ሃገርና: አብ አዝዩ ተኣፋፊ ኩነታት ከም እትርከብ ዝስሕቶ ኤርትራዊ ዜጋ የለን። ስለዚ’ዩ ከኣ መንእሰይ ህላወ ሃገሩ ንምድሓን እጅግኡ ሰብሲቡ ካብ ጻት ናብ ጻት መቓልሕ ቃልሱ ዘስምዕ ዘሎ። ቅልጡፍ ፍረ-ጻማ ቃልሲ ንክርከብ ግን ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ግሉጽነት ዝመለለይኡ፡ ቅንዕና ዝመትከሉ ኣሰራርሓ ምእታው ክጠልብ’ዩ።

ካብ 7 ክሳብ 17 ሓምለ 2012 ኣብ ደብረዘይት ኢትዮጵያ መኣዲ-ዘተ መንእሰያት ክካየድ ጸኒሑ። ነቶም ጉዳይ ሃገሮም ዓዚዝዎም ፍታሕ ናይቲ ሽግር ከናድዩ ውልቃዊ ዋኒኖም ገዲፎም ካብ ርሑቕን ቀረባን አብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ዘለና አኽብሮትን አድናቖትን ክንሕብር ንፈቱ። ተሳተፍቲ’ውን ንምንቅስቓሶም ዝጥርንፍ “ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገር” ዝብል ሓድሽ ማሕበር መስሪቶም። እዚ ጥርናፈ መንእሰያት ዕድመ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ምሕጻር ግቡእ ተራ ክጻወት ልዑል ትጽቢት’ኳ እንተለና፡ ኣብቲ ዝተኸተሎ ኣገባብን ተጠሚቕዎ ዝወጽአ ስምን ዘለና ዕቃበ ከይገለጽና ክንሓልፍ ኣይንደልን።

· ኣዳለውቲ መኣዲ ዘተ መንእሰያት ደብረዘይት፡ ንዝደለይዎ ሰብ ክዕድሙ ንዘይደለይዎ ክገድፉ ምሉእ መሰል’ኳ እንተለዎም፡ ነባሪ ፍታሕ ሽግር ሃገርና ብከምኡ ስለዘይመጽእ ንጹር ኣጀንዳ ኣቐሚጦም እቲ ዘተ ንኩሉ ክፉት ምዃኑ ዝገልጽ መጸዋዕታ ኣቕሪቦም እንተዝነብሩ ዝሓሸ ኔሩ፣ ብሕርያ ዝተመርጹ ሰባት ጥራሕ ምእንጋድ ኣይመድለየን።

· ብመሰረት ደምዳሚ መግለጺ ናይዚ መኣዲ-ዘተ፡ ‘ሕመረት ናይዚ ማሕበር እተን ወከልተን ዝለኣኻ ማሕበራትን ውልቀ-ሰባትን’ ምዃኑ ይጠቅስ። እንተኾነ ማሕበርና ብደረጃ ተዓዛብነት ክሳተፍ’ምበር፡ ኣካል ናይዚ ሓድሽ ማሕበር ወይ ኣብ ትሕቲ ጽላል ናይዚ ማሕበር ኮይኑ ክሰርሕ ቃል ኣይኣተወን። ስለዚ መአረምታ ምግባር ኣገዳሲ’ዩ።

· እዚ ሓድሽ ማሕበር ሒዝዎ ዝወጽአ ስም፡ ምስ ናይ ማሕበርና ስም (ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ) ኣዝዩ ይመሳሰል’ዩ። ኣዳለውቲ (ተሳተፍቲ) ስለምንታይ ንማሕበርና ዝመሳሰል ስም ክመርጹ ተደሪኾም ከየገረመና ኣይተረፈን። ክልቴና ኣንጻር ሓደ ጸላኢ ንቃለስ ክሳብ ዝሃለና፡ ሓድሕዳዊ ምክብባር ክህልወና ኣለዎ። ስለዚ፡ እዚ ሓድሽ ማሕበር ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ምቅላስ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንህዝቢ ካብ ዘየድሊ ናይ ስም ምድንጋራት ናይ ምድሓን ሓላፍነት ውን ስለዘለዎ፡ ንነብሱ ዳግማይ ሓድሽ (ኦርጅናል) ስም ከጠምቕ ንጽውዕ።

እቲ ኣብ ቅዱስ ውድድር ዝኣምን ማሕበር ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (ስ.ኤ.መ.ለ.)፡ ከምቲ ነቲ መኣዲ-ዘተ ብንጹህ ልቢ ተቐቢሉ ብደረጃ ተዓዛብነት ወከልቱ ክሳተፉ ዝለኣኸ፡ ሕጂ’ውን ሓርነት ህዝብና ንምርግጋጽ ኣብ ዘቃድዎ ኣጀንዳ ምስ ዝኾነ ማሕበር፡ ነጻነቱ ሓልዩ ብዘይ ተጉላባነት ክሰርሕ ቅሩብ ምዃኑ ይገልጽ። እንተኾነ ደጊሙ፡ ገና እዚ ማሕበር ብሓድሹ እንከሎ ስሙ ብካልእ ክትክእ ሃገራውን ህዝባውን ምሕጽንታ የቕርብ።

አብ መወዳእታ ንመላእ ህዝቢ ብሓፈሻ ንኣባላት ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (ስ.ኤ.መ.ለ.) ድማ ብፍላይ ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ ግን፡ ስ.ኤ.መ.ለ. ኣካይድኡን ኣቃውምኡን ዘይቀየረ ነጻ ማሕበር ምዃኑ ምፍላጥ’ዩ። ስ.ኤ.መ.ለ. ነጻነቱ እናሓለወ ዝተዳህከ ክብርታት ህዝብናን ሃገርናን መሊሱ ፍትሓዊትን ዲሞክራስያዊትን ሃገር ንምምስራት ቀጻሊ ክሰርሕ’ዩ።

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (ስ.ኤ.መ.ለ.)

18 ሓምለ 2012

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...