ዕለት 07/06/2012

ካብ 09፡00- 11፡00 ናይ ንጉሆ

(ትርጉም’ዛ `ደቓይቕ ናይ ሓደ ኣኼባ ኣገባብ ኣካይዳ ዚድብትር ወግዓዊ ጽሑፍ’ ማለት ምኻና ብተኪኤ ተስፋይ ካብ እተሰናደወ ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ትግርኛ ዝተወስደት ኢያ)

ኣብ ጾሮና ትርከብ ኣሃዱና ክ/ሰ 17 ቀዳመይቲ ብርጌድ ብ7 ሰነ 2012 እዋናዊ ኣኼባ ኣካይዳ፡፡ ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ካብ ኣዘዝቲ ጋንታ ክሳብ ብደረጃ ኣዘዝቲ ብርጌድ ጽፍሒ ዘለዎም ሓለፍቲ ሰራዊት ዝተኣከብናሉ ኢዩ ነይሩ፡፡ መራሕቲ ኣኼባ ድማ ኣዛዚ 1ይ ብርጌድ ሌ/ኮ ተኽለ ሃይለ (ወዲ ሃይለ)ን  ኣዛዚ ክ/ሰ 17 ኮ/ል ሳልሕ ዑስማን በኺትን ኮይኖም ብደረጃ ብርጌድ ኢዩ ተኻይዱ፡፡

ትሕዝቶ እቲ ኣኼባ ገምጋም ስራሕ ናይ 6 ኣዋርሕ ይብል፡፡ እንተኾነ ቀንዲ መራሒ እቲ ኣኼባ ወዲ ሃይለ ኣዛዚ ቀዳማይ ብርጌድ ኮይኑ፡ ወዲ ዑሱማን ኮፍ ኢሉ ተዓዛቢ ኢዩ ነይሩ፡፡

§ /ሃይለ (ኣዛዚ ብርጌድ)፡-

- “ናይ ሎሚ ኣኼባና ገምጋም ስራሕ 6 ኣዋርሕ ኮይኑ ምስ ግዜና ብትኹረት እንሪኦ ጉዳይ ክድዓት ኢዩ፡፡ እቲ ክድዓት ሕጂ’ውን ኣዝዩ ኣሰካፊ ብዝኾነ መልክዑ ብስፍሓት ይቕጽል ኣሎ፡፡ ወያነ መሬትና ትወረሉ ኣብዘላ እዋን ብዘይሕንከት ናብ ኢትዮጵያ ክኸድዕ ኣብ ልዕሊ ዝተረኽበ ሰብ ብዘይዝኾነ ሕንድያ ናይ ምርሻን ስጉምቲ ክንወስድ ኢና፡፡ ኣብ ቀረባ ካብ ብርጌድና ዝኸዱ ክልተ መራሕቲ ሓይሊ ኣለው፡፡ እዚኦም ቀደሞም’ውን ሕማቓት’ዮም ነይሮም፡ ሕመቕ ናበይ የምርሕ ከኣ ፍሉጥ ኢዩ ከዲዖምና ኣለው፡፡ እቲ ክድዓት ዝነበረ ኢዩ ሓዱሽ ኣይኮነን፡ ቅድሚ ናጽነት እንኮላይ ኣብ ድሮ ናጽነትና ናብ ጸላኢ ዝኣትው ከዳዓት ነይሮም ግን ከኣ ተዓዊትና፡፡ ስለዚ እዚ ናይ ሎሚ ክድዓት እውን ንዓና ሓዱሽ ኣይኮነን፡ እንተኾነ ግን ከም ኤርትራውያን ክትሓስብሉ ኣለኩም፡፡”

- “ኢትዮጵያ ንመሬትና ኣብ ቀረባ ወሪራ ሒዛቶ ኣላ፡ ነዚ ብወራር ዝሓዘቶ መሬት ብዓቕሚ ልዕሌና ጸብለልታ ስለዘለዋ ዘይኮነ ብድፊኢት ግዳማውያን ሃገራት ብፍላይ ከኣ ብላኣኺነት  ኣመሪካ ምዃኑ ክንርዳእ ኣለና፡፡ ዕላማ ኣመሪካን ወያነን ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ጸጋታት ክወርዎ ካብ ዘለዎም ድሌትን ሕልምን ዝነቅል ኢዩ፡፡ ወርቂ ቢሻ ክወሩ ስለዝደለዩ ኢዮም፡፡ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ዳግማይ ናብ መግዛእቲ ንምእታው ትደሊ ኢያ፡፡ ስርዓት ወያነ ኤርትራን ትግራይን ሓዊስካ ዓባይ ትግራይ ንምፍጣር ትሓልም ኢያ፡፡ እዚ ድማ ካብ ቀደም ጀሚሩ ዝነበረ ሕልሚ ወያነ ኢዩ፡፡” ኢሉ ምስ ወደአ ሕቶን ርእይቶን ሓተተ፡፡ እንተ ብደገፍ ወይ እውን ብተቓዉሞ ርእይቶ ዘቕረበ ዋላ ሓደ ሰብ እኳ ኣይነበረን፡፡ ሕቶ ዝብል ሰብ ግና ብዙሕ ኣእዳው ኣውጺኡ ነበረ፡፡ ሕቶታት ከኣ ቀጸለ

ሕቶ፡- (ሓታቲ በላይ ይበሃል ኣብ 2ይ ቦጦሎኒ ኣዛዚ 2ይ ሓይሊ ኢዩ)

ሕቶኡ፡ “ቅድሚ ሕጂ ብዘይ ዝኾነ ደሞዝ ተጋዲልና ሕጂ’ውን ብዘይ ደሞዝ ንሰርሕ ኣለና፡፡ ኣንስትና ኣዋርቐን ብምሻጥ ክሳብ ሕጂ ንደቅና ኣጽኒሐንኦም፡ ሕጂ ኩሉ ተወዲእወን እታ ዝተሓተት ኣብ ገዛ ትርከብ ኣቐሓ ጀሪካን ከይተረፈ ምሻጥ ጀሚረን ኣለዋ፡፡ ዋላ እኳ ዝጠቅም እንተዘይኮነ ኣብ ቀረባ ነቶም እንመርሖም ተራ ኣባላት ደሞዝ ወሲኽኩምሎም፡ ኣብ ሓላፍነት እንርከብ ግና መራሕትን ብዙሕ ስራሕ እንዓምምን ክንስና ዝወሰኽኩምልና ደሞዝ የለን፡፡  ስለምንታይ? መወዳእትኡ ኸ እንታይ ኢዩ ሓሳብኩም?” ዝብል ሕቶ ኣቕረበ፡፡ ኣከታቲሎም ተመሳሳሊ ሕቶ ዘቕረቡ ከም በዓል ቆሓይንን ካልኦትን ብርክት ዝበሉ ነበሩ፡፡ ትሕዝቶ ሕቶታቶም ግና ምስ ሕቶ ኣዛዚ ሓይሊ በላይ ተመሳሳሊ ነበረ፡፡ ብዙሓት ተኣከብቲ ንሕቶ ኢዶም ኣውጺኦም እንተነበሩ’ኳ

§ መራሕ ኣኼባ ወዲ ሃይለ፡-

“ዝተፈልየ ሕቶ እንተለኩም ሕተቱ ንተመሳሳሊ ሕቶ ግን ግዜ ስለዘይብልና ነቲ ዝተሓተተ ክንመልሰልኩም ኢና፡፡ ዝተፈልየ ሕቶ ኣለና ትብሉ እንተለኹም ቀጽሉ” ብምባል ዕድል ሃበ፡-

ሕቶ፡-  (መራሕ ጋንታ ኣሰናይ ኣደም፡ ኣማኒኤል ዘርአ፡ ተስፋልደት ሃብተን ካልኦትን)

“መንእሰይ ይኸይድ ኣሎ ትብሉና ኣለኹም፡ ማእከልነት ሓይሊ’ውን ከይዶም ኢልኩም ኣቕሪብኩምልና፡ እቲ ክድዓት ቀደም’ውን ከምዝነበረን በዚ ናይ ሕጂ ህድማ ከኣ ብዙሕ ኣይትሰከፉ ትብሉና ኣለኹም፡ ሓደ ስለተሰከፍኩም ደጋጊምኩም ተቕርብዎ ዘለኹም ባዕልኹም ኢኹም፡ ካልኣይ ስለምንታይ ኢዩ ዝኸይድ; እንታይ ኢዩ እቲ ጠንቂ ምርኣይ ዶ ኣይሓይሽን?

ሕቶ፡- ዓቕሚ ሰብ ውሒዱና ለይትን ቀትርን ብዘይ ዕረፍቲ ኣብ ዋርድያ ተገቲርና ንውዕልን ንሓድርን ኣለና፡ ሕጅስ ክረምቲ ኢዩ ማሕረስ ኣሎ፡ ክሓርሱ ዘይክእሉ ዝሸምገሉ ወለዲ ኢዮም ዘለውና፡ ሂወትና ድማ ምስ ሕርሻ ዝተቆርነ ኢዩ፡፡  ዕረፍቲ ካብ እንወስድ ዓመት ገይርና ዕረፍትን ማሕበራዊ ፍታሕን ዘይትህቡና?

ወ/ሃይለ (ኣዛዚ ብርጌድ)፡- “ሚ/ር” (ሚ/ሪ ምክልኻል ጀነራልስብሓት ማለቱ ኢዩ) “ካብ መራሕቲ ብርጌድ ንላዕሊ ኣኼባ ገይሩልና ነይሩ፡፡ ደሞዝ ወርሒ 3/ 2012 ክመጽእ ኢዩ ኢሉና ነይሩ፡፡ ንሕና እውን ተጸቢና ነይርና እንተኾነ ኣይመጸን፡፡ ኣብ ተራ ኣባላት ካብ ተመጀረ ግና ግዚኡ ሓሊዩ ክመጸኩም ኢዩ ብትዕግስቲ ተጸሚምኩም ተጸበዩ፡፡ እንተ እቲ ንተራ ኣባላት ዝተገብረ ወሰኽ ተቓልልዎ ዘለኹም ግና ምስ ዓለማዊ ጸቕጢ፡ ተጻብኦ ኢትዮጵያን እቲ ትፈልጥዎ ዓቕሚ መንግስትናን ኣብ ግምት ኣእቲኻ ቀሊል ወሰኽ ኣይኮነን፡፡ እቲ ንስድራ ቤት ሰራዊት ብዓይነት ዝዕደል ሓገዝ ከኣ ተጀሚሩ ስለዘሎ፡ ቀሊል ሓገዝ ኣይኮነን፡፡” ዝበል ሕቶ ምስ ኣቕረቡ።

§ ኮ/ል ሳልሕ ዑስማን (ኣዛዚ ክ/ሰ)፡-

ተወሳኺ ኢሉ ናብ ወዲ ሃይለ እናዳጠመተ “ወርሒ ክንደይ ኢዮም ወደይ ኢሎምና ዝነበሩ?” ኢሉ ንወዲ ሃይለ ሓተቶ ወዲ ሃይለ “ትፈልጣ እንዲኻ ብሓባር እንዳሃለና ዝተዛረቡና ዶ ኣይኮነን” ክብል  መለሰሉ፡፡ ዕላምኡ ተኣከብቲ ንምእማን ኮነ ተባሂሉ ዝተምሃዘ ድራማ ኢዩ ዝመስል ዝነበረ፡ ብዝኾነ ኣስዒቡ “ሕቶኹም ቅቡል’ዩ ከመጸኩም ኢዩ ተጸበዩ” በለ እሞ እቲ ዘረባ ኣብ ተኣከብቲ ጯቕጯቕ ስለዝፈጠረ “ይኣኽለኩም! ይኣኽለኩም!” ብምባል ዓጸውዋ፡፡

§ /ሃይለ (ኣዛዚ ብርጌድ)፡-

“ብዛዕባ እቲ ክድዓት ቀደም እውን ነይሩ ኢዩ፡ ሕጂ’ውን ዘሰክፈና ኣይኮነን ኣይትሰከፉ” ኢሉ ዘረብኡ ከይወድአ ኣሞንጊኡ ዝሓተተ ሓታታይ

§ ሕቶ (ኣዛዚ ጋንታ)

“ቀደም ካብ ሓይሊ 1 ሰብ ወይ 2 ሰባት ይጠፍኡ ኔሮም፡፡ ሕጂ ግና ጋንታ እውን የለን ምሉእ ብምሉእ ፈሪሳ ኣላ፡፡ ነዚ እንታይ ትብሎ?” ክብል ሓተቶ

§ /ሃይለ (ኣዛዚ ብርጌድ)፡-

“ቀደም ውሕዳት ነይርና፡፡ ውሕድ ከኣ ይጠፍአና ነይሩ ይኾውን፡፡ ሎሚ ከኣ ብዙሓት ኢና ካብ ብዙሓት ከኣ ብዙሓት ይጠፍኡና ኣለው፡፡ ዘይሩ ዘይሩ ብዛዕባ ዋሕዲ ዓቕሚ ሰብ ግን ኣይትሰከፉ፡ እቶም ዕቑር ሰራዊት፡ ኣብ ሚኒስትሪታት ዘለው ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ኣብ ኩለን ኮለጃትን ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርታትን ዝርከቡ ተምሃሮ ቶግ ክትብል መዓልቲ ክመጹና ኢዮም” በለ

§ ሕቶ (ስሙ ኣይገለጸን)፡-

“ዘሰክፍ እንተዘየሎ ደኣ’ሞ ስለምንታይ ወግሐ ጸብሐ ስግረ ዶብን ሕጋጋትን እንዳበልኩም ትሓቱና ዘለኹም? እዚ ክመጸና ኢዩ ትብሎ ዘለኻ ሚስክን ዜጋ ዝተዓለመ ኣይኮነን ብሬን ኣርበጂ ሞርታር ተኩስ ኢልካዮ ከመይ ክትኩሶ ይኽእል?’’

§ /ሃይለ (ኣዛዚ ብርጌድ)፡-

ዘረባ ይበዝሕ ኣሎ ሓቀይ? ንከባበር!” ምስ በለ ኣስዒቡ “ትዝክሩ እንተኾይንኩም ኣብ 3ይ ወራር ምስ ወያነ ሓጺር ልምምድ እንዳገበረ ተራ ኤርትራዊ ናብ ኣሃዱታት ኣትዩ ኢዩ፡፡ ቴንሽን ምቅብባል ብረት ብሓጺር ተማሂሩ ናብ መስርዑ ኣትዩ ተዋጊኡ ኢዩ፡፡ እዚ ንሕጂ’ውን ጸገም ዘለዎ ኣይኮነን፡፡ ኤርትራዊ ንሃገሩ ጸገም የብሉን፡፡ ናይ ብረት ልምዲ ዘለዎ፡ ናይ ምግባር ዓቕሙ ጽቡቕ ህዝቢ ኢዩ”፡፡ ብምባል “ወዲእና” ኢሉ ካብቲ ኣኼባ ኣፋኒዩና፡፡

ድሕሪ ምውዳእ እቲ ኣኼባ ተኣካቢ ብዛዕባ እቲ ኣኼባ መምስ መቕርቡ ዘዝመስሎ ይዝቲ ነይሩ፡-

- ኣነን መሓዙተይን ዝዘተናሎም “ኢትዮጵያ ዳግማይ ክትገዝኣና ኢያ ዓባይ ትግራይ ንምፍጣር ሕልሚ ኣለዋ” ዝብል ኣበሃህላ መራሕቲ ሕጂ ዝደግሶም ዘሎ ደኣ’ምበር ኣብ 1998 ዝዛረብዎ ዝነበሩ ብሉይ ዘረባ ደኣ’ምበር ሓዱሽ ከምዘይኮነ፡ ሀሐሓደዱሸሽሐምናልባት እዚ ዛዕባ እዚ ኣብ 1998 ንሰብ እንተሃሚሎምሉ ሎሚ 98 ሚኢታዊት ዝቕበሎም ከምዘየለ፡ እዚ ሎሚ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ መንግስቲ ንሃገርና ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ንምእታው ባህጊ ከምዘይብሉ፡፡ እንተዝነብሮ ኣብ እዋን መወዳእታ ኩናት 2000 ንፍርቂ መሬት ኤርትራ ተቆጻጺሩ ከብቅዕ መን ዶ ኣውጺእዎ ኢዩ ዘይባዕሉ ዝወጸ፡፡ ካልኣይ ከኣ ሎምስ እንተኾነ ናይ ምውራር ባህጊ እንተለዎ ጋሕ ዝበለ ማዕጾ ዶ ኣይኮነን ዘሎ መን ይዓግቶ፡ ዝብል መደምደምታ በጺሕና፡፡

- ኣሜሪካ ደፊኣታ! ሓጊዛታ! ሊኢኻታ! ዝበሃል ዘረባ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ዝቐርብ ዓዘራ ዘረባ ክሳብ ዝኾነ ትርጉም ሂብና እንዘራረበሉ ዛዕባ ከምዘይኮነ ብመንፈስ ተሰማሚዕና ኢና፡፡

- ብዓቕሚ ሰብ ኣይትሰከፉ ዝበሃል ዘረባ ኣከብትና ግና ጉጅም ኢልናሉ “ክሕዝዋ  ዝደለዩ ደርሆስ ኣንዊሖም ይኣስርዋ” ከምዝበሃል ናይቲ ዝተረፈ ሰራዊት ሞራል ንምሕላው ተባሂሉ፡ በሃልትና ባዕሎም ዘይኣምንሉ ነንርእሱ ዝጋጮ ዘረባ ይዛረቡና ኣለው፡፡ ስግረ ዶብ! ክድዓት ዝብል ዘረባ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ከኾምስዑዎ እንዳነበሩ፡ ብዛዕባ ዋሕዲ ሰብ ኣይትጨነቑ ክብሉና መን ኢዮም ኢዚኦም መን ከ ይኣምኖም፡፡ መስርዕን ጋንታን ፈሪሰን ሓይሊ መስርዕ ጸሪያትሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ብሕጽረት ዋርድያን ሮንዳን  ኣብ ቅድሜና ክጭነቑ ክንሪኦም እንዳነበርና፡ ሕጂ ተመሊሶም ኣምሲሎም ንዓና ከደዓዕሱ ምስሉይ ዘረባታት ምዝራብ እንታይ ይዓብስ? ግና እንታይ ከ ዘይገበሩ  ካብ ላዕሊ ከም ተረንሽዋ ተተመሊኦም መጺኦም ኣብ ቅድሜና መመጺኦም ካብ ምልፍላፍ እንታይ ምርጫ ኣለዎም፡፡ ግን መን ይኣምኖም፡፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ንሳቶም እውን ዝርዕምዎ ኩነት ካልእ፡ መልሓሶም ትዛረቦ ካልእ፡ ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ ኢዩ፡፡ ንኣብነት ብርጌድና ምስ ክፍልታት ብርጌድ ብኦርኒክ 200 ዓቕሚ ሰብ ኣለዋ፡፡ ምናልባት 60 ዝኾኑ ተመላለስቲ እውን ኣለውዋ፡፡ ጠቕላላ 260 ማለት ኢዩ፡፡ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ዓቕሚ ሰብ ግና 180 ኢዩ፡፡ 180 ዓቕሚ ሰብ ብርጌድ ኢልካ ምዝራብ ዘስደመም ኢዩ፡፡

- ካልእ ዓቕሚ ጸላኢ ኣናኢስካ ምግምጋም እቲ ዓብይ ሕማም መራሕትና ኢዩ፡፡  ዓቕሚ ማለት፡- በዝሒ ዓቕሚ ሰብ፡ ብቕዓትን ሞራልን ሰራዊት፡ ወተሃደራዊ ኣጽዋር፡ ብሓፈሻ ሎጂስቲካል ቀረብ ኢዩ፡፡ በዚ መነጻጸሪ’ዚ  ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብዚ እዋን’ዚ  ፍጹም ዘራኽብ የብሎምን፡፡ ካልእ ይትረፍ ኣብ ሓንቲ ሬጅሜንት ኢትዮጵያ 450 ዓቕሚ ሰብን 4 ዶሽካ ብረትን ኣሎ፡ ኣብ ሓንቲ ቦጦሎኒ ናትና እንተበዚሑ 60 ዓቕሚ ሰብን ሓንቲ ዶሽካ ብረትን ኣላ፡፡ እቲ ቀንዲ ነገር ድማ እቲ ወሳኒ ሰብ ስለዝኾነ፡ ሞራል ድሌትን ድልውነትን ተዋጋኢ ሓይሊ ኢዩ፡፡ ነዚ ኣመልኪቶም ነቲ ብዓይኑ ኣይሪኦን ንዝብልዎ ሰራዊት ብዛዕባ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣዛቢዖም ከረድእዎ ምፍታኖም ንዓና ኣብ ኩናት ንምጥባስ ዘንቀደ ጎስጓስ ኢዩ፡፡ በዚ ዝደናገር የዋህ ድማ ኣይክሰኣንን ይኾውን፡ እንተ እቲ ሓቂ ግና ብኣንጻሩ ኢዩ፡፡ ኣጋጣሚ ኮይኑ ቅድሚ 3 ኣዋርሕ ካብ ሓደ ኢዱ ዝሃበ ኣምሓራይ ወተሃደር ወያነ ሓቲተ ዝተረዳእኽዎ ሰራዊት ወያነ እቲ “ንሶም ቶም መራሕትና” ዝብሉና ዓይነት ሰራዊት ዘይኮነ ብድሌቱ ዝኽተብ፡ ብዕድመ ንኡስ፡ ናይ መብዛሕትኡ ሞራል ልዑል ስክፍታ ዝበሃል ከምዘይብሉ፡ ብዓቕሚ ሰቡ ምሉእ፡ ምሉእ ዘይጉድል ቀረባት ከምዘለዎ፡ ሕጉስን ውሁድን ከምዝኾነ ኢዩ ገሊጹለይ፡፡ ከምዚ እንተኾይኑ ደኣ እሞ ስለምንታይ መጺእኻ ዝበልኩዎ ወተሃደር ወያነ ምስ ሓላፊኡ ተባኢሱ ምምጽኡ፡ ንዓይ ከዕልለኒ እንከሎ ከም ዓርኩ ደኣ’ምበር ልኡኽ መንግስቲ ገይሩ ይርደኣኒ ስለዘይነበረ ብክፉት ኣእምሮ የዕለልለኒ ስለዝነበረ ስክፍታ ኣይነበሮን፡፡ ኣነ’ውን ንመንግስቲ ዝጠቅም ሓበሬታ ክረክብ ኢለ ኣይሓተትኩዎን፡፡ ብመንፈስ ተረዳዲእና ኢና፡፡

ስለዚ እቲ “ንሳቶም” ዝብሉናን እቲ ብደቓይቕ ዘቕረብወኩዎ ሕቶታት ሰራዊትን እምበር ተወሳኺ ርእይቶታት ተኣከብቲ እኳ ዘይነበሮ ጸብጻብ ሪእኻን ሰሚዕኻን ሰራዊትና ኣብ ምንታይ ህሞት ኢዩ ዘሎ ብቀሊሉ ንምዕቃን ይከኣል ኢዩ፡፡ ካልኣይ ከኣ ኣብ ቀረባ ብሙሩኻት ዜጋታትና ዝቐረበ ሓበሬታ ኣሎ እቲ ሓቂ ንሱ ኢዩ፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ፡ ንውድብ ”ህ.ግ.ደ.ፍ.” ንካድራቱን ፡ ንሓለፍቲ መንግስትን ደቅና ዝብል ቃል ሓዲጉ “ንሶም” ን”ሳቶም” “ንሱ” “እቲ ሰብኣይ” ብምባል ኢዩ ዝጸርሖም፡፡ ኣነ እውን “ንሕናን ንሳቶምን” ደቓይቕ  ብትብል ኣርእስቲ ኣሰኒየ እዚኣ ይሰደልኩም ኣለኹ፡፡

T.Z ኣብዚ ወድሓንኩም


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...