ከመይ ቀኒኹም ክቡራት ደቂ-ሃገረይ!

 

ኩሉኹም ነዛ ጽሕፍተይ ተንብቡ ዘለኹም  ኣሕዋት፡ እስከ ነቲ ምእንቲ’ዛ ክብርቲ መዓልቲ ትገብርዎ ስነ-ስርዓት ኣበዓዕላ መዓልቲ ስዉኣት ሓንሳብ ብህዱእ ውኖኹም  ዘክሩዋ!

 

ኣነ ብወገነይ ነታ ኣብ ቅድመይ ዝተወልዐት ሽምዓ ቀው ኢለ ክርእያ ድሕሪ ምጽናሕ ቅጽበት ተዓሚተ “ሎሚ’ንዶ

ሎሚ’ንዶ…….“ እንዳበልኩ ንብርኪ ሊሎታት ፋኑሳት ክዝክር ጸናሕኩ። ብማዕረ ናይ ከምቲ ከማኹም ከኣ ልክዕ ከምዛ ምስኦም ዝነበርኩ ኩሉ ነገራቶም ተራእየኒ! እዛ በድኒ ነብሰይ ድማ ኩሎም ክትከውን ኣይምጸልአትን።

ንስኻትኩምኸ?

                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                    --   ኣእምሮኹም ዝደለዮም ወይ ዝዘከሮምን ዝተቐበሎምንዶ ጸብጺብኩም ሓቀይ?

ሕልናኹምከ ንመን ዘኪራ? ዝጓነየቶምከ ነይሮምዶ?

 

ማለተይሲ ከምቲ ኣብ ቲቪ ኤረ መደብ “ድባብ“ ዝተጠቕሰ ነቶም ኣኣብገዛና ዝተንጠልጠሉ ሕጋዊ  ምስክር መስዋእትነት ዝተዋህቦም ከምእተቐድሙ ኣይጠራጠርን። ክሳብ ድማ ኣብቲ ናይ ጐደና በዓል፡ማዕረ ስእሊ ነጋውስ ከተንጠልጥልዋ ተፈቒድልኩም ኢዩ። ኣብታ ብብሕትኹም ምስ ሕልናኹም ዝገበርኩማ በዓልከ ከመይ ነይራ?

 

ብመዓልቲ ስዉኣት ዘብራህኩማ ሽምዓኹም ነቶም ክትዝክርዎም ዝኸኣልኩም ኣብሪሃትሎምዶ ?

     ነቶም ዘይትፈልጥዎም ወይ ኣእምሮኹም ዘይተቐበሎምከ ሽምዓኹም ግብ ኢላ ብምጥፋእ ጓንያቶምዶ ?

 

ወዲሰብ ከምቲ ካልእ ኩሉ ህይወታዊ ሓላፊ ኢዩ። ስለ’ቲ ንሱ ኣብ ብዓለሙ ምዉት ንከይርሳዕ ክሳብ ኣብታ ዝተሓተት ስድራ ከይተረፈ ዝግበር ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ኣሎ። ምኽንያት ዝኽሪ ብዙሕ ክኸውን ከምዝኽእል እናዘከርና ተግባራት ምዉት ቀንዲ መዘከሪ ከምዝኸውን ግን ንሰማማዕ ኢና። ሓቂ ኢዩ’ውን ሰባት ብተግባራቶም

ኢዮም ዝዝከሩ። ንሱ ብንሱ ዝሓለፈ እወታዊ ኣስተዋጽኦን ዕላማን ሕሉፋት ቀንዲ ነዳዲ ህሉዋት ስለዝኾነ። ምኽንያት ሞት ምእንቲ ሓባራዊ ጥቕሚ እንተነይሩ ከኣ ኣካል ናይቲ ሃገራዊ በዓል ይኸውን።

 

ሃገር ማለት ከምንኣብነት ጤሳ ትሰመ ደምበ፡ ዓለማዊ ናይ ሰብነት ኣፍልጦ ዝረኸበ ህዝቢ ዝነብረላ ኣየራውን መሬታውን ከምኡከኣ ማያዊ ዶባታ ዝተመልከተ ክፋል ዓለም ኢያ። ኤርትራ ከኣ ሓንቲ ክፋል ዓለም ኢያ። ምእንታኣ ክበሃል ንዝተኸፍለ ህይወት እምበኣር ብሓለፋዊ ኣጸዋውዓ “መስዋእቲ“ ኢልዎ ኣሎ ህዝብና። ሕቶ ነስዕብ ሕጂ፡ “ በዓልመን ኢዩም ስዉኣት? ዝብል ሕቶ።

 

“ዝኾነ ኤርትራዊ ብዘይዝኾነ ምፍልላይ ጾታ፡ ዕድመን ብሄርን፡ ኣብዝኾነ ቦታን /ልዕልን ትሕትን መሬትን/ ግዜን፡ ብዕጥቂ ብረት ይኹን ብኻልእ መገዲ ምእንቲ ሃገር ክብል ዝሓለፈ፡ ወይ’ውን ብመግዛእታዊ ውዲት ዝተገደየ……… ስዉእ ኢዩ“ ኢልና ንኣምን እንተኾይና ብዓል ስዉኣትና ሃገራዊ ዘይኮነሉ የለን። እቲ ዝፈላሊ ዘሎ፡ ኤርትራውነት ንርእሱ ሰልፋዊ መልክዕ ብምሓዙ፡ መቓብር ድማ ከምኡ መልክዕ ስለዝሓዘ ሌላን ጉሌላን ኮይኑ ተሪፉ።

 

ኣነ ኣብዚ ነገር ጋዜጠኛነትን ካልእ ክኒኡ ዝተጠጅአ ሕቡእ ጎዛዛይ ጠቃር ፖለቲካን ዝናፈስ ዘሎ ምጽራይ ዘርኢ ሰባት ብግዚኡ ክምለሶ’ዃ መደብ እንተኣለኒ፡ ንግዚኡ ግን ፍሉይነት ማለት ከምገገዛኻ ምሓዝ፡ ሓድነት ከኣ ንናይ ሓባር ቃልስን ረብሓን ሓባራዊ ግምባር ምፍጣር መንነት’ውን ብቀንዱ ተግባር ምዃኑ ኣፍኢመ፡ ብገለ ሕቶታት ክፋነወኩም። ግደፍዶ ብትውልድስ፡ እቶም ምእንቲ ናጻነት ኤርትራ ፍቐዶ ሸናጭሮ ሳሕላትናን ሃገርናን ዝተሰውኡ ኢትዮጲያዊያን ዜጋታትከ ኤርትራዊ መንነትን ምስክር መስዋእትነትን ምኸላእኩሞምዶ? ከምኡ ድማ ኢትዮጲያዊያን ኣሕዋትና ነቶም ክሳብ መዓርፎ ነፈርትን ቤተ-መንግስትን’ታ ሃገር እናተቖጻጸሩ ዝተሰውኡ ኤርትራዊያን፡ ኣብ ዘክረ-ሰማእታቶም ይጓንዩዎምዶ? ክብሪ ዜግነትከ ይኸልእዎምዶ?

 

ክንፈላልዮም ዘይንኽእል እንተኾይንና ኣብ ዘዘለዉዎ ክዓርፉ ድማ መሰሎም ኢዩ። ስዉኣትና ንህሉዋት ዘስተምህርዎ ነገር እምበኣር፡ እዚ ክልተ ኣህዛብ በቦትኡ ሒዙ ክረዳዳእን ክተሓባበርን ጥራይ ኢዩ።እንታይ ድኣሉ

ጸገምና ንምልላይ ባዕልኹም ብትንታነታትኩም ኣህጥርዎ።

 

ጉዳይ ስዉኣትና ንምግባር ትርጉም መስዋእቶም ብሰፊሑ ክዝርዘር ምተኻእለ። ኩሉ ንግዜ ገዲፍና “ንምዃኑ ዕላማ ስዉኣትናኸ ሸትኡ ወቒዑ ኢልኩምዶ ትሓስቡ?

  

እቲ ህግደፋዊ ናይ ሸፈጥ መዓልቲ ሰማእታት እንታይ ይመስል ከምዘሎ ድማ ርኢኹሞም ኣለኹም። ሽምዓ ህግደፍ ነቶም ኣብ በዓል ኣዲኣበይቶ፡ ዒላዒሮን ብሃገራን፡ ከምኡ ከኣ ኣብ ብዓለሙ ግዳይ’ታ ሰልፊ ዝኾኑ ንዘለዉ ግዳያት ኣይተብርህን ኢያ። ሽምዓ ህግደፍ ነቶም ካብቲ ግምባራዊ ፖለቲካዊ መስመር ወጻኢ ዝተሰውኡ ሓርበኛታት ተሓኤን ካልኦትን ኣይተድምቕን ኢያ። ብሓጺሩ ሃገር እንተኢልና ሃገራውያን ከኣ ክንብ ኣለና። መዐቀኒ ዜጋነት ድማ ሃገራዊ ግቡኣት ኢዩ። ህይወቶም ንዝኸፈሉ ምጉናይ ከድኣ እንታይ ትብልዎ?  

 

ዘረባ ከይበዝሕ’ሞ መንፈስ ስዉኣት ድማ ከይርበሽ ምእንቲ ሃገር ቅድም ቀዳድም በቶም ስለኣ ዝወደቑ  ስዉኣትን  መርኣያኦም ዝኾኑ ፍቐደኡ ተናጢሮም ዘለዉ ስንኩላንን ኢያ ትልለ። ንሳቶም ቅርስታት ታሪኽ ሃገር ስለዝኾኑ’ውን ቅድሚ ካይላን ጨርሕን ክዕቀቡ ምተገብአ። ብኣንጻሩ ግን መዓልቲ ሰማእታት ንህግደፍ መናገድያ ጥራይ ኢዩ።

ስለ’ቲ ንሱ በዛ ናይ ሎሚ ዓመት ዝኽሪ ሰማእታት ናይ ዕስራ ሰነ ኩላህና ኤርትራውያን እስከ መብጽዓ ንእቶ። ብውሽጥን ብወጻእን ዘለና ኤርትራውያን ብልቢ ንመባጻዕ። ከምዚ ዝኣመሰለ መብጻዓታት፡-

 

    - ኣብ ውሽጢ ዘለና በበቲ ዘለናዮ ቦታ፡ ከከምዝጥዕመና፡ እስከ ንዓወት ዕላማ ስዉኣትን ጥፍኣት ህግደፍን

      ሓሓንቲ ተሕምሞ ተግባር ንፈጽም። ካብ ከክልተ-ሰሰለስተ ሓደስቲ ስሩዓት ምጥርናፍ ጀሚርና ክሳብ……..…።

 

- ኣብ ወጻኢ ዘለና፡ ነፍሲ ወከፍ ውዱብ፡ ካልኦት ከምዝሰለጦ ቅጽሪ ሓደስቲ ክሰርዕ። ብተወሳኺ ኩልና ደቂ-ኤርትራ“ህዝብና ቅድሚሎሚ ክልተሳዕ ከምዝበኸየ መጠን፡ ድሕሪ ሕጂ ሳልሳይ ራብዓይ ክበኪ የብሉን“።ኢል ና ክንብገስ እዋን ዝሰክመና ሓላፍነት ኢዩ። ብፍላይ ኣብናጻ ሃገራት ዘሎ ህዝቢ ውልቀ-ረብሓ እንተዘየቐዲምና ኩሉ ናይ ምግባር ዓቕሚ ስለዘሎ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣገደስቲ ነገራት ክንገብር ንፈትን። ንኣብነት፡-

 

1-      2% ዕርቃና ከነውጽኣ ይከኣል ኢዩ። እዛ መባደሚትና ካባና ትዋጻእ ዘላ ክፍሊት ሎሚ መስገሪ ጸቢብዋ ስለዘሎ ብውልቀ-ሰባት ኣቢልካ ክትሰግር ተሓቢሩ ስለዘሎ፡ ነዚኣ ተሰየፉላ ሓደራኹም።

2-     ዝኾነ ካድር ወይ መንእሰይ ህግደፍ ብግህዶ ተግባራቱ ከቛርጽ ይነገሮ። መድሕን ነፍሱ ባዕሉ ይምረጽ።

3-     ጭቡጥ ጸብጻብ ናይቶም ቀንዲ ዕሱባት ምሓዝ።

4-     ተልእኾን ተግባራትን ናይቶም ብዝተፈላለየ ጥበባት ምሸተ-ምሸት ዝእከቡ ዘለው ሰለይትን ካድረታትን ምግላጽ። ብኣንጻሩ ኣኣብመዓላኡ ክጠቅም ምእንቲ ግሁድን ስዉርን ውደባታት ንምስላጥ ምጉያይ።

5-     ሬሳ ንምቕባርን ንሕማም ድሓር ዝኸውን መደባት ምድላው። ከምኡድማ ምጥርናፍን ብሓድነት ምጽናዕን ዝኣመሰለ ንጥፈታት ይዓምብብ። ወዘተ…

ስዉኣትና ኣይክርስዑን ኢዮም!!

 

 ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዋኣትና!!

 ዓወት ንሓፋሽ!

 

     


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...