ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ከመይ ቀኒኹም ከምቲ ልሙድ ልባዊ ሰላምታይ ተቐበሉ፡ ኩልና ከም ንርድኦ ሓደ ዘቐንዙ ሕማም ኣብ ነብስኻ ዘሎ ተፈዊሱ ከይሓወየ ነቲ ቃንዛ ክትገድፎ እሞ ትፅግስቲ ክትገብር ኣሸጋሪ ኢዩ፡ ስለዝኾነ ንሕና ከም ኤርትራውያን ህዝብና ከይቀሰነን ሃገርና ካኣ ብድልየት ናይ ህዝባ እትማሓደርን ድልየቶም እናተማልኤን መምስ ዘለዎም እምነት ብኽብሪ ሰላም ረኺቦም ዝነብሩላን ክሳፅ ዘይኮነት ኩሉ ጊዜ ክንቁንዞ ግድን ኢዩ፡፡

ኣብ ሓደ ሃገር ክብ ብዝበለ መልክዑ ንመላእ ህዝቢ ዝሳቒ ሽግር እናረኤኻ ስቕ ክትብል ንሓደ ሕልና ዘለዎ ዜጋ ዘይካኣል ኣብ ርእሲ ምዃኑ ከቢድ ሃገራዊ ሕቶ ኢዩ፡ ሓደ ከቢድ ሃገርዊ ሕቶ ኣብ ዝተኸስተሉ እዋን ስቕ ኢልካ ምርኣይ ዘይካኣል ስለ ዝኾነ ካኣ ኢዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንሃገሩ ካብ መግዛእቲ ንምድሓን ዓይኑ እናረኣየ ከም ንህቢ ኣብ ሓዊ እናተጠብሰ ካብ ባፅዳውያን ገዛእቲ ነጻ ጌሩዋ፡ ይኹን እምበር ባፅዳውያን ገዛእቲ ዳኣ ካብ ሃገር ወጺኦም እምበር እቲ ህዝቢ ጌና ነጻ ኣይኮነን ዘሎ፡ እቲ ቃልሲ ኣብ ግቡኡ ከይበጽሐ ካኣ ንባዓል ሕልና ዝኾነ ኤርትራዊ ቅሳነት ዝባሃል ክህልዎ ኣይክእልን ኢዩ።

እዚ ማለት ካኣ እዚ ዘሎ ሃገራዊ ሽግር ክሳፅ ዝፍወስ ንኹልና ሃገራውያን ዝምልከት ስለ ዝኾነ ብሓባር ክንሓመሉ ዳኣ እምበር ነቲ ሓደን ዝምልከቶ ነቲ ሓደን ዘይምልከቶ ወይ ንዝተወደበ ዲዩ ዘይተወደበ ወይ ውን ንዝተፈልየ ብሄር ይኹን ዓሌት ብፍላይ ዝምልከት ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ኣብዚ እዋንዚ ሓደን መሰል ዝህብ ሓደን መሰል ዝኸልእ ኣካል የለን፡ሎሚ ኩልና ብድምር ሓተቲ መሰልን ኣብ ጸገም ዘለናን ህዝቢ ኢና፡፡

ብዛፅባ መሰል ይኹን ካልእ ክትዛረብ እንተኾይኑ ድማ ብቐዳምነት እታ ሃገር ከም ሃገር ክትህሉ፡ እቲ ህዝቢ ድማ ከም ህዝቢ ክህሉ ኣለዎ፡ ስለዚ ሎሚ ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ሞንጎ ምህላውን ዘይምህላውን ኢና ዘለና፡ እሞ እቲ ዘሎ እዋናዊ ሕቶ ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ጥፍኣት ንከላኸሎዶ ወይስ ስቕ ኢልና ንጥፋእ ኢዩ፡ ስለዚ ኣንጻር ህዝብና ዘጥፍእ ሓይሊ ደው ክንብል ይግባእ፡፡

ጸገምና ንምውጋድን ካብ ባፅዳውያን ገዛእቲ ንምግልጋልን ቃልሲ ካብ ንጅምር በቲ ኣብ ጉፅዞ ዘጋጠመ ውረድ ደይብ ኣብ መመድረኹ ዘጋጥም ዝነበረ ምቅይያር ከም ምኽንያት ተጠቒምና እንሕጎሰሉን እንጉህየሉን ኩነታት እኳ እንተ ነበረ እቲ ሽግር ኩሉሻፅ ኣብ ዘለዎ ኢዩ ዘሎ፡፡

ብእህህታ ስለ ዘይውዳእ ግን ነቲ ናይ ጉፅዞ መሳብሮታት ብተፋራረቕ ገለናን ሕጉሳት ገለናን ጉሁያት ብምዃን ማለት ንገለን ብዘሐጉስ ንገለን ብዘጉሂ እናተቐበልናዮ ቃልስና ክንቅጽል ጸኒሕና፡ እቲ ኩሉ እተቓለስናዮ ንቑልቁል ስለ ዝፈረየ ግን ካብዚ ዘሎ ዘስካሕክሕ ሽግር ንኽንወጽእ ሓዲሽን ምስዚ ጊዜዚ ዝኸይድን ተባላሓትነት እንሕተተሉ መድረኽ በጺሕና ኣለና እሞ ብሓደ ኮፍ ኢልና እንታይ እንተተገብረ ይሓይሽ ክንብል ንግደድ ኣለና ማለት ኢዩ።

እቲ ጎዲሉና እንብሎ ንዓለም ክንነግሮ ዝድለ ዝጎደለ መሰላትን ብዓለማት ክርኣየልና ኣለዎ እንብሎ ሽግራትን ብህዝቢ ዓለም ንኽስምዓልና ክእለትና ይኹን ዓቕምና ምውህሃድን ዘለና ስምምፅን ኣብ ሚዛን ክኣቱ ስለ ዘለዎ ዝግደሱልናን ዝሕግዙናን እንተ ተረኺቦም እውም ብዙሕ ዘተን ነብስኻ ናይ ምጥርናፍን ናይ ምምሕዳር ክእለትካ ናይ ምንጻርን ዝሓትት ስለ ዝኾነ ሎሚ ቅድመ ኩነት ማለት ሕጂ ኣብ ጉፅዞ እዚ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ብሓባር ኣብ ሓደ ኮፍ ኢልና ብምጽውዋር ንኹሉ ይጎድለና ኢዩ እንብሎ ክንዝትየሉ ምእንቲ ክንክእል ኣብዚ እዋንዚ ሓደነትና ኣገዳስነት ስለ ዘለዎ ቀጻሊ ናይ ሓባር ዘተ ብምክያድ ሓድነትና ዝድልድለሉ መገዲ ሃሰስ ክንብል ይግባእ፡ ብሓጺሩ ኣብዚ እዋንዚ ሓባራዊ ዘተ ፍታሕ ንምርካብ ሓጋዚ ኢዩ።

ብዝኾነ ንሕና ነቲ ክህሉ ንደልዮ ሕጊ ንሓደን ዝጠቅም ንሓደን ዝጎድእ ከይከውን ብጥንቃቐ ብንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝርድኦን ኩሉ እወ ኢሉ ዝቕበሎን ሕግታት ክንጽሕፍ ኢዩ ዘለና ኩልና ብማፅረ እንሕጎሰሉ ሕጊ እንተተጻሒፉ ድማ እቲ ክልዓል ዝድለ ሕቶታት ተመሊሹ ማለት ኢዩ፡ እዚ ክብል ከለኹ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ክንሳሓሓብ ከምዘይንኽእል ዝገብርን መሰል ኩልና ዘፅቁብን ሕጊ ንጽሓፍ፡ ከምዚ ምግባር ቅድመ ተደላይነት ዘለዎን ኣብ ዓለም ክትቀርብ ከለኻ ካኣ ሓጋዝን ንብቕዓትካ መለለዪን ኣብ ርእሲ ምዃኑ እቲ ዘለና ሽግር ኣብ ዝወገድናሉውን ኣብ ሃገርና ብዝቐልጠፈ ናብ ሓደ ምፅባለ ከነምርሕን ኩሉ መዳያዊ ፅብየት ከነመዝግብን እውን ዝድግፍ ኢዩ፤፡

ዲሞክራሲ ማለት ብምሕደራዊ ኣተረጓጕማ ኣብ ዘዘለካ ኣታሓሳስባ ምንቃጽ ዘይኮነስ ንኹሉ እቲ ንህዝቢ ይጠቅም ንሃገር እውን የገልግል ኢዩ እትብሎ ሃገራዊ መደባት ወይ ፅላማታት ብምሉኡ ቀደም ተኸተል ሰሪፅካ ክዝተየሎም ከም ዘለዎ ብምግባር እቶም ዝበዝሑ እተቐበልዎ ኣብ ግብሪ ከም ዝውፅል ምግባር ኢዩ እቲ ፍሉጥ ኣገባብ ናይ ዲሞክራሲያዊ ኣሰራርሓ፡ ካልእ ዝኾነ ይኹን ሃገራዊ ሽግር ምስ ዘጋጥም እውን ሃገር ብሓንቲ ርእሲ ክትማሓደር ዘይኮነስ ብዘተ ናይ ኩሎም እቶም ከማሓድሩኻ ዝመረጽካዮም ኢያ ሃገር እትማሓደርን ሽግራታ ካኣ ብግቡእ ዝፍታሕን፡፡

ዓለም ኣብዚ እዋንዚ ብእንካን ሃባን ኢያ ትምራሕ ዘላ፡ ኣብዚ ምፅባለ እዚ ከይሰገረት ግን ኣብ ዘበነ ሴፍ ብሴፍ ኣብ ብረት ምስራሕ ምስ ሰገረት ካኣ ብብረት ክትዋጋእ ኔራ ኢያ፡ ግን እቲ ዝነበሮም ግጉይ ኣሰራርሓን ዘይማፅበለ ኣታሓሳስባን ምስ ወገዱ ኢዩ እቲ ኩሉ ዝነበሮም ሽግር ተወጊዱ ናብዚ ሕጂ በጺሖምዎ ዘለው ምፅባለ እውን ሰጊሮም፡፡

ንሕና ድማ ከምኡ ንሽግርና ከነፅርፎ ዝሓለፍናዮን ዘለናዮን መዚንና እንታይ ከም ንሕዝ ክንፈልጥን ነቲ ኣብ ሚዛን ዘእተናዮን ክግበር ዝደለናዮን ካኣ ኣብ ግብሪ ክንትርጉሞ ምስ እንበቅፅን ጥራይ ኢዩ እቲ ዘለና ሽግር ክፍታሕ ዝካኣል፡ ስለዚ ቃልስና እዚ ዓይነት ኣታሓሳስባ ኣጥረኻን ብኡ መስ ትግዛእን ጥራይ ኢዩ እቲ ኩልኻ እትደልዮ መወዳእታ ክብጻሕ ዝካኣል።

ስለዚ ሎሚ ንሕና ኣብ ክልተ ነገራት ኣትኵርና ክንቃለስ ኢዩ ዘለና፡ ሓንቲ ነዚ ስርዓት ብኸመይ ነልግሶ ኢያ፡ እታ ሓንቲ ካኣ ቃልሲ ዝብሃል ካብ ንፈልጥ ንደርፋ ግን ምትግባራ ተሳኢኑና ዘሎ ተሳማሚፅካ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ክትገብር ናይ ምኽኣል ዝሕብር ኣንፈት ክንሕዝ ምኽኣል ኢያ ኩሉ ሰብ ንዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ኢዩ ሃረር ዝብል ግን መገዳ ስለ ዝሳኣናን ምትእምማን ስለ ዝረሓቆን ኣብ ሓደ ዓሲሉ ንሽግሩ ክፈትሕ ድልውነትን ጥምረትን ኣየርእን ዘሎ፡ ንኸምዚ ዝበለ ከቢድ ሃገራዊ ሽግር ካኣ ብሓደ ኮንካ ከይገጠምካዮ ዝሓጽር ኣይኮነን።

እዚ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ከቢድ ሽግር ብኸመይ ይፍታሕ ኣብ ዝብል ኣቲና ኩልና ክንሽገረሉ ከም ዝግባእ ብቲ ብውጽኢት እዚ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ዝርከብ ፍታሕ ካኣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘቕስን ከም ዝኾነ ብግቡእ ናብ መላእ ህዝቢ ከነስርጾ እንተኺኢልና ካኣ ህዝብና ብዘሎ ስርዓተ ምሕደራ ሕጉስ ስለ ዘይኮነ ኣብ ቃልሲ ተሳትፎኡ ከም ዝዓዝዝ ሓደ እኳ ዝጠራጠረሉ የለን፡ ምኽንያቱ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ዲሞክራሲ ፍትሒ ኣብ ዘለዎ ሰላም ረኺቡ ክነብር ኢዩ ዝደሊ ዘሎ፡ ስለዚ ህዝብና ዝቕበሎ ካብ ባህሉን ዝነበሮ ልምድን ዘይፍለ ብፅቱብን ሰፊሕን ዲሞክራሲያዊ ዘተ ንኽትግበር ዝተወሰነ ጥራይ ኢዩ ንህዝቢ ኤርትራ ከርግእን ከታኣማምንን ዝኽእል።

ብሓጺሩ ክንገብሮ ዝግባኣና ኤርትራ ከምቲ ዝነበረቶ በተን ንኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ከነውጻኣ ከለና ዝነበራና ኣውራጃዊ ምምሕዳር በተን 9 ኣውራጃታት ሃገር ከምታ ዝነበረታ ክትከውን እሞ ህዝቢ ኤርትራ ካኣ ከምቲ ዝደልዮ  ጌሩ ከማሓድራ ኢዩ ዝድለ ዘሎ እምበር ኣብ ጸገሙ ተረቂቖም ብዝሰሎኹ ፈለጥና ባሃልቲ ኤርትራ ዘይመልክዓ ክትሕዝ ዝፈቅድ ኣካል የለን።

ኩሉ እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዝርኤ ዘሎ ፋሕፋሕ ፡ ውጽኢት ናይቲ ምፍትሑ ተሳኢኑና ዘሎ ጸገም ምዃኑ ክርዳኣና ኣለዎ ናብቲ ኣብ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ብምፅብልና ዝበጽሕዎ ኣገባብ ናይ ኣታኣላልያ ሽግር ከይሰገርና ካኣ ክንፈትሖ እንኽእል ሽግር ይኹን ክንበጽሖ እንኽእል ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ የለን ስለ ዝኾነ ኣብዚ ታኣፋፊ እዋን እዚ ኤርትራ ከይትበታተን ክንሕሉ ጥራይ ኢዩ ናይ ኩልና ኤርትራውያን ሓላፍነት ንኹነታት ብምስትዓል ንርኣዮ፡፡

ኩሎም እቶም ኣብ ስልጣኔ ተሰጋጊሮም ዘለው ህዝብታት ዓለም ካብዚ ናትና ዝገድድ ይኹን ዝቐልል ሽግራት ሰጊሮም ኢዮም ኣብዚ ሕጂ ዘለውዎ ደረጃ በጺሖም ዘለው፡ ሽግር ምፍታሕ ጥበብ ዝሓትት ኢዩ፡ ኩሉ ጥበብ ድማ ካብ ፍልጠት ዝመጽእ እዩ፡ እዚኣ ስለ ዝፈልጥ እዩ ድማ እዚ ስርዓት ኣብ ስልጣን ምእንቲ ክነብር ምሁራት ዘጥፍእን ዝደቁስን ትምህርቲ ንኸይህሉ ዝዓግትን ዘሎ፡ ነቲ እከይ ተግባራቱ ፈሊጥና ከይስዓርናዮ ካኣ ዝመጽእ ፍታሕ የለን።

ስርዓት ኣብ ዘይብሉ ሃገር ኩሉ ዓይነት ሽግራት ኣሎ ጥሜት ፅርቃን ሕማም ብዓቢኡ ካኣ ምስ ኩሉ ሽግራትካ እታ ሰላም ትባሃል እውን የላን፡ እዚ ዘሎ ሽግር ከይተፈትሐ ዝነብር ዘሎ ሳኣን ብሓባር እቲ ክንገብሮ ዘለና ምፍላጥን ብሓባር ኴና ንፍትሓዊ ስርዓት ጠጠው ምባልን ጥራይ ኢዩ፡ ፍትሓዊ ስርዓት ናይ ኩሉ ሽግራትና መድሃኒት ምዃኑ ኣይንረስፅ፡ ከይተቓለስካ ብጥራዩ ስቕ ኢሉ ዝመጽእ ካኣ ኣይኮነን፡፡

ዘሎ ሽግር ምፍታሕ ኢድ ኩልና ዝሓትት ኢዩ፡ ኣበይ ኔሩ እንታዋይ ኢዩ ዝብል ሕቶ ኣቐሚጥና ብኸመይ ካብዚ ዘሎ ሽግር ንወጽእ ዝብል ሓሳባት ነቐድም፡ ህዝብና ብዝተፈላለየ ዝሓለፈን ዘሎን ሃገራዊ ሽግር ፋሕ ኢሉ ኢዩ ዘሎ ኢዱ ነንዝዘርጋሓልና ኢድና ዘርጊሕና ንቀበሎ እታ ፍታሕ ኣብ ርእሲ ሓደ ካብ ዜጋታትና ክትህሉ ኢያ ኣይንናጻጸግ ጥራይ።

ክሳፅ ኣብ ዝመጽእ ሰናይ ቅነ ንኹልና።

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዓወት ድማ ነቲ ደም ዝነብፅ ዘሎ ህዝብና


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...