እቶም ኣብ 6 ጉጅለታት ተኸፋፊሎም ክዛተዩ ዝቐነዩ፡ ካብ ሙሉእ ዓለም ዝመጹ 200 ዝዀኑ መንእሰያት፡ ኩሉ ዓቕምታቶም ኣወሃሂዶም ኣብ ሓደ ተጠርኒፎም ክስርሑ ውሳኔ ኣሕሊፎም።

እቶም ብውልቅን ብማሕበራትን ተወኪሎም ኣብ ዓሙቕ ዘተ ዝቐነዩ መንእሰያት፡ ናብ ከምዚ ዓይነት መደምደምታ ከብጽሖም ዝኸኣለ ቀንዲ ምኽንያት፡  ህጹጽ ሓደጋ ናይ ህዝቢን ሃገርን፡ እቲ ካብ ህዝቢ ኣብ ልዕሊዚ ኣኼባ ዘሎ ልዑል ትጽቢት፡ ከምኡ’ውን እዚ ተኣኪቡ ዘሎን ደገፍቱን ኩሉ መዳያዊ ዓቕሚ፡ ዕድልን ሓይሊን ክስገር ዘይብሉ ኰይኑ ብምርካቡ ምዃኑ እዩ።

ገለ ሰባት’ውን፡ ነቲ ማሕበር ሕጂ ክምስረት ኣለዎ ዝብል ናይ ተሳታፊ ዓብላሊ ድምጺ ከምዝቕበልዎ ብምግላጽ፡ እቲ ወግዓዊ ምስረታ ንዝተወሰነ እዋን ክሰጋገር ይግባእ ከምዝበረ  ርእይተኦም ኣቐሚጦም ኣለዉ። እቶም ነዚ ሓሳባት ዘንጸባረቑ ሰባት፡ ኣብዚ ኣኼባ ንዘይተሳተፉ ናይ መንእሰያት ማሕበራትን  ውልቀሰባትን ዝሳተፍሉ ኩነታት ንምፍጣር ካብ ዝብል ሓስብ ዝብገስ እዩ።

እቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብዚ ኣኼባ ዘይተረኸበ መንእሰይ ዝሳተፈሉ መገዲ ጻዕርታት ክግበርን ብወግዒ መግለጺ ክዋሃበሉ ምዃኑ፡ ካብ ተሳተፍትን መራሕቲ ኣኼባን ብዝተዋህበ ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ ከሎ፡ እቶም ተሳተፍቲ፡ ኣብ’ቲ ዝተዛተይሉ ዛዕባታት ሙርኩስ ጌሮም ብዝበጽሕዎ ሓባራዊ ኣረዳድኣን ስምምዓትን መሰረት፡ ኣብዘን ተሪፈን ዘለዋ መዓልታት፡ ዕላምኡ ከነጽር፡ ሽም ማሕበርን መሪሕነት ክመርጽ ትጽቢት ይግበረሉ።

እቲ ዝቐውም መሪሕነት፡ እቲ ኣኼባ ብዝህቦም ሓላፈንት መሰረት፡ ኣብ’ቶም ክዝተየሎም ዝቐነዩ ዛዕባታትን ሓሳባትን ሙርኵስ ብምግባር፡ ቅዋምን ዓንዲ ሕጊን፡ ከምኡ’ውን ስትራተጂን ናይ ስራሕ መዳባትን  ክሕንጽጽ ትጽቢት ይግበረሉ።

ብመሰረት መራሕቲ ጉጅለታት ዝተዋህበ  ጸብጻብ፡ እቲ ዝምስረት ናይ መንእሰያት ጥርናፈ፡  ነጻ ኰይኑ፡ ምስ ኩሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ብፋላይ ከኣ ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ሓቢሩ ክሰርሕ፡ ኩሉ ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ ክኽተል፡ ማእከላይ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኸውን ክርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ

ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ዜጋትት በዚ ዝካየድ ዘሎ ናይ መንእሰያት ስራሓት፡ ዝተሓጐሱ ኤርትራውያን ደገፎም ክገልጹ ጀሚሮም ኣለዉ። ኣብ ከሰላን ካለኦት መዓስከራት ስደተኛታት ዝርከቡ ናይ መንእሰያት ማሕበራት፡ ደገፎም ብምግላጽ ሓቢሮም ክሰርሑ ከምዝወሰኑ ብመገዲ ወከልቶም ኣተንቢሆም ኣለዉ። ሓደ ግዱስ ኤርትራዊ ከኣ ከም መበገሲ  $ 2,000 ዶላር ሓገዝ ከምዘበርከተ ተፈሊጡ ኣሎ።

እቶም ተሳተፍቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ውሳኔ ምብጽሖም ሓጐሶም ኣብ ገጾም ይንበብ ኣሎ። ኣብዚ ከም ተዓዛቢ ተሳቲፉ ዘሎ ጸሓፍን መምህርን ኣማኑኤል ሳህለ፡ “በቲ ሎሚ ዘመሓላለፍክሞ ውሳኔ ብዘይ መጠን ዓጊበ። ናብ ዓደይ ብሓጐስ ከምዝምለስ ጌርኩሙኒ ኣለኹም።” ክብል ዝተሰመዖ ሓጐስ ገሊጹ።

ዶክተር መሓመድ ኬር፡ ካብ ኖርወይ፡ ሎሚ ንጉሆ ኣብ’ዚ ኣኼባ ተረኺቦም ነዞም መንእሰያት ኣተባቢዐሞም ኣለዉ። ብሚኒስተር ደረጃ ሓላፊ ናይ ሽኮር ኮርፖረሽን ኣቶ ኣባይ ጸሃየ፡ ከምኡ’ውን ሚኒስተር ኮሙኒኬሽን ኣቶ በረኸት ስሞኦን ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ መዓልታት ንመንእሰያት ዘካፈልዎ ተመኩሮ፡ ፍልጠን ሓበሬታን ኣብ ቀጻሊ ከቕርበልኩም እየ።

ንሎሚ እዚ ወድሓንኩም!

ቴድሮስ መንግስቱ

ኢትዮጵያ

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...