር ኣይክዓብዮን ኢዩ፡፡

ተኽለ ነጂስ ንሱ’ውን ብርሃነ ጆን ጋራንግ ብዝበሃል የማናይ ኢዱን ንነዊሕ እዋን ምስኡ ዝጸንሐን ላንድክሮዘር መኪና ዝዓደሎን ዕሱብ ግፍዐኛ ዓስከር ኣኸቲሉ ኣስመራ ክብጽብጻ ይሕንሕን ኣሎ፡፡

“ኩሉ ኮብሊሉ ተሓቢኡ ዘሎ ካብ ጉድጓዱ ከውጽኦ ኢየ፡፡ ዝተርፍ ሰብ የለን ኣስመራ ከጽርያ ኢየ” ኢሉ ይፍክር ኣሎ፡፡ እቶም ዝፈልጥዎ ደቂ ኣስመራ ግን “ኣስመራ መዓስ ተሰነይ ኮይና” ብምባል ይጭርቅሉ ኣለው፡፡

ብ.ጀ. ተኽለ ነጂስ ኣብ ኣደርሰር፡ ተሰነይ፡ ከረን፡ ኣስመራ ኣብያተጽሕፈት ኣለዎ፡፡ ኣብ ኣደርሰር፡ ሓሽፈራይ፡ ተሰነይን ኣስመራን ከኣ ንሱ ዘማሓድሮን ባህ ዝብሎ ብይን ዝብይነሉን፡ ኣብያተማእሰርቲ ኣለዎ፡፡ ኣብ ዝተጠቕሳ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝርሸኑን ብዝኸፍአ ዝጭፍጨፉን ዜጋታት ብዙሓት ኢዮም፡፡ እንተ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ግን ንኩሉ ከምዘይረኣየ፡ ከምዘይሰምዐ፡ ትም ኢሉ ንግዜ ይጽበ ኣሎ፡፡

ካልእ ይትረፍ ኣብ ማእከል ከተማ ተሰነይ ብትእዛዝ እዚ ነጂስ ካብ ዝተረሸኑ ብዙሓት ሓደ ገዲም ተጋዳላይ ወዲ ኩሪሪ ዘይፈልጥ ወዲ ተሰነይ የለን፡፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ንዝተረሸነ ወዱ ዝረኣየ ወላዲ፡ ሕነ ወዱ ከይፈዲ ስለዝሰግአ፡ ሬሳ ወዱ እኳ ሓመድ ድበ ከየልበሰ፡ ብትእዛዝ እዚ ነጂስ ንባዕሉ ኣብ ተሰነይ ክእሰር ዝተገበረ ወላዲ ምንባሩ ካብ ሕልና ህዝቢ ተሰነይ ዘይፈሓቕ ሕማቕ ተዘክሮ ኢዩ፡፡

ግፍዒ እዚ ነጂስ ብውሽጥን ብደገን ማእለያ የብሎምን፡፡ ሕላገት ግፍዕታት እዚ ነጅስ ድማ ኣብ ኩሎም ከባቢታት እንኮላይ ኣብ በረኻታት ሲናይ ይርከቡ ኣሎው፡፡ ካብዚኦም ሓደ ናይ ትማል ተዘክሮታት ህዝቢ ከረን ኢዩ፡፡ ህዝቢ ከተማ ከረን ብ2011 ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ክፉእ ሪኡ ኢዩ፡፡ ንሱ ከኣ ብትእዛዝ ተኽለ ነጂስ ተኣሲሮም ነዊሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብ ተሰነይ ናብ ኣስመራ ኢነትረ ብዝይነታ ናይ ጽዕነት መኪና የግዕዝዎም ዝነበሩ ኡሱራት ዝበጽሐ ሓደጋ ኢዩ፡፡ ኣብ ልዕሊ እታ ልዕሊ ዓቕማ ኡሱራት ዝጸዓነት ኣረጊት መኪና ሓደ ንሓደ ብካቴና ተኣሲሮም ዝጓዓዙ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ኡሱራት፡ መኪና ብምግልባጣ ሓንቲ ሲቪል ጓል ኣንስተይቲ ትርከቦም 21 ኡሱራት ዜጋታት ሃሊቖም ኢዮም፡፡ እቲ ሓደጋ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ስለዘጋጠመ ከም ኣመሎም ክሓብእዎም ስለዘይከኣሉ ቀብሮም ኣብ መቓብር ሰማእታት ከተማ ከረን ኢዩ ተፈጺሙ፡፡ ኣብ ዕለት እቲ ቀብሪ በቲ ተግባር ኣዝዩ ዝሓዘነ ህዝቢ ከተማ ከረን ኩሉ ምረቱ ብብኽያት እንዳገለጸ ቀቢርዎም ኢዩ፡፡ ስለዚ ኩለን ከተማታት፡ ዓድታት፡ በረኻታት ኤርትራን፡ በረኻታት ሲናይን ጎሓፍ ታሪኽ እዚ ነጂስ ዘዘንትዋሉን ዝፋረዳሉን እዋን ሩሑቕ ከምዘይከውን ድሮ እኳ ጀሚሩ ኣሎ፡፡

እዚ ብኣእላፍ ሰማእታትና ኣብ ዝረኽቦ መንበር ኮፍ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ይቕረ ዘይበሃሎ ግፍዒ፡ በደል፡ ዝፍጽምን ብብልሽውና ዝቆማጣዕን ዘሎ፡ ተኽለ ነጂስን ኣያኡን ዋግኦም ክረኽቡ ቀሪቦም ኣለው፡፡


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...