ዝኸፍአ ከይመጸ ህዝብኻ ኣድሕን

ዘይትጾሮ ጓሂ ዳሕራይ ከይትጸዓን

ተበራበር መዋእልካ ከይትሓዝን

ስምዓዮ ህዝብኻ መረረ ቃንዝኡን

ብደም ዝጨቀወት ሰፊሩ ንበይኑ

ዘይዉሑዳት ዘእውየሉ ተሳኢኑ

መስተዋጽኦ የለን ብሸፋቱ ተቖሪ

ሓደስቲ ዓዋሉ ብኣልኮል ዝመኸኑ

ስጋ ሰብ ሸይጦም ዝነብሩ ነጋዶ ኩሊት

ከምዚ ተግባርዚ ምጻት ዓለምዩ ምጻት

ካብ ሆስፒዳል ዝለመዱ ካብ ሕሙማት

ሕሉፍ ሓሊፎም ሎሚ ግን ካብ ጥዑያት

በንዚን ኣለና ወርቂባ እንተበሉ ከምስሉ

በንዚና ብሊት ተኪኦማ ካራ ክስሕሉ

ኣብ ሲናይ ዓሪዶም ኣገዲዶም ከኽፍሉ

ንዘይ ከፈለ ስጋኡ ጠባቢሖም ክማቐሉ

ጭካነ ህግደፍ ክትሰምዖ ዘስካሕክሕ

ንህግደፋዊት ኣደ ግን ዕጅብኳ ፍንሕ

ተገልቢጣ ትጻረፍ ንጹሃት ተማራስሕ

ብሓሶት ተጠላቒያ ነብሳ ከይትመርሕ

ትጽቢታ ዳንከራ ጓይላ ዝሕልማ

ብሸፋቱ ተሰሪየን ህዝበን ዝጠለማ

ሓንጎለን ዝተሰርቀ ርእሰን ዝሓመማ

ኣብ እርጋነን ምስ ህግደፍ ዝኳሸማ

ሰብ ክመስላ ቤተ ክርስትያን ይመላለሳ

መምበረ ክህነት ቅዱስ ሰፈር ከራኽሳ

ላዕሊ ሽሉማት ውሽጠን ሓጥያት ዝጠንሳ

እንኳን ንሃገር ክኾናስ ነብሰንኳ ኣየውሕሳ

ህዝበይ ተበራበር ኣይትጨክን በጃኻ

ህዝቢ እናጸነተ እንታይ ትጽበ ኣለኻ

ዓድኻ ህዝብኻ ትፈቱ ኣይንስኻንዲኻ

እናጸነትካ መሬት እንታዩ ክዓብሰልካ

መዓልታዊ ተንቆልቁልያ ዘላ ሃገርና

ውድበይ ዉድበኻ ከይበልና ነድሕና

ትኩስ ኣፈርኩቡ ጠለብ እናተጸበየና

ሃገር ከይሓዝካ ምፍልሳፍ ይጽናሓልና

ክሳብ መዓስዩ መመዝገብካ ሒዝካ ጉያ

ዕላማና ሓደ ኸሎ ፈላይት ስልጣን ድያ?

ስልጣንሲ ንዝፈልጣስ ዓባይ ሕማም እያ

ንሮጒድ ቆርቦቱ ግን መሕቢኢቱ ማለትያ

ብዙሕ ዓመታት ኣቊጺርና ኣብ ኮለል

ነብስና ንሕተት ንናሳሕ ሎምስ ይኣክል

ብቆራጽነት ንቃለስ አእጃምና ንወክል

ካብ ሓሶት ይሕሽ ምስ ሓቀኛ ምዓል

ተንስእ ተባራበር ንድሕነት ህዝብኻ

ድሕሪ ምጽናት ህዝቢ ታይትጽበለኻ

ዝስሕቶ የለን ከም ተፍቅራ ንሃገርካ

ኣርክብ ብእዋኑ ድሓር ከይትኸሰካ

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...