ወከልቲ ናይ’ቲ ብዝሓለፈ ጥቅምቲ ዝቖመ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት ኤርትራ (CC/ENDF) ኣብቲ ካብ 3 ክሳዕ 5 ነሓሰ 2012 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ዝካየድ ፈስቲቫል ኤርትራ ተረኺቦም ውዕዉዕ መደባት ምትእስሳር ከካይዱ ምዃኖም ተገሊጹ።

ኣብ ከባቢ ፈስቲቫል ጉባኤ ናይ’ቲ ምትእስሳር ድሕሪ ምክያዱ: ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ (ዕለት 3 ነሓሰ) ንዂሎም ኣባላት ሃዲሓኤ ዝጠርነፈ ኮንፈረንስ ክግበር መደብ ወጺኡ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (EPDP) ሓደ መስራቲ ኣባል ብምዃኑ: ኲሎም ኣባላቱ ተኻፈልቲ ናይቲ ኮንፈረንስ ክኾኑ ኢዮም።

ኣቶ ሑመድ ኩሉ: ኣቦ መንበር ናይ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ሃዲሓኤ: ሓደ ካብቶም ንጡፋት ተሳተፍቲ ናይ’ቲ ወጺኡ ዘሎ መደባት ኢዩ። ካልኦት ተሳተፍቲ ከኣ: ሰሜን ኣሜሪካ ዝምቕማጡ ኣቶ ረዘነ ሃብተን: ዓዲ እንግሊዝ ዝምቕማጡ ዓብዱራሕማን አልሰይድን (ቦሃሽም) ይርከብዎም። ኣብቲ ንጥፈታት ኣወሃሃዲ ሽማግለ ሃዲሓኤ ዝካፈሉ ካብ ኣባላት ሰዲህኤ፡ ኣቶ ወልደሱስ ዓማርን ኣቶ ኣሰፋው በርሀን ይርከብዎም።

ወጺኡ ዘሎ መደባት ከም ዝሕብሮ: ኣወሃሃዲ ሽማግለ ሃዲሓኤ ንሕሉፍ ተመክሮ መዚኑ ሓዲስን ብሓባራዊ ጒዕዞ ኣቢሉ ንቕድሚት ዝደፍእን መደባት ክትልም ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ። ብመጽናዕቲ እተበጽሔ ሰነዳት ድሕሪ ምጽዳቑ ኣብቲ ንኣባልት ዝግበር ኮንፈረንስ ክግለጽን ክሰፍሕን ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣቐዲሙ ንህዝቢ ይግለጽ ከም ዝነበረ: ቀንዲ ንዘተኣማምን ዲሞክርሲያዊ ለውጢ ዝጸደቐ  መቃለሲ መትከላት ሃዲሓኤ: ብህዝቢ ዝውነን እሞ ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ ሰላማውን ዲሞክራሲያውን ኣገባብ ቃልሲ ኢዩ። ምቛም ኣወሃሃዲ ሽማግለ ሃዲሓኤ: ንተሞክሮታት ቃልሲ ህዝቢ ሪትራን ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ዓሌታዊ ፍልልይ ብሓባር ተቓሊሱ እተዓወተ ስሙር ዲሞክራሲያዊ ግንባር (United Democratic Front) ዝጠመተ: ከምኡ ከኣ ብናይ ተመሳሳሊ ሓይልታት ቃልሲ ተጸልዩ እተበገሰ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ኣብ ልዕሊ’ዚ እውን: ነቲ ዕዉት ዘይነበረ ተመክሮታት ኤርትራዊ ናይ ተቓውሞ ምሕዝነታት ኣብ ግምት ዘእተወ ድህሰሳ ድሕሪ ምክያድ ኢዩ ቈይሙ።

ብእምነት ኣዋሃሃዲ ሽማግለ፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘሎ ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኣብ መጻኢ መድረኽ ንተቓለስቲ ባእታታትን፡ ሲቪካውን ፓለቲካውን ሓይልታትን ጠርኒፉ፡ ነቲ ጸኒሕ ኣሉታታት ተቓውሞ ኤርትራ ወጊዱ ብቑዕ መድረኽ ቃልሲ ክኸፍት ኢዩ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...