እዚ ርኢቶ`ዚ ብተክኒካዊ ምኽንያት ድሒሩ`ኳ ይቐርብ እንተሃለወ ካበ‘ቲ ህልዊ ኩንታት ናይ ሀገረና ግን አይወጸን፡ ስልዚ „ድንክል በለ`ምበር አይተኻዕወን!“ ኢዩ`ሞ እንሆ ሕጂ አብ ኩነታት ዝተመቸኣኒ የቕርቦ አለኹ።

 እምበኣር አብ መበገሲ ሐሳበይ ክምለስ፡ ብዕለት 1/05/2012 ዓ.ም. በተን ህዝባውያን መፍተላት ዕላዊ ከም ዝተዘርግሔ ኩሉ ተቓላሳይን በሃጊ ለውጥን ዘለዎ ከምዘንበቦ፡ „ጋዜጣዊ መግለጺ አብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት!“ ብዝብል አርእስቲ በቶም ኪዳን ኢና በሃልቲ ዘውጽእዎ መግለጺ ዘስደምምን ንነባቢ ይኹን ንሰማዒ አገሪሙ ኢዩ፣ መቸም „እናትዋ የተማመነች ልጃገረድ ገበታ ሲቀርብ ወንዝ ትወርዳለች!“ ከምዝበሃል ብቋንቋ አምሓርኛ፣ (አዲኣ ዝተኣማመነት ጓልስ መኣዲ ክቐርብ ንሩባ ትወርድ!) ብድሕሪኦም „ቾቡላ!“ ዝብሎም ዝተኣማመንዎ ሐይሊ ደኣ አልይዎም ኮይኑ`ምበር? ካን ኽንድዚ ትዕቢትን ንዕቀትን አብ ልዕሊ ህዝቢ አይመርኣዩን ነበሩ፤ እቲ ዘገርም „አበይ እሎኻ ዘይበልዎስ! አብዚ አለኹ ይብል!“ ከምዝብልዎ፡ ንነብሶም ከም፡ „ለውጢ ሐይሊ!“ ብሙቕጻር አብ ዘውጽእዎ መግለጺኦም ነቲ ብህዝቢ ዝተመርጸ`ሞ ህዝባዊ ደገፍ ዘመሥከረ፡ ህዝባዊ ሥልጣን‘ውን ብሓደራ ዝተረከበ ማለት „ነቲ ሀገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ብጉባኤ ዝተመርጸ ረጊጾም፡ ብዛዕብኡ ምሉእ ሐሳባትስ ይትረፍ ሐንቲ ቃል`ኳ ትኹን ከይሓንጠጡ፡ ብቐጥታ ንነብሶ ከም እንኮ ናይ „ለውጢ ሐይሊ!“ ምሙቕጻር ብትዕቢትን! ትምክሕትን! ንዕቀትን! ብምልዕጣጥ፡ ሐይሊ ህዝብን ሥልጣኑን ከም ቁምነገር ከይቆጸሩ ብምርጋጽ፡ አብ ዘውጽእዎ መግለጺ „ኤ.ዲ.ኪ. ኮነ ህዝቢ ኤርትራ ንሥርዓት ህግደፍ ብዝኾነ መንገዲ ንምጽጋን ዝግበር ፈተነታት ይነጽግ፡ እቲ ፍታሕ ካብ ሱሩ ንምምሓው ብሀናጺ ደሞኢክራስያዊ ዘተ ኩሉ ፖለቲካዊ ሐይልታት ኤርትራ ዘሳተፈ ሥልጣን ናብ ህዝቢ ንምርካብ ይአምን።“ ብምባል ሽዱሽተ ነጥብታት ዘጠቓለለ መግለጺ በቶም ሐሙሽተ ስማውያን ከምዘውጽኡ፡ ኩሉ‘ቲ ወገን ህዝቡ ዝኾነ ተቃላሳይ ዝፈልጦ ሐቂ‘ዩ።

 

ቀዳማይ ህዝብና ብናይ ሐሶት ደሞክራስያዊ ብጽሑፋቱን ብቃላትን „ብዚ ጺእ መንድዓት መስገደል ህዝብና ፍንፉን!“ ዝተዋህቦ መብጽዓታት አሚኑ ብምቅሳን ደሙ ዘፍሰሰ‘ሞ ዝተጠልመ ዐቢ ትምህርቲ ተምሂሩ ስለዝኾነ፣ ብድሕሪ ሕጂ አብ ልዕሊ ህዝቢ ስም ደሚክራሲ ከም ቃላት ፀሎት እናደጋገምኩም ብምምጽዳቕን ጸፍ ምባልን ማለት ብደሞክራሲያዊዶ! ዘተዶ! ኩሉ ፖለቲካዊ ሐይልታት ዘሳተፈዶ! ምባል አጽኒሕኩም፣ ስለምንታይ እቲ „ንዓታትኩም ነዞም ጸሓፍቲ ወሲኹ አብ ኪዳን ዝተጠርነፍኩምን፣ ካብ ኪዳን ወጻኢ ዝነበሩ ፖለቲካዊ ሐይልታትን፣ ሲቪካዊያን ማሕበራትን፣ ህዝቢ አብ ምሉእ ዓለም ዝርከብ ብደሞክራስያዊ አገባብ መሪጹ ዝላኣኾም ወከልቱን፣ ወከልቲ ናይ ማሕበር መንእሰያት፣ ወከልቲ ማሕበር ደቀንስትዮን፣ አጠቓሊሉ ዝተጋብኤ ጒባኤ „አዋሳ ዝተገብረ ሀገራዊ ጒባኤ ንደኖክራሲያዊ ለውጢ፣“ ውጺኢቱ ተቐቢልኩም ብእኡ አሚንኩምን ሪዒምኩምን ዘይትምእዘዙ? እንተደኣ ከም አባሃህልኹም ብግዛት ደሞክራሲ ብሐቂ ትአምንሉ ኔርኩም እንተትኾኑ!!
ካልኣይ እዚ መግለጺ‘ዚ ምስቲ ዝሐለፈ ብ03 ናይ አግድፍ ናይ ሐሶት ማዕከናቶም በዘናፈስዎ ደሃይ ምጥፋእ ናይ‘ቲ „መንድዓት መስገደል ህዝብና“ ኾይኑ፡ አብ ምንታይ ንምብጻሕ ኮን ተደልዩ ይኸውን? እስኪ ነስተውዕሎ? ብኽልተ ኸፊልካ እኳ ክረኤ ዝገብኦ ጉዳይ እንተነብረ፡ በቲ ኾነ በዚ ናይ ከልቲኡ ዘተሐላልፎ ሰባብ መልእኽቲ ምንፈሱ ሐደ‘ዩ፡ (መቸም እዚ ዕቡድ ክልቢ ካብ ዕንግደዓ ህዝብና ተሽቀነጢሩ አብ ናይ ታሪኽ ጓሓፍ እተተደረበዩ ንሳቶም‘ውን ሐበርቱ ከምዝኾኑ ሰለዝፈለጡ፡) ንህዘቢ ንሱ እነተኸይዱ ሀገር ከም ሶማል ከምእተኸውን መፈራርሒ ምልእኽቲ ዋጋ ዐስቦም ኢዮም ዘመሓላለፉ፤ ከምኡ‘ውን እቲ ቀንዲ መኽሰቦም፣ ብስም ህዝቢ ኤርትራ ካብ ፈቐድኡ እናለመኑ ከፊትምዎ ዘለዉ አሽባሾ መንበሪኦም ክዕጾ ኢዩ፣ ስለዝኾነ ኸኣ ባርነታዊ ድቕድቕ ፀልማት ናብራ ህዝብና፣ ቐጻሊ ክኸውን ኢዩ ቃልሶም፤ እዚ ኸኣ ብሐለጋቶም ኢዮም ዝፍለጡ።

እስኪ አብቲ ሒዘዮ ዝነበርኩ ሐሳባት ክመልሰኩም፣ ማለት „ዝግበር ጽገና!“ ክብሉ ኸለዉ (እቲ አብዝሓ አብ ዉሽጢ ነቲ „ዐስታኽ ባርነታዊ ናብራ!“ አብ እንግድዕኡ ተሸኪሙዎ ዘሎን፣ እቶም አብ ምሉእ ዓለም ተበታቲኖም ህዝብና እዚ ወሪድዎ ዘሎ ከይወረዶ ኸሎ አትሒዞም በቢመገዶም ተጠራኒፎም አውያቶም ከስምዑ ከለዉ፣ በቶም „እስትራሽኡ!“ ወይጦታቱ እናተጸርፉን እናተፈንፈኑን ከምከደዓት ሀገር እናተቖጽሩ፣ ብአንጻሩ ግን አብ መርግጺኦም ብምጽናዕ፣ ካብ ዕላምኦም ፈልቀቕ ከይበሉ፡ ምስ ናይ ደገን ምስኦም ዲኖ ተቓውሞ ለቢሶም ዝተሓወስዎምን፣ አላሽ ከየሉ፣ ገለ ንዐዲ ኹልና ክሐልፉ ከለው፣ እቶ ዝተረፉ ኸኣ ናይ ቃልሶም ጻማ እቲ ቐንድን ወሳኒን ማለት መንእሰይ ወለዶ „ስመርርርርርርር!“ እናበለ ክልዓል ንመርኣይ በቒዑስ ንህዝቡ „ዐውዲ ምህርቱ ከሕፍስ ቐሪቡ`“ ዘሎ ብጠቅላላን ብዐቢኡን እቲ „ሀገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ!“ እንታይ ምበሉ ንዓኦም ዝግደፍ ኮይኑ፡) ብዓቕሊ ኩነታት እናተኸታተሉ ኸለውስ፣ ውክልና ህዝቢ ዘይብሎም ክንሶም ስለ ህዝቢ ክዛረቡ ከለዉስ „ዘይሓፍርስ አይሐፍርን ኢዩ`“ ዶ አየብልን?

ንአብነት እስኪ እንበል ገለ ካብቶ ናቱ አገልገልቲ ወይጦታት ጀንራላቱ አብ ሕጂ በጺሖም ወድሰብ ከነብረን ዘለዎ መዋእል ካብ 18- 50 ዓመት ዘለዋ ዘበናት ጥራሕ ጣዕሚ ብሂወት ምመባር ከስተማቕረለን ዘለወን መዋእል‘ምበር እተን ቅድሚ 18 ዓመት ዘለዋ ጨቕላዊ ዓመታት ሆይ ሆይ ኮይነን፣ እግዚኣቢሄር ዝሀቦ ጥራሕ ብጽላል ወለዲ ተኸቢቡ ዝዐብየለን ኢየን፤ እቲ ልዕሊ 50 ዐመታት ዕድመ ዘሎ ግዜ ግን እቲ ምስ ንፋስ እናተቐዳደመን ሐዊ ሐዊ እናኣተንፈሰን መን ከማይ እናበለ ሰብኣይ እናተጻፍዔን፡ ሰበይቲ ብቑንጂና ትምክሕቲ ተመኪሓ አፍንጫኣ ነፊሓ መን ከማይ ጽብቕቲ ሰበይቲ አላ! እናበለት ክትከይድ ከላ፡ መዋእሉ አብቂዑ ሐይሊ ከም ሽመዓ ክመክኽ፡ ቁንጂና ከም ዕምባባ መስከረም ዝረግፍ፡ ከምዝኾነ ሕጂ ተገንዚቦም‘ሞ፡ ናይ መናሰያት ደቆም ወርቃዊ ግዚኦም አይትምሕርቲ፡ አይሥራሕ፡ እይተመርዓዒዮም ሐዳር ብምፍላይ አይወለዱ አይሰሰኑ ብኸንቱ በተኽ ክገብርዎም ከለው እንተተራእዮም፤ „ነቲ መሔሰስ ዬእዳው እስትራሾ!“ ብምግባር ዝጥቀመሎም ዘሎ ተረዲእዎም፣ ህዝብን ሀገርን ንምድሓን አንተ ዝግልብጥዎስ እይንቕበልን ማለቶም ደኾን ይኾኑ እዞም ባዶሽ? እወ! ማልቶም ኢዮም ዝመስሉ! ክመዚ ዝብል ውድብ ይኹን ካልእ ሐየልን ደገፍ ህዝቡ ዘዕቆበ ደኣ‘ምበር ከማታቶም መፋራርሒ ስም ጥራሕ ዝተሸከሙ ብግብሮም እቶም ሐሙሽተ አጻብዕ ዘይመልኡ ዝነበርዎም እናሐደጎዎም አብ ወገን ህዝቦም እናተጠረንፉ ዝኸዱ ዘለዉ ግዜ‘ዩ። ስለዚ ከምቲ አንስቲ ዝብልኦ „እዚ ጓሳ አይቐኒ፡ እንተ ቀነየስ ከጥንሰኒ!“ እዩ ክኸውን።

በቶም ደሞክራሳውያን ውድባት ንህዝቦም ካብዘለዎ ስቅያት ንከጋላግልዎን፣ ህዝብን ከምዝብለኩም ዘሎ ትፈልጡ እንተደኣ ኾንኩም፣ „አሓ ብሕማቅ ጓስኤ ይህረማ!`“ ከምዝብሃል አይተህርሙና ይኣኽለና፣ አብዚ እዋን`ዚ ተካእቲ ወለዶ ዐዶም እሳተ ጎሞራ ኾይና አቓጺላ ስለትውድኦም ዘላ እቶም ዝተረፉ በበሪሮም እናወጹ „እዚመንደዓት ጺእ!“ አብ ዘዳለወውሎም መጻወድያ እናእተወ! አወዳቶምን አዋልዶምን መጻወቲ በደዊን፣ ኮላሊቶም ኮታ ጠቕላላ ናውቲ ኸብዶም መንውህ ዕድመ ናይ ሰብ ሰልዲ! እናገበረ ዝንግደሎም ዘሎ፣ ግዜ ኢዩሞ ብሐደ ርእስን! ብሐደ መልሐስን! ንሥራን ንዛረብን! ህዝብናን ደቅናና ነድሕን እብለኩም አሎ`ሞ ምኽሪ የሐትኩምን አሕዋትኩምን ስምዑ፣ ትካታተልዎ ከምዘለኹም ኣዚ ትኩስ ሐይሊ መንእሰይ አብ ምሉ ዐለም አኼባታት እናአካየደ አብ ትሕቲ ፅላል „ሀገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ!“ እናዓሰለ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ`ሞ ሀዬ! ግዜ አይትብልዑ፣ እንተዘይኲነ፣ „ጨው ንነብስኻ ክትብል መቅር፡ እንተዘይኮነ እምኒ ኢዩ ኢሎም ንደገ ከይድርብዩኻ፤‘‘ ከምኡ`ውን ‘‘እቶም ቃል ዘተው እንተጠለሙኸ።‘‘


„ካብ ጽቡቕ ሽታ ጽቡቕ ሽም ይሐይሽ፡

ካብ እትውለደላ መዓልቲ ኸኣ እትሞተላ መዓልቲ ትበልጽ።

ናብ ቤት መርዓ ካብ ምኻድ ናብ ቤት ሐዘን ምኻድ ይሐይሽ፡

ከመይ እቶም ብሕይወት ዘለው ሞት ከምዘለዎም ኲሉ ግዜ ኪሐስቡ አለዎም።“

መጽ.መክ/ 7/ 1-2/

ካብ ሻም/ኃይለ-ሥላሴ ገብሩ

በሔረ ጀርመን፤


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...