እቲ ጉዕዞ  ነዊሕ ነበረ። ፡ ወርሒ መከዲ፡ ወርሒ መምለሲ፡ ወርሒ መጽንሒ። እንብገሰሉ ቦታ ካብ ዓዲ-ምሩግ (ባዳ)  ኢዩ። እንዓርፈሉ ቦታ መጨረሽታ ሩባ-ዓንሰባ:  ደሓን ዂኒ  ኤረትራ፡  ኢላ እትፋነወሉ’ዩ። ንግዜ ዝምልከት ወርሒ 4፡ 1975 ኢዩ። ኣብቲ እንከዶ ቦታ ብዙሓት ኸማናን ኸምዚ ኸማናን፡ ካብ ውሽጥን ደገን፡ ክመጹ ምዃኖም ኣቀዲሙ ዝተሓበረና ሓቒ ኢዩ።ጠቅላላ ቝጽሪ ተጓዓዝቲ 20 ። ካብ ግዳም ሓደር ትሽዓተ (ሕሩያትን ኣሰነይቲ ሕሩያትን)  እቲ ዝተረፈ ቚጽሪ ግን ናይ ሰብ ናብራ ኢዩ። ደጋዊ ስእሉ እዚ ይመስል።

ናብ ጉዕዞን ተርክቦን።

ተስዓ መዓልቲ ኣብ ዝወስድ ጉዕዞ ሓደ ዝኾነ ሓዲሽ ነገር ክትምሃር፤ ከጋጥም ወይ ክትዕዘብ ናይ ግድን ዝኸውን ይመስለኒ። ዝኾነ ኾይኑ፡ ባህርያት ጉዕዞ ንወሰን እልይ ኣቢለ፡ ካብ’ታ ዝተበገስናላ ዕለት ናብታ መዓልቲ ትዕዝብቲ ትክ ኢለ ክኣቱ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ካብ ኣስመራ ናብ ባጽዕ ዝወስድ ጽርግያ፡ ማይ ኣጣል ንየማን ገዲፍና ብሰላም ሰጊርና። ጉዕዞና ንተንቀሳቃሲ ኣካላትና ዝሓሊ ኣይነበረን። ምክንያቱ፡ ጥቃ ጸሊም ጽርግያ ብርኪ ምዕጻፍ ማለት፡ ንሕይወት ኣሕሊፍኻ ምሃብ ስለዝኾነ። በዚ ምክንያት’ዚ እምብኣር፡ ሓደ ኣማራጺ ዝነበረና፡ ኽይድ ሓዲርኻ ኽይድ  ምውዓል’ዩ ኢዩ። ከባቢ ሰዓት ሓደ ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣብ ሓንቲ ማይ ዘሎዋ ሩባ ኽነተንፍስ ተወስነ።

እታ ሩባ ካብ ርሑቅ ዝነቅል ጸልኢ ትከላከል ኢያ። ካብ እሾክ ምድሪቤት ግን ኣይተናግፍን። እዃ’ደኣ ካብተን ኣሕሊፈን ዝህባ ኢያ።  እምብኣር በዚ ምክንያት፡ ራገ ግደፍ ኣብዛ ሩባ እዚኣስ፡ ኣብ ካልእውን እንተኮነ፡ “ኦም መላእ፡ ጉንዲ ኦም መላእ” ኢሉ ስለ ዝኣምን ከም ሓደ ተጣራጣሪ ወዓግ፡ ኣብ ሓንቲ ጫፍ ዓባይ ኦም ተሰቂሉ፡ ንኣርባዕተ ማኣዝን ከማዕዱ ይረኤ ኣሎ። እቲ ዘገርም፡ ነታ ዝጸምኤት ጎሮርኡ’ውን፡ ኣብ ርእሲ’ታ ዓባይ ኦም ኮይኑ ኢዩ ኣተርኪስዋ።ምሳሕ’ውን ከምኡ።

ኣብ’ዛ ሩባ  መንፈሱ ዝረግኣሉ ሰብ ዋላ ሓደ  የሎን። ኣማራጺ ስለ ዝተሳእነ ኢዩ’ምበር፡ ካልእ ምርጫ እንተዝህሉ ክንሓልፋ ወይ ክንተርፋ ኣይምጸላእናን። ውዒለስ ክሓድር ኢየ፤ ኢላ ተስፋ፡ ዝሓቖፈት  ህይወት ግን  ኣብዘይ ተውዕለካን እተሕድረካን ቦታ የብላን። ስለዚ፡ ዕረ ኣንዳጠዓመና ኣብዛ ሩባ ከነተንፍስ ተገዲድና ኣሎና። እቶም ኣብኡ ዝጸንሑ ገባር’ውን ስኽፍክፍ ዝብሎም ዘሎ ይመስሉ።ንሕናውን ንሱ ፈሊጥና ከመይ ኣሎኩም ኣይኣብዛሕናን። ብሓጺሩ እዛ ሩባ  ቅድሚ ሓያል ኣዋርሕ፡ ንሓንቲ ብጸይትን ብጾትን ጽላል ሂባ ትንፋስ ግን ዘስረቀት ኢያ። ስለዚ  ኣብዛ ሩባ እዝኣ ንዓና፡ ገመደን ተመንን ሓደ’ዩ ።

ድሕሪ ቁሩብ ምዕጻፍ ብርኽን፡  ምዕንጋል ከብድን ደሓን ሕደሪ ዘይኾነስ፡ ደሓን ሕደሩ  ኢልና ጉዕዞና ንቕድሚት ኣምራሕና። ክንድረረላ ተመዲባ ዘላ ቦታ (ዓዲ) ሽዕብ-ገድገድ ኢያ። ንሽዕብ ጸሓይ ሰፈራ ሕዝ ከተብል ከላ ኢና ዝኣተናያ። እንተኮነ ግዳ፡ እታ ዓዲ ጥራሓ ጸንሓትና። ኣነ ዝኮነ ሕቶ ክህልወኒ ኸሎ እንዳ ጎየኩ ናብ ብጻይ ራገ ኢየ ዝከይድ። እዛ ዓዲ!  ዓድን  እንብላ ሰብን ዘይብላ እንታይ ነገሩ? ኢለ ሕቶ ወስ ኣበልኩሉ። ንሱ ክምልስ እንከሎ ብቛንቛ ዓረብኛ ኢዩ ዝመለሰ።  ብትግርኛ ተመሳሳሊ ትርጉማ ከኣ “ ፍቕርካ ዝደለየ ገዳዲፉ፤ ጽልእካ ዝደለየ ገፋጊፉ” ብዘይኻ ሽርክነት ካልእ የብላን። ዝኾነ ኾይኑ፡ ልዋም ድቃስ  የሎን ሎሚ ለይቲ ፡ በለ ራገ። ኣነ ከኣ ትቅብል ኣቢለ እሞ እሾክ ምድሪቤትን፡ ተማህ ጎረቤትን፡ ጎረባብቲ እየን ማለት ኢዩ፡  እዚ’ውን ንባዕሉ ነብሱ ዝከኣለ ሽግር ይመስል? በልኹ። ማንጆስ! ኣብ’ዚ በረካ’ዚ ዕድመ ኣንተሂብዃ? ዘይትምሃሮን ዘይትፈልጦን ነገር ኣይክህሉን ኢዩ። ትርእዮም ኣሎኻ በዓል ኣባ ዓፋን፡ ርእሶም ካብዚ ተሰኪሞሞ ዘሎዉ ሳንጣ ይዓቢ። ማንጆስ ምምሃር ጥራሕ ኣይትሕመቕ። ራገ ንኣስታት ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ማንጆስ ተባሂሉ ኢዩ ይጽዋዕ ኔሩ ኢዩ። ሎሚ ካብኡ ናባይ ስለዝሓለፈት ጥዑም ጥዒማትሉ ኣላ። እንተኾነ ንዓይ’ውን፡  ስክፍታ ኣይፈጠረትለይን። ብዝረከብኽዎ ምዕዶ፡ ንሎሚ ጸጊበ፤ተመስገን ኢለ ኣሎኹ። ድሕሪ ድራር ፡ ከነምስል  ኣብ ሓደ ቦታ ሓዝና (ሸከልና)። ዝተወሰነ ግዜ ድሕሪ  ምጽናሕ ግን ፡ ናብ ሓደ  እልይ ዝበለ ቦታ ቀይርና ሓደርና። ግዳም ሓደር ሓዊ ኣብ ዝኣጎደሉን፣ ምሳሕ ኣብዝበሎዓሉን ቦታ ኣይሓድርን ኢዩ።ሕጂ ግን ናብ ቀንዲ፡-

ድሕሪ ቑርሲ ንማይ ኡላ ዝወስድ መገዲ ተተሓዝናዮ። መሬት ከይይወግሐ ሩባ  ዝወረዳ ኣዋልድ፡ ማይ ዝጸዓና ኣእድግ ኾብዂበን ክምለሳ ይረኣያ ኣሎዋ። ገለ ምድሪ ዝወግሐን ኣዋልድ ከኣ፡ ኣእድግገን ሰሪረን ቀቅድመና ኾብ-ኾብ እናበላ ይከዳ ኣሎዋ። እንተኾነ ግዳ ኣገባብ ኣሰርራ ኣእድጎን ንጋሻ ዓይኒ ግር ዘብል ነበረ።ምክንያቱ ገሊኤን ብንቡር፣ ገሊኤን  ከኣ ብዘይንቡር ዝሰረራ ነበራ። ቀዳሞት ሕቖኤን ንቕድሚት፡ ገጸን ንድሕሪት፡ ዳሕሮዎት ከኣ ብንቡር። ነዚ ከግብረን ዝኸኣለ፡ ዝሓዝኦ ዕላል ከየቛርጻ’ዃ እንተኮነ እቲ ምክኒት፡ ድሕሪዚ ዘሎ ሕቶታት ግን ንዓይ ኣዚዩ ብዙሕ ኾይኑ ተሰማዓኒ። ብዛዕብኤን ክሓስብ ምስ ጀመርኩ ከኣ ሓደ ሕቶ ከይመለስኹ ካልኣይ፡ ሳልሳይ፡ ራብዓይ እንዳበለ ተደራረበ።ገለ ካብቶም ቀዳማይ መስርዕ ዝሓዙ ሕቶታት፡-  ንድሕሪት ገጸን ሰሪረን ዘሎዋ ኣዋልድ፡  ኣዱግ መሪሔነኤን ክክዳ ከመይ ኣመና? እተን ኣዱግ ሓሳበን ቀይረን ናብ ገረብ ወይ እሾክ ዘሎዎ ቦታ እንተኣምራሓ’ከ? ብዝኮነ ዓይነት ተናካሲ ምስ ተነክሳ ፊንጥራዕ ከይብላ መን ዋሕስ ኣትከለን? ወረ ክንደይ.......... ክብሎ?

ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ፡ ናብ’ቲ ንዝኮነ ኣነ ዘቕርቦ ሕቶ መልሲ ዘይሰኣኖ ብጻይ ራገ ተጓየዂ። በልኹ ከኣ፡ ኣስማዕ ያ ራገ! ኣልበናት ደል ማሎም? ( እዘን ኣዋልድ እንታይ ጸገመን?)  ራገ እንታይ ኾይነን በለ? ትርእየን’ዶ ኣሎካ እተን ቀዳሞት እኾ ንድሕሪት ገጸን ኢየን ሰሪረን ዘሎዋ በልኹ። እዚ ግን ንራገ ሓዲሽ ብዘይምንባሩ ንሕቶይ ብሕቶ ክምልሶ ፈተነ።  ሕቶይ ስለ ዘግረመሉ ከኣ ፡ እንታይ ማለትካ ኢዩ? በለ።ማለተይ ደኣ፡ እታ ኣድጊ ሓሳባ ቀይራ ናብ ደስ ዝበላ ከይትከይድ ዝግድዳ ነገር ኣሎ ድዩ? ከምኡ ተመሳሳሊ ሕቶ....... ወዘተ ኣቅረብኹ። ቀጺለ ዘቅረብኩዎም ሕቶታት ከይተመለሱ ንመብርሂ ዝኣክል ኢለ፡-  “ኣእዱግ ዓድና ደኣ ግደፍ ንድሕሪት ንቅድሚት’ዃ ክትሰረን ዘይትክእል”? ኢለ ናይ ምግራመይ መዳምቕቲ ወይ ንዝያዳ ሓቤረታ ቖርበት ገጸይ ንላዕሊ ብምስብሳብ  ናብ ራገ ለኣኹ።

ራገ፡  ሕጂ መገዲ ረኺቡ ንኹሎም ሕቶታተይ ወንዚፉ፡ ናብታ መጨረሽታ ዘቅረብክዋ ሓሳብ ኣተኾረ። በለ ከኣ፡ ማንጆስ! ኣዱግ ከበሳ ደኣ ንቃልሲ ዝመርሐን ኢየን ስኢነን እምበር፡ ካብ ኣብ ዓለም ዘሎዋ ኣእዱግ ዝተወጽዓ እኾ እየን። ሕቖኣ ገጺባ  ኣይትምሓር፤ ደኺማ ኣይትምሓር፤ ካብ ዓቅማ ንላዕሊ ትጽዓን፤ ኣብ ዓቀብ ብእተርእዮ ድካም ትግረፍ፤ ኮታ እንታይ ክብል? በቲ እትገብርዎ ገበንስ  ብሸኮና ምርጋሕ እዃ ክቀለኩም። ወረ ዕድል ጌርኩም። እንታይ ዕድል’ዩ? ኣድጊ እንቛዕ ቀርኒ ኣይሃለዋ። ቕድም ቐዳድም ነብሳ ነጻ መውጽኤት። ቀጺሉ፡ ኣብ ቀይዲ ኣነ “ጎይታኺ” ኢየ ኢሉ  ዝኣምን  እንተትኣቱ ? ካብኡ ሓሊፋ ንውሉድ ወለድኡ፡  ክትወግእ ምነበረት። እንድሕሪ ከምኡ ኾይኑ ደኣ፡  እዘን ኣእዱግ እዚኤንስ ኣበይዶ ክተርፈንዩ? ኣይትጋገ ማንጆስ፡ እዚኤን ኣእዱግ  “ሰዋሕል” (ገምገም ባሕሪ) ኢየን። ጽዕነተን ፍሉጥ ኢዩ። ካብ ሓርቢ ማይ ሓሊፈን ዝጸዓነኦ ነገር የብለንን። ምክንያቱ ንከቢድ ጽዕነት ገመል ኢዩ ዝሓልፎ። ስለዚ ኣዝየን ግዙኣት ስለ ዘይኮና፡ ምስ ሰብ  ዘሎዎን ዝምድና ለማጽን፡ ኣብ ናይ ሓባር ጠቅሚን ዝተሞርኮሰ ኢዩ። መቸስ በቲ ኢሉ በቲ፡  ነቶም ኣነ ዘልዓልክዎ ሕቶታት ገዲፍና፡ ክልተና ሾው ናብ ዝበለ ጓል ዘረባን፡  ዕላልን ኣተና።

ሎሚ ነዛ 37 ዓመት ዘቕጸረት ትዕዝብቲ፡ ካብ “ማህደር መዘከርታ”፡  ከውጽኣ ዝደረከኒ  እንሆ፡- ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓደ ሓበሬታ ብመራከቢ ብዝሓን ዝተዘርገሐ ኣንቢበ ምስ ወዳእኩ ኣዝዩ ግር በለኒ። በልኩ ከኣ፡ ኣንታ!  ሎሚስ ዎዮ ሰብ ዝስሕቀሉ’ምበር ጉድ ጌሩ ።  ሙላህ ነስራዲን  ኣስታት ቅድሚ 800 ዓመት ኣብ ሃገረ ቱርኪ ተወሊዱ ዝዓበየ ኾይኑ፡  ዋዛን ቁምነገርን ሓዋዊስካ ኣብ ምሻጥ (  ምቅራብ) ዓቢ ዝና ዘትረፈ ኣቦ ኢዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ካብተን መዓልትን ለይትን፡ ኣብ ዝኾነ መዋእል፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት፣ ብፍላይ’ዃ፡  ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ገዛ ከፈተ እትዝከር ዋዝኡ፡ ሙላህ ነስረዲን፡ ኣብ ጸልማት ንዘጥፍኣ ካቲም፡ ኣብ ደገ ብጸሓይ ወርሒ፡ ጎረቤቱ ለኪሙ ክደልያ ምፍታኑ ኢዩ። ብሓጺሩ፡ እቲ መስደመም፡ ጎረቤቱ ከዳልዮ ምስ ፈተነ ንዘቅረቦ ሕቶ ዝሃቦ መልሲ ኢዩ። እዛ ትደልያ ዘሎኻ  ካቲም፡ ብሓቒ ኣብዚ ድካ ኣጥፊእካያ?  እንተበሎ፡  ኣይ! ኣብ’ዚስ ኣይኮንኩን ኣጥፊኤያ? ኣበይ ደኣ? ኣብቲ ደምበ ጸባ ክሓልብ ኸሎኹ። ዋእ! እሞ ኣብ ውሽጢ ዘጥፋእካያ ካቲም ደኣ፡ ኣብ ደገ እንታይ ኣድለየካ? ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ ኣንታ!  ዓሻ ድካ? ኣብኡ ደኣ ከመይ ጌረ ክረባ ጸልማት እንድዩ። ኣብዚ ግን ብርሃን ኣሎ፡  በሎ። እምብኣር ጥንሲ ሓሳብ  ናይታ ናይታ ሎሚ ቕነ ዝኣንበብኹዋ ጽሕፍቲ ምስ እዛ ዛንታ እዚኣ ብዙሕ ዘተኣሳስር  ነገር ዘሎዋ ኾይኑ ስለ ዝተሰመዓኒ፡  ቅድሚ ዝኮነ ፍርዲ ምሃበይ፡  እስኪ  ሙላሕ ነስራዲን ገለ ሓብሬታ (clue) ገዲፉ ከይህሉ ኢለ ጽሑፋቱ ክጐራጕር ጀሚረ። እንተኾነ ግዳ፡ ሙላህ ነስረዲን፡ ምክንያትስ ይትረፍ፡ ኣሰር ምክንያት’ውን ኣይገደፈን። የግዳስ፡  መብዛሕትኡ ስእላዊ ድርሰቱን፣ ቢሂላቱን፣ ሽፉን ነበረን፡ ኣሎን። ድሕሪ ጻዕሪ፡  ዋላ’ዃ  ነቲ ዘንቀለኒ ዘሰኒ ሓዲሽ ሓቤረታ እንተዘይረከብኹ፡ ጥራሕ ኢደይ ግን ኣይተመለስኩን። ሙላህ ነስራዲን ንድሕሪት ገጹ ዝሰረሮ ኣድጊ ምስረኣኹ፡ ነታ 37 ዓመት ዘቝጸረት ትዕዝብቲ  ኣባራቢራ ከምሓዳስ ትዕዝብቲ  ስለኣ ክጽሕፍ፡ ተሰሓብኹ። ሙላህ ነስረዲን፡ ንስእላዊ ድርሰቱ ፡ ነቶም ብደገ ርእዮም ዝስሕቕዎ ዓዓጽሙ፡ ነቶም ግዜ ወሲዶም ዝርድእዎ ሰስግኡ (ምክሩ) ዝለገሰ ፈላጥ ኣቦ  ኢዩ ኔሩ ዝብል ስሚዒት ምርኹስ ጌረ፣ ንስእላዊ ድርሰቱ ከምኣብነት ተጠቂመን ( ግን ደረቱ ከይጠሓስኩ) ነዛ ሓጸር ጽሕፍቲ  ክጽሕፍ ተተባቢዔ።

እወ፡  ሕጂ’ውን ሙላህ ነስረዲን፡ ንድሕሪት ምስራር ኣድጉ፡ ምኽንያቱ  እዚ እዩ ኢሉ ትርጉም ስለ ዘይለገሰ፡  ኣንበብቲ  ከም ተረደኦም ትርጉም ክህብሉ ንእግረ መገደይ ተዓዚበ። እንሆ  ኣነው’ን ሎሚ፡  ክብሪ ስእላዊ ድርሰቱ ከይተንከፍኹ፣ ምስ ዘመን ዘምጽኦም ሕቶታት ኣተኣሳሲረ፣ ብጠመተይ ከምዚ እንተኾነ ኣብ ዝብል ዅራናዕ ተጸጊዔ ነዛ ናይ ሎሚ ጽሕፍቲ የቅርብ። ደጊመ ክብሎ ዝደሊ፡ ነታ ኣብ ኣእምሮይ ተቐሪጻ ዝነበረት ትዕዝብቲ፡ ካብ “ሰጣህ ስእሊ” ኣውጽኣ፡ ናብ ብብዙሕ ዅርናዓት ከጥምተላ ዝክእል ኣፍደግ ከፊታትለይ ኢያ። ብጻይ ራገ ዝሃቦ መልሲ’ውን ፡ ንኹሉ ከም ዋዛ ወሲደ፡  ቑምንገሩ ከይኣለለኹ ሓሊፈ ኔረ።

ኣድጊ( ህዝቢ)  ሰራሪ ( ጎይታ፤ መላኪ)

1. እታ ኣድጊ ንብርነት እሺ ኢላ እንድሕሪ ተቀቢላቶ እቲ ጎይታ ብከመይ ይሰራ እንታይ የገድስ?

2. ሓደ ህዝቢ፡ ንብርነት ባዕሉ እንተኣሚንሉ፡ እቲ መራሒ ደው ኢሉ ይግዝኣዮ፣ ኾፍ ኢሉ ይግዝእዮ፡  ደቂሱ ይግዝኣዮ እንታይ ለውጢ የምጽእ? ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብዛዕባ መላኺ ሮበርት  ሙጋበ (ናይ ዝምባብወ ጎይታ)  ሓንቲ ጋዜጣ  ብዝሃበቶ ሓቤረታመሰረት፡- “ ሮበርት ሙገበ  ኣብ ናይ ክልተ ሰዓት ኣኬባ፡ 20 ደቂቅ ጥራሕ ተበራቢሩ ኔሩ ክትብል         መስኪራ። እዚ እንተሓመቐስ!  ከምቲ ጣፍ ዝሃንኾተዃ’ዶ   እህህህህህህህም! ኣየብልን።

3. ሓደ ህዝቢ፡  ከም ማንም ህዝቢ ዓለም ዘሎዉ ክብሪ ባዕሉ ቀንጢጡ፡ ማዕረ እታ ገጻብ ኣድጊ ብኣፋ ዝተሎጕሞት፡ ንቃንዛ ስግኣን፣ መንፈሳን ኣብ ውሽጣ ጸይራ ፡ብጎይትኣ             ንዝተዳለወ ጽዕነት ብግዲ  ክትጽዓን እትነበር እንታይ ኣስርዖ?

4. ብርነት’ውን  እኾ ተመሓላላፋይ ኢዩ። ንኣብነት ናይ ግብጺ ፒራሚድን፡ ናይ ቻይና ዶጎልን   ብሓደ ወይ ክልተ ዎሎዶ ዝተሃንጹ ኣይኾኑን። ኣብ ኸምዚኦም ዓይነት ዝዋፈር ነጻ ጉልበት         ከኣ ካብ ናይ ገዝእቲ ዝና ሓሊፉ፡ ንመጽኢ ወሎዶ ዘቝጸሮ ቑምነገር የብሉን።

5. ብሓጺሩ፡  ኣብ መጨረሻ ክብሎ ዝደሊ፡  ስራሕ ኣድጊ ንኣድጊ፡ ስራሕ ህዝቢ ንህዝቢ ! ! ! ! ! ! !


መረጸ ኣስመላሽ

7/15/2012

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...