ነሓሰ 4, 2012 መንግስቲ ኤርትራ “ዋዕላ ቁጠባዊ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ” ዝብል ተበግሶ ንምውሳድ ኣዊጁ ኣሎ። እቲ ዝሕሰብ ዘሎ ዋዕላ ካብ ነሓሰ 27 – 28, 2012 ኣብ ኣስመራ ንኽግበር መደብ ተወሲኑ ከም ዘሎ ኣዋጆም ይሕብር። ብመሰረት ኣዋጆም፡ እቲ ጸዋዒት ንኹሉ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዘሎ ኤርትራዊ ዘተኮረ እዩ።

እምበኣርከስ EGS ንኹሉ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ኤርትራዊ ናብ’ዚ ሓደገኛ ዝኾነ መጻወድያ ንኸይኣቱ ኣትሪርና ነተሓሳስብ። ሕሉፍ ተመኩሮና ከም ዝምስክሮ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኩሉ ዝገብሮ መብጻዓታት ዘይእሙን ምዃኑ እዩ ዘገንዝበና። ከም’ቲ “ዕሽወት ሓደ ግዜ ሕፍረት ንዓኻ፤ ዕሽወት ክልተ ግዜ ሕፍረት ንዓይ” ዝብልዎ ምስላ ወጻእተኛታት፡ ኩሉ ኤርትራዊ ሓርበኛ ንሕሉፍ ተመኩሮኡ ዳግመ-ገምጋም ገይሩ፡ ኣብ’ቲ ብኸቢድ ድኻ ዘፍረዮ ርእሰ-ማል ገንዘቡ ኣዝዩ ጥንቁቕ ንኽኸውን ነተሓሳስብ።

እዚ መንግስቲ’ዚ ከም እንፈልጦ ዓመታዊ ናይ ባጀት ጸብጻብ ዘየብሉ፣ ብቕዋም ዝቕየድ ግሉጽ ዝኾነ ጸብጻባዊ መስርሕ ዘየታኣታቱ፡ ንናይ ህዝቢ ቁጠባዊ ወፍሪ ንኸማሓድር እምነት እተቐምጠሉ ስርዓት ኣይኮነን። መንግስቲ ህግደፍ እምነት ዘይተንብረሉን፡ ኣብ ዝገብሮ መብጻዓታት ጠጠው ዘይብልን መንግስቲ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ገለ ንምጥቃስ፡ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ብሽም ውግእ ባድመ ተባሂሉ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸር ኣደናጊሩ ዝደለቦ ገንዘብ፤ በቲ ካልኣይ ወገን ድማ ናይ ቦንድ ወፍሪ ውህለላ ዝገበሮ ናይ ሕሉፍ ክድዓታት ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ።

ተመክሮ ትምህርቲ እዩ። ካብ’ቶም ኣብ ትሕቲ ናይ ህግደፍ መደብ ናይ ምግዛእን ምህናጽን ኣባይቲ ተቖሪኖም ኣብ ዝተናውሐ ስቅያትን መሪር ተመኩሮን ዘሎው ኣሕዋትናን ኣሓትናን እኹል ተመኩሮ ክኾነና ይግባእ። እዚ ብዝተፈላለየ ናይ ህግደፍ ቁጠባዊ ስርዒት ዝተመወለ ንናይ ህዝብና ገንዘብ ንምምንዛዕ ዝተዋደደ መደብ ስርሒት እዩ። ዕላምኡ ድማ ንጸቢብ ውድባውን ደርባውን ረብሐኦም እምበር፡ ንናይ ደቂ-ሃገር ኤኮኖሚያዊ ጠቕሚ ከም ዘይኮነ ክንስሕቶ የብልናን። እቲ ን“ዋዕላ ቁጠባዊ ወፍሪ” ዘጓይዮም ዘሎ ቀንዲ ሱር ምኽንያት፡ ነቲ ምስ ናይ ወጻኢ-ዕድጊ ዘገልግል ገንዘብ “ሓያል ገንዘብ” (hard currency) ንምርካብ እዩ። ሓደ ካብ’ቲ ክንወስዶ እንኽእል ጭቡጥ ሓቂ እንተሃልዩ ከኣ ናይ ኤርትራ ስርዓተ-መንግስቲ ንቡር ናይ መብራህቲ ሓይሊ ንኸተማታት ኤርትራ ምክፍፋል ከረጋግጸሉ ዘይምኽኣሉ እዩ። እዚ ከኣ ብቐጥታ ምስ’ቲ ሕጽረት ዶላር ዝተኣሳሰረ ኮይኑ፡ ነቲ ናይ ምኽፋል ቃለ-ስምምዕ ዘይምኽባር እውን ዝእምት እዩ።

ነቲ ኤረ-ቲቪ ዝኾነ ቅብኢ ቀባቢኡ ብተደጋጋሚ ንምድንጋርን ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልክን ዝቐርብ ናይ ቁጠባዊ-ጥዕና፡ መሰረት ዘይብሉ ሓሶት እዩ። እኳ ድኣ ብኣንጻሩ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓበሬታን መረጋገጽን ናይ ሃገርና ቁጠባዊ ትሕዝቶ ኣብ መስርሕ ምንቁልቋል ከም ዘሎ እዩ ዝሕብር። እምበኣርከስ በዚ ስርዓት’ዚ ንዝኾነ ህንጸት ውዲታዊ ዕላማ ዝግበር ጠለብ፡ እሞ ከኣ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ዋዕዋዕታ፣ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝብና ክጥንቀቐሉ ኣትሪርና ነተሓሳስብ።

EGS ነቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝብና ከነዘኻኽሮ እንደሊ፡ ቀዳማይ ነቲ ንናይ ገዛእ ርእሱ ዝምልከት ቅኑዕ ቁጠባዊ ውልቀ-ጠቕሙ ከስተብህል፤ ካልኣይ ድማ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ዕድጊ ዝኾኖ ሓያል ገንዝብ ንምውህላልን፡ ንናይ ባንኪ ምትሕልላፍ ዝግበር ድፍኢትን ግቡእ ትኹረት ገይሩ ካብ’ዚ ሓድሽ ውጥን እዚ’ውን ምንም ጠቕሚ ከምዘየብሉ ክግምግም ነዘኻኽሮ።

ኩሉ ኤርትራዊ፡ ነቲ ካብ ነዊሕ ድኻም ዘዋህለሎ ገንዘቡ ንዘይእሙን መንግስቲ ከረክቦ ከም ዘየብሉ ማሕበርና ይጽውዕ። ምስ’ቲ ብሕጊ ዘይተመርጸን፡ ክንተሓሳሰቦ ዘይንኽእልን መንግስቲ፡ ነቲ ናይ ቁጠባዊ ምትሕብባር ዝብል ሓሳብ ህዝብና ኣትሪሩ ክቃወሞ ንጽውዕ።ህዝብና ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ዘሎዎ ገንዘባዊ ምሕዳራ፣ ቁጠባዊ ወፍርን ጥሮታዊ ገንዘቡ ኣብ ምምሕዳር ዘሎዎ ኣኽእሎን ዝበለጸ ኣማሓዳሪ ምዃኑ ንኣምን።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...