ካብ ሓርበኛታት ተቓለስቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ ውሽጢ ሃገር

ኣገዲሲ ሃገራዊ ጻውዒት ንሓርበኛታት ተጋደልቲ ህ.ግ.ሓ.ኤን ንህዜቢ ኤርትራን

እዚ ታሪኻዊ ሃገራዊ ጻውዒት እዚ ንኹለ ተጋዲሊይ ህ.ግ.ሓ.ኤን ንኹሉ ተቓላሳይ ኤርትራዊ ዜጋ ይምልከት። ኩሉ ከም ዝፈልጦ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ሰፊሕ ሃገራዊ ውድብ ኢዩ። መትከላቱን ዕላማታት ቃሌሱን ከኣ ብስሩ ናብ ናጻ ኤርትራ ዜጠመተ ድኣ እምበር ምስቲ ብቕልጽም ውጹዓት ምድምሳሱ ዘይተርፎ ዝነበረ ባዕዲዊ ወታሃደራዊ ገዛኢ ተደምሲሱን ታሪኽ ኮይኑን ዝተርፍ ዕላማ ኣይነበረን።

ንዓና ንተጋደልቲ ሓርነት ብእምነት ንኽንስዋእ፣ ክንስንክልን መዋእልና ክንበልን ዘብቅዐ ቀንዲ መትከላት ውድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ፡  ከም’ቲ ኣብ ጉባኤታቱ ዜኣወጆ፦

  1. መሰረታዊ ዕላማና፣ ምትካል ህዝባዊ ደሞክርያሳዊ መንግስቲ ኣብ ናጻ ኤርትራ ኢዩ። እዚ ማለት ብደሞክራስያዊ መገዲ ካብ ዝተመርሓ ናጻ ናይ ህዝቢ ወኪላት፣ ምርጫ ህዝባዊ ባይቶ ምቛም፣ እዚ ህዜባዊ ባይቶ ቅዋም ይሕንጽጽ፣ ሕግታት ይሕግግ፣ ህዜባዊ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት ይመርጽ፣ ዝብል ነቕ ዘይብል መትከል ውድብና’ዩ ኣቃሉሱና።
  2. ቐንዲ ሕመረት ዕላማታት ውድብና፣ ውድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣብ ናጻ ኤርትራ፣ ኤርትራዊ ናይ ርእይቶ፣ ናይ ግዜጣን ጹሑፍን፣ ናይ ኣኼባ፣ ናይ እምነትን ሰላማዊ ሰልፍን ሃገራውያን ናይ ፖለቲካ ሰሌፍታት፣ ሃገራውያን ናይ ሞያ ማሕበራት፣ ደሞክርያሲያዊ መሰላት ምሕላው። ከምኡ’ውን፣ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኩሎም ዛጋታት ኤርትራ ናይ ብሄርን ጾታን ወገንን ማዕርነት ምሕላው፣ ዝብል ዘየማትኡ ኣመና ንጹራት መሰረታውያን መትከላት ቃሌሲ ኩለ ተጋዳላይ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኢዮም። ምኽንያቱ ተጋዲሊይ ንናጽነትን ንሓርነትን ኢዩ ተቓሉሱ።

​ሃገርን ህዜብን ሓራ ኮይኖም ክበሃል እንተኾይኑ እዝም ኣብ ላዕሉ ዜተጠቕሱ ዕላማታት ግድን ክትግበሩ ይግብኦም። እዝም ዕሊማታት እዙኦም ኣብ ግብሪ ክሳብ ዘይወዒሉ፣ ተጋዲሊይ ቃሌሱ ኣፋሪቑ ደኣ እምበር ኣብ መዛዘሚ  ኣየብጽሖን።

ታሪኽና ከምዘዘንትዎ ካብ 1961 ክሳብ 1991 ዓ.ም ሃገርና ኤርትራ ብብረታዊ ተጋድሎ ካብ ባዕዲውያን ናጻ ጌርናያ፣ ካብ 1991 – 93 ጊዛያዊ መንግስቲ ኣቒምና። ብረፈረንደም ናጽነትና ኣውሒስና ሕጋውነት ከም ዝለብስ ጌርናን። ኩለ ተጋዲሊይን ህዝብን ክዜንግዖ ዘይብሉ ብረፈረደም ልዑላዊት ሃገር ክንውንን ከለና ጉዕዝ ቃሌስና ኣፋሪቕና ደኣ እምበር፣ ቃሌሲ ህዝቢ ኤርትራን ተጋዲሊይን ኣብ ምዝዛም በጺሑ ማለት  ኣይኮነን። ካብ ባዕዲዊ ገዚኢ ጥራይ ናጻ ትኹን እምበር ድሕሪኡ ኣየገድሰንን፣ ዝብል መዚዘሚ ዘይብሉ፣ ጎደሎ ዕላማ ሒዙ ኣይተቓለሰን ተጋዲሊይ ህ.ግ.ሓ.ኤ.።

ህ.ግ.ሓ.ኤ. ጉዕዝ ቃሌሱ ብዒወት ክዛዝ፣ ሕድሪ ሰማእታቱ ኣብ ምዕራፉ ክበጽሕ፣ ነቲ ድሮ ጀሚሩዎ ዜነበረ ምትካል ደሞክርስያዊ ስርዒት ጥጡሕ ባይታ ምእንታን ክፈጥር፣ ኣብ ግዜጣ ኣዋጃት ኤርትራ ቁ-37/1993 ከምዙ ኢለ ኣዊጁ።

ህዜቢ ኤርትራ፣ ሃገሩ ናጻን ሉኣላዊትን ንኽትከውን ብዒብሊሉ ድምጺ ብምውሳኑ ኤርትራ ናጻን ሉኡላዊትን ሃገር ኮይና ስለዘላ ክሳብ መሰረታዊ መሰል ዛጋታት ዘኽብር ፖለቲካዊ ብዘሕነት ዝረጋገጽ፣ ናይ ኩለ ሕግታት ምንጪ ዝኾነ ቅዋማዊ መንግስቲ ዝትከል፣ ንመሰጋገሪ እዋን መንግስቲ ክህልዋ ከምዘድሊ ኣብ መእተዊኡ ይገሌጽ። ናይ’ዚ መሰጋገሪ እዋን ሓላፍነት ዜተሰከመ መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ከም ዝቖመ ኣፍሉጡ። ዕድመ ስሌጣን ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ኣርባዕተ ዓመት ከም ዘይበዜሕ ብሕጊ ኣዊጁ።

ኩለ ተጋዲሊይን ህዜብን ከምዝፈልጦ፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ንኣርባዕተ ዒመታት ማለት ካብ 1993 ክሳብ 1997/8 ክሳብ’ቲ ቅዋማዊ ደሞክርስያዊ ስርዒት ዝትከል ጥራይ እዩ ንኤርትራ ክመርሓ ስልጣን ዜተዋህቦ። ቃሌሲ ተጋዲሊይ ህ.ግ.ሓ.ኤ ብፍሊይ ገድሊ ህዜቢ ኤርትራ ከኣ ብሓፈሻ ኣብ ምዕራፉ ዝበጽሕ፣ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ባዕሉ ዘጽደቖ ቅዋማዊ ስርዒት ክምራሕን ስልጣን ህዝቢ ብህዝቢ ንህዜቢ ምስ ዝኸውንን ጥራይ እዩ ቃሌሲ ህዜቢ መዛዘሚ ዝረክብ።

ብ20 ግንቦት 1993 ዓ.ም መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ቆይሙ። ነዘን ኣርባዕተ ዓመታት መሰጋገሪ መድረኽ ከም ፕረዚደንት መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ ከገልግለና  ንብጻይና ተጋዳላይ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ መሪጽናዮ። ብጻይና ተጋዲሊይ ኢሳይያስ ካብ’ቶም ቀዳሞት መስረትቲ ህዜባዊ  ሓይሌታት ኮይኑ ክሳብ ዕለተ ናጽነት ብናይ መሪሕነት ደረጃ ሃገራዊ ግቡኡ ዘወፈየ፣ ንሓርነታዊ ቃሌሲ ህዜቢ ኤርትራ ከም ኩለ ተጋዲሊይ እጃሙ ዘበርከተ ተቓላሳይ ብምንባሩ ኢና ነዚ መሰጋገሪ መድረኽ ክመርሕ መሪጽናዮ።

ኣብ 1998 ዓ.ም ኣብ ባህልን ታሪኽን፣ ኣነባብራን ክውንነትን ህዜቢ ኤርትራ ተሰሪቱ ብተሳትፎ ህዝቢ ዝተሓንጸጸ ቅዋም፣ ኣብ ግብሪ ክውዕል እናተሓስበ ከሎ ናይ ዶብ ኩናት ስለ ዘጋጠመ ኣንፈት ጉዕዝና ናብ ምውሓስ ሌዕሊውነትን ምክልኻል ዶብን ክኸውን ተገዲድና።

ኣብዚ  ክዝንጋዕ ዘይብሉ ኣገዲሲ ጉዳይ ኣሎ። ኩልና ተጋደልትን ህዜብን ከምንፈልጦ፣ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣብቲ መረርቲ ናይ ቃልሲ ዘመኑ፣ ካብቲ ዝኣምነሉ መትከላትን ሕግን ስርዒትን፣ ደሞክርያስያዊ መምሪሒኡን ምንቕ ኢሉ ዘይፈልጥ ውድብ ኢዩ። ስለምንታይ ደኣ ብኩናት ዶብ ኣመሳሚስካ ምትካል ስርዒተ ሕግን ቅዋማዊ መንግስትን ንሰለስተ ዓመታት ናይ ዶብ ኩናት ሰላማዊ መዓሌቦ ዝርከብ ክሳብ 2000 ዓ.ም ክዲናጐ ተዯሌዩ።

ብጻይና ተጋዳላይ ኢሰይያስ ኣፈወርቂ ንኣርባዕተ ዓመታት ጥራይ ንመሰጋገሪ መድረኽ ክመርሕ ዝተመርጸ፣ ፕረዚደንት መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ ዘንጊዐ ድሕሪ 2000 ዓ.ም ማለት ድሕሪ ምኽታም ውዕል ሰላም፣ ንኤርትራ ብገዚእ ስሌጣኑ ክመርሓ ጀሚሩ። ዕድመ ስልጣኑ ማለት ዕድመ ስልጣን መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ምእንታን ከናውሕ ኣዝም ዜስዕቡ ምስምሳት ፈጢሩ፣- ፍርቂ መሬትና ተወሪሩ ከሎ፣ ዶብና ብንጹር ከይፈለጥና ከለና፣ ዶብና ከይተሓንጸጸ፣ ቀዲምነት ናይ ሌምዓት መደባትና ነሰላስል፣ ህዜቢ ባኒ እምበር ደሞክራሲ (መሰል) ኣየድልዮን’ዩ ወዘተረፈ ዝብሉ መደናጎይ ባእታታት እናፈጠረ ነቲ ወለዶታት ዜተኸፍለሊ ቃልሲ ህዜቢ ኤርትራን ህ.ግ.ሓ.ኤን ኣብ መዕለቢኡ ንኽይበጽሕ ቅዋማዊ ድሞክርያስያዊ መንግስቲ ንኸይትከልን ብዝከሎል ተተናኺሉ፣ ዒንቂጹን ዒሉቑን። ካብዚ ንደሓር፣ እቲ ብጻያዊ ተቓሊሳይ ባህርያቱ ኣጥፊእዎ።

ቐንዲ ካብ’ቶም ዕድመ ስሌጣኑ፣ ስሌጣን መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ከናውሕ ዝጥቀመሎም ኣዝዮም ሓደገኛታት ጥበባት ክንጠቅስ፣

1ይ. ናብራ ህዜቢ ካብ ዜኸፍአ ናብ ዜገደደ ከም ዘንቆልቁል ምግባር

ህዝብና ካብ’ቲ ኣብ ትሕቲ መግዚእቲ ዘሕለፎ መነባብሮ ዜገድድ ሕሱም ናብራ ኣብ ግዛ ናጽነቱ ከሕሌፍ ተደሪኹ ኢዩ። ካሕሳ እቲ ዝተቓለሰሉን መቕርቡ ዝኸፈለሉን ዕላማ፣ በደል፣ ግፍዒ፣ ውርደትን ድኽነትን ተመሊሱ። ኣብ ክንዲ ብዚዕባ ክብሩን መሰረታዊ መሰለን ዝሓስብ ብዕለታዊ ናብራኡን ድራር እለቱን ክጭነቕን ከስቆርቁርን ተፈሪዱ። ደቁን ነብሱን ግዳይ ዘይቡቑዕ ማሕበራዊ ኣገሌግሎታት፣ ማለት ግዲይ ዘይቁርዑይ ኣገባብን ተቕዋመ ትምህርትን፣ ግዳይ ድሑር ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ምሕደርኡን፣ ኮይኑ። ኣብ’ዚ ዞባ’ዚ ካብ ዝነብር ህዝቢ ብኹለ ሸነኻዊ ምዕባላኡ ንድሕሪት ዝተጎተተ ህዝቢ ኮይኑ ተሪፉ። ብደም ደቁን ብመስዋእቱን ዝረኸባ ሃገሩ ጓና ኮይናቶ፣ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዜግነታዊ ክብረቱ ባይታ ዘቢጡ። እዚ ንዘበናት ብናይ ገዚእ ርእሱ ሕግን ስርዒትን ክማሓደር ዝጸነሐ ሕብረተሰብ ኤርትራ ሕጂ ኣብ እዋን ናጽነቱ፣ ደቁን ነብሱን ብዘይሕግን ስርዓትን ንዓመታት ተቐፊዱን ተዳጊኑን ኢዩ። ስድራቤታት ተበታቲነን ቆሌዑ ብዘይ ኣላይ ዘኽቲሞም፣ ዓድታት ከይተረፈ ንጎረባብቲ ሃገራት ተሰዲደን። እዚ ኩለ ግፍዕን መከራን ኣብዚ ረዚን ህዝቢ ዘውርድ ሰብ፣ ነታ ንግዚኡ ዜተዋህባ ስሌጣን ከናውሕ፣ ህዜቢ ብዚዕባ ደሞክራሲያዊ መሰሉ ከይሓትት ርዒዱ ክግዚእ ስለ ዝደለዮ እዩ። እዙ ታሪኻዊ ዕጫ’ዚ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ኤርትራን ተጋዲሊይን ተኸዊሉ ዝተርፍ ኣይኮነን።

2ይ. ዶባዊ ኩናት ኣመኽኒኻ ንህዜቢ ጅሆ ምሓዝ

ከም ኣብ ዝበዝሓሓ ሃገራትን ህዝብታትን ዘጓንፍ፣ ንሕና ኤርትራውያን ነቲ እጀታና’ዩ ዝበልናዮ መሬትና ካብ 1998- 2000 ዒ.ም ተዋጊእናሉን ተሰዊእናሉን። ካብ 2000 ዓ.ም ሕቶና ሕጋዊ መዕለቢ ጌርናሉ። ኣብ 2002 ዓ.ም ብሕጋዊ ኣገባብ ተማጉትና ንጹር ዶባትና ብካርታ ተረኪብና። እቲ ብካርታ ተረጋጊጹሌና ዘሎ ዘየማትእ ንጹር ዶባትና ብኸመይ ኣብ ባይታ ክሕንጸጽ ይግብኦ፣ ማለት በቲ ኮምሽን ዶብ ዝወሰኖ ውሳነ ድዩ ወይስ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምርድዲእ ክእቶ ዝደለ ቦታታት ኣሎ ኢዩ ዜውስን፣ እዚ ንመሰጋገሪ እዋን ጥራይ ክመርሕ ተባሂሉ ኣብ ስሌጣን ዝመጸ ሕጋውነቱ ዘብቅዐ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣይኮነን። ሌክዕ ከምቲ ብረታዊ ተጋድልና ብረፈረንዯም ምርጫ ህዝቢ ጉቡእ መኸተምታ ዝገበርናሉ፣ ናይ ዶብ ጉዲይ ዝውሰን እቲ ብህዝቢ ዝተመርጸ ቅዋማዊ መንግስቲ ጥራይ’ዩ ኣብ ምርጫ ህዜቢ ተመርኩሱ ክውስን መሰልን ስልጣንን ዘለዎ። መሬት ኤርትራ መሬት ኤርትራ ምዃኑ ኣይተርፎን ኢዩ። ዝኾነ ኣካል መሬትና መንዚዑ ክነብር ኣይክእልን። ኣብ 2000 ዓ.ም ሕጋዊ መዕለቢ ዜተገብረሉ ሕቶ ዶብ መኸወሊ ድፋዕ ተጠቂምካ ንግዚኡ ዝተዋህበካ ስልጣን ከተናውሕ ምፍታን፣ ብገድሊ ህዝቢ ኤርትራን ብመትከላት ህ.ግ.ን ምሌጋጽ ስለ ዝኾነ ተጋዲላይን ህዝብን ነዚ በደል’ዙ ትም ኢሉ ኣይክርእዮን እዩ።

3ይ. ሰበስልጣን መንግስትን ውድብን ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ምቕያር፣ ምግላፍን ምእሳርን

እዚ ገባቲ ባህሪ ብጻይና ነበር ኢሳይያስ ኣቐዱሙ ዝነበረ’ኳ እንተኾነ ካብ 2000 ዓ.ም ንድሓር ገኒኑ ተራእዩ ኢዩ። ኣብ 2001 ዒ.ም ብዚዕባ’ቲ መዛዘሚ ቃሌሲ ወለዶታት ኤርትራን ህ.ግ.ን ዝኾነ ምትካል ቅዋማዊ ደሞክርስያዊ መንግስቲ ንዝሓተትዎ ከም ሚኒስተራት፣ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈትን ኮይኖም ዜተቓለሱን ዘቃለሱን ገዲይም ሓርበኛታት፣ ከሓድቲ፣ ጸረ ሃገር ወዘተረፈ ተባሂልም ብዘይ ፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝሓቁን ገለ’ውን ናብ ስደት ከም ዘምርሑን ኮይኖም። ድሕሪ ምጭፍላቕ ደሞክርሲያዊ ሕቶታት ንህዝብን ተጋደልትን ክድህል ሓያለ ጻዕርታት ጌሩ። ኣብ 2003/04 ዓ.ም ብሓለፍቲ ህ.ግ. ካብ ዜተገብረ ግሉጽ ኣኼባ፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ካብቲ ተጀሚሩ ዘይተዛዘመ መትከሌ ውድብና፣ ኣዜዩ ርሒቑ ይኸይድ ኣሎ። ህዜብና ይብደልን ይግፋዕን ኣሎ። ኣካይዳና ምእንቲ ከነዐሪ ናይ ዜሓለፈ ጌጋታት ኩለና ሓላፍነት ክንስከም ካብ ሕጂ ንደሓር ንዝትግበር ፖሊሲታትን ውሳነታትን ከምቲ ዘጋደለና ኣካይዳ ውድብና ኩለ ተጋዳላይ ክካታዓሉለ፣ ርእይትኡ ክህበሉ ዕድል ክወሃቦ ተሓቲቱ። ነቶም ኣብ ኣኼባ ብቕንዕና ዝተዛረቡ ምኽንያት እናፈጠረ ካብ ስራሕ ከም ዝድስክሉ ምስተገብረ፣ ብጻይና ነበር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ባዕሉ ኣኼባ ጠሊቡ “ዜኾነ ሰብ ክሓምን ክሓምምን ይኽእሌ’ዩ። ክሕንኩል ምስ ዝፍትን ግን ወይሌኡ…..” ኢ’ሉ ንዓና ንመቓልስቱ ከፈራርሕ ሃቂኑ። ኩሌና ተቓለስቲ ሓርነት ከኣ ተገሪምና። ድሕሪኡ’ውን ኣብ 2007 ዒ.ም ከምኡ’ውን ኣብ 2008 ዓ.ም ጌጋታት መንግስቲ ክእረም ዋዕላታት ኣካይድና። ኣካይዲ ፕረዚደንት መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ግን መሉሱ እናኸፍአ ከደ። ተጋዳላይን ህዜብን ከኣ ነዚ እከይ ኣብ ሌዕሊ እከይ እናፈጸመ ዕድመ ስልጣኑ ብዘይ ኣገባብ ክመጥጥ ዜጽዕር ዘሎ ውሌቀ ሰብን ንኹሉ ታሪኻዊ በደላቱን፣ ግዙኡ ክሳብ ዝበጽሕ በቲ ልሙድ ሓርበኛዊ ትዕግስቱ ክጽበዮ ጸኒሑ ኢዩ።

4ይ. ጸገማትን ጉድሇታትን ሰባት እናመዜመዜካ መሳርሒ መናውሒ ስሌጣንካ ምግባር

ኤርትራ፣ ነቶም ደም ኤርትራውነት ዘለና ዛጋታታን ነቶም ማይ ኤርትራ ሰቲና ዝዓበና ኤርትራውነት ዝስምዒና ዛጋታታን ንኹለና ብማዕርነት፣ ብሓድነትን ብምትሕልላይን ኣቃሉሳትና። ብምክብባርን ፍቕርን ክንነብረላ ተፍቅድ ምችእቲ ሃገር ምዃና ከኣ ኩለና ንኣምን። ኣባና ኣብ እቶም ኤርትራውነት ዝስምዒና፣ ብምትሕልላይ ዝተቓለስና ኤርትራውያን፣ ብጻይና ነበረ ፕረዚደንት መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ሓደገኛን ፈላላይን ምሕደራ ከካይድ ንዕዘቦ ኣሎና። ንውሑዳት በጻብዕ ዝቑጸሩ ገርሀኛታት፣ ጸገማት ከም ዘለዎምን ከም ዝስምዖምን ብምግባር፣ ሓሲቦሞ ዘይፈልጡ ክፋእ ብምምሃር፣ ንገለ ከኣ ካብ መዓበያኦም ዝወረሱዎ ናይ በጋሚንዶነት ባህርያቶም ብምምዝማዝን ብምጉህሃርን ዕሱባት ናይ ውልቃዊ ኣገልገልቱ ጌርዎም ኣሎ። እዝም ኣገልገልቱ ኣዙኦም ልዕሊ ዓቕሞም ስሌጣን ስለ ዘሰከሞምን፣ ብሓለፋታት ስለ ዝዘቕበቦምን ነብሶም ክሳብ ዜጋግዩዋ ተታሉልም ይርከቡ። ብሰንኪ’ዙ፣ ክብሪ ዝሓብሓቦም ውርዘይ ህዝቢ ከነኣእሱ፣ መትከል እቲ ናይ ምቅላስ መሰሎም ሓልዩ ክቃለሱ ዘብቅዖም ረዚን ውድብ ክጉዕጽጹ፣ ንመንእሰያት ዜዛጋታት ካብ ናይ ዓፋኝ ጓድ ብዜገደደ ጽሌኢ ክቃጸዩን ከሳጉጉን፣ ኣነዋሪ ተግባራት ክፍጽሙ፣ ወንጠር ወንጠር ክብሉ ካብ ትዕዜብቲ እቲ ኣብ መትከል ውድብ ኣዝጊቡ ዘል ተጋዳላይን ካብ ዒይኒ እዙ ጭዋ ህዝብን ክኽወል ዘይክእል ታሪኻዊ በደል ይፍጽሙ ኣለዉ። ቀንዱን ሓደን ተሓታቲ ናይ'ዚ በደል’ዚ ከኣ ባዕለ እቲ ዘይግበኦም ስልጣን ጽዒኑ ናብ ጌጋ ዘጋልቦም ዘሎ ውልቀ ሰብ እዩ።

5ይ. ነቲ ቀዲማይ ናይ ገድሊ  ወለዶ ምስቲ ዲሕረዋይ ናይ ናጽነት ወለድን ህዝብን ምርሕሓቕን ምቅርሕሓንን

ተጋዳላይ ህ.ግ. ኣሽንኳይዶ ኣብ ልዕሊ’ቲ ፍረ ገድሉን መስዋእቱን ዝኾነ ወለዶ ክንየት ኣብ ልዕሊ’ቶም ብቕሌጽሙ ስዒሩ ዝማረኾም ትምክሕተኛታት ጸላእቱ ተነይቱ ኣይፈልጥን። ባህሊ’ውን ኣይነበረን። ደይመደይ ኢሌካ ወለዶታት ከተቃራሕን፣ ብዝልሕኩ ወረታትን ተባራሪ መልእኽትን ሕቡእ ዕላማታት ቃሌሲ ከም ዘሎ ከተምስል፣ እቲ ንናጽነት ዝተቓለሰ ወለዶ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ውጽኢት ቃሌሱ ዝኾነ ናይ ናጽነት ወለዶን “ኣበይ ዝነበርኩም ኢኹም” ኢሉ ብኣበርክቶኡ ከም ዝንየት ኣምሲልካ፣ ንህዝብን ተጋዳላይን ምፍልላይ ብመትከል ዝተጻዕረሉ ምዃኑ ንኹለ ብሩህ ኢዩ። ተጋዳላይ ህ.ግ፣ ዜኾነ ኤርትራዊ ኣብ ዝኾነ መድረኽ ይፈጠረ፣ ጅግናን ፈታው ሃገሩን ህዝቡን ምዃኑ ይኣምን። ብፍላይ ከኣ እዚ ናይ ናጽነት ወለዶ ግዳይ ዝኽትምናን ሕማቕ ታሪኻዊ ኣጋጣሚን ጥራይ ዘይኮነ መልግቦ ክልተ ወለዶታት ምዃኑ’ውን ኣይስሕቶን’ዩ። ጅግንነትን መስዋእትን ተጋዳላይ ብግብሪ ዝፈልጥን ምረት ጉዕዞ ናጽነት ብዝግባእ ዝስወጦን ስለዜኾነ፣ መላጋግቦ ናይቲ ምእንቲ ናጽነት ዜተቓለሰ ወለዶን ናይቲ መግዚእቲ ኤርትራ ብታሪኽ ክፈልጥ ዝግብኦ ወለዶን እዩ። ስለዚ እዚ ናይ ነጻነት ወለዶ ሃገር ናቱ ምዃና ኣሚኑ ተጠቃሚ መሰሉን ነጻነቱን ክኸውን ኢዩ ድሌት ተጋዳላይ ህ.ግ.ሓ.ኤ። ምኽንያቱ ሃገር ናቱ እንተ ዘይኮይና ናይቲ ድሕሪኡ ዝመጽእ ወለዶ ክትከውን ዘይትኽእል ምኻና ንጹር ስለዝኾነ። ገድሉ ህዝቢ ኤርትራን ቃሌሲ ህ.ግን ንህልውና ሓደ ገዚፍ ወለዶ ጥራይ ዘይኮነ ንኽብረት ኤርትራዊ ሰብ’ውን ኢዩ ተቓሉሱ። መሰረት ዕላማ ቃልስና ናይ ምዕባለ ስትራተጂናን፣ ኣብ ሰብ ዝተመርኮሰ፣ መንፈሳውን ነገራውን ድልየት ሰብ ንምርዋይ ዜዓለመ፣ ኤርትራዊ ሰብ፣ ካብ ጭቆና፣ ፍርሒ፣ ስእነትን ድንቁርናን ሓራ ኮይኑ፣ ኣብ ልዕልና ሰብ ዝተመስረተ ሕብረተሰብ ምህናጽ’ዩ ዕላማና። ዕሊማ ህ.ግ እዚ ኮይኑ ከብቅዕ፣ ነዚ ርኢና ዘይጸገብናዮ ኩቡር ናይ ናጽነት ወለዶ እዚ፣ ተወፋይነቱን ሃገራዊ  ኣበርክትኡን ትርጉም ዘይብሉ ኮይኑ ክሳብ ዝስምዖ፣ ኣብ ነብሱን ሃገሩን ጽልኢ ከም ዘሕድር፣ ኣብ ገዚእ ሃገሩ ክብርን ተኣማንነትን ከም ዝስእን፣ መሰሉ ተመንዙዑ፣ ካብ ባርነት ብዜገደደ ኣተሓሕዛ ተታሒዙ። ሃገሩ ተናዲፊት እሾኽ ኮይናቶ፣ ምንባር ሓርቢቱዎ፣ ብክፉእን ሽርሕን ተሰናቢደ፣ ዓይኑ ዒሚቱ ናብ ስደት ከም ዝበታተን ኮይኑ። ኣብ ታሪኽ ህዜቢ ኤርትራ ተራኣዩ ዘይፈለጥ ግዕዘት ወለዶ ወይ ኤክሶዶስ ክትብል ዘድፍር ዘሕዝን ዝ ስደት ተራእዩ። እዚ ክኸብር ዝግብኦ ፍረ መስዋእትና ዝኾነ ወለዶ ግዳይ ስደት ግናይ መካይድቱን፣ ግዳይ ምድረበዳን ባሕርን ኮይኑ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ወለዶ ናጽነት፣ ርእሱ ኣድኒኑ ንሃገሩ ጓናኣ ኮይኑ ክነብር ንዕዘቦ ኣለና። ሃብቲ ኤርትራ ህዝባ ኢዩ እናበሌና ከም ዘይተቃለስና፣ ኮነ ኢሌካ ዛጋታታ ንምብትታን፣ ጨፍሊቕካን ጨዂንካን ስልጣንካ ምንዋሕ ዝተገብረ ጻዕሪ ምዃኑ ኣብ ኣዒንቲ ግዙኡ ክጽብጽብ ዝጸንሐ ተጋዳላይን ህዝብን ብሩህ ፍጻመ ኢዩ። ናይዚ ኩለ ተሓታቲ ከኣ በይኑ ብጻይና ነበር ኢሳይያስ ኢዩ።

6ይ. ኣብ ስደት ንዝነብር ህዝብና ኣብ ነንሓድሕደ ጽልኢ ከም ዝተክል ምግባር

ህዜቢ ኤርትራ ሳሊ’ቲ ዘሕለፎ መሪር ቃሌስን ዝኸፈሎ ከቢድ መስዋእትን፣ ኩሉ ትሕተ ሃገራውን ጸቢብን ከፋፋሉ ስምዒታትን ሓጺቡ ስሙሩ ህዝቢ ኮይኑ ኢዩ። ኣብ ስደት ንዝነብር ህዝብና ሰሚሩ ጸላኢኡ ንኸየለልን ትግባረ መትከላት ቃሌሲ ህ.ግ. ንኸይሓትት፣ ግዳይ’ዚ ደሑር ፈላላይ ስምዒታት ንኽኸውን ብጉሁድን ብስልኳታትን ተጐስጉሱን’ዩ። እዚ ከይኣክል ተቓዋማይ መንግስትን ደጋፊ መንግስትን ተባሂሉ ብጽልኢ ከም ዝተፋነን ኮይኑ ኢዩ። ህዜቢ ኤርትራ ብፍቕሪ ሃገሩ ዝነድድ ስሙር ህዜቢ ኢዩ። እቲ ዝቃወም ይኹን እቲ ዝድግፍ ንገሃገሩ’ዩ ዘፍቅር። መንጽር ኣጠማምታ ድኣ እምበር ኣብ መንጎ’ቲ ደጋፍን ተቃዋምን ዝበሃል፣ ብትዕዜብቲ ተጋዳላይን ህዝብን ዋላ ሓንቲ ፍልልይ የለን። ሓንትን ስምርትን ስርዒተ ሕጊ ዝሰፈና ደሞክርስያዊት ኤርትራ ክትህሉ  ዘይምነ ኤርትራዊ የለን። ነዚ ትምኒት’ዚ ከውሕስ ዝግብኦ ከኣ እቲ ተጣሒሱ ዘሎ መትክል ህ.ግ ኢዩ። ዛጋታትና ከም ድላዮም ካብን ናብን ሃገሮም ከይመላለሱ ተኾኒኖም። በብዜወጽዎ ተበታቲኖም ከም ዝተርፉ ኮይኖም። በቲ ዘቃለሰና መትከል ውድብና፣ ዜጋታትና ከም ድላዮም ከይውደቡ፣ ናጻ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ከይምስረቱን ኣብ ኣብ ምህናጽ ስርዒተ ደሞክራሲ ሃገሮም ኣጃሞም  ከየበርክቱን ዕድል ተኸሊኦም፣ ምስ መሪር ናብራ ስደት እናተቓለሱ ውዳበታቶም ከስፍሑ ንዕዘብ ኣለና። ናይዚ እከይ ግብሪ ተሓታቲ እቲ ኩሉ መትከላት ውድብ ጨፍሊቑ ናይ ምውዳብ መሰል ዛጋታትና ነፊጉ ዜገዜእ ዘሎ፣ ንመሰጋገሪ እዋን ተባሂለ ንግዙኡ ዜተመርጸ ፕረዚደንት መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ኢዩ።

እዚ ኩለ ዜተጠቕሰ ኣብ ኤርትራን ህዝባን ዝወረድ ታሪኻዊ በደል፣ ብጻይና ነበር ኢሳይያስ ካብ 1993 ዓ.ም ጀሚሩ ንኣርባዕተ ዓመታት ክመርሕ ዘተዋህቦ ስልጣን ከናውሕ፣ ዘይዓግብ ናይ ምምላኽ ህርፋኑ ኬርዊ፣ ሃብትን ቁጠባን ሃገር ብዘይተሓታትነት ክግብት ኢሉ ምዃኑ ካብ ትዕዜብቲ ተጋዳላይን ህዝቢን ድኽወል ኣይኮነን። ዋላ’ኳ ነቲ ንሱ ባዕሉን ኩሉ ተጋዲሊይን ድተቓለሰሉ ነቕ ዘይብል ጽኑዕ መትከልና መትከል ውድብና ብምትላል፣ ብምዕብላልን ምፍርራሕን ክዓብጥን ከም ዘይነበረ ክገብርን ይጽዕር እንተሃለወ፣ ሕጂ’ውን መትከል ቃሌስና እዚ ዝስዕብ ኢዩ፣-

ቃልስና ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ህ.ግ.ን ብሰፊሕ ህዝባዊ ተሳታፍነት ተነዲፉ ዝጸድቕ ሃገራዊ ቅዋም ዝምራሕ፣ ቅዋማዊ ትካላት ዘለውዎ ቅዋማዊ ስርዒት ምትካል። እቲ ቅዋማዊ ስርዒት ሓጋግን ፈጻምን ፈራድን ኣካሊት ዘለውዎ ስርዓት ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ስርዓተ ሕጊ ዝንግስ፣ ሓድነትን ሰላምን ህዝብን ሃገርን ዝሕልን፣ ኩሉ ኤርትራዊ ካብ ፍርሒን ጭቆናን ሓራ ኮይኑ፣ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቱ ዝኽብር፣ ኣብ ምውሳንን ምምራሕን ተሳታፍነት ህዝቢ ዘረጋግጽ፣ ብመሰረት ቅዋም ናይ እምነትን ጋዜጣ፣ ጽሑፍን፣ ርእይቶን፣ ናጻ ፖሎቲካዊ  ውዲበን፣ ሰላማዊ ሰልፍን ኣኼባን፣ ምውዳብ ሃገራውያን ናጻ ማሕበራት መሰል ዝሕሉ ህዝባዊ ስርዒት ምትካል ኢዩ።

መሰረት ዕላማ ቃሌሲ ህ.ግ.ን ህዝቢ ኤርትራን፣ ነዚ ምሩጻት ዝኸፈልናሉ መንፈሳውን ስጋውን ድሌታትና ዜሰዋእናሉ መትከል’ዚ፣ ክጉዕጽጽ ወይ ከዘንብል ዝህቅን ግዲማዊ ይኹን ውሽጣዊ ሓይሊ፣ ጸረ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራን ጸረ ናጽነትን ሃገርን ምዃኑ ህዜብናን ተጋዳላይን ክበርሃሉ ይግባእ። እዚ ዕሊማ’ዚ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታትን ክውንነትን ዘይጠሓስ ዕላማ ቃልስና ኢዩ።

ሕመረት ዕላማ ቃልስና ህዜብና ኢዩ። ቃሌሲ ህዝብና ኣብ መንፍዓትን ስንፍናን፣ ኣብ ልውሃትን ጭካነን፣ ኣብ ኩራን ፍሽኽታን መራሕቲ ዝምርኮስ መንግስቲ ክህልዎ ኣይኮነን። ቃልስና ኣብ ልዕልና ህዝቢ ዝውሰን፣ ብመትከላት ዘይምእኩል ፖለቲካዊ ብዘሕነትን፣ ጉሉጽነትን ምጽውዋርን ዝምራሕ፣ መሰረታዊ ናይ ፖለቲካ ምውዳብን ተሓታትነትን ፖለቲካዊ ብዘሕነትን ዘኽብር፣ ፖለቲካዊ ደሞክርያስያዊ ቅዋማዊ ስርዒት ክንተክል ኢና ተቓሊስና። ጀጋኑና ሕድሮም ዘሰከሙና ነዚ ዕሊማ’ዚ ኢዮም። እዚ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ኣመሳሚስካን ዓሉቑካን ክተደናጉዮ ዘይግባእ መበገስን መዕለብን ዕሊማ ቃልስና ኢዩ። እዚ ኣብ ክውንነት ቃልስና ህዝብናን ዝተሰረተ መትከል ውድብና ክሳብ ዘይተተግበረ ኩለ ተጋዳሊይ ህ.ግ ቃሌሱ ኣፋሪቑደኣ’ንበር ዛዚሙዎ ክበሃል ኣይከኣልን። እዚ ዕላማታት’ዚ ከይተተግበረ  እንተተሪፉ፣ ቃልስና ብላሽ ኮይኑ ክተርፍ’ዩ። ቃልሲ ወለዶታት ዝኣክል ኮንቱ ኮይኑ ክተርፍ ዜጻወር ኤርትራዊ ግን የለን።

መሪሕነት እኩብ ሓሊፍነት እኳ እንተኾነ፣ ካብ 1998 ዓ.ም ንድሓር እናዓረገ ዝመጸ፣ ኣውራ ከኣ ካብ 2000 ዒ.ም ጀሚሩ ክሳብ እዛ ሰዒት ዚኣ፣ ጥርዚ በጺሑ ዘሎ ምሌካዊ ኣመሓዲድራ ብጻይና ነበር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ምልእቲ ሃገር ብዘይካ ናቱ ግላዊት መምርሕን ትእዛዝን ናይ ካልእ ሓላፊ ጥር ትብል ሓሳብ’ውን ትኹን ክትግበር መሰል ኣይሃበን። ካብ ዝለአለ ክሳብ ዝተሓተ ጽፍሒ ማለት ክሳብ ኣብ ቆፎ ሓረስታይን ማሕፉዳ ነጋዳይን ዝኣቱ ሕሱር መምርሒታት ከተግብር ጸኒሑን ሎልን። ናይ’ዚ ኣብ ኤርትራን ህዝባን ወሪዱ ዘሎ ኩሉ ሸነኻዊ ምምዝባልን፣ ዘሕፍር ውድቀትን ተሓታቲ ከኣ ባዕሉን በይኑን ብጻይና ነበር ኢሰይያስ ኣፈወርቂ ኢዩ። ንገዚእ ርእሱ ሌዕሊ ሕግን ስርዒትን ስለ ዝቖጸራ ኣብ’ዚ ሃገር ዝተፈጸመት ደቃቕ ትእዛዝ ከይተረፈት ናቱ ናይ በይኑ ኢያ። ብታሪኽ ተሓታቲ ሰብ ከኣ ንሱ በይኑ ኢዩ። ኩለና ኣዘዝዜቲ ሰራዊት፣ ሚኒስተራት፣ ሓለፍቲ ህግደፍ፣ ሓለፍትን ኣካየድቲ ትካሊት ጸጥታን ፖሉስን፣ ሃመማተኤ፣ ሃማደኤ ንህላዌ ሃገርና ክንብል ክትግበር ዘይክእል መምርሒታትን ትእዛዛትን እናተዒጻጸፍና ኣተግቢርና፣ መጋበሪ ዕቡድ ዕንደራታቱን ሕሌምታቱን ከኣ ኮንና ጸኒሕና ኢና። ክሳብ ሕጂ ንህዝብና ክንብድል ተገዲድና  ምጽናሕና፣ ብሕሌናና ንሳቐየሉን ንሓዜነሉን ጉዲይ ኢዩ።

ህ.ግ.ሓ.ኤ ብበጃ ህዝብን ሃገር ክጋደለ ዝሰመሩ ተቓለስቲ ሓርነት ዝቆመ ብመትከላትን ሃገራዊ ቻርተርን ዝምራሕ ንጹር መበገስን መዕለብን ዘለዎ ረዚን ውድብ ኢዩ። ብመትከላት ውድብ ዝምራሕ ንዑኡ ዝእዝዝን ኩሉ፣ ኣባል ህ.ግ ኢዩ። ብመትከላት ዘይእዘዝ ወይ ጓዕጺጹን ዒሉቑን ንግሊዊ ረብሓታቱ ክጥቀመለ ዝህቅን ተራ ይኹን ሓሊፊ ኣባል ህ.ግ. ክብሃል ኣይግብኦን። ህ.ግ. ማለት መትከላቱ ደኣ እምበር ውሌቀ ሰብ ስል ዘይኮነ፣ ብጻይና ነበር ኢሰይያስ ኣፈወርቂ ካብ 2000 ዓ.ም. ንነጀው ኣባል ውድብ ኣይኮነን። ኣባል ውደብ ዘየብል ምኽንያት ከኣ ንውልቃዊ ረብሕኡ ክብል ንተጋዳላይ ህ.ግ ኣብ መሪሕነቱን ውድቡን ዘለዎ ነቕ ዘይብል እምነትን ተኣዛዝነትን መዝሚዙ፣ ነቲ ፍትወት ሓቂን ፍትሕን፣ ኣኽብሮት ሰብን ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን፣ ዝመለለይኡ ባህሪ ተጋዳላይ ደዊኑ፣ መብሓትን መናውሕን ስልጣኑን፣ መጨፍለቂ መትከላት ቃልስን ክጥቀመለ ብምጽዒሩ ኢዩ። በቲ ኣብ ክብሪ፣ ተኣማንነትን ቅንዕናን፣ ተጋደልትን ውድብ ህ.ግ.ን ዜፈጸሞ ይቕረ ዘይበሃል ዒቢ ታሪኻዊ በደል ኣራሚ ስጉምቲ ክውሰደሉ ንኹልና ተጋደልቲ ህ.ግ. ታሪኽ ይሓተና ኣሎ።

  • ኩሉና እቶም ኣብ’ዚ ንመሰጋገሪ እዋን ዝቖመ መንግስቲ ሃገራዊ ጉቡእና ኮይኑ ደም እናጠዓመና ከነገልግል ዝጸናሕና፣ ኩለና እቶም ብጅግነነት ንናጽነትን ሓቅን እናተዋደቕና መጺእና፣ ሕጂ ግን ካብ ጉዲይ ሃገርና ከም ንግለልን ንውራይና ከም ጓኖት ክንዕዘቦን ዝተገደድና፣ ንኹሌና ተቃለስቲ ሓርነት ታሪኽ ይጽውዒና ኣሎ። ዘይውሑስ ረብሓን ግዙያዊ ስልጣንን ከየታለለና፣ ንነብሰይ ይጥዒመኒ ከይበልና፣ እንታይ ገደሰኒ ዜብሌ ስንፍና ኣርሒቕና፣ ኣብ ነንሓድሕድና ዘተኣታተዎ ፈላላይ ስሚዒታትን ተጻባኢ ውድድር ስልጣንን ወጊድ ኢልና፣ ብልባዊ ምትእምማን፣ ብብጻያዊ ክብርን ሃገራዊ ሓድነትን ኣብ መትከላት ውድብና ጸኒዕና፣ ነቲ ኣፋሪቕና ናብ ምዝዛሙ ዘቕረብናዮ ጀጋኑ ብጾትና በጃ ዜሓለፍሉ፣ ንእስነትና ዘብለናሉ ዕላማና ኣብ መፈጸምታ ከነብጽሕ ምሉእ ታሪኽ ክንሰርሕ፣ ታሪኽ ይምሕጸነና ኣሎ። ዝያዳ ከኣ ኣብዚ ሎሚ ሃገርና ኤርትራ ብስግረ ዶባዊ ምትኹታኽ ኣብ ሓደጋ ንኽትወድቕ ኣብ ዜጸዒረሉ ፍሉይ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ እንወስዶ ስጉምትታትን እንሓርዮ ምርጫታትን ካብ ንቡር ንላዕሊ መጻኢ ኤርትራን ህዝባ ዝውስን ዘየዳግም ታሪኻዊ መድረኽ ኢዩ። ነዚ ታሪኻዊ ሕቶ’ዚ ቅኑዕ መልሲ ምምላስ፣ ንዒናን ንደቅናን ንህዝብናን ንወለዶታትናን ብዓቢኡ ንሃገርና ናይ ምንባር ውሕስነት ምውሓስ ኢዩ። እንተ ዘይኮይኑ ዝተቓለስናሉን ጀጋኑ ዝኸፈልናሉን ዕላማ፣ ኣብ ምዕራፉ ከይበጸሐ ኣመንጊና ዜገደፍናዮ ወለዶ ኮይንና፣ ብታሪኽና ዘይንሕበን ሕድሪ ስውኣትና ዝኸዳዕና፣ ወለዶታት ብዘይ ምሉእ ቃልስና ዝጉህዩልና፣ ዝተቓለስናሉ ንረብሓ ግለ ሰበ ክውዕል ዘፍቀድና ወለዶ ኮይንና ብታሪኽ ክንውቀስ ክንነብር ኢና።

  • መትከል ቃልሲ ከዲዕካ፣ ንመሰጋገሪ እዋን ዝተዋህበ ዕድመ ስልጣን ንኽትመጥጥ፣ ኩሉ ውዳበታት ንምብታኽን ንህዝብን ተጋደልትን ከተርዕድን ከተንበርክኽን ምጽዒርን ከንቱ ሃቐነ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ተጋዳልቲ ህዜባዊ ግንባር ከይተወደቡ ውድባት ኣብ ሓደ መትከል ስሙራት  ኢዮም። ንህዜቢ ኤርትራ ኣርዒደን ኣፈራሪሐን ክገዜእ ኢየ ምባል ከኣ ዝነበርካዮ ታሪኽ፣ ታሪኽ ህዜቢ ኤርትራ ምርሳዕን ብገዚእ ዕምርኻ ምልጋጽን ኢዩ። ኣማኒት ልቢ ኤርትራውያን ቅንዕትን ገርህን ስለ ዝኾነት ከዳዓት ከተለሊ ትጽገም’ያ። ግዜ’ውን ትወስድ ኢያ። ከዳዕ ጸረ መትከል ቃልሲ ህዜቢ ለልያ ምስ ፈለጠቶ ግን ንሓንሳብን ንሓዋሩን ዘየዳግም ኣራሚ ፍርዲ ክትህብ ኣይትወላወልን ኢያ።

  • እዚ መድረኽ’ዚ መስዋእቲ ናይ’ቶም በጃ ሃገሮምን ህዝቦምን ዜሓለፉ ኣእላፍ ጀጋኑናን ቃልሲ ህዜብናን ትርጉም ዘለብሰሉ፣ ቃሌሲ ረዚን ውድብ ህ.ግን ሓርበኛታት ተቓለስቱን ምእንቲ ህዜቢ ኤርትራን ወለዶታትን ምዃኑ ደጊምና ነመስክረሉን ምለእ ታሪኽ ንሰርሓሉን፣ ነፍስ ወከፍ  ኤርትራዊ ብኤርትራዊ ክብርን ብኤርትራን ትምክሕትን ትብዒትን ብውልቂ ንሕተተሉ፣ ኤርትራ ነናይ ውልቅናን ናይ ኩልናን ምዃና ብግብሪ ነረጋግጸሉ ታሪኻዊ መድረኽ ኢዩ። እዙ መድረኽ እዚ ሰራዊትን ትካሊት ጸጥታን ፖሊስን ዋሕስ ህዜብን ኣኽበርቲ ስርዒተ ሕጊን ምዃንና ነረጋግጸሉ፣ ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ ኢልና ኢድና ምጥማር ኣብቂዑ፣ መጎጎና ኣይክትስበርን’ያ፣ ኣንጭዋ ከኣ ኣይክተምልጥን ኢያ ንብለሉ ዘየዲግም ተኣፋፊ ታሪኻዊ መድረኽ ኢዩ’ሞ ኩለ ኤርትራዊ ይስመር።


መትከላት ቃልስናን መብጽዓን ሰማእታትና ይተግበር!!!!

ዓወት ንሓፋሽ ህዝብና!!!!

ካብ ሓርበኛታት ተቓለስቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...