ንሕናን ያኢ መሰልና ተጋሂሱ ናብራና ተሓሚሱ ጽማልያ ወሪሱና፡ ንነጻነት ብሕሱም ባህጊ ዝተጸበይዋ ደቅና ኣራዊት ሒዛትሎም መጺኣ፡ ኤርትራ ናብ ዓባይ ማሕዩር ተቐይራ፡ ሃጽ ኢሎም ተባሪሮም፡ ገሊኦም ውቅያኖስን ምድረበዳን ውሒጡዎም ድራር ዓሳን ኣራዊትን ኮይኖም፡ ገሊኦም ከኣ ኣካላቶም ብበደዊን ሲናይ ከም ኣቕሓ ይሽነንን ይሽየጥን ይልወጥን ኣሎ። ኤርትራ ሃገርና ብኹሉ ዓለም ተጸሊኣን ተፈንፊናን ተኣጊዳን፡ ናይ ኲናት ደበና ከም ሕሱም ኣንጸላልዩና፡ ተሽቚሪርና ባሕሪ ከብድና ሓቚፍና ከለና ‘ሓጺሩኒ እንተበልኩስ ንሱ ኸኣ ተደቢሩ ይስዕስዕ’ ከምዝበሃል፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ፈቐዶ ህግደፍ ኣበራቱ ንምኽዋልናይ ህዝቢ ሓላይ ንምምሳል ዘዳልዎ ኣኼባታትን ጽንብላትን ሰላማዊ ሰልፍታትን፡ ብባንዴራታት ተወሪቕኩም፡ ብኽንደይ ሕስረት ዘጥረኹሞ ወርቅን ጨርቅን ኣጊጽኩም፡ ንውልቀ መላኽን ንምልክን፡ ንብድዐን ንኽሕደትን ክትውድሱን ከተጣቕዑን፡ ኣብ ቅድሚ ቲቪ ኤረ ክትድብሉ፡ ፈዳሕዳሕ ክትብሉ፡ ንጃህራን ዓዶኽዶኽን መሳርሒ ክትኮኑ፡…. ንዝንተ ዕለት ዘይሃስስ ዓቢ ታሪኻዊ በደል ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ ሃገርኩምን ትፍጽሙ ኣለኹም።”

“ንሕና ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለናስ ልብና ብቑሱሉ ዝተበሃልናዮ እንተደገምናን፡ ግበሩ ዝበሉና እንተገበርናን እስከ ደሓን! ኣብ መፈንጠሪያ ኣብ ማሕነቖ ምህላውና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣጽፋር ናይ’ዚ ሕድሪ ስውኣት ጠሊሙ ብጭውያን ቅንጸላን ዝተጠመቐ ጨካን መንግስቲ፡ ኣብ ክሳድና ተሸኺቱ ምዕይ ምባል ኣጸጊሙና ስለዘሎ እዩ። ክሳብ ገለ መፍትሒ ንረኽበሉ፡ ‘ጽላልካ ኣንብረልና ኣምላኬ፡ ቅድሚ ዝኣገረ ምስ ዝቐደሙ ኣይተቐድመና’ ንብል፡ ንጽልን ንምህለልን! ንስኻትኩምከ? አረ ንስኻትኩምከ እንታይ’ዩ! አረ እንታይ’ዩ ከምኡ ዘግብረኩም?”

“ምናልባት መንግስቲ ኤርትራ መሬት ንኻልኦት ሓሪሙ ንዓኹም ስለ ዝዓደለ ድዩ፧

ኣብ ኤርትራ ከምድላይኩም ገዛ ክትገዝኡ ክትሸጡ ክትልውጡ ክፉት መሰል ንዓኹም ስለዝለገሰ ድዩ፧ ነብስኹምን ደቅኹምን ካብዚ ንነብስናን ደቅናን ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብዘይ ናይ ግዜ ገደብን ብዘይ ግቡእ ደሞዝን ክንክንን ነሕልፎ ዘለና ባርነት፡ ደቅና ካብ መርዓን ደርዓን ውላድን ተሓይሮም ኣጒሎም ተሪፎም፡ ዕድመ ዘጥቅዖም ኣረጋውያን ወለዲ ዝጥውርዎም ደቆም ተገፊፎም ዘሕልፍዎ ዘለዉ ሕማቕ ናብራ….. ነጻ ስለዝገበረኩም ድዩ፧

ኣብ ኤርትራ ዝሰራሕኩዎ ገዛ፡ ብኢዳዙር ዘጣጣሕክዎ ትካል፡ ኣብ ባንክ ኤርትራ ዘቐመጥኩዎ ገንዘብ ከይወስዱለይ ድዩ፧ ዓመት ዓመት ነብሰይን ደቀይን ናብ ኤርትራ ክመላለስ፡ ናይ ወጻኢ ባጤራ ስለዘለኒ ልዑል ክብሪ ዶላርን ፓውንድን ኤውሮን ተጠቒመ ኣብ ልዕሊ ባጤራ ናቕፋን ኣብ ልዕሊ ድኹማትን ጽጉማትን ደቂ ዓደይ ከውደልደል፡ ኣብቲ ዘለኹዎ ሃገር ወሪሱኒ ዘሎ ጭንቀትን ተነጽሎን ጽምዋን ንምፍዋስ ናይ ምዝንጋዕን ምድሳትን ታሃነይ ከውጽእ… ዕንቅፋት ከይገብሩለይ ድዩ፧

ኣብ ዝነብረሉ ሃገር ዘሎ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ፡ ኣይትኺድዎ ኣይትቕረብዎ ኣይትራኸብዎ፡ እዚ ወያነ’ዩ እዚ ሽያጥ ሃገር’ዩ ብማለት ሽመይ ኣጥፊኡ ኣብ መዓልታዊ ስርሐይ ከይተናኾለኒ፡ ምስ ደገፍቲ ህግደፍ ኣጻሊኡ ዝጠልቡኒ ዓማዊል ከይስእን፡ ዕዳጋ ከይጎድለኒ ድዩ፧ (ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ደረፍቲ፡ ሙዚቀኛታት፡ ነጋዶን ካልኦት ምስ ኣብ ከባቢኦም ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝተኣሳሰር ዋኒን ዘለዎም …ወዘተ) ኣብ ውሽጢ ሃገር ጥር ዝብል ዝሕንጠጥ ዝሽርጠጥ ዝምቋሕ ዝግረፍ ዝጠሚ ዝሳቐ ሰብ ስለዘይገደፍኩም ድዩ፧ ኣብ ኤርትራ፡ ሓወይ፡ ዘመደይ፡ ወዲ ዓደይ፡ ወዲ ሃይማኖተይ፡ በዓል ስልጣን ኣለኒ ከየቐይሞ ካብ ዝብል ድዩ….ድዩ…ድዩ! ካልእ ግን ክኸውን ኣይክእልን’ዩ።”

“እዞም ዓበይቲ ዝመስልኹም ግን ከኣ ምስ’ቲ ንሕና ወሪዱና ዘሎ መዓት ኣዝዮም ንኣሽቱ ረብሓታት፡ ልዕሊ ሕልናኹም ብምቕዳም፡ ብቐትሩ ጸልሚቱና ኸሎ ጸሓይ በሪቓትልኩም ክትብሉና፡ ኤርትራ ኣብ ኣፈፈት ንልኡላውነታ ዝፈታተን ተኣፋፊ ሓደጋ ተቓሊዓን ተነቚታን፡ ልብናን ቀልብናን ተሰሊቡ መሪሩና ደም ኣጉሲዑና ከሎና፡ ንስኻትኩም ንባዕልኹም ብኣውራጃን ሃይማኖትን ዝተጐዛዞኩም ክነስኹም ብኣፍኩም ግን ብዛዕባ ሓድነትን ሓደ ልብን ክትዝምሩን ክትጭድሩን…. ዕምርና ኣሕጺርኩም ዕምሪ ውልቀመላኺ ክትመጡ ብማዕዶ ክትጎጥዩና ሕማቕ’ዩ! ነውሪ’ዩ! ተግድዑናለኹም! ምናልባት ኣይወዓልናዮን፡ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ጉልቡብ ሽርሕታት ነጻ ኢና ትብሉ እንተዀንኩም ግን፡ ጸገምኩም ኣብ ኣእምሮኹም ሱር ሰዲዱ ዝሰረጸ ፍርሕን ራዕድን ጥራይ ክኸውን ኣለዎ።”

ኣብ ቀብሪ ናይ ናይዝጊ ተሳቲፎም መንግስቲ እንተፈሊጡ፡ ስእሎም ኣንተተላኢኹ፡ ገለ ካብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ንኣሽቱ ረብሓታት ከይጎድሎም ወይ ከኣ ብራዕዲ ዝቦኽቦኹ መሽኳታት፡ ሕልንኦም እናወቐሶም ብስክፍታ ተመሊኾም፡ ተኣልዮም ተሓቢኦም ዝወዓሉ ውሑዳት ኣይኮኑን።

“ኤርትራ ፍትሕን ርትዕን ዝነገሰላ ሰብኣዊ መሰላት ዝኽበረላ ውሃ ዘበለት ዲሞክራሲያዊት ሃገር’ያ ኢልኩም ከምቲ ኣብ ጎደናታት ዝተፈላለያ ከተማታት ዓለም ትጭድርዎ፡ ብልብኹም ናይ ኡውነት ትኣምኑሉ እንተኾንኩም፡ ‘ኤርትራ ነጻ እንተወጺኣ ባልጃይ ድሉው ስንቀይ ቁጹር፡ ሓንቲ ለይቲ ኣይሓድርንየ’ንዶ’ ይበሃልን ይዝመርን ኣይነበረን። ክንደይ ካባኻትኩም’ዮም ብድሕሪ ናጽነት ናብ ኤርትራ ጠቕሊሎም ኣትዮም? ብዘይምግናን በጻብዕቲ’ዮም ዝቑጸሩ። ክንደይ ካብኣቶምከ ኩሉ’ቲ ኣብ ወጻኢ ከለዉ ከም ውሁብ ዝቖጽርዎ ናይ ምግባርን ምዝራብን መሰላቶም ተጋሂሱ፡ ኣጽንሓለይ! ቀፍደለይ! እሰሮ! ደርግሞ! መን’ዩ ኣሳሪኻ መን’ዩ ፈታሒኻ ዘይፍለጠሉ፡ ምዩቕ እናበለ ዝሓቕየካ ጽንኩርን ሃዋጽን ናብራ ክጻወርዎ ስለዘይከኣሉ ሃጽ ኢሎም ንኤርትራ ኩቦ ደርብዮሙላ ናብ ዘዝነበሩዎ ሃገር ተመርቂፎም።” ይቕሬታ ግበሩልና! ክትመረኩም’ያ! እታ ሓቂ ግን ንሳ’ያ!”

“ንስኻትኩም ንዕረፍቲ ኮነ ቤተሰብኩም ንምብጻሕ ናብ ኤርትራ ክትመጹ ከለኹም ገና እትው ከይበልኩም ብቤተሰብኩም ትወሃበኩም ጽንዕቲ መጠንቀቕታ እንታይ ድያ? “እዛ ሃገር ብሰለይትን ሓሰውትን ተጎቢኣ ስለ ዝኾነት ወላ ምስ ትፈትዎ/ትፈትዋ ዓርክኻን/ኽን ዝቐርበካን/ክን ኣብ መንገድኻ/ኺ ዘጋጥመካ/ኪ ብዛዕባ ፖለቲካ፡ ብዛዕባ መንግስቲ፡ ብዛዕባ ሰበስልጣናት መንግስቲ ኤርትራ ሓንቲ ሕማቕ ነገር ብጩቕ ከይተብል/ሊ” ዶ’ይኮነትን። በዛ መጠንቀቕታ’ዚኣ ተሰናቢድኩም፡ ክንደይ ሕማቕን ባህ ዘየብልን ነገራት እናረኤኹምን እናሰማዕኩምን፡ ሕድሪ ስውኣት ተጠሊሙ ሕልናኹም እናወቐሰኩም፡ ሓንቲ ቓል ከየውጻኹም ኣፍኩም ብዕቡሱ ናብቲ ዝመጻኹምሉ ትምለሱ። ኣብ ቦታኹም ምስ በጻሕኩም፡ ገና ኣብ ኤርትራ ዘለኹም ኮይኑ ስለ ዝስምዓኩም፡ ‘ዓዲ ከመይ ረኺብኩሞ’ ዝብል ሕቶ ክቐርበልኩም ከሎ፡ “ዓዲ ጽቡቕ ኣሎ፡ ወላ ሓንቲ ጸገም የለን፡ ብላዕ ዎስተ ሽሻይ መሊኡ!!!!!’” ወልደጋብር እዚዶ ዓዲ የጋብር!

“ብኻልእ ወገን ክንደይ መንእሰያት’ዮም ዝሕዙዎን ዝጭብጥዎን ጠፊኡዎም ብሃንቀውታ ዝተጸበዩዎ ነጻነት ብኹሉንትንኡ ተፊኡዎም፡ ትስፉው መጻኢ ሓርቢትዎም፡ ካብ  ኤርትራ ተባሪሮም ኣብ ባሕርን ምድረበዳን ኣደዳ ሞትን ስቅያትን ኮይኖም ዘለዉ? ካብዚ ሓሊኹና ዘሎ መከራ መታን ክናገፉ’ዶይኮነን ኣሕዋትኩም፡ ኣሓትኩም ወይ ናይ ቀረባ ቤተሰብኩም ናብቲ ዘለኹሞ ወጻኢ ንምስሓብ ኣሻሓት ዶላራት ዘርዚርኩምን ትዝርዝሩ ዘለኹምን። ከምኡ ሳላ ዝገበርኩም ዶ’ይኮነን ሎሚ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ካልኦትን፡ ካብ ሓደ ኤርትራዊ ቤተሰብ ካብ ሓሙሽተ ኣባላት ንላዕሊ ምህላው ንቡር ኮይኑ ዘሎ። ስለምንታይ ደኣ ከምኡ ጌርኩም፡ ጌና’ውን ከምኡ ትገብሩ ኣለኹም?” ስለምንታይ!

“ኣብ ስደት ዘለኹም ኤርትራውያን በብግዜኡ ናብ ቤተሰብኩም ገንዘብ ብምልኣኽ ትረድኡና ኢኹም። ከምኡ ምግባርኩም ዝምስገን ሰናይ ተግባር’ዩ። ኣብ ስደት፡ መብዛሕትኹም ኣብ ሕማቕ ስራሕ ተዋፊርኩም ዘጋጥመኩም ናይ መነባብሮ ክብደትን ጭንቀትን ሰፍ ዘይብል ምዃኑ ንሰምዕን ባዕልኹም’ውን ትነግሩናን ኢኹም። እዚ ብዘየግድስ  ምትሕግጋዝኩም ግን፡ ዝድርበይ ገንዘብ ሃሊዩኩም ዘይኮነስ፡ ሓደ ካብቲ ንኾርዓሉ ክቡር ባህልና ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ እዞም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለና ቤተሰብኩም ስለ ዝኸፍኣናን፡ ነብስና ባዕልና ክንክእል ኣዝዩ ስለዘጸገመናን ጥራይ እዩ።”

“ኣብ ኤርትራ ሎሚ ብህግደፍን ብዓለምን ተኣጊድና፡ ኣብ ሃገርና ዝፈርዩ እኽልን ሓሩጭን ከም ናይ ኮንትሮባንድ ኣቑሑት ዝህደንሉ ዘለዉ ወቕቲ በጺሕና ኣለና። ዝሽመት እኽሊ ተሓሪሙና፡ ጸባ ንቖሉዕትና የለን፡ መዓልታዊት መቑነን ሓንቲ ባኒ ንሓደ ሰብ፡ ላምባ በንዚን ብኩፖን፡ ነዊሕ ሰዓታት ዝወስድ መስርዕ ተጸቢኻ ተወዲኡ ኢሎም ኣናባረሩኻ፡ ማይ ብተርታ፡ ኤለትሪክ ብተርታ፡ ሎሚ ኣሎ ጽባሕ የለን፡ ከተማታትና ብለማኖን ጽጉማትን ተጎቢኤን፡ እኹል ሕክምናን መድሃኒትን የለን፡ ንዓመታት ዝነበርናሉ ደቅና ወሊድና ዘዕበናሉ ገዛውትና ብሰበ ስልጣን መንግስትን ኮረኔላትን ተወሪሱ፡ ነብስናን ንብረትናን ኣብ ጽርግያ ተዛሕዚሑ። ጭንቅናን መከራናን መወዳእታ የብሉን ጥራይ ዘይኮነ ኣዳዕዲዕኩም ትፈልጥዎ ኢኹም። ከምኡ ክንድዝኾነ’ዩ ንስኻትኩም ደቅኹም ሒዝኩም ወላ ንሓጻር ግዜ ናብ ኤርትራ ክትመጹ ከለኹም፡ ነብስኹምን ደቅኹምን ከይሓስመኩም፡ ጸባን መግብታትን ወላ ማይ ከይተረፈ ብመራቢል ጽዒንኩም ትመጹ።”

“ንስኻትኩም ናብ ውሽጢ ኤርትራ ንዘለዉ ዘመድ ኣዝማድ ገንዘብ እናለኣኽኩም፡ በብእዋኑ ዝልበስን ዝርገጽን ብካርጎ እናጸዓንኩም፡ እናኽትመጹ ኸኣ ሃጓፋት አናሸፈንኩም ስለትናብዩዎም፡ ካብቶም ከምዚ ዓይነት ዕድላት ዘለዎም ቤተሰብ፡ ሓሲሙና ሕማቕ ኣለና ዝብል ምናልባት ሰሚዕኩም ኣይትፈልጡን ትኾኑ። ወሸለ ኩሉ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነብር ኤርትራዊ ቤተ ሰብ፡ ሓሓደ ብኸምኡ ዝዕንግሎ ኣብ ወጻኢ እንተዝህልዎ። እዞም ለባማት ወይ ዕድለኛታት ግን ክንደይ ክፋል ናይ ህዝቢ ኤርትራ እዮም? ኣዝዮም ውሑዳት።”

“ብዙሓት ስድራቤታት ደቆም ንሰውራን መስዋእትን ወፍዮም ወላድ መኻን ኮይኖም ዝተረፉ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ በብእዋኑ ገንዘብ ዝሰዱ ኣባላት ቤተሰብ ፈጺሙ ንጨና ዘይብሎም፡ እቶም ዝበዝሑ ክፋል ህዝቢ ኤርትራኸ ነዛ ድራር ዕለቶም ንምርካብ ቋሕ ተበልካ ሰማይ ቋሕ ተበልካ መሬት ኮይኑዎም ክሳብ ከንደይ ተሳቕዮምን ተማሪሮምን ምህላዎምከ ገለዶ ይርድኣኩም፡ ገለዶ ይስቆረኩም!! ኣብ መንጎ፡ እቶም ቅድም ብናቶም መንገዲ ድሕሪ ነጻነት ከኣ ምስቶም ናይ ሰብን ንብረትን ኮንትሮባንድ ስግረዶብ ምትሕልላፍ ደላሎ ተቐይሮም ዘለዉ ሰበስልጣን መንግስቲ ብምምሽጣር፡ 2,3..ክሳብ..6,7 ደቆም ናብ ወጻኢ ኣስሊኾም ዘዕቆቡ ስድራቤታት፡ ምስቶም ሓደ 2,3…ክሳብ…6,7 ደቆም መንኩቦም ጠብጢቦም ጽኑዕ ርገጽ/ጺ ኢሎም መሪቖም ናብ ሜዳ ኣፋንዮም፡ ብመስዋኣቲ ዝነደዩ ቀባሕባሕ ኢሎም ዝተረፉ ስድራቤታት ዘሎ ናይ ናብራ ጋግን ናይ ኣእምሮ ጭንቀትን ኣስተብሂልኩምሉዶ ትፈልጡ! ሕርኽርኽዶ ይብለኩም! እታ ቀዳመይቲ ብብዙሕ ኩርናዓት ሽሻይ ክፈሰላ ክትዕንገል ከላ፡ እታ ካልኣይቲ ኸኣ ኣብ መንደቕ ተር ከም ዓተር ተሰሪዑ ዘሎ ናይ ዝተሰውኡ ውላዳ ናይ መስዋእቲ ሰርቲፊኬት ክትቆጽርን፡ ምቕሊ ስኢና ሓመድ ሓፊሳ ክትቃዝን ትነብር ዘላ ስድራ ቤት እያ። ክንደይከ ከምዚኣቶም’ዮም ብዕድመ ዝሸምገሉን ብመስዋኣቲ ውላዶም ዝሳጸዩን። ውላዶም ንሃገር ስለዝተበጀወ ብዓሰርተ ሽሕ ናቕፋ ጋር ነብሲ ተደቢሶም ከብቅዑ፡ ጽንሕ ኢሎም ከኣ ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሐ ውላድኩም ሃዲሙ ወይ ኮብሊሉ ብማለት ሓሙሳ ሽሕ ናቕፋ ወይ ሕሱም ማእሰርቲ ዝተበየነሎም! ርትዓውነት ዘይመባልዕቱ ኣስሓኮ ዝተሓረሞ ሕሱም ግዜ ኣርኪብና!” ክንደይ ካብዚ ዝኸፍእ ኣሎ ዝተባህለስ….እዚዶ

“ብኻልእ ወገን እዛ ኣብ ወጻኢ ኾንኩም ትጭድሩላ ኤርትራ፡ ሰብኣዊ ክብሪ ዝሕለወላን ፍትሒ ዝነገሰላን ብዘይ ምዩቕ ትነብረላን ምድረ ገነት ኣንተኾይና፡ ንሕና ኸኣ ርህዩናን ተዛኒናን ሃጢርናን አንተሊና፡ ስለምንታይ ንስኻትኩም ብናፍቖት ተዋሒጥኩም ኣብ ስደት ግዜኹም ተባኽኑ ኣለኹም? ሃየን’ዶ ሳምቦ ሳምቦ ንበል፡ ንዑ ከይወዓልኩም ከይሓደርኩም ተጸምበሩና፡ ንዑ ናብ ሃገርኩም ተመለሱ። ኣብ ስደት ዘሎ ኤርትራዊ ፍልጠቱን ተሞክሮኡን ፋይናንሲያዊ ዓቕሙን ኣኻኺቡ ሳቮያ ኢሉ ናብ ኤርትራ እንተዝኣቱ፡ ኤርትራ’ኮ ካብዚ ወዲቓትሉ ዘላ ፍኒሕኒሕ ምበለት፡ ወላ’ውን ምወቀበት! ‘ ግን ኣይትውዕልዋን ኢኹኹ’ኹም፡ ኣይትገብርዋን ኢኹኹ’ኹም!’”

“ከምኡ ክሳብ ዘይገበርኩም፡ ‘ዒራ ዘይስንኻ ሑጻ ቆርጥመሉ’ ከምዝበሃል፡ ሕድሪ ስውኣትና ጠሊሙ ብስም ስውኣትና ዝሽቅጥን ንብዓት ሓርገጽ እናፍሰሰ ዝመጻደቕ ውልቀመላኺ ዝድህካ ዘሎ ኤርትራ፡  ልዕልነት ሕጊ ዘይብላ፡ ሰብኣዊ መሰላትና ዘይክበረላ ሃገር ክነሳ፡ ከም ፍትሕን ዴሞክራሲን ዝነገሰላ ሃገር ንኸተምስሉ፡ ንመታለሊ ፕሮፓጋንዳን መሳርሒ ቲቪ ኤረን ካብ ምዃን ሓደራኹም ተቖጠቡልና።” ብማለት ‘እናሰምዐ ዝደቀሰ መድፍዕ ኣየተስኦን’ ከምዝበሃል፡ እናረአኹም እናሰማዕኩም ኣዒንትኹም ኣይትጽቀጡ፡ ሃየንታ ኣለዎ። ኣውያትና ሰሚዕኩም ተበራበሩ። ብስም መንግስቲ ዝተጠመቐ ጉጅለ ሽፍታ ኣይተቀናጅዉ ሓደራ! ሓደራ ብሰማይ ሓደራ ብምድሪ!” ክንደይ ካብዚ ዝኸፍእ ኣሎ ዝተባህለስ….እዚዶ

“ካብኡ ዝገደደ ኸኣ፡ ዕላማን ተልእኮን ናይ’ቲ ብህግደፍ ዝጥለብ ኣኼባታት ዝዋደድ ጽንብላት መበገሲኡ ተረዲኡዎም ወይ ዓጢጡዎም ዘይኮነስ፡ ኣብ ቲቪ ኤረ መታን ክረኣዩ፡ ረኣዩኒ! ረኣዩኒ! ዝመበገሲኡ፡ ኣብ ዙርያ ሰበስልጣን ወዘኽዘኽ ዝብሉ፡ ደድሕሪ ካሜራ ዝቐንዓቶ ዝጓየዩ ብዙሓት ኣለዉ! ከምዚኣቶም ክትርኢ ከለኻ፡ ስውኣትና ተንሲኦም እንተዝርእይዎምስ እንታይ ኮን ምበሉ! “እዛ ህይወትና ዝተበጀናላ  ኤርትራ ከምዚ’ላ ተደዊና ኸላ፡ እዚኣቶም ከኣ ኣብ ቅድሚ ተለቪጅን ምውድኽዳኽ ተራእይዎም” ምበሉ፡ ኣዝዮም ከኣ ምጐሃዩን ምኸዓቡን።”

ሕድሪ ስውኣትና ከምኡ ኣይነበረን! ግደ ሓቂ ክንዛረብ እዛ ወቐሳ”ዚኣ ቀላል ኣይኮነትን፡ ኣብ ምንታይ እየ ዘለኹ፡ ኣበየነይቲ ወሽመጥ’የ ኣዝጊበ ዘለኹ፡ ኣበየናይ ሩባ’የ ተሓቢአ ዘለኹ፡ ኣበየናይ ጎቦ ሓዂረ’የ ዝጭድር ዘለኹ፡ ኣበየናይ ዳስ’የ ዘኹድድ ዘለኹ ኢልና ነፍሲ ወከፍና ሕልናና ክንምርምር ግዜኡ በጺሑ’ዩ። ዝኾነ ኤርትራዊ ልቡ ኣንጺሁ ኣማዕዲዩን ኣርሒቑን ኣንተጠሚቱ፡ ካብዚ ንናይዝጊ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ኣዝዩ ዝኸፍአ ብዙሕ ኣሎ ዝተባህለ፡ ኣማን ብኣማን  ህያው ምዃኑን፡ ጋሪዱዎ ዘሎ ጸሊም መጋረጃ ክቕንጠጥን ናይ ግዜ ጉዳይ ጥራይ እዩ።

ናይ ናይዝጊ ታሪኽ፡ ናይ ቃልስን  ሃገራዊ ፍቕርን፡ ምእንቲ ድሕነት ሃገር ንኹሉ ዓይነት ሽግራት ተጻዊርካ ክሳብ ንመስዋእቲ ድሉውትን ዝመለለይኡ ታሪኽ ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን። ናይዝጊ ካብቶም ኩሎም ሕጂ ኣብ ስልጣን ኮይኖም ሬሳኡ ናብ ኤርትራ ከይኣቱ ሑሕ ዝብሉ ዘለዉ፡ ዝነውሐ ናይ ቃልስን መኸተን ታሪኽ ኣለዎ። ንሱ ንነዊሕ ዓመታት ሓደ ካብቶም ዝረኣዩን ፍሩያትን ሓለፍትን ኣገልገልትን ውልቀመላኺ፡ አረ’ኳደኣ ልዕሊ ኻልኦት ተጠማትን ተሓማይን  ከምዝነበረ ንማንም ብሩህ’ዩ።

ኣብዚ ናይ ነዊሕ ሃገራዊ ኣገልግሎቱ፡ ትእዛዝ መራሒኡ ንምፍጻም ድዩ፡ ንመራሒኡ ንምሕጓስ ድዩ፡ ንውልቃዊ ጨካን ሸውሃቱ ንምርዋይ ድዩ፡ ተጋግዩ ወይው’ን ኣጋግዮሞ ድዩ፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ዝፈጸሞ ቅትለት ማእሰርቲ ወይ ካልእ ብሕግን ብሕብረተሰብን ዘሕትቶ ገበናት እንተልዩ፡ እቲ መዝገብ ሕጅ’ውን ርሑው’ዩ ኣየኽተመን። ዝተፈጸመ ገበናት እንተልዩ ኸኣ ናይዝጊ ጥራይ ዘይኮነ ኩሉ’ቲ ኣብቲ ውድብን መንግስትን ዝነበረ በብደረጅኡ ተሓታታይ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን።

ልክዕ’ዩ ናይዝጊ ኣብ ቅድሚ ሕግን ኣብ ወግዓዊ ቤት ፍርድን ከይቀረበ፡ እቲ ብዝተፈላለዩ ወገናት ፈጺሙዎ ኣናተባህለ ዝዝርጋሕ ዘሎ ክስታት፡ ብጭብጥን መርትዖን ተመምዩን ተረጋጊጹን ኣብ ፍርዳዊ ዓውዲ ግቡእ መዛዘሚ ተበይንሉ፡ መንዩ በደለኛ ተለልዩ፡ ተበዲልና ዝብሉ ወገናት ከኣ ንልዕልነት ሕጊ ኣመስጊኖም እፎይታ ከይረኸቡ ከለዉ፡ ሞት ኣርኪባቶ!! ሞት ከኣ መዳርግቲ የብላን።

ብኣንጻሩ ናይዝጊ’ውን እዚ ዝበሃል ዘሎ ክስታት ርጉጽነት ዘይብሉን ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ንጸለመ ዝዓለመ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ‘ኣቦይ ቀሺ ዝበልዕዎ ሕምቶስ ኣደይ ኢታይ የጉስዓሉ’ ከምዝበሃል፡ ኣዘዝትን ፈጸምትን ካልኦት ክነሶም ንሱ ተሰካም ዕዳ ክኸውን ኣይፍትሕን። ኣብ ነጻን ፍትሓውን መድረኽ ቀሪቡ ነብሱ ናይ ምክልኻል መሰሉ ተኸቢሩሉ፡ እቲ ዝበሃልን ኣብ ወረቐት ዝሕንጸጽን ዘሎ ወቐሳታት፡ ንዕኡ ዘይምልከት ንሱ ንጹህ ምዃኑ ከይተመስከረሉ፡ ዝተፈጸመ ገበናት’ውን እንተልዩ በዓል መን ተሓተትቲ ምዃኖም ከይጠቆመ፡ ከም ጲላጦስ ኢዱ ተሓጺቡ ንነብሱ ሓራ ከይገበረን፡ ረዚን ምስጢራት ከየስሎኸን ከይሓበረን ፡ ሞት ኣርኪባቶ!! ሞት ከኣ መዳርግቲ የብላን። ንታሪኽ ንመጻኢ ወለዶታት ብውርሻ ክመሓላለፍ ዝግብኦ ሃገራዊ ሃብቲ ምስ ነብሱ ቀቢሩዎ። ኣይግድን!

ናይዝጊ ካብ መቓብር ተንሲኡ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ኣይኮነን ወይ ከኣ ናይዝጊ ኣብ ለንደን ይቀበር ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ይቀበር ገዲሱዎ፡ ክሓዝን ወይ ከበሮ ሓምሓሙ ክወቅዕ ኣይኮነን። ኣብ ምድራዊት ዓለም ዝነበረቶ ሓንትን ውስንትን ኮንትራት ኣብቂዓ’ያ። ብኣንጻሩ እቲ መዝገብ  ናይ ታሪኽ፡  ናይዝጊ ተሓታትነቱ  ንታሪኽ፡ ደረት ኣልቦ ኮንትራት ስለዝኾነ ንዝንተ ዕለት ኣይዕጾን’ዩ። ሞት ስለዝቐደመት ንሬሳ ምኽሳስ ፋይዳ ስለዘይብሉ፡ ዘገም ኢልና ንጥዑም ግዜን ንታሪኽን ንገድፎ። ኛምኛም ዝብሉ ኣዛብእ ጸራሪጉ፡ ሰላም ዝሰፈኖ ሰናይ ግዜ የምጻልና!

ብዛዕባ ናይዝግን ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮ መዳርግቲ ዘይብሉ ኣበርክቶን ፈጺሙዎ ዝበሃል ገና ዘይተረጋገጸ ገበናትን፡ ካብ ብተግባራቱ ብኣፉን ብልሳኑን ዘምጽኦ ጣጣን፡ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ ኣረኣእያን ስምዒትን ክህልዎም ግን መሰሎም ኣዩ። ብቐረባ ብዝፈልጡዎን ተበዲልና ዝብሉን፡ ብፈጺሞም ነዛ ንገጹ ርእዮሞ ዘይፈልጡን፡ ኢሎሞ፡ ኢሎምና፡ ተባሂሉ፡ ይበሃል ኣሎ ኣናበሉ፡ ወግሐ ጸብሐ ክስታትን ወቐሳታትን ክጽሕፉን ክድርድሩን ዝውዕሉ ዘለዉ፡ መጥቃዕቶም ናብ ናይዝጊ ዝቐንዐ ዘይኮነስ፡ ብቐዳምነት ናብተን ወላ ሓንቲ ሓጥያት ዘይብለን ግዳያት፡ ናብ በዓልቲ ቤቱን ናብ ደቁን ብሓፈሻ ናብ ምሉኣት ቤተሰቡን ዝቐንዐ እዩ። ንግዚኡስ እቲ ኻልእዶ ኣይምኣኸለንን!

ሕድሪ ስውኣት ብቓጻ ተደቝሱ፡ ህልዋት ሓርበኛታት ብጭውያን ቅንጸላን ማሕዩርን ጸኒቶም፡ ስንኩላንና ብዘይንሕስያ ተረሽሪሾም… ሸውሃቱ ግን ገና ኣይረደየን ገና ይሕንሕን’ዩ ዘሎ። ሰላሕታ ኲናት ኣንጻር ኤርትራዊ ሬሳ ኣዊጁሎ። ናይዚ እዋን’ዚ ነውራም ተረክቦ እምበኣር፡  እቲ ንኹሉ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዘሎ ኤርትራዊ ኣቖጢዑዎን እህህታ ፈጢሩሉን ዘሎ፡ ብዛዕባ ናይዝጊ በደል ኣለዎ ድዩ የብሉን ንምጽራይ ዘይኮነስ፡ ናይዝጊ ይኹን ካልኦት ብዘየገድስ፡ ብዛዕባ ምጥሓስ ብጹእን ክትንከፍ ዘይግብኦ ዘይሕከኽ መሰል ናይ ዜጋታት ሬሳ ኣብ መሬት ዓደቦኦም ምቕባር’ዩ። ርእሲ ቁምነገር ተጐስዩ፡ ኣድህቦን ቆላሕታን ናይ ሰባት ኣንፈቱ ንምስሓትን ንምድንጋርን፡ ከምዚ ዓይነት ብጽሑፍን ብቓልን ዝግበር ማይ ቅዳሕ ማይ መልስ ዝዓይነቱ ፋይዳ ዘይብሉ ክርክራትን ወቐሳን ምትፍናንን ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ መታን ክጐሃሃር፡ ኣጋጢሙ ዘሎ ተጻብኦ ንምምካት ክህልወና ዝግባእ ሓድነትን ኣንፈትን ንምብራዝን ንምድኻምን፡ ብህግደፍን ወይጦታቱን ኮነ ኢሎም ቅልውላው ንምፍጣር ይሰርሕሉ ከይህሉዉ’ውን ዕቱብ ቆላሕታን ጥንቃቔን ይሓትት’ዩ። ማዕከን 03 ካብዚ ዝዓቢ ውራይ የብላን።

ቅድሚ ሕጂ ብዙሓት ኣብ ወጻኢ ሞይቶም ሬሳኦም ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ ኤርትራ ክቕበሩ ዘይከኣሉ ወገናትና ከምዘለዉ ክሕበር ጸኒሑ። ዓቢ ጌጋ! ከምኡ ክኸውን ኣይነበሮን። ሬሳኦም ኣብ  ኤርትራ ክቕበር ብቤተሰቦም ተሓቲቱ ድዮም ተኸልኪሎም፡ ወይስ ኩነታት ኣብ ግምት ኣእትዮም ኣብ ወጻኢ ክቕበሩ ወሲኖም ወይውን ካልእ ምኽንያታት ሃልዩዎም፡ ብጭቡጥ ዝተሓበረ የለን። ግንከ! በቲ ኮይኑ በቲ ዓቢ ጌጋ! ክኸውን ዘይግብኦ፡ ክሕለፍ ዘይግብኦ ፍጻሜ እዩ።

‘ካብ ንሓዋሩ ዘይምግባር ደንጕኻ ምግባር’ ይሓይሽ ከምዝበሃል፡ ናይ ዝሓለፈስ ሓሊፉ’ዩ። ብድሕሪ ሕጂ ከምዚ ዓይነት ይኹን ካልእ ንህዝብና ብኣካልን ብመንፈስን ዘሳቕይዎ ዘለው ካብ ሕግን ካብ ሕልናን ዝረሓቑ ተጻብኦታት ክእለዩ፡ ኩሉ ዓቕምታትና ኣወሃሂድና ንምልክን ውልቀመላኽን ካብ ሱሮም ንምምሓው ክንምክት ኣለና።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና

ሰመረ ዮውሃንስ (2012)

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...