ካብ መርብብ ሓበሬታ ኣስማሪኖ ብቋንቋ ኢንግሊዝ ‘’The Tom & Jerry Game with a Twist’’ ብዝብል ዝተለጠፈ እዋናዊን ኣገዳሲን ጽሑፍ፡ ነቲ ብዙሕ ብቋንቁኡ ዝርዳእ ዜጋ ሓጋዚ እንተኾነ ብዝከኣለኒ ናብ ትግርኛ ተርጊመዮ ኣለኹ፡፡ (ኣብ ትርጉም ንዝፍጠር ጉድለት ይቕሬታ ይሓትት) ካብ ሓደ ግዱስ ዜጋ፡፡   

ኢሳያስ ንናይ “ቶም”ን “ጄሪ”ን (ዱሙን ኣንጭዋን) ካርቶን ፊልም ብምርኣይ ኣዝዩ ከምዝሕጎስ ይዕለል፡፡ ባዕሉ ከይተረፈ ኣብ ዓበይቲ ህዝባዊ በዓላት ብዛዕባ’ዚ ናይ ካርቶን ፊልም ምርኣይ ከምዝፈቱ ኣረጋጊጹ’ዩ፡፡ ከም ኣገላልጽኡ ንባዕሉ ዝተመርጸ ብሉጽ ሓይሊ  ከምዝኾነ ገይሩ ይወስድ፡፡  “ጄሪ” ኣብ ዓለምና ንዝርከቡ ዓበይትን ናእሽቱን ሃላያት (ዓያሹ) ከም በዓል ኣመሪካን ወያነን ከምዘሽከዖም ይኣምን፡፡ ብርግጽ እዚ ናትና “ጄሪ” ንዝሓለፉ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ተጻዊትሎም’ዩ፡፡ ሕጂ ግና እቲ ጸወታ ተወዲኡ ወይ ከኣ ኣንፈቱ ቀይሩ ኣሎ፡፡ “ጄሪ” እግሩ ተሓምሺሹ ጎዩ ንምምላጥ ኣብ ዘይክእለሉን ኣብ ኢድ ወያነ “ቶም” ወዲቑን ኣብ ምሕጽንታ ይርከብ፡፡ ይኹን’ምበር እቲ ሸይጣን ‘’ቶም’’ ‘’ጄሪ’’ ንምጥፋእ ወይ’ውን ምሉእ ንምሉእ ንምውሓጥ ድሌት ዘለዎ ኣይመስልን፡፡ እኳ ደኣስ ን”ጄሪ” የማን ጻጋም እናላግዐ፡ ካብ ሰማይ ናብ መሬት እንዳወርወረን እንዳሳራሰረን ናይ ምዕዛብ ባህጊ ጥራይ ዘለዎ ይመስል፡፡ ምምሳል ጥራይ ዘይኮነ እቲ ጸወታ ልክዕ በቲ ዝተገልጸ ይደጋገም ኣሎ፡፡

ኣቐዲሙ ኣብ ክኒንን ቅኒቶን ዝተረኣየ ጸወታ፡ ኢሳይያስ ዋላ ሓንቲ ክገብር ስለ ዘይከኣለ መሬቱ ሓዲጉ ክወጽእ ተገዲዱ፡፡ ስዒቡ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ደንከልን ከባቢ ባድመ ዓዲተኽላይን ስርሒታት ተኻይዶም፡ ኣብ ክልቲኡ ከባቢታት ዝተኻየዱ ውግኣት ሓደ ሰዓት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ዝተፈጸሙ ክኾኑ ከለው፡ ብርጌድ ዝኣክል ዓቕሚ ሰብ ዝነበሮ ሰራዊት ካብ ጥቕሚ ወጻእ ኮይኑ፡ ኢሳይያስ ዝሃቦ ግብረ መልሲ ከኣ ኣይነበረን፡፡ ኣብ ቀረባ እዋን’ውን እንተኾነ ኣብ ላዕላይ ዴዳ ሓደ ሰዓት ኣብ ዘይመልአ ናይ ውግእ ግዜ ውሽጢ ክ/ሰ 21 ካብ ስራሕ ወጻእ ተገይራ፡፡ “ጄሪ” ኣብ ኩሉ ከባቢታት ዝሃቦ ምላሽ እንተነይሩ ንሓጺር ግዜ ዝኣክል ናይ መዳፍዕ ደብዳብ ፈተነ ጥራይ ኢዩ ገይሩ፡፡ እንተኾነ ነዚ’ውን እቲ ሸይጣን “ቶም” ብዘይዝኾነ ጸገም ተቆጻጺርዎ’ዩ፡፡

እምባእ! እንታይ ደኣሎ ጸወታ ‘’ቶም’’ን ‘’ጄሪ’’ን ተቐይሩ? ናይቲ ሸይጣን ‘’ቶም’’ ቀጻሊ ስጉምቲ ኸ ናበይ ገጹ የእንፍት ይኾን? ክልተ ሕቶታት ፈላሊና ንርኣዮም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት፡ እቲ ሸይጣን “ቶም” ንዝባኸኑ ካርድታት ክኣኽኽብ ጸኒሑ’ሎ፡፡ ኣብ ሕሉፍ “ቶም” ብዲፕሎማሲያዊ መዳይ ኣብ ዓለም ኣይሰመረሉን ነይሩ፡፡ ንባዕሉ ብውሳነ ኮሚሽን ዶብ እውን ተበዲሉ ነይሩ፡፡ እንተኾነ እቲ ብልሓተኛ “ቶም” ጥበባት ዘለዎ ጸወታ ብምጽዋት ባይቶ ጸጥታ ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ከጽድቕ ድሕሪ ምቕባሉ፡ እቲ ኮሚሽን ብመሰረት ኣብ ካርታ ዝሰፈረ ኣብ ባይታ ናይ ምሕንጻጽ ተግባራቱ ከምዘይቅበሎ ኣፍለጠ፡፡ ድሕሪ’ዚ “ቶም” ነዚ ኣጸጋምን ወሳንን ጉዳይ ምሕንጻጽ ውሳነ ዶብ ከምዝተቐበሎ፡ ኣብ ኣተገባብርኡ ብመሰረት ዓለም ለኻዊ ሕግን ኣሰራርሓን ብቀጻሊ ዘተ ንምትግባሩ ፍቓደኛነቱ ገለጸ፡፡ ድሕሪ እዚ መግለጺ’ዚ ከኣ ብባይቶ ጸጥታ ናይ ድጋፍ ዕድል ረኸበ፡፡

ብኣንጻሩ፡ በዚ ኩነታት ዝተቖጠዐን ዝተዳኸመን “ጄሪ” ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ንዝሰፈሩ ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ምንቅስቓሳቶም ምጉንዳብ ጀመረ፡፡ እዚ ብምስምስ ወያነ ዝተፈጥረ ምስኣን ልዕልና ሞራል  ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ንምንጻል ኣንፈት ዝሓበረ ኩነታት’ውን ነበረ፡፡ በዚ ኩነታት ዝተቆጠዐ “ጄሪ” ንልዕሊ ኩሎም “ቶማት” ነቲ ዝገዘፈን ሸይጣንን ዝኾነ ሓላፊ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሲ.ኣይ.ኤ ምጽላም ጀመረ፡፡ ኣስዒቡ “ጄሪ” ኣብ ገዛእ ነብሱ ብምትእምማን ነዚ ዞባ ከምዝህውኽ ምፍርሑ ቀጸለ፡፡ ብምኽንያት እዚ “ቶም” ንዓቢ ሓው ንምርግጋጽ ከባቢያዊ ረብሓታቱ እንተደኣ ዝደሊ ኮይኑ ን“ጄሪ”  ናይ’ዚ ዞባ ሃዋኺ ሓይሊ ምኻኑ ከእምንን ነዚ ዞባ ንምህዋኽ ዝሓከለ ሓኽሊ ምኻኑ ከእምኖ ፈተነ፡፡ ሓሊፉ ተሪፉ “ጄሪ” ምስ ግበረ-ሽበራዊ ሓይሊ ኣልሸባብ ተመሓዝዩ ዞባና ንምህዋኽ ተግባራቱ ቀጸለ፡ ኣብ ልዕሊ ጁቡቲ’ውን መጥቃዕቲ ኣካየደ፡፡ ኣስዒቡ ሕንኽ ከይበለ ነቲ ኣብ ከተማ አዲስ ኣበባ ይካየድ ዝነበረ ናይ ሕብረት ኣፍሪካ መራሕቲ ኣኼባ ናይ ተፈንጀርቲ ሓደጋ ከውርድ ወፍሪ ኣካይዱ ኢድ ብኢድ ተተሓዘ፡፡

ስለዚ “ጄሪ” እዞም ስርሒታት በመንጽር ዕላማታቶም ክኸስበሎም ኣብ ልዕሊ ዘይምኽኣሉ፡ ብኣህጉራዊን ዓለማዊን ማሕብረ-ሰብ ክፍንፈንን ክውገዝን ገበሩዎ፡፡ ሲዒቡ ብኽልቲኡ ባይቶ ጸጥታ እግዳታት ክብየነሉን ገበሩ፡፡ በዚ ምኽንያት ወተሃደራዊ ዓቕምታቱ ኣብ ኣዝዩ ዝተመናመነ ኩነታት ይርከብ፡፡ ስለዝኾነ ከኣ “ጄሪ” ኣብ ዓለምና እቲ ናይ መጀመሪያ ጎያይን ናይ መወዳእታ ድሕሪት ዝተረፈን ሓይሊ ኮነ፡፡ በዚ ምኽንያት ከኣ ኢዩ ብወያነ ኣብ ዝተዳለወ መጻወድያ ናይ ምእታው ኩነታት ተፈጢሩ ዝርከብ ዘሎ፡፡

“ጄሪ” ብሸነኽ ወተሃደራዊ ኣጠማምትኡ ልዕሊ ማኒም ምኻኑን እንኮላይ ንወያነ ከምዝበልጽ ይምካሕ ነበረ፡፡ ኣዝዩ ገዚፍ ሰራዊት ንምህናጽ ድማ ንዓቕመ-ኣዳም ዝበጽሐ ኩሉ መንእሰይ ብምዕስካር ብማእቶታዊ ስራሕትን ካልኦት ፈተነታትን ብምሕላፍ ጸገማት ዝጻወር ሰራዊት ምውዳብ፡ ምቅስቓስን ምህናጽን ጀመረ፡፡ “ጄሪ” ነዚ ናይ ሰራዊት ናይ ህንጻት ተግባር፡ ቻይና ኣብ እዋን ባህላዊ ሳውራ ተካይዶ ካብ ዝነበረት ተሞኩሮ ብምቕዳሕን ኣብ በረኻታት ሳሕል ዓሪዱ የካይዶ ንዝነበረ ነጻ ጉልበት ማእቶት ዓይነት ተግባር ጀመረ፡፡ እንተኾነ “ቶም” ንተግባራት “ጄሪ” ብዙሕ ኣይተገደሰሉን፡፡ “ቶም” ነዚ ዘይተገደሰሉ ምኽንያት በዝሒ ህዝቢ ወሳንነት ከምዘለዎ ስለ ዝኣምን’ዩ፡፡  እንተኾነ ንግዚኡ ክንዲ “ጄሪ” ዝወደቦን ዘሰለፎን በዝሒ ወተሃደር ከኽትብን ክውድብን ወሰነ፡፡ “ጄሪ” ካብ ሕድሕድ ስድራ ቤት መልሚሉ ዝኸትቦ ወተሃደር ኣብቲ ሕ/ሰብ ኤርትራ ዝፈጥሮ ተጽዕኖ ቀሊል ከምዘይኮነ፡ ብኣንጻሩ “ቶም” ካብ 20- 25 ስድራቤት ሓደ ወተሃደር ብምኽታብ ተጽዕኖ ዝፈጥረሉ ከምዘይኮነ፡ እኳ’ደኣስ ብኣንጻሩ ስእነት ስራሕ ኣብ ምቅላል እውን ተራ ከምዘለዎ ከይተረደአ ኣይተረፈን፡፡

“ጄሪ” ካብ ናይ ቻይና ናይ ቀይሕ ሰራዊት መጽሓፍ ብዝወሰዶ ኣስተምህሮ ንኩሉ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ መስርዕ ውትህድርና ድሕሪ ምኽታብ፡ ብዘይዝኾነ ዓይነት ክፍሊት “ወፍሪ ባርነት” ብዝተሰየመ ነጻ ጉልበቱ ተጠቒሙ ናይ ቁጠባ ዕቤት ንምጉንጻፍ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ኣካየደ፡፡ ናይ ብዙሓት ነጻ ጉልበት ዓቕሚ ጸንፊፍካ ብምጥቃም ናይ ካፒታሊስት ምዝመዛ ንምውጋድ ኢዩ ነይሩ፡፡ እዚ ከምቲ ናይ ቻይና ቀይሕ ሰራዊት ዝገበሮ ብሓደ ዋንጭፍ ክልተ ዑፍ ዓይነት ነይሩ፡፡ ሕ/ሰብ ኤርትራ ብሓፈሻ በከበድቲ ጸገማት ተፈቲኑ ብዓይኒ መርፍእ ዝሓልፍ ህዝቢ ገይርካ ከም ብሓዱሽ ንምህናጽ ዝተገብረ ፈተነ  ክኸውን ከሎ፡ ብሓይሊ ኣገዲድካ ዝተረኽበ ናይ ቁጠባዊ ዕቤት ተኣምር ንምፍጣር ኢዩ ነይሩ፡፡ ድሕሪ እዚ ን10 ዓመታት ዝተኻየደ ፈተነ ውጽኢቱ ንዝምለከት እንታይ ከምዝኾነ ንኹሉ ግልጺ ኢዩ፡፡ ገለ ካብኡ መብዛሕትኡ መንእሰይ ሃገሩ ራሕሪሑ ንስግረ-ዶብ ንድሕሪትን ይጠፍእ ኣሎ፡፡ ሰፊሕ ማሕበረ ቁጠባዊ ቀውሲ ተፈጢሩ ኣሎ፡፡ ኩሉ ሕ/ሰብ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ እቲ መንእሰይ ወለዶ እቲ ስርዓት ክውገድ ይደሊ ኢዩ፡፡ እቲ ናይ ዞባና ገዚፍ ሰራዊት ናተብሃለ ዝፍለጥ ሓይሊ ባዶ ገረወኛ ኮይኑ ተሪፉ ኣሎ፡፡ ዝርካቦም ኣብ መስርዕ ምክልኻል ዝርከቡ ሒደት ኣባላት ሰራዊት እውን እንተኾኑ ናይ ምውጋእ ድሌት የብሎምን፡፡ ንምውጋእ ድሌት ዘለዎም እንተሊኦም አውን ንስርሒት ዝበቅዕ እኹል ቀረብ የብሎምን፡፡ ስለዚ ድማ “ጄሪ” ኣብ መጻወድያ ተቐርቂሩ ኣብ ኢድ “ቶም” ወዲቑ ይርከብ፡፡

ብኣንጻሩ እቲ ብልሂ “ቶም” ወያነ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ዓቢ ግምት ዝወሃቦ በዓል ድርብ ኣሃዝ ቁጠባዊ ዕቤት ኣመዝጊቡ ኣሎ፡፡ ኣዝዩ ገዚፍ ምስ ዝኾነ ናይ ዕቤት በዝሒ ህዝቢ (ዲሞግራፊ) ብተወሳኺ ቁጠባዊ ልዕልነት ብምርግጋጽ ምስ “ጄሪ” ብምንጽጻር ማዕረ ሓርማዝ ዝኣክል ፍልልይ ኢዩ ተፈጢሩ ዘሎ፡፡ እዚ ድማ ኢዩ ንጸወታ “ቶም”ን “ጄሪ”ን ሓዱሽ መልክዕ ሂቡ “ጄሪ” ናይቲ ብልሂ “ቶም” መላገጺ ኮይኑ ዘሎ፡፡

“ጄሪ” ዝኾነ ዓይነት መከላኸሊ ኣብ ዘይብሉ ኩነታት ውሽጢ ምህላው “ቶም” ብዝግባእ ተረዲእዎ ኣሎ፡፡ ብናይ “ቶም” መዓስከር ስደተኛታት ኣቢሎም ዝሓልፉ ወተሃደራት “ጄሪ”፡ ካብቶም ምስኡ ዘለው ወተሃደራት ከይበለጹ ኣይክተርፉን፡፡ እዚኦም ዝህብዎ ሓበሬታ ከኣ “ቶም” ብጽሞና ተኸታቲልዎ’ዩ፡፡ ልዕሊ እዚ ኣብ ቀረባ ዝተኻየዱ ስርሒታት፡ ዘጋሃድዎ ሓቂ እንተሎ “ቶም” ድሌቱ ንምግባር ዓጋቲ ከምዘይብሉን፡ ብኣንጻሩ “ጄሪ” ዝደልዮ ክገብር ተኽእሎ ከምዘይብሉን ኣረጋጊጹ’ዩ፡፡ “ቶም” እዚ ዝፈልጥ እንተኾይኑ፡ ን”ጄሪ” ሒዙ ዘይውሕጦ? ዝብል ሕቶ ይለዓል’ዩ፡ እንተኾነ እዚ ዘይኮነሉ ምኽንያታት ዝተፈላለዩ ግምታት ይቐርቡ ኢዮም፡፡

ሓድሓዲኦም ኣብ ከረን ንእትርከብ “ልቢ ትግራይ” ብሂል ወለዲ ዘኪሮም ከምዝብልዎ፡ “ጄሪ” በዚ ኩነታት ተማሪሩ ሓደ ግዜ ኩናት እንተኣዊጁ፡ “ቶም” ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒሙ ክብድ ንዝበለ ስርሒት ውጥን ምሕንጻጹ፡፡ ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ብዛዕባ ኣብ ሉኣላዊነቱ ዝተፈጸመ ወራር ከምዘሎ ገሊጹ ንናይ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ተጽዕኖ ከይተሰከፈ “ጄሪ” ንምድምሳስ የኽእሎ ኢዩ፡፡

ካልእ ንናይ ኣመሪካ ቺፍ ኦፍ ስታፍ ነበር “እንተሰይርካዮ ተሓታቲ ንስኻ ኢኻ” (‘’if you break it you own it’’) ዝብል ጥቕሲ ብምውሳድ ወያነ ምሉእ ብምሉእ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ምስ ኣእተወ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ፈራሪሱ፡ ኣብ ኤርትራ ዝተበታተነ መንግስቲ ኢዩ ክህሉ፡፡ እዚ ድማ  ን”ቶም” ኣብ ጎሬቤቱ ብዝወደቐ መንግስቲ ዝፍጠር ጸገም ተሃዊኹ ንዝሓዞም ቁጠባዊ ዕቤትን ናይ ትራንስፎርሜሽን መደባትን ዘዕንቀፍ ኩነታት ክፍጠር ይኽእል፡፡ ብምኽንያት እዚ ከኣ “ቶም” ንሃገራዊ ጥቕሙ ክብል ነቲ ንእሽቶን ድኻን “ጄሪ” ኣብ መንቀርቀር (መጻወድያ) ተቐርቂሩ ክጸንሕ ዝደሊ”ዩ ዝመስል፡፡

እቲ ሳልሳይ ናይ “ቶም” ክልሰ- ሓሳብ፡  ን”ጄሪ”ን ደገፍቱን እታ ኩዕሶ ኣብ ኢዶም ከምዛላ ከርእዮም ዝደለየ ይመስል፡፡ ንሱ ከኣ “ጄሪ” ብዝኾነ ይኹን መገዲ ንባዕሉ ዘድሕነሉ ምርጫ ከምዘየለ፡ እቲ ዝምከሓሉ ናይ ምክልኻል ብሕታዊ ኣማራጺኡ ዝነበረ ሓይሊ ትርጉም ናብ ዘይብሉ ደራጃ ከምዘውደቖ፡ ሃገር ንምድሓን ከምዘይክእል ምርኣይ ኢዩ፡፡ እዚ ድማ “ቶም” ብዘተኣማምን ከርእዮ ኪኢሉ ኣሎ፡፡ ኣብ መጠረሽትኡ “ጄሪ” ዝተኣማመነሉ ብሕታዊ ኣማራጺ ብምእላይን ካብ ውሽጢ ብዝፍጠር ሓያል ነውጺ ሕጋውነት ዘይብሉ ስርዓት ንምግባርን እዩ፡፡ ብርግጽ ኣብ መስርሕ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ሓደሽቲ ሓሳባት ክህልው ይኽእሉ ኢዮም፡፡ እቲ ሓቀኛ ፍታሕ ግን ንኩነታት ብዝግባእ ተንቲኑን ተረዲኡን ናይ “ቶም” ን “ጄሪ”ን ሓድሽ ጸወታ ብምርዳእ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ዝሓሸ ኣማራጺ ሒዞም ክቐርቡ ምግባር ኢዩ፡፡ “ከምዝበሃል እዚ ንካልእ ግዜ እንተሰገርና ይሓይሽ”

                                                                                                                          


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...