ህዝቢ ኤርትራ ንመዓልቲ 20 ሰነ ምስ ዝኽሪ ናይቶም ምእንትኡ በጃ ዝሓለፉ ደቁ ካብ ዘተኣሳስራ ሓያሎ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። እዛ መዓልቲ’ዚኣ ኩልና ኤርትራውያን ማለት እቶም ኣብ ቦታ መስዋእቲ ዝነበሩ; ንጀግንነትን ሓቦን ብሓደ ወገን ንጭርቃን ዋዛታትን ብጻያዊ ሓልዮትን ናይቶም ኣብ ጐድኖም ዝወደቁ’ሞ ሓመድ ኣዳም ዝለበሱን ዘይለበሱን ብጾቶም ዝዝክሩላን፣ ንነብሲ ወከፍ ፍጻሜ ዝግምግሙላን መዓልቲ ኢያ። እቶም ካብ ቦታ ፍጻሜ ፍንትት ኢሎም ዝነበሩን ወይ ድሒሮም ዝተወልዱን ድማ፣ ወለዲ ስእሊ ደቆምን ኣሕዋቶምን፣ ኣንስቲ ስእሊ ናይ ሰብኡተን፣ ቆልዑ ድማ ስእሊ ናይቶም ፍቕሪ ከይለገሱሎም ዝሓለፉ ወለዶም እናሰዓሙ ብታሪኾም ዝሕበኑላ መዓልቲ ኢያ። ዝኽሪ 20 ሰነ ‘ምበኣር ምስቲ መስዋእቲ ዝብል ሓረግ ስለእትተኣሳሰር ብዛዕባ መስዋእትን ትርጉሙን ውሑዳት ቃላት ወስ ከብል ጽቡቕ ይመስለኒ።

መስዋእቲ ማለት ንስለ ካልኦት ምሕላፍ፣ ምእንቲ’ቶም ዝተረፉ ሂወትካ ምሃብ ማለት ኢዩ። “ምእንቲ ካልኦት” ማለት ከኣ፣ ነቶም ገዲፍካዮም ትኸይድ ዘለኻን ድሕሪኦም ዝቕጽል ወለዶን፣ ካብቲ ናብ መስዋእቲ ዘብጸሓካ ወጽዓ ንሓዋሩ ንኽናገፉ ምግባር ማለት ኢዩ። ንኣብነት ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ተጋደልቲ ብገለ ተሰሪዖም ክሓልፉ ከለዉ፣ ናእሽቱ ቆልዑ ሰላም ክብሉዎም ይመጹ’ሞ “መናጁስ ምእንታኹም’ዩ እዚ ኩሉ ከርተት፣ እቲ ሽግር ኣባና ክውዳእ’ሞ ንስኻትኩም ብሰላም ክትነብሩ” ዝብል መልሲ ምሃብ ልሙድ ነይሩ። እቶም ተጋደልቲ ነዚ ዘረባ’ዚ ክደጋግሙ ከለዉ ናይ ብሓቂ ኣሚኖሙሉን ካብ መዓሙቕ ልቦም ዝመንጨወን’ምበር ንስለ ዘረባ ዘይምንባሩ ኩሉ ዝዝክሮ ሓቂ ኢዩ። ህይወቶም ክብጅዉ ከለዉ’ምበኣር ኣብቲ ዝኮዖ ደሞም እቲ ምልክት ሰላምን ራህዋን ዝኾነ ሰቲ ክቦቅል ኢዮም ተጸብዮም። “ዋላ’ኳ ንሕና እንተሓለፍና እቶም ዝተረፉ ብጾትና ሕድርና ተቐቢሎም ህዝብና ከም ዝጥዕሞን ዝርህዎን ክገብሩ ኢዮም” ዝብል ምሉእ እምነት ኢዩ ነይሩዎም። ኣብ ኤርትራ ኵናትን ወረ ኵናትን ምስ ምድምዳም ናይዚ እነካይዶ ዘለና ሓርነታዊ ኵናት ክድምደም ኢዩ ዝብል እምነት ሒዞም ኢዮም ሓሊፎም።

እንተኾነ እቶም ብመስዋእቲ ካልኦት ዝጀሃሩ፣ ብዘይታሪኾም ዝሕበኑ፣ ኣብ ዘይወዓልዎ ዝትርኹ ብዓቢኡ ከኣ ብደም ንጹሃት ዘውዲ ዝደፍኡ ናይ ድሕሪ ናጽነት ጀጋኑ (post independence heroes) ነታ ሰቲ ሰምሃር ክቦቕላ ዝተጸበናያ ሃገር እሾኽ መርገም ዘሪኦሙላ። እቶም “መናጁስ ምእንታኹም’ኮ ኢና” ዝበሃሉ ዝነበሩ ጥራይ ዘይኮኑስ ነቶም ድሕሪኦም ዝተወልዱ’ውን ብዝኸፍአ ደረጃ ተኻፈልቲ ናይቲ ሽግር ኮይኖም። እታ ብኽቡር ደም ኣቦታቶማን ዓበይቲ ኣሕዋቶምን ዝተረኽበት ሃገር፣ እሾኽ መርገም ዝተነስነሳ ቀሲንካ ዘይትረግጻ፣ ምዩቕ እናበልካ ትነብረላ መሬት ኮይናቶም። ሃገር ብምልእታ ቤት ማእሰርቲ፣ ኩሉ’ቲ ህዝቢ ድማ እሱር ኮይኑ። ከምቲ እሱር ካብ ትሪኮላታ ነጢሩ፣ ካብ ናይ ዋርድያታት ጠያይት ተሳሒቱ ምስ ኣምለጠ፣ በቲ ለቢሱዎ ዝወጸ ናይ ቤት ማእሰርቲ ክዳን ኣለልዮም “ሓዞ! ሓዞ!” እናብሉ ዝስዕቡዎ፣ መንእሰያት ኤርትራ’ውን ካብ ዶባት ናይታ እሾኽ መርገም ዝተዘርኣን ናብ ቤት-ማእሰርቲ ዝተቐየረትን ሃገሮም ክወጹን፣ ብረሻይዳን በደዊንን ተሃዲኖም፣ ካብ ጥራይ ነብሶም ወርቂ ክሕለቡ ክሕተቱን ሓዲ ኮይኑ። እነሆ ድማ ሎሚ ብሕልሚ’ውን ርእዮሞ ዘይፈልጡ “$30 ሽሕ፣ $40 ሽሕ እንተዘይከፊልኩም፣ ኮላሊትኩም ክንሸጦ ኢና፣ ኮርንያ ዓይንኹም ክንደግሞ ኢና” ይበሃሉ ኣለዉ።

 

ኤርትራዊ፣ ማዕረ’ቲ ንኽብሩ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ሓሲሩ። እተን ትሕትናን ሕፍረትን ዝመለለይአን ደቂ-ኣንስትዮና፣ እቲ ምእዙዝን ለዋህን ባህሪያተን ተመሊሱ ይሃስየን ኣሎ። እቲ ሕውነትን ምትሕልላይን ዝባህሪኡ ባህልና፣ ብሰንኪ‘ዚ እሾኽ መርገም ዝዘርእ ዘሎ ጉጅለ፣ ተመሊሱ ክሃስየና ይረአ ኣሎ። ሎሚ ኤርትራ ሰራሕቲ ቅያ ብዝፈጸምዎ ዘኹርዕ ተግባር ዝኾርዑላን፣ ውዕሎኦም ዝትርኹላን ዘይኮነትስ፣ ንሳቶም ነገራት ኣስደሚሙዎም ሱቕ በሃልቲ ዝኾኑላ፣ ሰማዕቲ ወረ ከኣ ወነንቲ ታሪኽ ኮይኖም ኣፎም መሊኦም ዝዛረቡላ ሃገር ኮይና። ብሰንኩ ጅግንነትን ሃገራውነትን እናሃሰሰ፣ ህድማን በለጽን እናዓበየ ክኸይድ ይረአ ኣሎ።

ንኣብነት ክኾነና እቶም ኣብ ሲናይ ዝሽየጡን ዝልወጡን ዘለዉ መንእሰያት፣ ብቑጽሪ ውሒዳት ኣይኮኑን፣ መብዛሕትኦም ምሉእ ወታደራዊ ታዕሊም ዝወሰዱ ኢዮም። ይትረፍ ንሽፍታን ናይ በረኻ ሰበኽ-ሳግምን፣ ዘመናዊ ኣጽዋር ንዝዓጠቐ ሰራዊት ክምክቱን ክድምስሱን ዝተዓለሙን ምሉእ ፍልጠት ተተኮስትን ዘለዎም ኢዮም። እንተኾነ ‘ናተይ ዝብለና መንግስትን ደቀይ ትብለና ሃገርን የብልናን’ ስለዝበሉ ምስ ምሉእ ክእለቶም ናብ ልኡማት ተለዊጦም፣ ንዝኾነ ክፉእ ነገር ክቕበሉ መሪጾም ኣለዉ። ንሳቶም ክልተ ምርጫ ጥራይ ዝሓዙ ኢዮም ዝመስሉ። እንተኾነሎም ናብታ ዓዲ ሰብ ዝብሉዋ ሃገር ክበጽሑ፣ እንተዘይኮነ ከኣ ኣብኡ ኣብቲ ምድረ-በዳ ክሞቱ። ኣብ ሓንጎሎም ‘ኣብዚ ካብ ንመውት ንመንግስቲ ኤርትራ ነጊርና ናብታ ዝተወለድናላን ዝዓበናላን ሃገር ዘይንምለስ’ ዝብል ሳልሳይ ምርጫ ዘሎ ኣይመስልን። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ ኢዮም፣ ሽግር ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፣ ናብቲ ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ ኤምባሲታት ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዘመልክቱ፣ ናብ ኣዝማዶምን መቕርቦምን፣ ካብኡ ሓሊፎም ድማ ናብ ካልኦት ተደናገጽቲ ማሕበራት ግብረ-ሰናይን ኣውያቶም ከስምዑ ዝቐርቦም። መንግስቲ ናብ እሾኽ ተለዊጡ ክሳብ ክንድዚ ክጽላእ - ዝገርም ኢዩ። ብኸምኡ ከኣ ኢየ ‘እሾኽ- መርገም’ ክብሎ ዝመረጽኩ።

ኣብ መደምደምታ፣ ሎሚ ዝኽሪ ሰማእታትን መዓልቲ 20 ሰነን ኣብ እነብዕለሉ እዋን፣ ክንግምግሞም ዝግበኣና መሰረታዊ ነገራት ኣለዉ። እቲ ክቱር ሃገራዊ ፍቕሪ ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራ፣ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ሃገሩ ክከላኸልስ ይትረፍ፣ ንነብሱ ኣብታ ኣዝዩ ዝፈትዋን ዝተበጀወላን ሃገሩ ክነብር ኣይከኣለን። ከም ዜጋ ኣብ ፖሊቲካዊ ሂወት ሃገሩ ክሳተፍ፣ ንነብሱ ንፖለቲካዊ ስልጣን ክወዳደር፣ ወይ ናተይ ንዝበሎምን ዝኣምኖምን ሰባት ናብ ፖለቲካዊ ስልጣን ክመርጽስ ይትረፍ፣ ኣብ ምዉቕ ገዝኡ ምስ ኣሕዋቱን ወለዱን ክቕመጥ’ውን ኣይተፈቕዶን። ርእይቶኡ ጥርዓኑን መረርኡን ናብቶም “ሰበ-ስልጣን ኢና” ዝብሉ ከቕርብስ ይትረፍ፣ ኣብ ከባቢ ኣብያተ- ጽሕፈት መንግስቲ ክረኣ’ውን ኣይተፈቕዶን። ሂወቱን መጻኢኡን ምስ ስደት ኣተኣሳሲሩ፣ ኩሉ በብዝጠዓሞ ክነፍጽ ይረኣ ኣሎ።

ዝኽሪ 20 ሰነ ዘሰክመና ሓላፍነት እምበኣር፣ እቶም “ብህዝብን ሃገርን ንግደስ ኢና” ንብል ሰባት ኣኣብዘለናዮ ቦታ ከክእለትና ከነበርክት ይግባእ። እቶም ኣብ ደገ እንነብር ‘ለውጢ ብውሽጢ ኢዩ’ እናበልና ነቲ እንኽእሎ ካብ ምግባር ጠጠው ክንብል ኣይግባእን። ንሕግታት ናይቲ እንነብረሉ ዘሎና ሃገራት ብዘይጻረር መንገዲ ድምጽና ከነስምዕ ግቡእ ኢዩ። ብደገ ብርቱዕ ማዕበል እንተተላዒሉ ነቲ ናይ ውሽጢ’ውን ክደፍኦ ከም ዝኽእል ምርዳእ ከድሊ ኢዩ።

ታደሰ ኪዳነ

በርሚንግሃም

UK

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...