እዛ ቃል እዚኣ ኣብቲ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ዝተፈላለየ ውግኣት ካብ ምሩኻት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ትስማዕ ዝነበረት ምሕረት መታን ክግበረሎም ከም መመጻደቒ ዝጥቀሙላ ዝነበረት ቃል ኔራ ትርጉማ ኸኣ “ተገዲደ እየ “ ማለት እያ።

ኣብ ሰማንያታት ኣብቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኤርትራውያን ብብዝሒ ኣብ ቤትማእሰርቲ እንዳ ኣእተዋ ዘሳቕየሉን ንገለውን ዝረሸነሉን ብፍላይ ኣብ ዞባ ደቡብ ኣነውን ብስም ኤርትራዊ ከም ሰበይ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲረ ብዙሕ ስቓይ ድሕሪ ምሕላፍ እግዚኣብሄር ኣለኻ ስለ ዝበለኒ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ተፈቲሔ ። ብድሕርዚ እቶም ልክዕ ከም ንተመን ዝቐጥቅጡንን ዘሳቐዩንን ሰባት ክሳብ ናብ ገዛይ መጺኦም ስራሕ ኮይኑና ተገዲድና ኢና እምበር ናይ ግልና ጽልኢ  ስለ ዘለና ኣይኮነን ስለዚ ኣይትቀየምልና ክብሉኒ ይመጹ ኔሮም።

እዞም ሰባት ኣዚኣቶም ዓዶምን ዓውዶምን ኣይፈልጦን እየ ስለዚ ተቐይመ ወይ ኣይተቐይመ ዝገብሮም ኣይነበረንን ስለዚ ኩሉ ሓሊፉ።

ቀንዲ ምኽንያት መጽሓፍየይ ሕሉፍ ታሪኽ ክገልጽ ኣይኮንኩን ግን ነዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ካብቲ ናይ ጭከና መግዛእቲ ብዝኸፍአ መልክዑ ግፍዒ ኣብ ኤርትራውያን ይበጽሕ ኣሎ ነዚ ካብቲ ናይ ቀደም ፍሉይ ዝገብሮ እቶም ገፍዕቲ ኣሕዋትናን ደቂ ሓወቦናን ደቂ ዓድናን ብምኻኖም እዩ እዞም ሎሚ ኣብ ቤት ማእሰርትን ቤት ፍርድን ኤርትራ ዝተፈላለየ በደላት ዝፍጽሙ ዘለው ዓዶምን ዕውዶምን ንፈልጦ ደቆምን ደቅናን ዝፋለጡ ደቂ ሓንቲ ዓድን ሩባን ዘርእናን ዓሌትናን ንፋለጥ ብምኻንና ካብቲ ናይ ቀደም ፍሉይ ይገብሮ።

እቶም እብ ስልጣን ኮይኖም ዝእዝዙ ዘለው መራሕቲ ርክቦም ምስ ህዝቦም ዝበተኹ እንተደኣ ተኻኢሉውን ብዙሕ ገንዘብ ደሊቦም ኣብ ሃገር ሲደት ንመጻኢ ዝኾኖም ልክዕ ከም በዓል መንግስቱ ሃይለማርያም መገዶም ዝጸረጉ ሰባት ኢዮም ስለዚ ናይ መጻኢ ዕድሎም ኣጸቢቖም ዝፈልጡ እንተደኣ ሰሪሑሎምውን ናይ መጻኢ መደባቶም ዝሓንጸጹ ለባማት ዓያሹ እዮም ። ግናኸ እቶም ተቐበልቲ ትእዛዝ ኮንኩም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንዘይጠቅም ናቕፋ ክትብሉ ገዛእ ህዝብኹም ትብድሉ ዘለኹም ንገዛእ ስድራኹምን ቤተሰብኩንም ጸሊም ታሪኽ ኣይትግደፉሎም ምኽንያቱ ንኹሉ ነገር መወዳእታ ኣለዎ።

ዝይዳ ኹሉ ኸኣ እታ “ተገድጀ ነው” ትብል ናይ ቀደም ናይ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ናይ መመሻኸኒትን መለመኒት ምሕረትን ቃል ኣባና ኣብ ኤርትራውያን ትሰርሕ ኮይኑ ኣይስምዓንን ስለዚ ኩሉ ኣብ ህዝብኹም ትፍጽምዎ ዘለኹም ግፍዕታት ሓድ ብሓደ ጸብጻብ ክትህብሉ ምኻንኩም ብምፍላጥ ዘየጣዕሰኩም ስራሕ ክትሰርሑ ለበዋይ የቕርበልኩም።

እግዚኣብሔር ንህዝብና ይብጻሕ

በቲ ምዱብ ጊዜኡ ከኣ ክበጽሕ እዩ!

ወዲ ቀሺ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...