ከምቲ ‘ሰብ ብያታ እኽሊ ብገበታ’ ዝበሃል፣ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ካብ ጥንቲ ካብ ጥቅምቲ ሓርበኛ ያታ ዝነበሮ ህዝቢ ኢዩ። ታሪኽ ንምስክር ኤርትራውያን እንተዝሕተት፤ ጅግንነትን መስዋእቲን ሕላገትና ምዃኑ ምመስከረ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፋ 21 ዓመታት  ነቲ ኣብ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ዘጋጠመ ረዚን መስዋእቲ ደቁ ብእህህታን ቁዘማን እናዘከረ ኢዩ ክመጽእ ጸኒሑ።

    ዝኽሪ ጀጋኑ ምስ ንብዓቱን ኣብ ጥሙይ ከብዱን! ዝኽሪ ደቁ ብሓለንጊ እናተገርፈን ናብ መቑሕ እናተዳጎነን! እቲ ቀዳሞት ደቁ ስለ ባህጊ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ንመስዋእቲ ዘወፈየ ጅግና ህዝቢ ኤርትራ፤ ሞት ካብ ጎረቤቱ ኣይለቅቕን ስለዝበለቶ ኣብቲ ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝወልዖ ዓርሞ ኲናት ባድመ’ውን በራውር ደቁ ንክኸፍል ተገዲዱን ገና’ውን ይኸፍል ኣሎን።

 

    ቀዳማይ ዝተደርመመ ኣርእስ ኣዴታት ኤርትራውያን ከይተፈትሐ፤ ካልኣይ ሳልሳይ…ራብዓይ መርድእ ኣብ ቅርዓት ገዛውትና ኮይኑ ደበለ። ኣብዘን ዝሓለፋ 14 ዓመታት (1998-2012) ብሰንኪ ኣዕናዊ ሜላ ስርዓት ህግደፍ ዝጠፍአ መንእሰይን ገና’ውን ዝጠፍእ ዘሎን ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ‘ንምራኽ እኖኣ ሓቲትካ ተዋገያ’ ከም ዝበሃል፤ እቶም ንታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ረሲዖም ንጥፍኣቱ ካሪክለም ክሕንጽጹ ዝሓድሩ ተዃሉ ዝግ ኢሎም ክሓስቡ’ሞ፤ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ዝሓለፈ ታሪኹ ንዝነበረ ጽሑፍ ንከንብቡ ነዘኻኽሮም። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ሓዘን ኢዮብ ሓዚኑ ዝተርፍ ዘይኮነስ፤ ርሑቕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ፤ እጹብ ድንቂ ብዝኾነ ነጎዳ ደበሳ ኢዮብ ንክድበስ ናብ ባና ደረት ትርኢት ዘማዕዱ ዘሎ ህዝቢ ኢዩ።

 

     ኣብዚ ናይ ሎሚ ዘመን ዝክረ-ሰማእታት ካብቲ ን21 ዓመታት ኣብ ዓመት-ዓመት ዝቐርብ ዝነበረ ሓፈሻዊን ተደጋጋሚን መግለጺ፤ ፍልይ ብዝበለ መልክዕ ብዛዕባ ረዚን ሓላፍነት ሃገርን ጉዕዞ ኣናብስ ደቂ ኤርትራ ኣብ ሜዳን ታሪኽ ውልቀ-መስዋእቲን ንክጽሕፍ መሪጸ። እቲ ምንታይ ግምጃና ክድህሰስ ስለዘለዎ።

     ሞት ንቡር’ዩ፣ ኣብ ዓለም ሂወት ዘለዎ ፍጡር ይውለድን ይመውትን ኢዩ። ብኣንጻር እቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝገብሮ ምትኽኻእን ዳግም ምፍላስ ሂወትን ግን ሞት የለን ክንብል ንኽእል። ስለ ህዝቢ፣ ስለ ሃገርን ክብረትን ዝኽፈል ሞት ከኣ መስዋእቲ ኢልናዮ። እምበኣር ንሕና ኤርትራውያን ናጽነትናን ሓርነትናን ንምርካብ ክቡር መስዋእቲ ከፊልና ኢና’ሞ ጅግንነት መለለዪ ሕላገትና ኢዩ እንተበልና ካብ ሓቂ ዝወጸ ኣበሃህላ ኣይኮነን።  

 

     ታሪኽ’ውን ከም ምሩጽ ውላድ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እንተተሰጋጊሩ፣ ኣይሞተን ንብል። ከም ናትና ዝኣመሰለ ኣብ ብራና ምሩጻት ዜጋታትና ብክቡር ደም ዝተጻሕፈ ከቢድ ታሪኽ እንተዘይተሰኒዱን ናብ ወለዶታት እንተዘይተሰጋጊሩን ግን ሓደ ሞት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ዓሰርተ ሞት ኢዩ። ስለዚ ታሪኽና ቅርስናን መለለይናን ስለዝኾነ፣ ንዘለኣለም ከይመውት እንታይ ንግበር?

 

     እዛ ሎሚ እነስተማቕራ ዘለና ናጽነት ዋግኣ ቅርሽን ሽልንን ኣይኮነን። እዘን ኣብ ስእሊ  እንርእየን ዘለና ሓቀኛ ቅርስታት  ሽዳን ኣዕጽምቲ ሓርበኛን፣  ብ1977 ዓ.ም. ኣብ ጨው ሳሊና ምእንቲ ወለዶታት ኤርትራውያን ዝተኸፍላ እየን። ባጽዕ ኣብ 1990 ዓ.ም. ናጻ ምስ ወጸት ከኣ ድሕሪ 13 ዓመታት ኣብቲ ናተን ዝኾነ ማይ ባድ ሳሊና ጸኒሐን። ዓሳ ኣይወሓጠንን፤ ኣለልዩወን ግን። ናይቲ ምእንቲ ህዝቢ፣ መሬትን ባሕሪን እናተጋደለ ከሎ ዝተቖጽየ ሓርበኛ ምንባረን ዓሳ ቀይሕ ባሕርና’ውን ፈሊጡወን።  ኣብ ልዕሊአን ከኣ ናይ ባሕሪ ኮራል፣ ዕምባባታት ኣውጺኡ ነበረ።

     ዓሳ ሳሊና ዋንኡ ካብ ኣለለየ፣ ንሕና’ኸ ነለልዮ’ዶ? እዚ ከቢድ ዕዳ እዚ ኣብ እንግድዓ ነፍስ-ወከፍና ኣሎ። ኣብ እዋን ጥምጥም ንናጽነት ኤርትራ ዝነበረ ቅያ ተመሊስካ ኣብ እትዝክረሉ እዋን፤ ሓደ ሓደ ግዜስ ንምእማኑ’ውን የጸግም ኢዩ። ገለ ስድራ-ቤታት ምስ ሙሉኣት ደቃ ናብ ቃልሲ ተሰሊፋ ነይራ ኢያ። ‘ካብ ብሱል ጥረ’ ከም ዝበሃል ከኣ፤ ድርብ ጥራይ ዘይኮነስ ድርብርብ ሞባእ ከፊላ ዝኣተወት ሰብ’ውን ነይራ ኢያ እንተተባህለ ኣይተጋነነን። ኣብዚ ናይ ሎሚ ንውሕ ዝበለ ጽሑፍ ብዛዕባ ሓንቲ ስድራን ዝተፈራረቐ ሂወት ገድሊ፣ ፍቕሪ ሓዳርን ፍቕሪ ስድራ-ቤትን ከም ኣብነት /ሳምፕል/ ኤርትራዊት ስድራ ቤት ክንርኢ ኢና’ሞ እስከ ዝግ ኢልና ንከታተል።

     ፍቕሪ ውላድ “ወሊድካ ፈትን’’ ዚብል መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ወሊዱ ዝፈተነ ኢዩ ዚፈልጦ። ፈተነ ኣብ ህይወት ወላዲ ናይቲ በሊዕካ እትጸግብ ተኸዲንካ እትማሙቕ ዘይመስሎ ርህሩህ ወላዲ። ሕጊ ተፈጥሮ ግዲ ኮይኑ ግን ውሉድ ምስ ወለደ ጥራይ ኢዩ ኣብ ውላዱ ዝፍትኖ። “ከብዲ ወላዲ ፈጥ-ፈጥ ከብዲ ውሉድ ገጥ’’ ዝብልዎ ከኣ ከምዚ’ዩ። ግን ከብዲ ወላዲ ከኣ ካብ እምኒ ዝጸንዓሉ ግዜ ኣሎ። እቲ ጊንጢ ተርእዮ ናብ ዝኸፍአ ጫፉ ኣብ ዝበጽሓሉ ግዜ፣ ንምጭካን ዝወለደት ማህጸን’ኳ ትጭክን።

     መን ይኣምን!! እወ መን ይኣምን ተጋዳሊት ጸሃይቱ ፍሰሃየ ጓል 53 ዓመት ኣደ 6 ቆልዑት ክነሳ ምስ ኩላቶም ደቃ ንክትጋደል ኢላ ናብ ሜዳ ወጺኣ እንተተባህለ። ሓቂ ኢዩ ወጺኣ ኢያ ግን! ሎሚ ሓደ ነቢይ ከም ገለ ኢሉ፦ “ኢሳይያስ ሞይቱ ንክሓድር መን ኣላ 6 ቆልዑታ ሒዛ ንሳሕል እትኸይድ ስድራ ቤት?” እንተዝብለናስ ኣየነይቲ ስድራ’ኾን ምተበገሰት! እስከ’ምበኣር ናብ ታሪኽ ተጋዳሊት ጸሃይቱን ስድራ ቤታን ንኺድ፦

     ጸሃይቱ ብድሕሪ ምዱብ ታዕሊም ድማ ናብ ኮር 491 ተመደበት። ዕድመን ሕሰም ናብራ ገድሊን ኣብ ኣካላታ ዝገደፉዎ ኣሰር ንምርዳእ ነጋሪ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይነበረን። ጸሃይቱ ኩሉ ዓይነት ኣደ’ያ። ከም ኣደ ወላድ፣ ከም ኣደ ሓርበኛታት፤ ከም ንባዕላ’ውን መስርዕ ዝኾኑ ቆልዑት ሓቒፋ ምግዳላ ክሳብ ክንደይ መዓቀኒ ነይሩዎ ይኸውን ሃገራውነታ?

     ጸሃይቱ ኣብ 60ታት (ዘመነ-ክፍልታት) በቶም ቀዳሞት ኣብ ከባቢኣ ዝነበሩ ተጋደልቲ እኒ ኣብርሃም ተወልደ፣ ናስር ኪዳነን ዳውዶን ዝተባህሉ ተተባቢዓ ተወደበት። ሰውራ ኣብ እግሪ ተኽሉ ኣብ ዓዳ (ከባቢ ዓዲ ቀይሕ) ብምስጢር ንተጋደልቲ ትዕንግልን ትሕብሕብን ነበረት። በዓል ቤታ ተጋዳላይ መምህር ጸሃየ፣ መጀመርያ ኣብ ስሳታት ብሃገራዊ ጉዳይ ስለዝተኣስረን ብድሕሪኡ ድማ ናብ ሜዳ ስለዝወጸን መነባብሮ ኣዝዩ ጸንከራ። ጸጉሪ እናቖነነትን ክዳውንቲ እናሓጸበትን ኢያ ንደቃ ከተዕቢ ዝጀመረት። ኣብ 1977 ከኣ እቲ ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ርሱን ሃገራዊ ስምዒት ደሪኹዋ ናብ ሜዳ ወጸት። እንተኾነ ደቃ ኣዝዮም ንኣሽቱ ስለዝነበሩ ናብ መደበር ዑቕበኛታት ኢያ ኣትያ።

     “መጀመርያ ንዝነበረኒ ናይ ምግዳል ድሌት ስለዘይተማላኣኣለይ ማዳን ጓህን ኮይነ። እቲ ዝተቐበለኒ ናይ ሓድነትን ሰሓቕን ማሕበራዊ ናብራ ግን ንህይወተይ ቀይሩዎ ኢዩ። ሕጉስቲ ድማ ኮንኩ።” ትብል። ኣብቲ መዓስከር ንዝነበረ ህይወት ድማ ትዝርዝር፣ ሽዑ ኣብ ደብዓት ተዓቚበን ዝነበራ ኣዴታት ንግሆ ተንሲአን ካብ ነፋሪት እናተሓብኣ፣ ክዳውንቲ ውጉኣት ኪሓጽባ ይውዕላ ነበራ። ገሊአን ሳኣኒ ስለዘይነበረን ነቲ ብብርቱዕ ጸሓይ ዝረሰነ ሑጻ ደብዓት /ሳሕል/ ኪረግጽኦ ስለዘይከኣላ፣ ባኮ ቀዲደን ብፈትሊ ሰፍየን ከም ጫማ ይጥቀማሉ ነበራ።

     ሓንቲ ኣደ ባኮ ጫማ ኣብ እግራ ኣሲራ ነቲ ረመጽ ሑጻ ምስ ሰገረት፣ ነታ ደድሕሪኣ እትስዕብ ሩባ ዘይተሳገረት ኣደ ትድርብየላ ነበረት። ምስቲ ኩሉ ጽንኩር ሂወት ግን ኣጋ ምሸት ስርሐን ምስ ወድኣ፣ መጋርያ ኣጒደን ህር…! ዝበለ ጓይላ ይገብራን ይስዕስዓን። ኣብቲ መጀመርያ ተመኩሮ ከይደለባ ከለዋ፣ ዝተቖርጸ ስረ ወይ እጅገ እንተርእየን፤ ደቅና /ሰብኡትና/ ተቖሪጾም ማለት’ዩ እናበላ ይነብዓ ነበራ። ደሓር ግን ለመድኦ። ምኽንያቱ ኩለን ብረት ሒዘን ኣብ ግንባራት ክዋግኣ’ምበር ኣብ መደበር ዑቕበኛታት ኮፍ ክብላ ድሌት ስለዘይነበረን። እዚ ኢዩ ድማ እቲ ነባሪ ሕላገት ኤርትራውያን።

     ጸሃይቱ ናብ ሜዳ ክትወጽእ ከላ ነብሰ-ጾር ኢያ ነይራ። ምስቲ ጽንኩር ግዜ ነቲ ነዊሕ መንገዲ ድማ ኣብ ከብዳ ዕሸል ተሰኪማ በዲሃቶ። እዚ ተጠኒሱ ካብ ዓዲ ዝወጸ 6ይ ውላዳ ድማ ኣብ መደበር ዑቕበኛታት ወለደቶ። ነቶም ሓሙሽተ ናብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ኣእትያ፣ ነቲ ሕጻን ኣብ 10 ወርሑ ናብ መዕበያ ቆልዑት ገዲፋ ከኣ ንክትጋደል ናብ ሓይልታት ከደት። ክፍሊ ማሕበራዊ ጉዳይ ግን ነቲ ዕሸል ምስ ረኣዩዎ፣ ካብ ግንባራት ተመሊሳ ወዳ ንከተዕቢ ሰሓብዋ። ሕጻን ምስ ዓኾኸ ድማ ኣብ 1982 ዓ.ም. ከም እንደገና ናብ ግንባራታ ተመልሰት።

     ቦኽሪ ወዳ ኢሳይያስ ጸሃየ ቅድሚኡ ኣብ 1976 ንሜዳ ምስ ወጸ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኢዩ ዓብዩ። ሓደ ካብቶም ብዋዒኦም ዝተፈልጡ ድማ ነበረ። ኢሳይያስ ሓደ ካብቶም ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዘፍረየቶም ኣሽሓት መንእሰያት ኢዩ። ምስ ዓበየ ናብ ቅድመ ግንባራት ከደ። ድሕሪ ታዕሊም ግን ናብ ክፍሊ ጋራጅ መራፊት ተመደበ። ኣብ ግዜ 6ይ ወራር ድማ ናብ ግንባራት ሞሊቑ ባዕሉ ከተተ። ኣብ ግንባራት ንብጾቱ ምሂሩ፣ ሰሪሑ፣ ተዋጊኡን ከም መንእሰይ ድማ ኣፍቂሩን ተመርዕዩን ነበረ።

    ከም ኩሎም ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ኩነታት ውግእን ሳዕቤናቱን ሕሰም ፍቕሪ ጀሚሮም ከይተጻገቡን ዕላል ፍቕሪ ከይተገላለጹን፤ ከምኡ’ውን እንኮ ሓድጊ ከይገደፉን ብናፍቖት ዝተፈላለዩ ተጋደልቲ ድማ፤ ከቢድ ምፍልላይ ኣጋጢሙዎም። እነሃ ድማ ኣብቲ ጽንኩር ኩነታት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናብ ወላዲቱ ዝጸሓፋ ደብዳበ ከምዚ ትብል፦

 

    14/05/1990

    ናብ ዝኸበርክን ዝተናፈቕክን ኣደይ ጸሃይቱ ፍስሃየ። ብመጀመርያ ድሙቕን ዕዙዝን ብጻያውን ውላዳውን ሰላምታይ ንዓኺ ይኹን።

 

    ክብርቲ ወላዲተይ!

   ኣብ ሂወትኪ ሓጎስ፣ ቅሳነትን ጥዕናን እምነየልኪ። ብኡ መጠን ኣብ ቀጻሊ ንጥፈታትኪ ዓወትን ኣሳልጦን ግስጋሰን እጽበ። ብምስዓብ ኣደይ ወላዲተይ ብወርሒ 4 ወረቐት ሰዲደልኪ ነይረ። ሕጂ’ውን ዳግማይ እሰደልኪ ኣለኹ። ኣነ ከም ቀደመይ ጽቡቕ ኣለኹ። ኩላቶም ብጾትን ስራሕን’ውን ጽቡቕ ኣለዉ። ንስኺ ሓርበኛዊት ኣደይ ከኣ ጽቡቕ ክትህልውለይ ሰናይ ትምኒተይ ኢዩ። ኩሎም ኣሕዋትናን ስድራናን ብጾትን ከኣ ጽቡቕ ኪህልዉ በዓል ዓቢ ተስፋ እየ። ኤደን ጽቡቕ ኣላ። ኣዱሊስ፣ መሪሕ፣ ተኽልንኪኤል ከኣ ምስቶም ርህሩሃት ስድራ ኣዴና ጽገሃና ጽቡቕ ኣሎዉ።

 

    ዝከበርኪ ወላዲተይ!

    ክብርቲ ናይ ዕላማ ብጸይተን በዓልቲ ቤተይን ኣበባ፣ ልክዕ ከምቶም በጃ ህዝብን ሃገርን ዝሓለፉ ሰማእታት ጽዋእ መስዋእቲ ተቐቢላ ዋጋ ሓርነት ኮይና ሓሊፋ ኣላ። ህላዌ ኣበባ ውላዌ ኢሳይያስ ኢዩ። ከምኡ’ውን ህላዌ ናትኪን ናይ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራን። ጥማዕ ደም ኣበባ ግን ሕላገት ኣለዎ፣ ሕላገት ሕድሪ። ስለዚ ኣነ ኣብ ልዕሊ መቓብር ጅግና ኣበባ ኮይነ ዘይተሰዓርነተይ ከረጋግጽ፣ ሒዛቶ ንዝነበረት ልዓት ሽጉጥ ጨቢጠ ጨጓር ንውሽጢ፤ እነብሕን እምርሽን ኣለኹ። እወ! ድሕሪ ኣበባ ወላ ንሓንቲ ሰከንድ’ውን ትኹን ኣየር ኤርትራ ንከተንፍስ ፍቓደኛ ኣይነበርኩን፣ ኮይኑ ግን። ይኣክል ጸሃይቱ…የ! ብዙሕ ኣይተዛርብኒ። እቲ ምንታይ እናነባዕኩ ይጽሕፍ ስለዘለኹስ ድሕሪ ማይ ንብዓተይ ናብ ደም ከይቅየር።

    ንስኺ ከኣ ኣበባ ዚርሳዕ ሕላገት ስለዘይብላ፣ እንተለኹ ጽቡቕ ከምኡ እንተኾነ ከኣ ንስድራቤታ ኣይትጥለምዮም ሓደራ! ኣይትንገርዮም ድማ… ወይ እውን ዘጠራጥር ምልከት ኣይተርእይዮም። ካልእ ኩሉ ስእልታትና እሰደልኪ ኣለኹ። ዝተረፈ ስእልታትን ዶኩመንትን ምስ ወዲ ሽፍታ ኢዩ ዘሎ። ወዲ ሽፍታ ናብ እንዳ 24 ተቐይሩ ናብ ግንባር ከረን ስለዝተመልሰ፣ ሕጂ ክሰደልኪ ኣይከኣልኩን። ኣብ ቃጻሊ ግን ንካላኣይ ግዜ ኣሕጺብኪ ንክትሰድዮ እሰደልኪ ኣለኹ። ካልእ ናይ 89 ስእልታትና ምስ ወዲ ፈረጅ ኢዩ ዘሎ፣ ምስ ወጸ ኪሰደልኪ እየ። ኣበባ ቅድመይ ሓሊፋ ኣላ። ኣነ’ውን ስለ ክብሪ ህዝበይን መሬተይን ንናጽነት ኣይክርእያን እየ። ብርግጽ እየ ዝብለኪ ዘለኹ። ግና ከም ቀደምኪ ንከብድኺ ክሳብ ህዝብና ብናጽነት ዝዕልል እምኒ ሩባ ምልእያ። ብዝተረፈ ይኣኽለና። ምናልባት ንክንራኸብ ናብ ድግድግታ እንተትመጺ ጽቡቕ ምኾነ። እንተዘይተኻእለ ግን ቻው…ቻው!!! ረሲዐ’ባ ንጳውሎስ ሰላም በልለይ ኢኺ።

    እዛ ዝሰደልኪ ዘለኹ ግጥሚ ግዜ እንተረኺበ ክሳብ ኣስፊሐ ናብ ካሴት ዝቐርጻ ንመዘከርታ ምሳኺ ሓዝያ። ኣፍቃሪተይን ክብርቲ በዓልቲ ቤተይን ኣበባ ብዕለት 09/04/1990 ኣብ ግንባር ጊንዳዕ፣ ግሓይት ኣብ ዝተባህለት ጨካን ቦታ ልክዕ ሰዓት 05፣30 ወጋሕታ ብቦምባ ኢድ ጸላኢ ኢያ ተሰዊኣ። ምናልባት ግዜ እንተተረኺቡ መቓብራ ከርእየኪ እየ።                           

    ኢሳይያስ “… ንጣብ ደም ኣበባ ዘይርሳዕ ሕላገት ኣለዎ፣ ሕላገት ሕድሪ። ኣነ ከኣ ጨጓር ንውሽጢ፣ ሒዛቶ ንዝነበረት ልዓት ሽጉጥ ጨቢጠ እምርሽ ኣለኹ።’’ ኢሉ ናብ ኣዲኡ ወላዲቱ ደብዳቤ ሰዲዱ። እንተኾነ ከም ሰብ መጠን ከይሓዘነ ኣይተረፈን። ብዛዕባ እቲ ዘሕለፎ ሓጺር ምዉቕ ፍቕሪ ብዙሕ ኢዩ ገጢሙ።

    ኣብታ ጽሑፋት እትዕቅብ ንእሽቶ ኖት ቡክ ዓጺፉ ብውሕልነት ኣብ ጓል-ብስክሊቱ (ዕጥቁ) ኣንቢሩዋ ነበረ። ምናልባ ፍቕሪ ብሰለስተ ፊደላት እትግለጽ ሓጻር ሓረግ መሲላ ትርአ ትኸውን። ናይ ኢሳይያስን ኣበባን ፍቅሪ ግን እቲ ኣብ መንጎ መዳፍዕን ደብዳብ ነፈርቲን ዝበቖለን ብሓዊ ዝዓምበበን ፍቕሪ ኢዩ። ፍቕሪን ብጻይነትን፤ ፍቕሪን ሓያል ዕላማን። ናይ ሜዳ ፍቕሪ፣ መርዓን መስዋእቲን ጉዳም ኢዩ። ክልቴኻ ኣብ ሓደ ኣሃዱ ትምደበሉ ግዜ’ውን ብዙሕ ኢዩ። ኲናት እናክጽዕጽዕ ኣብ ክንዲ ናይ ገዛእ ርእስኻስ ናይ ኣፍቃሪትካ ሂወት ይርኣየካ። እቲ ምንታይ ፍቕሪ፣ ስለ ፍቕሪ ጥራይ ስለዘይነበረ።

    ንኣዲኡ ጸሃይቱ’ውን ነቲ ግጥሚ   “ብሃና” እትብል ደርፊ ኣሰንዩ ኣብ ካሴት ቀሪጹ ኢዩ ሰዲዱላ። ካብቲ ብዛዕባ ብኲናትን ጸበባን፤ ምፍልላይን ምንፍፋቕን ዝተፈራረቐ ትዝታ ፍቕሩ ዝጸሓፎ ግጥምታት ዝተረኽበ እነሆ፦

        ኣበባ…ኣበባ … ኣበባየ

           ዎ… ኣበባ

            ኣቡቺ!

      ኣበባ’ዶ ኣይኮነን መጸውዒ ስምኪ

      ‘ሃየ’ባ በልኒ ከም ኣመልኪ

      ካን’ዶ ክኢልክዮ ኣጽቂጥኪ ምድቃስ

      ተኣርኒበን ኢድኪ ርእሰይ ካብ ምድህሳስ።

              ካበይ ኣምጺእክዮ ናይ ጭካነ ልቢ

              መን’ዩ ሓቢሩኪ ናይ ሓዋሩ መዕለቢ።

        ን ህ ላ ዌ ይ!!! ንህላዌና…

        ንህላወ ክብርቲ ሃገርና

        ንራህዋን ፍትሕን ህዝብና…  

   እንተተነጻጽርዮ ናይ ቀደምን ሎሚን

   ለኪምክኒ ምኸድኪ ኢለ’የ ዝኣምን

   እንታይ ክተርፈሉ ብድሕሬኺ

   ምስ መን ክዛረብ ብዘይካኺ

         ንብዓተይ… እወ’ቲ ከም ማይ ሓምለ

         ብለይቲ ጃሕ-ጃሕ በለ

         ብቐትሪ ንውሽጢ ከብደይ ገማጠለ

         ጥዑይ ይመስል’ምበር ተጸሊለ።       

                   መርድእኪ ሰማዕኩ’ሞ ሕልናይ ሞተ

                   ኣብ ቢንቶ ብ’ዓረዛ’ዩ ወርሒ ኣርባዕተ

                   ዕለት 18 ንግሆ ሰዓት ትሽዓተ።

  ብጋህዲ ኣይነገሩንን ተሰዊኣ ኢሎም

  ግን ክመዝኖ ጸኒሐ ጥንቃቐ ቃላቶም

  ኣበባ ከምዚ ኢላ… ዝነበረ ልምዶም

  ምስ ምስንባትኪ ጥርቅም ኢላ ኣፎም።

           ናይ መጨረሻ መርድእኪ ዝሰማዕኩሉ ከባቢ

           ኣብቲ ናይ ዘየለዉ ዘበለ ዕጥቂ መአከቢ

           ዕጥቆም ንከለልዩ መማጽእተይ ውጉኣት ነበር

           ክሻታት ዕጥቂ ክፍትሹ ወጸ’ቲ ቁም-ነገር።

    መጀመርያ ካብቲ እሳር መሰስ ዝበለት

    ነገር ዝዓደመት ክፉፍኪ ደኣ ኮነት

             ወይዛ ክፉፍ ፈገር

             ምሳኺ’ኸ ዘይትቕበር

             መን’ዩ ክዓጥቃ እንታይ ኢያ ክትገብር?

             መስዋእትኺ ክትነግር

             ዓወት ተረኺቡለይ ያኢ

             መሰስ ትብል ከም ምሩጽ ዘርኢ

             ወይ ብስክሊት እንቋዕ ኣይትርኢ

             ንብዓተይ ብዕትሮ ሓዘነይ ብገንኢ።    

             በታ ታርጋ ዕጥቅኺ

             ፈለጥኩኺ ኣለለኹኺ።

       ተቢዐ ናይ መን’ያ ኢለ ክሓትት

       ብኳሬንቲ ከም ዝደንዘዘ ተኾርመኹ ኣብ መሬት

       ኣይተጠራጠርኩን ፍጹም ኣይሰጋእኩን

       ሂወትኪ ከም ዘብቅዐ ደጊመ ኣይሓተትኩን።

                    ንምትራፍ ንስኻ’ባ ንስኺ’ባ

                    ከም ዘይተበሃሃልና ኣብ ሓደ ሩባ

                    ስእሊ ሒዝካ ካብ ምትራፍ ኣድሕነኒ

                    ኣማን ብኣማን ኣምላኽ ወጺዑኒ ።

     ኢሳይያስ ንኣዲኡ ብደብዳቤ ናብ ድግድግታ ክትመጾ’ኳ እንተሓተታ፣ እዋኑ ጸላኢ ባጽዕ ንምምላስ ብሙሉእ ዓቕሙ ናይ ሞት ወይ ሕየት ኲናት የካይድ፤ ጅግና ተጋዳላይ ድማ ባጽዕ ንምዕቃብ ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ዓሪዱ ብጽንዓት ዚከላኸለሉ ዝነበረ ግዜ 1990 ብምንባሩ፣ ኣብቲ ኩነታት እቲ ንወዳ ክትረክብ ስለዘይከኣል ኣይተበገሰትን።

     ካብ ባጽዕ ናብ ዓዲ-ቀይሕ ዘራኽብ ጽርግያ ሩባ ሓዳስ ተሰሪሑስ ዓዲ ቀይሕን ሰገነይትን ናጻ ምስ ወጸ ግን ጸሃይቱ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ዝተፈልየቶም ቤተ-ሰባን ዓዳን ከምኡ’ውን ነቲ ቦታ ቀይሩ ዝነበረ ወዳ ንክትርኢ ኢላ ተበገሰት። ኣብቲ ግንባር ምስ በጽሐት ኣቀባብላ መራሒ ክፍለ ሰራዊት 52 ስዒድ ፈረጅ ደስ ኣይበላን። “ቅድም ክርእየኒ ከሎ በየን መጺእኪ ኢሉ ዝሕጎስን ወጃዕጃዕ ዚብል ዝነበረን ብዛዕባ ወደይ ዘጻውተኒ ዝነበረን፤ ዘረባ ኣቋሪጹ ዝን ምስ በለ፣ ብዛዕባ ኢስይያስ ወደይ ኣይሓተትኩን።

     ጸሃይቱ ‘ወደ’ውን ተሰዊኡ ኢዩ’ ኢላ ስለዝገመተት፣ ኣበየናይ ቦታን በየናይ ዕለትን ከም ዝተሰውአ ንከተረጋግጽ ናብ ቤት ጽሕፈት ክፍለ ሰራዊት 52 ከደት። ሓሰን ንዝበሃል ተጋዳላይ ብላዕሊ ኮይና፣ መስዋእቲ ወዳ ከም እትፈልጥ ነገረቶ። መዓስን ኣበይን ከም ዝተሰውአ ከኣ ሓተተቶ። “ክድዓትን ሕማቕ ታሪኽን ናይ ወደይ እንቋዕ ኣይሰማዕኩ’ምበር ተሰዊኡ ምስ በሉኒ ተሓቢነ እየ።’’ እናበለት ደጋጊማ ተዛረበቶ።

    “በሊ …’’ ኢሉ ዘረብኡ ጀመረ ሓሰን። “ብሓቂ ጌርናዮ ኣይንፈልጥን ኢና። ንስኺ ግን ጽንዕቲ ኣደ ኢኺ። መስዋእቲ ኢሳይያስ ንዓኺ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንውድብ’ውን ዓቢ ክሳራ ኢዩ፣’’ ኢሉ ብ 8 ነሓሰ 1990 ኣበይን ብኸመይን ከም ዝተሰውአ ገለጸላ። ሽዑ ጸሃይቱ “ከም ወላዲት ወደይ ክፍለየኒ’ኳ እንተዘይደለኹ፣ መስዋእቱ’ውን ሎሚ’ዶ ጽባሕ እናበልኩ ይጽበዮ ስለዝነበርኩስ ኣይሰንበድኩን። ከብደይ ገጥ ኢሉ፣ ኣነ ምስኡ ኣብ ሜዳ ስለዘለኹ’ምበር እቶም ካልኦት ስድራ ድኣ እንታይ ኢዮም ክብሉ? ንኹሎም ስዉኣት ዘኪረ ድማ ኣይነባዕኩን። ኢሳይያስ ኣብ ዱሮ ዓወት ኢዩ ተሰዊኡ። ካብቶም ቅድሚኡ ዝተሰውኡ ንሱ ይሓይሽ ኢለ ተጸናናዕኩ።’’        

     ብድሕሪ’ዚ ሓሰን ደብዳቤ ሂቡ ናብ ሓለፍቲ ኮር ንክትከይድ ሓበራ። “ምስ ከድኩ ወዲ ስሑል፣ ኣደ ኢሳይያስ ምዃነይ ስለዘይፈለጠ ተቐቢሉኒ እምበር እቶም ካልኦትሲ ረርእዮሙኒ ኢዮም ሃዲሞም። ተጋዳላይ ኮኮል መጺኡ ነታ ሓሰን ዝሃበኒ ቡስጣ ምስ ሃብኩዎ ነቢዖም። ሓቃቶም! ኣነ ግን ጨካን ኮይነ ድየ ኢለ ንነብሰይ ሓተትኩዋ። ንብዓት ኣይመጸንን፣ መዓናጦይ ዝሕልሕል ክብል ግን ተፈሊጡኒ” ትብል።

     “ንመጀመርያ ግዜ ኢና ንሓንቲ ኣደ ወድኺ ተሰዊኡ ኢልና ንነግር ዘለና፣ ጽንዓትኪ ስለዘተባባዓና ኢዩ።’’ ኢሎም ከኣ ሙሉእ ታሪኽ ሂወት ወዳን ጅግንነቱን ተወፋይነቱን ዘርዚሮም ኣዕለሉዋ። ካብ እመት ስድሪ ኣላታ ግን ቦታ መስዋእቲ ወዳ ሓንሳብ እምባ ክብርቲ፣ ሓንሳብ ድማ ኣብ ሕክምና ማዕረባ ምስ በጽሐ ተሰዊኡ ዝብል ዘረባታት ምስ ሰምዐት፣ ከም ወላዲት መጠን ንከተረጋግጽ ኣብ ሰገነይቲ ንዝነበራ ኣዲኣ መንቀሊኣ ከይነገረት፣ ክዛወር እየ ኢላ ናብ ማዕረባ ከደት።

     ኩላቶም ዝፈልጡዋ ደሃይ ወዳ ከይትሓትት ረርእዮማ ስለዝተሓብኡ ግን ዝቕበላን ዘዕልላን ሰኣነት። “ዓቕለይ ምስ ጸበበኒ ንጓል እገ ብሰብ ጸዊዐ ከም ትረኽበኒ ገይረ።’’ ጓል እገ ጸሃይቱ በየን ከም ዝመጸት ስለዘይፈለጠት “ኢሳይያስ ወድኺ ኣሎ ኣይተሰውአን፣ መን’ዩ ተሰዊኡ ዝብለኪ’’ ብምባል ከምቲ ኩሉ ተጋዳላይ ዝገብሮ ዝነበረ መግናሕቲ ዝተሓወሶ የእምን’ዩ ዝበለቶ ዘረባታት ኣስመዓታ። ከም ዝተነግረት ምስ ኣዕለለታ ግን፣ ንሳ’ውን ነብዐት።

     ዝወደቐላ ታባ ከርእዩዋ’ሞ፣ ነታ ታባ ንመዘከርታ ክትስእላ ኣጥቢቓ ለመነቶም። ጽንዓታ ስለዘተባብዖም ድማ ነታ ታባ ጥራይ ዘይኮነስ መቓብር ወዳ’ውን ኣርኣዩዋ። “ቅሰን’ዚ ወደይ ናብ ኣፍደገ ዘብጻሕካዮ ዓወት ኣነ ኣዴኻ ክዛዝሞ’የ!’’ ብምባል ድማ ንዝዓጠቐታ ካላሽን ናጽነት ኤርትራ ከይተረጋገጸ ንከይትፈትሕ ኣብ ልዕሊ መቓብር ወዳ ኮይና መሓለት።

     ብድሕሪ ናጽነት ኣስከሬን ናይቶም ኣብ ግንባር ደቀምሓረ ዝወደቑ ሰማእታት ኪእከብ እንከሎ፣ ጸሃይቱ ንኣስከሬን ወዳ ኢሳይያስ ባዕላ ኢያ ኣውጺኣቶ። ነቶም ዝተረፉ ተጋደልቲ ደቃ ሒዛ ናብቲ መቓብር ብምኻድ፣ መቓብር (ኣስከሬን) ሓዎም ርእዮም ንዝወደቐላ መሬት ንክከላኸሉላን ሕድሪ ስዉኣት ንከይጠልሙን ቃል ኣእትያቶም። ኣብቲ ግዜ እቲ ኢሳይያስ “ተጋዳሊት’’ ኢሉ ስም ጓል 18 ዓመት ሓብቱ፣ ጸሃይቱ ንሽክና ወዳ ሒዛ ምስ ረኣየታ፣ ሕማቕ ተሰሚዑዋ በኸየት። “ኣይትንብዕለይ… ኣስከሬን ወደይ ባዕለይ እየ ዘውጽኦ’’ ብምባል ጸሃይቱ ኣስከሬን ኢሳይያስ ወዳ ባዕላ ኣውጺኣ ምስ ኣስከሬን እቶም ካልኦት ጀጋኑ ሓወሰቶ።

     ካብ መስረትቲ ሰልፊ ናጽነት ኤርትራ ስዉእ ተጋዳላይ ኣብርሃም ተወልደ “ጽንዒ! ምስጢር ዓቅቢ…ንኩሉ ሽግራት ሓሊፍና ግድን ክንዕወት ኢና፣ ንሕና ክንስዋእ ኢና፤ ዳሕረዎት ግን ሰላም ኪረኽቡ ኢዮም” ዝበለኒ ወትሩ ኣብ ልበይ ስለዘላ፣ ደቀይ ጅግንነት ናይቶም ቀዳሞት ብምውራሶም ብዕልልታ ቀቢረዮ’’ ትብል ሓርበኛ ጸሃይቱ።

     ኢሳይያስ ጸሃየ ኣብታ ኣበባ ዝተሰዋኣትላ ዕለት፣ ወርሒ - ወርሒ ዝክረ ሰማእታት ገይሩ ጾሙ ንክውዕል ኢዩ መደቡ። ጀሚሩዎ ድማ ነበረ። እንተኾነ ንሱ’ውን ከምቲ ኣበባ “ጽቡቕ ኣይገድፈልካን’ዩ በሰላ ፍቕርና፣ እናዘመርካ ጥራይ ኣርክበኒ… ደርፊ ሃና… ሃና… ሃና!’’ ኢላ ዝተላበወቶ፣ ነታ ኣበባ ዝተሰዋኣትላ ራብዓይቲ ወርሒ’ውን ብሓንቲ መዓልቲ ቀዲሙዋ፤ ድሕሪ ሰለስተ ወርሕን ዕስራን ትሽዓተን መዓልታትን ኣርከባ።

 

                          ኣማን ብኣማን…

                   ጅግንነት ሕላገት ኤርትራውያን ኢዩ!

                     ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

                      ብርግጽ ክንዕወት ኢና!!

 

                     This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.          

           

 

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...