መእተዊ

ኣብዚ ክፋል'ዚ፡ ነቲ ኣብ ካልኣይ ክፋል ክንመያየጠሉ ምዃና ዝተተንብሀ፡ ምስ ሕቶ ደሞክራሲ ዝተተሓሓዘ ደገፍቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘቕርብዎ ተወሰኽቲ መጐተታት፡ ማለት ነቲ ድሕሪ ናጽነት ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ንምንታይ ክቐውም ከም ዘይተደልየን ከም ዘይተኻእለን ንምምኽናይ ዝጣበቕሉ ሰለስተ ነጥብታት ዝሓዘለ ምስምሳት፡ ሓደብሓደ ብምምልካት ብዝከኣል መጠን ዘርድን ዘዕግብን መልሲ ክንህበሉ ኢና። ብተወሳኺ፡ እቲ ዝወሃብ መልሲ ናይ ግድን ውድዓውን ኲለንትናውን ክኽውን ስለ ዘሎዎ፡ ነዚ ንምትግባር ናብ ድሕረ-ባይታ ህ.ግ.ሓ.ኤ ቊልሕ ብምባል ኣቐዲምና ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣኡ ክንድህስሶ ኢና። ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ህ.ግ.ደ.ፍ ምድህሳስ ማለት ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ህ.ግ.ሓ.ኤ ምድህሳስ ማለት ስለ ዝዀነ፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ከኣ ብወገኑ ካብ ተ.ሓ.ኤ ተፈልዩ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተወልደን ዝዓበየን ሓርነታዊ ግንባር ብምዃኑ፡ ንታሪኹ ምስ ታሪኽ ሓርነታዊ ቃልሲን ምስ ሕቶ ደሞክራሲን ብምዝማድ ብዕምቆት ክንግዘቦ ኢና። ካብዚ ብዘይፍለ፡ ኲሉ'ቲ  ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝተፈላለየ መዳያት ዘካይዶ ዝነበረ ንጥፈታት ኣብቲ ዝኽተሎ ዝነበረ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ዝተመርኰሰ ብምንባሩ፡ ኣዎንታውን ኣሉታውን ሳዕቤናት ማርክሳዊ ስነ-ሓሳቡ ብውድዓዊ ዓይኒ ብምጥማት መሚና ክንርድኦ ክንህቅን ኢና። በዚ ከይተሓጸርና፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ'ቲ ግንባር ብምስጢር እናተዋሰአ ወሳኒ ተራ ክጻወት ተሓሊኑ ብጥንቃቐ ዝቖመ ምስጢራዊ ማሕበርነታዊ ሰልፊ (ክሳብ'ቲ ብ1987 ዘካየዶ ካልኣይ ሰልፋዊ ጉባኤኡ፡ ኤርትራዊ ህዝባዊ ሰውራዊ ሰልፊ (ኤ.ህ.ሰ.ሰ) ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ዝነበረ)፥ መዓስን ብመንን ንምንታይን ከም ዝቖመ፣ ከምኡ'ውን ሰልፋዊ ንጥፈታቱ ብኸመይ ዝኣመሰለ ኣገባብ ምስቲ ግንባራዊ ንጥፈታት ኣወሃሂዱ የሰላሰል ከም ዝነበረ፣ ውሽጥ ኢልና ክንምልከቶ ኢና። ካብዚ ሓሊፍና፡ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተኸሰተ ኣብ ውሽጢ ላዕለዋይ መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝተፈጥረ ምጕጅጃል፡ ከምኡ'ውን ነቲ እዚ ምጕጅጃል'ዚ ኣብ ነዊሕ ጕዕዞ ታሪኽ ህ.ግ.ሓ.ኤ ከም መቐይሮ ኰይኑ ዘኸተሎ ሓድሽን ሓደገኛን ፖለቲካዊ ምዕባለ፡ ማለት ንምቕልቃልን ምምስራትን ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ፍሉይ ቆላሕታ ብምሃብ ንኣመዓባብልኡን ውጽኢቱን ሳዕቤናቱን ኣድቂቕና ክንትንትኖ ኢና።

ከም ልመድ፡ ንእዝኒ ኣንባቢ ጋሻ ኰይኑ ክዕቅፍ ዝኽእል ዝውቱር ዘይኰነ ናይ ትግርኛ ቃል ኣብ ዝተኸሰተሉ፡ ኣብ ሓጹር ብመማዝንቱ ናይ እንግሊዝኛ ቃል ወይ ከኣ ብመማስልቱ ናይ ትግርኛ ቃል ተሰንዩ ቀሪቡ ኣሎ። ብተዛማዲ፡ ትሕዝቶ ናይዚ ሳልሳይ ክፋል ምስቲ ዝቐደመ ክልተ ክፋላት ክነጻጸር እንከሎ ዕሙቕን ክብድን ዝበለ ብምዃኑ፡ ብዕምቆቱን ክብደቱን ዝኣክል ሕመረት መልእኽቱ ምእንቲ ከየጥፍእ፡ ብዝከኣል መጠን ብቕልልን ንጽርን ዝበለ ኣገላልጻ ቀሪቡ ኣሎ። ከምኡ'ውን ብስፍሓቱን ንውሓቱን ዝኣክል ምእንቲ ንኣንባቢ ከየረብርንን ከየሰልክን ኣብ ምጥን ዝበሉ ተኸታተልቲ ክፋላት ተኸፋፊሉ ቀሪቡ ኣሎ።

ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ህ.ግ.ሓ.ኤ

ህ.ግ.ሓ.ኤ ብ1970  ካብ ተ.ሓ.ኤ ተፈንጪሉ ዝቖመ ውድብ ከም ምዃኑ መጠን፡ ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣኡ ንምርዳእ  ፈለማ ብምንታይ ሰበብ ከም ዝተፈንጨለ ቀሪብካ ምምርማር የድሊ። ነዚ ዕማም'ዚ ብኣድማዕነት ንምዕማም ዝከኣል፡ ናብ ኣጀማምራን ኣመዓባብላን ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ተመሊስካ፡ ኣቓልቦኻ  እንተተሳእነ ኣብ ዓበይትን ኣገደስትን ፍጻሜታቱ ብምውዳቕ ምስ እትትንትኖ ኢዩ። ምኽነያቱ፡ ንዓበይትን ኣገደስትን ፍጻሜታቱ ኣለሊኻ  ከይተንተንካ፡ ነቲ  ጠንቂ  ኰይኑ ህ.ግ.ሓ.ኤ  ካብ  ተ.ሓ.ኤ ተፈንጨሉ ናጻ  ህላወ ዘሎዎ ሓርነታዊ ግንባር ንከቕውም ዝደረኸ ቀንዲ ምኽንያትን ጭቡጥ ኩነታትን ብግቡእ ንምስትውዓሉ ዝከኣል ኣይኰነን። ብተመሳሳሊ፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ድሕሪ ምፍላዩ ከመይ'ሉ ህልወኡን ቀጻልነቱን ከረጋግጽ ከም ዝኸኣለ ብግብእ ንምርዳእ ይኹን ብንጹር ንምግላጽ ዝከኣል፡ ነቲ ሰላሳ ዓመታት ዝውሰደ ብዙሕ መሰናኽላት ዝተሰግሮ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ዝተጠላለፈን ጽንኩርን መሪርን ጕዕዞ ሓርነታዊ ገድሊ፡ ኣብ ሰለስተ ዓዓሰርተ ዓመት ዘጠቓልል መድረኻት ብምኽፋል ንነብስወከፍ መድረኽ ዕትብን ትኩርን ኢልካ ምስ እትመምዮ ኢዩ። በዚ ምኽንያት'ዚ፡ እቲ ካብ 1961 ክሳብ 1971 ዝነበረ ቀዳማይ መድረኽ ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ፡  እቲ ኣብኡ ዝነበረ  ሃገራዊ ሰራዊት ኣብ ሓመሽተ ''ክፍልታት" ዝተሰምያ ነንሓድሕደን ዝተፋነና ዝነበራ ተዋጋእቲ ሓይልታት ዝተኸፋፈለሉ እዋን ስለ ዝነበረ፡ ዘመነ-ክፍልታት ተባሂሉ ክጽዋዕ ይከኣል ኢዩ። ካብዚ ብዘይፍለ፡ እቲ ዝሰዓበ ካልኣይ መድረኽ ፡ ማለት እቲ ካብ 1971 ክሳብ 1981 ዝነበረ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ክልተኣን ሓርነታውያን ግንባራት (ተ.ሓ.ኤን ህ.ግ.ሓ.ኤን) ነንሓድሕደን እናተገራጨዋን እናተወዳደራን ጎኒ-ንጎኒ ኰይነን ዝተጋደላሉ  እዋን ብምንባሩ፡ ዘመነ-ግንባራት ተባሂሉ ክጽዋዕ ይከኣል ኢዩ። እቲ ሳልሳይ ካብ 1981-1991 ዝነበረ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ እውን ህ.ግ.ሓ.ኤ ንተ.ሓ.ኤ ወጊዳን ንሜዳ ንበይና ብሒታን ናብ ዓወት ዝበጽሓትሉ እዋን ብምንባሩ፡ ዘመነ-ዓወታት ተባሂሉ ክጽዋዕ ይከኣል ኢዩ።

ነቲ ድሕሪ ናጽነት ዝሰዓበ ካብ 1991 ክሳብ 2011 ዝነበረ ዕስራ ዓመታት እውን፡ ካብቲ ሰላሳ ዓመታት ሓርነታዊ ቃልሲ ብዘይፍለ ኣገባብ፡ ኣብ ክልተ መድረኻት ብምኽፋል ከከም ፍጻመታቱ፥  ነቲ ፋልማይ መብጽዓታት ሰውራ ዝተጠልመሉ መድረኽ --  ዘመነ-ጥልመት (ካብ 1991-2001 ዝነበረ)፣ ከምኡ'ውን ነቲ ዲቕ ዝበለ ወልቀ-ምልካዊ ስርዓት ዝተመስረተሉ ዝሰዓበ ካልኣይ መድረኽ --  ዘመነ-ደልሃመት (ካብ 2001-2011 ዝነበረ) ተባሂሉ  ክጽዋዕ ይከኣል ኢዩ። ነዞም ክልተ ዳሕረዎት መድረኻት፡ ጸኒሕና ብዛዕባ  ምጕጅጃል ላዕለዋይ መሪሕነትን ምቛም ውልቀ-ምልካዊ ስርዓትን ኣብ እንዝትየሉ፡ ብዝርዝር ክንምልከቶም ኢና። እቲ ካብ 2011 ንደሓር ዘሎ ናይ መጻኢ ግዜ ግን እንታይ ከም ዝመስልን እንታይ ከም ዝወልድን ፍሉጥ ስለ ዘይኰነ፡ ይስተረና ! -- ካብቲ ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ  ዘመነ-ደልሃመት ዝወረደና ኣበሳ ዝበኣሰ ኣበሳ ከይወልድ፤ መጸውዒ  ስም ኣቐዲምካ ምሃብ ዘድልዮ ኣይኰነን። ስለዚ፡ መጻኢና ብሩህ ክኸውን ብምትስፋው ከም ዘሎዎ ብዘይስም ንገድፎ።

ብርግጽ፡ ዝርዝራዊ ታሪኻዊ ጸብጻብ ወይ ገምጋም ምቕራብ ካብ ኣተና (context) ኣርእስትና ወጻኢ ኢዩ።  ብዝዀነ፡ እቲ ኣብዚ ሳልሳይ ክፋል ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ህ.ግ.ሓ.ኤን ነቲ ሓጐጽጐጽ ዝመልኦ ነዊሕ ጕዕዞ ዕጥቃዊ ሓርነታዊ ገድሊን ንድሕሪት ተመሊስካ ምምርማር ዘድለየሉ ምኽንያት፡ ንባህታ ዘይኰነ እንታይ ድኣ፡ እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተጋህደ ኣሉታዊ ፖለቲካዊ ምዕባለ ካብቲ ሓድጊ (legacy) ፖለቲካዊ ባህሊ ናይ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝመንጨወ ከም ምዃኑ መጠን፡ ንታሪኽ ሓርነታዊ ቃልሲ ምውካስ ግድነት ኣድላዪ ስለ ዝዀነ ኢዩ።  በዚ መሰረት'ዚ፡ ነቲ "ንምንታይ ድሕሪ ናጽነት ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዘይቆመ?" ዝብል ኣልዒልናዮ ዘሎና በዳህን ዕዙዝን ሕቶ፡ "ብቑዕን ኣጽጋብን መልሲ እንረኽበሉ፡ ናብ ካልእ ከይተመጣጠርካ ኣብ ታሪኽ ጕዕዞ ናይቲ ዝተናውሐ ዕጥቃዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ሃሰው ብምባል'ዩ" ካብ ዝብል እምነት ብምብጋስ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ንኸይቀውም ዝዓንቀጸ ኣበራት፣ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ውልቀ- ውልካዊ መንግስቲ ንኸቕውም ዝሓገዞ ብልጫታት ብስነታዊ ትንተና (through logical analysis) ንምምማይን ንምልላይን ታሪኻዊ ኲርኰራ (historical inquiry) ምክያድ ኣዝዩ ጠቓሚ ስለ ዝዀነ ኢዩ። ንድሕሪት ናብ እዋን ዕጥቃዊ ሓርነታዊ ገድሊ ብምምላስ፡ ንታሪኽ ንዂርኲረሉ ዘሎና ምኽንያት፡ ብኣውርኡ ነዞም ዝተረቚሑ ኣበራትን ብልጫታትን ንምምማይን ንምልላይን ስለ ዝዀነ፡ ኲርኳረና ብባህርዩ ስነታዊ ትንተና ድኣ'ምበር፡ ንዝተፈጸሙ ዓበይትን ኣገድስትን ፍጻሜታት ከከም ኣፈጻጽማኦም ብዘይ ገለ ተረፍ ብደቂቕ ኣጻሪዩን ኣጽፊፉን ዝገልጽ ታሪኻዊ ጽዋ (historical narration) ኣይኰነን።

ዘመነ-ክፍልታት

እቲ ካብ 1941 ክሳብ 1961 ክካየድ ዝጸንሐ ሰላማዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ጸማም እዝኒ ምስ ተዋህቦ፡ ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ በቲ ስዉእ ጅግና ኣቦ-ገድሊ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝተኰሶ ናይ መጀመሪያ ጥይት ኣብ ባሕቲ መስከርም ብ1961 ተበሲሩ ምስ ተበኰረ፡ ህዝብና ብምልኡ ሓንጎፋይ ኢሉ'ዩ ተቐቢልዎ። ይኹን'ምበር፡ ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልስና ክጅመር እንከሎ ብፍኑው ኣገባብን ብትሑት ዓቕምን (ናይ ሰብን ንዋት) ብምጅማሩ፡ እቲ ናይ መጀመሪያ መድረኽ ዘመነ-ክፍልታት ብዙሕ ዓንቃፊ መሰናኽላት ዝተሰግሮ ጥራይ ዘይኰነ፡ እንተላይ ብዙሕ ዓበይቲ ጉድለታትን በደላትን ዝተፈጸመሉ ኣዝዩ ጽንኩርን ዘሕዝንን ገድላዊ ጕዕዞ'ዩ ኔሩ።

ገለ ካብቶም ኣብዚ መባእታዊ መድረኽ'ዚ ዝተፈጸሙ ዓበይቲ ጉድለታትን በደላትን እቶም ቀንዲ፥ (1) ኣቐዲምካ ብግቡእ ዝተጸንዐ ናብ ዝኣመትካዮ ሸቶ (ምጕንጻፍ ናጽነት) ብዝዋሓደ ክሳራን ብዝቐለለ መንገድን ዘብጽሕ፡ ንህዝቢ ወዲቡን ኣንቂሑን ኣዕጢቑን ዘሳትፍ ንጹር ዕላማ (ስትራተጂን ስልትን)  ኰነ ልዑል ፖለቲካውን ወተሃደራውን ፍልጠት ዝውንን ብቑዕ መሪሕነት ዘይምንባሩ፣ (2)  እቶም ኣብታ ሽዑ ነቲ ሓርነታዊ ገድሊ ኤርትራ ትመርሖ ዝነበረት ኣደ ሰውራ -- ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ  (ተ.ሓ.ኤ) -- መሪሕነታዊ መዝነት ሒዞም ዝመርሕዋ ዝነበሩ ዓበይቲ መራሕቲ ኣባላት ላዕለዋይ ሓፈሻዊ ባይቶን ሰውራዊ ባይቶን፡ ብቕዓቶምን ክእለቶምን ተመዚኑ ብኣባላት ውድብ ማለት ካብቶም ብኣካል ዝጋደሉ ዝነበሩ ተጋደልትን ካብቶም ብምስጢር ዝተውደቡ ኣባላት ህዝባዊ ማሕበራትን ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ኣብ ዕላዊ ውድባዊ ጉባኤ ዝተመርጹ ሕጋውያን መራሕቲ ኣብ ርእሲ ዘይምንባሮም፡ ነቲ ሰውራ ኣብ ማዕዶ ኰይኖም ማለት ኣብ ካይሮን(ግብጺ)  ከሰላን(ሱዳን) ሰፈሮም ካብ ውድዓዊ  ኩነታት ሜዳ ርሕቖም ይመርሕዎ ምንባሮም፣ (3)  እቶም ላዕለዎት ፖለቲካውያን መራሕቲ ኰነ እቶም ታሕተዎት ወተሃደራውያን ሓለፍቲ፡ ብኣተሓሳስባኦም ካብ ድሑር ምስ ሃገራዊ ዛዕባ (ኣጀንዳ) ሓርነታዊ ቃልሲ ፈጺሙ ዘይቃዶ ወገናዊ ኣተሓሳስባ ማለት ካብ ብሄራውን (ገሊኦም እውን ካብ ቀቢላዊ) ሃይማኖታውን ኣውራጃውን ዝንባለታት ሓራ ስለ ዘይነበሩ፡ በዚ ወገናዊ ዝንባለታት'ዚ ንዘይወገኖም ኣባላት ናይቲ ሰራዊት እናጓነዩን እናዳለዉን ይገፍዕዎምን ይብድልዎምን ስለ ዝነበሩ፡ ነቲ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ምግምማዖም፡ ንፍናኑን ናይ ምግዳል መንፈሱን  ብምምህማን  ኣደዳ ህድማን ምስላምን ከም ዝኸውን ይግብርዎ ምንባሮም፣ (4) ገሊኦም ተዋጋእቲ ኣሃዱታት ኣብ ልዕሊ ኣባላት ናይ ገሊኣን ብሄራት ሃገርና ብሻርነት ማለት ጸግዒ ብምሓዝ (ንኣብነት፡ ኣብ ልዕሊ ብሄር ኩናማ)፡ ከም ምዝማት ጥሪትን ንብረትን ዝኣመሰለ ሽፍትነታዊ ተግባራት ይፍጽሙ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ልዕሊ ገሊኡ ክፋል ህዝብና ኣሉታዊ ጽልዋ ብምሕዳርን ንሓርነታዊ ቃልስና ካብ ምድጋፍ ተቘጢቡ ከም ዝቃወሞ ብምግባርን ይንጽልዎ ምንባሮም፣ (5) "ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክጻወር ኣይክእልን'ዩ" ካብ ዝብል ግጉይ ናይ ዓብለልቲ ኣረኣእያ ብምብጋስ፡  ካልኦት ተወዳደርቲ ውድባት ከይቆማ ምእጋድን ንዝተቐልቀላ ሓደስቲ ውድባት ከኣ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ኣጥቀዕካ ምውጋድን (ንኣብነት፡ ብ1962 ኣብ ልዕሊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዒላ ጻዕዳ (ሳሕል) ብተ.ሓ.ኤ ዝተወስደ ናይ ምጽናት ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ) ፣ (6) ኣብ ውሽጢ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣብ መንጎ  ተራ ኣባላት ይኹን ሓለፍቲ፡ ንዝተቐልቀለ ንፖለተካዊ ስነ-ሓሳብ ዝምልከት ፍልልያት ዘይምጽዋር፣ ከምኡ'ውን (7) እቲ ሃገራዊ ሰራዊት ክንዲ ኣብ ሓደ ተጠርኒፉ ከም ዝቃለስ ዝግበር፡ ኣብ ናይ ኣልጀርያ ተሞክሮ ሓርነታዊ ቃልሲ (ኣንጻር መግዛእቲ ፈረንሳ ዝተኻየደ) ብምምርኳስ፡ ሰፊሕ ዝርጋሐ ክህልዎን ምዉቕ ተቐባልነት ክረክብን ተባሂሉ ብብሄራውን ሃይማኖታውን  ኣውራጃውን ኣቀዋውማ፡ ኣብ ሓሙሽተ ከባቢታት ሃገርና ፋሕ ኢሉ ኣብ ሓመሽተ ''ክፍልታት" ዝተሰምያ ነንሓድሕደን ዝተፋነናን ዝገዳድዓን ዝነበራ ተዋጋእቲ ሓይልታት ብምግምማዕ፡ ንህዝብና ኣብ ክንዲ ሓንቲ ዋልታ ኰይኑ ዝከላኸለሉ፡ ጾርን ኣዛን ከም ዝዀኖ ምግባር፡ ንዝብሉ ኣገድስቲ ነጥብታት ዘጠቓልሉ ኢዮም።

ብሰንኪ እዞም ክዝርዘሩ ዝጸንሑ ነጥብታት፡ ሓርነታዊ ገድልና ኣብ ቀዳማይ መድረኽ  ዘመነ-ክፍልታት ንዂሎም ወገናት ህዝብና ብዘይ ሌላን-ግሌላን ኣብ ትሕቲ ሓደ ሃገራዊ ጽላል ጠርኒፉ፡ ብምውዳብን ብምንቃሕን ብምዕጣቕን ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ንሓድነቱ ኣደልዲሉ ብግቡእ ክመርሖ ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣሉ፡ ንዝርካቡ ዓቕሚ ሰራዊት ብደንቢ ተጠቒሙ ንጸላኢ ብኣድማዕነት ብምጥቃዕ ከምቲ ዝግበኦ  ውሃ-ዘብል ወተሃደራዊ ዓወታት ከመዝግብ ኣይበቕዐን።

ይኹን'ምበር፡ ቀዳማይ መድረኽ ቅድሚ ምዝዛሙ ብርክት ዝበሉ ናይ ላዕለዋይ ደርጃ ትምህርቲ ዝቐሰሙ ተማሃሮን ብዝተፈላለየ ሞያ ዝተመረቑ ምሁራትን ካብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ናብ ሓርነታዊ ገድሊ ብምጽንባሮም፡ ነቲ ዓይነት ናይቲ ሰራዊት (ዝበዝሑ ኣባላቱ ብመሃይማን ዝቖመ) ኣብ ርእሲ ምልዋጦም፡ ብዙሓት ካብኣቶም ምስቲ ሽዑ ገስጋሲ ዝበሃል ዝነበረ ጸጋማዊ ስነ-ሓሳብ (ማርክስነት) ልላ ስለ ዝነበሮም፡ "ብዘይ ሰውራዊ ክልሰ-ሓሳብን መሪሕነትን ሰውራዊ ምንቅስቓስ ክካየድን ሱር-ነቀል ማሕበራዊ ለውጢ ክመጽእን  ኣይክእልን'ዩ" ካብ ዝብል መትከል ተበግሶም፡ ኣብ ውሽጢ'ቲ ግንባር ደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምምጻእ (ቀስብቐስ ካብ ታሕቲ ብምጽጋን) ጎስጓስ ብምክያድ ደሞክራሲያዊ ጠለባት ከቕርቡ ጀመሩ። ኣብቲ ህሞት'ቲ፡ ነዞም ከም "ደሞክራሲያዊ ሓይሊ" ኰይኖም ዝነጥፉ ዝነበሩ "ደሞክራሲያውያን ባእታታት"፡ እቲ ቀንዲ ኣብ ውሽጢ ተ.ሓ.ኤ ቅጅል ኢሉ ዝተራእዮም ዓቢ ድኽመት፡ እቲ ሃገራዊ ሰራዊት ኣብ ክንዲ ሰሚሩ ንጸላኢ ተደጋጊፉ ብምምካት ንሃገሩን ህዝቡን ናጻ ዘውጽእ፡ ኣብ ሓመሽተ "ክፍልታት" ተገማሚዑ እናተገዳድዐ ነንሓድሕዱ ይተፋነንን፡ ኣብ ልዕሊ ገለ ወገናት ህዝብና ካብ ድሑር ወገናዊ ዝንባለታት (ካብ ብሄራውን ሃይማኖታውን ኣውራጃውን) ሓራ ብዘይኰነ ዘነውር ተግባራትን ጠባያትን ንብረትን ጥሪትን ህዝቢ ይዘርፍን፡ ከምኡ'ውን ዓገብ ብምባል ንዝተቓወምዎ ንጹሃት ሃገራውያን ዜጋታት ካብ ሰራዊትን ህዝብን ይቐትልን የበሳብስን ምንባሩ ኢዩ። ዝዀነ-ዀይኑ፡ ብሳዕቤን ናይቲ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምምጻእ እቶም "ደሞክራሲያውያን ባእታታት" ኣብ ውሽጢ መሰረታት ዘካየድዎ ዕዉት ጐስጓስ፡ ሳልሰይትን ራብዓትን ሓምሸይትን ክፍልታት ምስ ኣሃዱታት ታዕሊምን ረዲኤትን ኣብ ሓደ ተጠርኒፈን ብምስማር፡ "ስሉስ ስምረት" ዝተሰምየ ስሙር ሓይሊ ብ1968 ኣቖማ። ምስተን ዝተረፋ ክልተ ክፍልታት ንምስማር እውን ውድባዊ ጉባኤ ክግበር ጸውዓ። ስምረት ስሙር ሓይሊ ተስፋ ዝህብ ኣዎንታዊ ስጉምቲ ኣብ ርእሲ ብምንባሩ፡ ንመጀርያ ግዜ  ብጸላኢ ንዝተንሰንዘረ መጥቃዕቲ ብትብዓት ብስሙር ቅልጽም መኪቱን ሰፍ ዘይብል ክሳራ ኣሰኪሙን ሚዛን ዘሎዎ ዓቢ ዓወት ብምምዝጋቡ፡ ምውቕ ናይ ህዝቢ ደገፍ ብምርካብ ነተን ዘይሰመራ ቀዳመትን ካልኣይትን ክፍልታት ከቢድ ተጽዕኖ ስለ ዝዀነን፡  እተን ክልተ ዘይሰመራ ክፍልታት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዘይመልእ ግዜ ክሰምራ ወሲነን ንጻውዒት ውድባዊ ገባኤ ተቐበልኦ።

እንተዀነ፡ እተን ክልተ ዘይሰመራ ክፍልታት ነቲ ናይ ስምረት ጻውዒት ይቀበልኦ ድኣ'ምበር፡ ኣብቲ ዝቐውም 54  ዝኣባላቱ ሓዲሽ መሪሕነት ዓብለልቲ ኰይነን ምእንቲ ክወጻ፡ ብዝሒ ናይቶም ካብአን ዝምረጹ ኣባላት መሪሕነት (ካብ ነፍስወከፈን 18 መራሕቲ ብድምር 36) ማዕረ'ቲ ብዝሒ ናይቶም ካብ ስሙር ሓይሊ ዝምረጹ ኣባላት መሪሕነት (18) ክኸውን ቅድመ-ኩነት ኣቕረባ። ስሙር ሓይሊ ንዘቕረብኦ ቅድመ-ኩነት ንስለ ስምረት ክብል ሓንጎፋይ'ሉ ስለ ዝተቐበሎ፡ ብመጋቢት 18 ንኹለን ተዋጋእቲ ክፍልታት ንምስማር ታሪኻዊ ጉባኤ ኣዶብሓ ተጋብአ። በቲ ኣብ ታሪኻዊ ጉባኤ ኣዶብሓ ዝሓለፈ ናይ ስምረት ውሳነ መሰረት ድማ፡ እተን ኣብ ሓሙሽተ ክፍልታት ተኸፋፊለን ዝተፋነና ዝነበራ ተዋጋእቲ ሓይልታት ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓደ ሃገራዊ ሰራዊት ሰመራ። ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ጉባኤ'ዚ፡ ንደሞክራሲያዊ ጠለባት "ደሞክራሲያዊ ሓይሊ" ኣብ ግምት ብምእታው፦ እቲ ኣብ ወጻኢ ዝነበረ ላዕለዋይ መሪሕነት ንሜዳ ክእቱ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተፈጸመ ግፍዕታት (ቅትለትን ምብስባስን ንጹሃት ዜጋታት፣ ምዝራፍን ምስራቕን ጥሪት፣ ከምኡ'ውን ምዝማትን ምብራስን ንብረት) እተጻሪ ሽማግለ ክትቀውም፣ ሰብኣዉን ደሞክራሲያውን መሰላት ተጋደልቲ ክሕሎ፣ ሓዲሽ ወተሃደራዊ ስትራተጅን ስልትን ክቕየስ፣ ናይ ተጋደልቲ ፍናንን ናይ ህዝቢ እምነትን ክብ ንምባል ጽዑቕ ናይ ፖለቲካዊ ምንቕቓሕ ጐስጓስ ክካየድ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ካብ ሓደ ዓመት ዘይነውሕ ግዜ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ሓፋሽ ህዝቢ ዝሳተፎ ሰፊሕ ውድባዊ ጉባኤ ክጋባእን ነዚ ቀዳማዊ ጉባኤ'ዚ እተቃንዕ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ክትቀውምን ተወሰነ።

ታሪኻዊ ጉባኤ ኣዶብሓ ብዓወት ይዛዘም ድኣ'ምበር፡ እቲ ኣብዚ ጉባኤ'ዚ ዓብሊሉ ዝወጸ መሪሕነታዊ ኣካል (ሓፈሻዊ ባይቶ)፡ ዳርጋ ኲሎም ኣባላቱ  ካብቲ ንደምክራሲያዊ ለውጢ ኣትሪሩ ዝጻረር ዝነበረ የማናዊ ዓቃቢ (conservative) ጉጅለ ላዕለዋይ መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ ዘይፍለ መርገጽን ኣተሓሳስባን ስለ ዝነበሮም፡ ብፍቓድን ምትብባዕን ላዕለዋይ መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ ንውሳነታት ናይቲ ጉባኤ ጥሒሱ፡ ነቲ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝቃለስ ዝነበረ ብዓቢኡ ብጸጋማውያን ባእታታት ዝቖመ "ደሞክራሲያዊ ሓይሊ" ንፖለቲካዊ መስመር ተ.ሓ.ኤ ዝጻረር ኣስጋኢ ሓይሊ'ዩ ካብ ዝብል እምነት ነቒሉ፡ ብኣግኡ ከይሓየለ እንከሎ ብዕሸሉ ክውግዶ ብምውሳን ክንዲ ብልዝብን ብደሞክራሲያዊ ኣገባብን ክብድሆ ዝህቅን ሓንሳእ ንሓዋሩ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ከጽንቶ ተሃንዲዱ ኣጥቀዖ። ገለ ካብቶም ተሃሚሎም ዝጸንሑ "ደሞክራሲያውያን ባእታታት"፡ ብትእዛዝን መምርሕን ላዕለዋይ መሪሕነት ብዝተላእኩ ቀንጸልቲ ኣሃዱታት ምስ ተቐትሉ፡ እቶም ዝተረፉ  "ደሞክራሲያውያን ባእታታት" ገሊኦም ካብ ቅብጸት ተስፋ ዝተላዕለ ኢዶም ንጸላኢ ክህቡ እንከሎዉ፡ እቶም ዝበዝሑ ኢዶም ክህቡ ዘይመረጹ ከኣ ካብ ቅንጸላ ኣምሊጦም ብምህዳም፥ ገሊኦም ኣብ ስድሕዔላ (ደንከል)፣ገሊኦም ኣብ ዓላ (ኣከለ- ጉዛይ)፣ጸኒሖም ከኣ ገሊኦም ኣሰሮም ብምስዓብ ኣብ ዑበል (ባርካ) ተኣኻኸቡ። እዞም ካብ ቅንጸላ ኣምሊጦም ኣብ ሰለስተ ከባቢታት ሜዳ ኤርትራ ዝተኣኻኸቡ "ደሞክራሲያውያን ባእታታት"፡ በቲ ኣብ መንጎ ነንሓድሕዶም ዘካየድዎ ርክባትን ልዝብን ኣብ ሓደ ውድብ ክጥርነፉ ኣብ ስምምዕ ብምብጻሕ፡ ኣብ ገህተብ (ሳሕል) ተራኺቦም ኣብ ዘካይድዎ ናይ ስምረት መስራቲ ኣኼባ ኣብ ሓምለ 1970 ኣብ ሓደ ተጠርኒፎም፡ ህዝባዊ ሓይልታትሓይልታት ሓርነት ኤርትራ (ህ.ሓ.ሓ.ኤ) ብዝብል ስም (ጸኒሓ ኣብ ናይ 1977 ቀዳማይ ጉባኤኣ  ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህ.ግ.ሓ.ኤ) ዝብል ስም ዝለወጠት) ካልኣይቲ ሓርነታዊ ግንባር ኣቖሙ።

ስለዚ፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ካብ ከርሲ ተ.ሓ.ኤ ወጺኣ በቶም ሓርነታዊ ብረታዊ ቃልሶም ካብ ቊጽጽርን ዋንነትን ተ.ሓ.ኤ ናጻ ኰይኖም ብሓድሽ መልክዕ ተወዲቦም ክቕጽሉ ዝወሰኑ፡ ኣብ ውሽጢ ተ.ሓ.ኤ ኰይኖም ብጽገና ደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝተቓለሱ ግንከ በቲ ኣብ ልዕሊኦም ብዝተወስደ ናይ ምቕንጻል ስጉምቲ ኣብ ናይ ሞት ወይ ሕየት ኩነታት ብምውዳቖም፡ ኣካላዊ ህላውኦምን ህላወደሞክራሲያዊ ቃልሶምን ንምቕጻል ክፍንጨሉ ዝተገደዱ "ደሞክራሲያውያን ባእታታት" ዝተወልደት ውድብ ኢያ። እዞም "ደሞክራሲያውያን ባእታታት" እዚኣቶም፡ ነቲ ንኽፍንጨሉ ዝገደዶም ዘየላቡ ጽንኩር ኩነታት፡ ኣብቲ "ንሕናን ዕላማናን" ዝብል (ብኢሳያስ ዝምራሕ ዝነበረ ሰልፊ ናጽነት ዝተጻሕፈትን ዝተዘርገሐትን) ብመጋቢት 1971 ዘውጽእዎ ማነፈስቶ ክገልጽዎ እንከሎዉ፥ "ኣብ ተ.ሓ.ኤ ምጽናሕ ሞት'ዩ፣ ንጸላኢ ኢድካ ምሃብ ከኣ ካብኡ ዘይፍለ ሞት'ዩ፣ እታ ሓንቲ ዝተረፈት ኣማራጺ ንኽሊትኡ ሞት ምግጣም'ያ -- ንሳ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ብልሒ መላጸ  ኮፍ ምባል ማለት ስለ ዝዀነት፡ ኣብ ልዕሊ ብልሒ መላጸ ኮፍ ክንብል መሪጽና።" ብዝብል ሓያልን ተንካፍን መግለጺ'ዮም ዝገልጽዎ።

እቶም ካብ ተ.ሓ.ኤ ተፈንጪሎም ካልአይቲ ተቐናቓኒት ግንባር ዘቖሙ መስረቲ ህ.ሓ.ሓ.ኤ፡ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ማኒፈስቶ መብዛሕቲኦም ክርስትያን ደቂ ከበሳ ምዃኖም ብምንጻር፡ እቲ ንኽፍለዩ ጠንቂ ዝዀኖም ሃይማኖት ዘይኰነስ ምስ ጉዳይ ሃገር ዝተኣሳሳረ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ ምዃኑ ብምእማት፡ "መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ ሃገራዊ ኣጀንዳ'ኳ እንተነበሮ፡ ካብ ሃገራት ኣዕራብ ምድንጋጽ ረኺቡ ሓገዛት ንምርካብ ንጕዳይ ኤርትራ ከም ዓረባውን እስላማውን ጕዳይ ኣምሲሉ እናቕረበ፡ ንዝተመጽወተሉ ሓገዛት ኣብ ውልቃዊ ረብሓኡ ዘውዕል ዝነበረ ኣድሓርሓሪ ጉጅለ'ዩ" ብምባል ኣምሪሮም ብሃገራዊ ጥልመት ይኸስዎ። ንዕላማኦም ዝምልከት፡ ካብ ዕላማ መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ ብኸመይ ከም ዝፍለ ክገልጹ እንከሎው ኸኣ ፥ " ንሕና መብዛሕትና ክርስትያንን ደቂ ከበሳን'ኳ እንተዀና፡ ሃገራውያን ተጋደልቲ እምበር ወንጌል እንሰብኽ ሃዋርያት ኣይኰናን፣ ንሕና ኣብ ሕብረተሰብና መሰረታዊ ማሕበራዊ ለውጢ ንምምጻእ ቆሪጽና ዝተላዓልና ሃገራውያን ተጋደልቲ ኢና፣ ከምኡ'ውን ንሕና ንባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ብምውጋድ ናጽነት ንምጕንጻፍ ጥራይ ዘይኰነ፡ እንተላይ ንናይ ሰብ ብሰብ ደርባዊ ምዝመዛ ብምውጋድ ሓርነት ንምርግጋጽ  ዘንቀድና ሰውራውያን ኢና" ይብሉ። እዚ ኣበሃህላዚ፡ ብዘየማትእ ብማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ  ከም ዝምርሑን ናይ ሓዋሩ ዕላማኦም "ብደርባዊ ጎነጻዊ ቃልሲ፡ ደርብታት ዘይብሉ ማሕበርነታዊ ሕብረተሰብ ምትካል" ምዃኑ ዘረጋግጽ ኣበሃህላ ኢዩ።

ዝዀነ-ዀይኑ፡ እቶም ካብ ተ.ሓ.ኤ ተፈልዮም ኣብ ሰለስተ ከባቢታት ዝተርጠርነፉ  ኣባላት ህ.ግ.ሓ.ኤ፡  ናይ ሓደ ብሄርን ሓደ ሃይማኖትን ሓደ ጂኦግራፊያዊ ከባብን ኣባላት ጥራይ ኣይነበሩን። ብርግጽ፡ እቶም ኣብ ካልኣይ ወገን ህ.ሓ.ሓ.ኤ (ብሰልፊ ናጽነት ዝፍለጥ ዝነበረ ብኣብርሃም ተወልደ ዝምራሕ ዝነበረ ጸኒሑ ግን ድሕሪ ምስዋኡ ብኢሳያስ ኣፍወቂ ዝተዓብለለ) ዝነበሩ መብዛሕትኦም ደቂ ከበሳን ክርስትያንን'ኳ እንተነበሩ፡ ኣባላት ናይ ሳልሳይ ወገን (ቡበል) ብምሉኣኦም ኣስላም ደቂ ባርካ (በኒ ዓምር ዝዓብለልዎም) ክዀኑ እንከሎዉ፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ናይ ቀዳማይ ወገን ከኣ ኣስላም ደቂ መታሕትን ከበሳን'ዮም (ክርስትያን ደቂ-ከበሳ እውን ዝርከብዎም) ኔሮም። እቲ ኣብ ታሪኻዊ ጉባኤ ኣዶብሓ ላዕለዋይ ኢድ ዝሓዘ ሓፈሻዊ መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ ኣንጻር እቶም ተቓወምቲ "ደሞክራሲውያን ባእታታት" ዝወሰዶ ናይ ምቕንጻል ስጉምቲ፡ ብሄሮም ይኹን ሃይማኖቶም ብዘየገድስ፡ ኣንጻር ኩሎም ደሞክራሲያዊ ጠለባት ዘቕርቡ ዝነበሩ ኣባላቱ ዝቐንዐ ድኣ'ምበር፡ ብፍላይ ኣንጻር ክርስትያን ደቂ ከበሳ ጥራይ ዝቐንዐ ኣይነበረን። እቶም ንግጉይ መስመርን ስጉምትን ሓፈሻዊ ባይቶ ዝቃወሙ ዝነበሩ ኣስላም ደቂ ከበሳን ደቂ መታሕትን እውን ከምቶም ተቓወምቲ ኣሕዋቶም ክርስትያን ደቂ ከበሳ ብዘይንሕስያ ግዳያት ናይቲ ናይ ምቕንጻል ስጉምቲ'ዮም ኔሮም። ፍርቂ ወይ ካብ ፍርቂ  ንላዕሊ ካብ መስረትን መሪሕነትን ግንባርን ሰልፍን ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣስላም ደቂ መታሕትን ከበሳን ምንባሮም፡ ብዘየማትእ ነዚ ሓቂ'ዚ  ዘመስከር መርትዖ ኢዩ። ስለዚ፡ እቲ ብ ጉጀለ ኢስያስ ዝተጻሕፈ ማኒፌስቶ "ንሕናን ዕላማናን"፡ ዋላ'ኳ ንወገናዊ ዝንባለ ላዕለዎት መራሕቲ ተ.ሓ.ኤ ዘቃልዕ  ዘይከሓድ ሓቅታት እንተነበሮ፡ ከምቲ ዝተኣመቶ ንናይ ማርክስን ኤንግልስን ዴሳዊ ማኒፌስቶ (communist manifesto) ዝዳረግ ንቕያ ዘብል "ሰውራዊ ጽሑፍ" ኣይኰነን። እንታይ ድኣ፡ ንባዕሉ ብኣቀራርባኡን ልሳኑን፡ ብወገናዊ ዝንባለን ስምዒታትን ዝተበከለን ዝተጠቕዐን ብምዃኑ ብወገናውነት ዝውቀስ ጽሑፍ ኢዩ። ኣብ ትንተናኡ፡ ንኣቀዋውማ ሕበረተሰብናን ባህርይ ሓርነታዊ ቃልስናን ብደርባዊ ዓይኒ ዝምልከት ገስጋሲ ጸጋማዊ (ማርክሳዊ) ሓይሊ ምዃኑ ከመስክር፡ ተጻባእትን ደገፍትን ሃገራዊ ደሞክራሲያዊ ሰውራ ኣየኖት ደርብታት (ተጻባእቲ-- ጨቆንቲ ደርብታት፥ ብርጅዋን መሳፍንትን፣ ደገፍቲ ከኣ -- ጭቁናት ደርብታት፥ ሸቃሎን ገባሮን) ምዃኖም የነጽርን፡ ነቶም ጭቁናት ደርብታት ዝውክል ምዃኑ ይኣውጅን ድኣ'ምበር፡ ንክስታቱ ብዘዕግብ ጭቡጥ መርትዖታት ከየሰነየ ኰነ ኢልካ ብፍላይ ናይ ክርስትያን ደቂ ከበሳ ምድንጋጽን ደገፍን ንምኽሳብ ዝቐረበብቐንዱ ኣብ ባዕላዊ ትንተና ዝተመርኰሰን ኣሕናኒ ጽሑፍ ኢዩ። ብኻልእ ንጽር ዝበለ ኣበሃህላ፡ ንገርሂ ልቢ ከስድዕን ክምስጥን "ብቋንቋ ግስግስና" ተዀሓሒሉ ዝቐረበ   ትልሚ ሕቡእ ኣጀንዳ ጕዳመኛ ኣምባገነን ኢሳያስ ኢዩ።

ብዘይጥርጥር፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ተ.ሓ.ኤ ደሞራሲያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝቃለሱ ዝነበሩ "ደሞክራሲያውያን ባእታታት"፡ ብማርክስነት ዝተጸልዉ ጸጋማውያን'ዮም ኔሮም። ከም ጸጋማውያን መጠን ከኣ ፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኦም ምስቲ የማናዊ ዝንባለ ዝነበሮ ዓቃቢ መረሕነት ተ.ሓ.ኤ ዝቃዶ ኣይነበረን። ዓቃብን የማናውን መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ. ብወገኑ፡ ብዛዕባ'ቲ ጸጋማዊ ዝንባለ ናይቶም ደሞክራሲያውያን ባእታታት ዝመጸ፥ "እቲ ጸጋማዊ ዝንባለኦም ንኣንፈት ሓርነታዊ ቃልሲ ናብ ጸጋም ዘግልስ (ዝኣሊ) ሓደገኛ ዝንባለ'ዩ" ዝብል ገምጋም ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወሰዶ ናይ ምቕንጻል ስጒምቲ ንምምኽናይን ንስምዓቶም ንምብልሻውን፥ ነቶም "ደሞክራሲያውያን ባእታታት"፡ "ንሓርነታዊ ምንቅስቓስ ብውሽጢ ኰይኖም ከማህምንዎ ብጸላኢ ዝተላእኩ ሃሱሳት ኢዮም" ዝብል ብሃገራዊ ክሕደት ዘኽስስ ዓቢ ክሲ ብምቕራብ'ዩ ዝኸሶም ኔሩ።ብርግጽ፡ ኣብቲ እዋን'ቲ ንተ.ሓ.ኤ ብውሽጢ ተጋደልቲ ተመሲሎም ንምድኻም ብጸላኢ ዝተላእኩ ብርክት ዝበሉ ደቂ ከበሳ ሃሱሳት ተቓሊዖም ይተሓዙ ኔሮም ኢዮም።  ብጀካዚ፡ ጸላኢ  ኣብቲ እዋን'ቲ ኰነ ኢሉ ንሰውራ ብዜጋታት ሃገር ተጠቒሙ ንምጽናት፡ "ገረብ ብሓኻላ"ን  "ከፋፊልካ ግዛእ"ን ብዝብሉ ክልተ ሜላታት መሰረት፡ ብእራኤላውያን ብጸረ-ደባያዊ ቅደ-ኲናት ዝተዓለሙ ፍሉይ ብክርስትያን ደቂ-ከበሳ ዝቖመ ናይ ኮማንዶ ሓይሊ መልሚሉ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ተ.ሓ.ኤ ብጻዕቂ እትንቀሳቐስሉ ዝነበረት ከባቢታት (መታሕት) ዝንበር ዝነበረ ሰለማዊ ህዝቢ ምስ ጦር ሰራዊት ብምትሕብባር፡  ብዘይንሕስያ ከም ምንዳድ ዓድታትን ምዝራፍ ጥሪትን ምቕታል ንጹሃት ዜጋታትን (ህጻናትን ኣንስትን ሽማግለታትን ከይተረፈ) ዝኣመስሉ ይቕረ ዘይበሃሎም ግፍዕታት ይፍጽም ስለ ዝነበረ፡ እዚ ግፍዕታት'ዚ  ኣብ ርእሲ ድሑር ወገናዊ ዝንባለኦም፡ ሓደ ካብቲ ንደቂ መታሕት ኣባላት ላዕለዋይ ኰነ ታሕተዋይ መሪሕነት ንደቂ ከበሳ ተጋደልቲ ብሓፈሻ (ብፍላይ ከኣ ንክርስትያን) ብዓይኒ ጠርጠራ ንኽርእይዎም ዝደፋፍኦም ዝነበረ ረቛሒታት ኢዩ። እቶም ብ1967 በቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ ብሓይሊ ኮማንዶን ጦር ሰራዊትን ግፍዕታት ካብ ዓዶም ተሰዲዶም ኣብ መዓስከር ዕቑባት ሱዳን ክነብሩ ዝተገደዱ ግዳያት፡ ድሕሪ ናጽነት መንግስቲ ኤርትራ ናብ ሃገሮም ተመልሶም ንኸጣይሱ ስለ ዘይሓገዞምን ዘየተባበዖምን ክሳብ ሕጂ  ሃገሮም ናጻ ወጺኣ እንከላ፡ ስደተኛታት ኰይኖም ከርፋሕ ናብራ እናሕለፉ ከርተትትን ከልበትበትን ይብሉ ኣሎዉ። እዚ ተርእዮ'ዚ፡ ንኽትርድኦ ኰነ ንኽትቅበሎ ኣዝዩ ዘሕዝን ብታሪኻዊ ገበን ዘሕትት ተግባር ኢዩ !

ዝዀነ-ዀይኑ፡ ምቅላዕ ናቶም ሃሱሳት ይኹን ግፍዕታት ናይቲ ፍሉይ ሓይሊ ኮማንዶ፡  ምስ ተጋደልቲ ብቕጥታ ዘተኣሳስር ኣብነት ስለ ዘይብሉ ብኣሉታዊ ስምዒታት ዓዊርካ ገድላዊ ሓላፍነትካ ብምዝንጋዕ፡ ንኹሎም ደቂ ከበሳ "ደሞክራሲያውያን ባእታታት"  ብኣልምማ ብኽሕደት ዘጠርጥርን ዘኽስስን ምኽንያት ኣይነበረን። ናብ ምጥርጣርን ምኽሳስን ከይበጻሕካ፡ ምእንቲ ንኣሉታዊ ሳዕቤን ናይቲ ኣበሳታት (ማህሰይቲ ሃሱሳትን  ግፍዕታት ሰላማውያንን) ንምውጋድ ዘኽእል ጥጡሕ ባይታ ክፍጠር፡ መሪሕነት ግንባር ሓደ ዓይነት መደብ ከውጽእ ምተገብአ። ንኣብነት፡ ኣብ ክንዲ ኣብ መፈንጠርያ ጸላኢ ኣቲኻ  ኣብ መንጎኻ ጽልኢ ዘዕሙቕን ሓዳሪ ቅርሕንቲ ዘሕድርን ስጉምቲ ንምውሳድ እትህንደድ፡ ንቕሓት ተጋደቲ( ተራን ሓለፍትን) ክብ ንምባልን ውዲታት ጸላኢ ቀላሊዕካ ንምፍሻልን፡ ብመልክዕ ሰሚናራት ጽዑቕ ውድብ- ጠቀስን ሃገር-ጠቀስን ሰፊሕ ናይ ፖለቲካዊ ምንቕቓሕ ጎስጓስ ክካየድ ኔርዎ።

ግና ኣይተገበረን። ስለ ዘይተገበረ፡ ነቲ ዝነበረ ዘይምትምማንን ናይ ምፍንጫል ስምዒትን ኣግዲድዎ። ኣማስያኡ ድማ ምፍንጫል ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣኸቲሉ።

ብዝዀነ፡ እቶም "ደሞክራሲያውያን ባእታታት" ካብ ተ.ሓ.ኤ ተፈንጪሎም ናይ ገዛእ-ርእሶም ናጻ ሓርነታዊ ግንባር ምስ ኣቖሙ፡ መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ ካብኡ ብምፍንጫሎምን ናቶም ውድብ ብምቛሞምን ፈጺሙ ስለ ዘይተቐበሎ፡ ኣብቲ ጸኒሑ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1971 ኣብ መዓስከር ዓዋተ (ባርካ) ዘካየዶ ቀዳማይ ውዳባዊ ጉባኤኡ፡  "ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክጻወር ኣይክእልን'ዩ" ካብ ዝብል ብዕሊ ክኽተሎ ዝጸንሐ  ወድባዊ መርገጺ ነቐሉ፡ ንህ.ግ.ሓ.ኤ "ጸረ-ገድሊ" ዝብል ቅጽል ስም ብምጥማቕ ንኣባላታ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ክቕንጽሎም ኲናት ሓድሕድ ኣባረዐ። ይኹን'ምበር፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብቲ እግሪ ክተክል ዘታትየሉ ዝነበረ ዕሸላዊ ዕድመኡ፡ ንተ.ሓ.ኤ ዝዳረግ ወተሃደራዊ ሓይሊ ስለ ዘይነበሮ፡ ህላወኡን ቀጻልነቱን ንምምርጋጽ "ካልኣዊ ግርጭት ብደሞክራሲያዊ ልዝብ" ክፍታሕ ኣሎዎ ዝብል  ስልታዊ መርገጺ ሒዙ ጸኒዑ ይከላኻል ነበረ። እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ወድባት ከየቃረጸ  ንሰልስተ ዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድ መበል ራብዓይ ዓመቱ ምስ ረገጸ፡ ንጉሳዊ ስርዓት ሃይለስላሰ ብናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ህዝብዊ ናዕብን ብናይ ሰውራ ኤርትራ ብረታዊ ተቛውሞን (ንኣብነት፡ እቲ ኣብ ሳሕል ንዓሰርተ መዓልቲ ብ194 ብስሙር ሓይሊ ህዝባዊ ሓልታት ዝተኻየድ ዕዉት ኲናት) ተናዊጹ ብምውዳቕ፡ ብወተሃደራዊ ደርግ ዝተተክኣሉ ዘይርጉእ ኩነታት ተኸሰተ። ህዝብና ኣብቲ ናይ ምስግጋር ወቕቲ ዝተፈጥረ ግዜያዊ ናይ ስልጣን ባዶ ቦታን ዘይርጉእ ሃዋህውን፡  ዲል ረኺቡ ንክልቲኣን ተቐናቐንቲ ውድባት ንምዕራቕ ብዝወሰዶ ተባዕ ታሪኻዊ ናይ ዕርቂ ተበግሶ፡ ብ1974 ንኲናት ሓድሕድ ደው ኣበሎ።

ቅድሚ ናብ ዘመነ-ግንባራት ምስጋርና፡ ዘመነ-ክፍልታት ክሳብ ሕጂ ዘሳቕየና ዘሎ እንታይ ምስ ደሞክራሲ ዝተዛመደ ከም ሓድጊ ክውሰድ ዝከኣል ካብ መድረኽ ናብ መድረኽ  እናተመሓላለፈ ዝተወርሰ ኣሉታዊ ተሞክሮ ኔሮዎ? ዝብል ሕቶ ብምቕዳም ምስ እንውከስ፡  እቶም ኣብ ኣእምሮኻ ብኡንብኡ ድቕን (ቅጅል) ዝብሉኻ መልስታት፡ ብቐንዱ ነዞም ዝስዕቡ ክልተ ዓበይቲ ረቛሒታት ዝምልከቱ ኢዮም፦

ቀዳማይ ረቛሒ፡ ነቲ ኣብዚ መባእታዊ መድረኽ'ዚ ዝተኸሰተ ጉድለት መሪሕነታዊ ብቕዓት ዝምልከት ኰይኑ፡ ፍሉይ መርኣያኡ እቲ  መራሕቲ  ተ.ሓ.ኤ ካብ ጸቢብ ወገናዊ ኣተሓሳስባኦም ነቒሎም ዝወስድዎ ዝነበሩ ዘይሃገራዊ ሌላን -ግሌላን ዝመልኦ ስጉምታት ኢዩ።  ኣብዚ ነጥብ'ዚ፡ ብቐጥታ ንደሞክራሲ ዘገድስ ክጎልሕን ክንጸርን ዘሎዎ ነጥቢ እንተሎ፡ ዝዀነ ብሃገራዊ ኣጀንዳ ዝምራሕ ከም ተ.ሓ.ኤ ዝኣመሰለ ሓርነታዊ ግንባር፡ ገሊኦም ኣባላት መሪሕነቱ ካብ ሃገራዊ ኣጀንዳ ወጺኦም ኣብ  ድሑር ወገናዊ ናይ ብሄርን ሃይማኖትን ኣውራጃን ዝንባለታት ብምጥሓል፡ እንተድኣ ንሰራዊትን ህዝብን እናከፋፈሉን እናጓነዩን እናገለሉን ዝኣዝይዎን ዝብድልዎን ዝገፍዕዎን ኰይኖም፡ ከምኡ'ውን እንተድኣ እቲ ሓርነታዊ ግንባር ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛን ኣዕናውን ተግባራት ብኣግኡ ሱር ከይሰደደ እንከሎ ክኣልዮን ክውግዶን ክእርሞን ዘኽእሎ ኣብ ውድባዊ ኣሰራርሓኡ፡ ቅዋማዊ ሕግን ደንብን ደሞክራሲያዊ ኣገባብን ቅጥዕን ዘይሃልይዎ፡ ንኣባላቱ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓደ ግንባር ጠርኒፉ ክዓቕፎም ይኹን ከቃልሶም ፈጺሙ ከም ዘክእል ኢዩ። ሕብረተሰብና ብዝተፈላለዩ ብሄራትን ሃይማኖታትን ኣውራጃታትን ዝቖመ ብምዃኑ፡ ምስዞም ዝንባለታት እዚኣቶም ዝተኣሳሰረ ወገናዊ ስምዒታት ክህሉ ባህርያዊ'ኳ እንተዀነ፡ ነዞም ዝምባለታት እዚኣቶም መዝሚዝካ ናብ ፖለቲካዊ ሸቶኻ ንምብጻሕ ከም መሳርሒ ክትጥቀመሎም ግን ቅኑዕ ኣብ ልዕሊ ዘይምዃኑ፡ ኣዕናዊ ሳዕቤናት ዘኸትል ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ውሽጢ ሓርነታዊ ግንባር ወገናዊ ዝንባለታት ከይተኣልየን ከይተቐየደን ከይተኣረመን ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ኰይኑ ከገልግል እንተድኣ ተገዲፉ፡ ንሃገራዊ ሓድነት ናይቲ ሰራዊትን ህዝብን ስለ ዘፍርሶ፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ሰራዊትን ህዝብን ምቅይያምን ምጥርጣርን ብምፍጣር፡ ኣብ ስምረት ናይቲ ሓርነታዊ ግንባር ኰነ ኣብ ጥምረት ናይቲ ሃገር ዘይሓዊ በሰላ ዝገድፍ ምንቛትን ምፍንጫል'ዩ ዘስዕብ። ስለዚ፡ ብዘይማትእ  ምፍንጫል ህ.ግ.ሓ.ኤ  ሳዕቤን  ናይቲ  ድሑር ወገናዊ  ዝንባለ መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ  ኢዩ

ነዚ ክጥቀጽ ዝጸንሐ ጕዳይ ብዝምልከት፡ ዝዀነ ሃገራዊ ቃልሲ ዘሰላሰል ሓርነታዊ ግንባር ይኹን፡ ናጽነት ኣጐናጺፉ መንግስታዊ ስልጣን ዝሓዘ ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ ክግንዘቦ ዘሎዎ ዘይከሓድ ሓቂ ኣሎ። ንሱ ድማ፥ በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ኣብ ውሽጢ ዝዀነ ሕብረተሰብ ደረጃ ምዕባለኡ ኰነ ፍሉይ ታሪኹ ብዘየገድስ፡ ከም ማግኔት ስሒቦም ኣብ ሓደ ዝጥርንፍዎ ካብ ናይ ሓባር  ረቛሒ (ንኣብነት፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ) ዝመጨዉ  ከም ሃገራዊ ዜግነትን ስምዒትን ዝኣመሰሉ ጠርነፍቲ ውሽጣዊ ድርኺታት ተባሂሎም ክስመዩ ዝኽእሉ ግሁዳት ሃገራዊ ዝንባለታት ክህልዉ እንከሉዉ፣ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ተጻረርቲ ካብ ፍሉይ ባህርያትን ንውዓትን ናይቲ ህዝቢ ዝመንጨዉ፡  በተንቲ ውሽጣዊ ድርኺታት ተባሂሎም ክስመዩ ዝኽእሉ ንሓድነት ናይታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕ ተኽእሎ ዘሎዎም ድጉላት ወገናዊ ዝንባለታት (ንኣብነት፡ ብሄራዊ፡ሃይማኖታዊ፡ ወይ ከኣ ኣውራጃዊ ስምዒታት) ከም ዘሎዉ ኢዩ። ጠርነፍቲን በተንትን ውሽጣዊ ድርኺታት፡ ዓቐኖምን ዓይነቶምን ከምኡ'ውን መልክዖምን መርኣያታቶምን ይፈላለ ድኣ'ምበር፡ ብዘይገለ ተረፍ ኣብ ኲሉ ሕብረተሰባት ዝርከቡ ባህርያዊ ማሕበራዊ ተርእዮታት ኢዮም። ከም ኣብነት፡ ነተን ሰለስተ ናይ ኢጣልያ ግዝኣታት ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ እንተ ወሲድና፡ እቲ ኣብ ሶማልያ ዝርከብ ከም ቀንዲ በታኒ ድርኺት ክጥቀስ ዝከኣል እንዳ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ኣብ ሊብያ ዝርከብ ቀቢላ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ከኣ ብሄር ኢዩ። ከከም ኩነታቱ፡ እቶም ንድጉላት በተንቲ ድርኺታት ዝገልህዎምን ዘገንፍልዎምን ጠንቅታት ክፈላለዩ ስለ ዝኽእሉ፡ ኣብ ኲለን ሃገራት ብሓደ ዓይነት መልክዕ ኣይገሃዱን'ዮም።  በዚ ዝኣከል፡ ኣብ ገሊኣን ሃገራት ቀንዲ በታኒ ድርኺት ዓሌት(race)፣ ቀጸላ (status)፣ ወይ ከኣ ደርቢ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት እንዳ (clan)፣ ቀቢላ (tribe)፣ወይ ከኣ ብሄር (nationality) ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሶማልያ ምስ ካልኣት ሃገራት ኣፍሪቃ ብምንጻጻር፡  ብማሕበራዊ ጥርናፈ ኣቀዋውማ ህዝባ ዝመጸ፡ እታ ሓንቲ ሃገር ብሓደ ቋንቋ፡ ሓደ ሃይማኖት፡ ሓደ መሬት ጥራይ ዘይኰነ፡ ብሓደ ትውልድን መበቆልን ታሪኽን ዘሎዎ ህዝቢ ዝቖመት ስለ ዝዀነት፡ "ዝተዓደለት ሃገር'ያ፣ ቀልጢፋ ክትምዕብልን ክብልጽግን ክተቀስንን ኢያ"፣ እናተባህለት ብዓይኒ ቅንኢ ትጥመት ኔራ። እንተዀነ፡ ሶማልያ ኩሉ ከም ዝፈልጦ ልዕሊ ዝዀነት ሃገር ኣፍሪቃ ብዘይ መንግስትን ርግኣትን ሰላምን ቅሳነትን ኣብ ዘይወጽእ ኲናት ሓድሕድን ዓጸቦን ድኽነትን ድንቊርናን ህልቀትን ተሸሚማ ካብ ርብዒ ዘመን ንላዕሊ ትሳቐ ዘላ ሃገር ኢያ። ካብዚ ምስ ኩነታትና ብምዝማድ ክቕሰም ዝከኣል ትምህርቲ እንተሎ፡ ደምክራሲ ኣብ ዘይሰፈና ሃገር ዋላ ንኡስ ከም እንዳ (ዓቢ ቤተ-ሰብ) ዝኣመሰለ ፍልልይ እውን እንተዀነ፡ ተጋጂፉን ተጋኒኑን ንሃገራዊ ድሕነትን ሓድነት ህዝብን ዕንቅፋት ክኸውን ከም ዝኽእል ኢዩ። ስለዚ፡ ህላወ ዝተፈላለያ ብሄራት ግድነት ናብ ምክፍፋል ዘምርሕ ኣበሳ ስለ ዘይኰነ፡ ብኣሉታ ማለት ብዓይኒ ፍርሕን ስግኣትን ክጥመት የብሉን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ፡  ህላወ ዝተፈላለያ ብሄራት ንንውዓት ህዝቢ ዘዐምር ጸጋ ስለ ዝዀነ፡ ብኣዎንታ ማለት ብዕግበትን ተምሳጥን ብምጥማት ክሕብሓብን ክዕቀብን ኣሎዎ።

ስለዚ፡ ንደሞክራሲ ምቅላስ ማለት፡ ኣብ ርእሲ ንምርግጋጽ ሰብኣዊ መሰላትን ሓባራውን ውልቃውን ናጽነታትን ክብርታትን ምቅሳስ ማለት ምዃኑ፡ ንማዕርነት ብሄራትን ንሓድነት ህዝብን ብሳዕቤኑ ኸኣ ንድሕነት ሃገርን ውሕስነት ልኡላውነታን እውን ምቅላስ ማለት ምዃኑ ንዂሉ ሃገራዊ ዜና ተነጺሩ ክበርሃሉ ኣሎዎ። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ግን ካብ ልኡላውንት ሃገርናን ሓድነት ህዝብናን ብዝያዳ  እቲ ከይተመርጸ ብዓመጽ ዝጐበጦ መንስታዊ ስልጣን ስለ ዝዓዞ፡ ንደሞክራሲ ከም ሃልሃልታ ሓዊ ከይትልብልቦ ብምርዓድ ኣይፈተዋን ኢዩ። ክንድ ዝዀነ፡ ደሞክራሲ ዝብል ቃል ኣብ ዝሰምዓሉ መርዘን'ዩ ዝሕዞ።

ኣቐዲሙ ከም እተጠቕሰ፡ ጠርነፍቲ ውሽጣዊ ድርኺታትን በተንቲ ውሽጣዊ ድርኺታትን ኣብ ሓደ ሃገር ብሓንሳእ ዝርከቡ ክልተ ተገራጨውቲ ኣንጻራት'ኳ እንተዀኑ፡ ካብ ክልቲኦም ድርኺታት እቶም ዝሓየሉ ጠርነፍቲ ድርኺታት ስለ ዝዀኑ፡ በተንቲ ውሽጣዊ ድርኺታት ዝቕስቅሶም ሰበብ (ንኣብነት፡ወገናዊ ዕብለላን ሻርነትን) እንተ ዘይተኸሲቱ፡ ተጻራሪ ባህርዮም ከየርኣዩ ወይ ከየግሃዱ ተደጕሎም'ዮም ዝጐዓዙ። ስለዚ፡ ህላወ ወገናዊ ዝንባለታት ዋላ'ኳ ብባህርዩ በታኒ ዝዀነ ውሽጣዊ ድርኺት እንተሃለዎ፡ ንህላወ ወገናዊ ፍልልያት ዘንጸባርቕ ክውንነት ስለ ዝዀነ፡ ህላወኡ ከም ገበን ተቖጺሩ  ክዂነን የብሉን። እቲ ከም ገበን ተቖጺሩ ክዂነን ዝግበኦ፡  ህላወ ወገናዊ ፍልልያት ዘይኰነ፡ ንህሉው ወገናዊ ዝንባለታት መዝሚዝካ ፖለቲካዊ ስልጣካ ንምርግጋጽን ንምንዋሕን ምስቲ ወገነይ ዝበልካዮ ወገን ብምሽራውን ንወገናዊ ስምዒቱ ብምርስሳንን ከሲብካ፡ ወገናዊ ምምሕዳር ምምስራት ኢዩ። እቶም ኣብቲ ዝመስረትካዮ ብሓደ ወገን ዝተዓብለለ ምምሕዳር ብግቡእ ከይተወከሉ ዝተጓነዩን ዝተገልሉን ወገናት፡ ነቲ ብሒትካን ገቢትካን ዘቖምካዮ ምምሕዳር "ንዓና ኣይብጻሓናን'ዩ !" ዝብል ኣሉታዊ መንፈስ ብምሕዳር ስለ ዘይቅበልዎ፡ ኣብቲ ብምምሕዳርካ ዝካየድ ንጥፈታት ብትግሃት ካብ ምስታፍ ተቖጢቦም፡ ተቓውሞኦም ብወገናዊ ምጥርናፍ'ዮም ዝገልጽዎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንዉጽ ኩነታት፡ እቲ ክሳብ ሽዑ ተደጕሉ ዝጸንሐ ወገናዊ ዝንባለታት ዕቱብ ኣቓልቦ ረኺቡ እንተ ዘይተደቓቒሱ፡ ናይ ምንጻል ስምዒታት ብምቕስቃስ ናብ ዘየድሊ ምብትታን ሃገርን ምፍራስ ሓድነት ህዝብን ከምርሕ ይኽእል ኢዩ።

ወትሩ፡ ደሞክራሲ ኣብ ዘይሰፈነሉ ሃዋህው (ኣብ ውሽጢ ግንባር ይኹን ሃገር)፡ ሃገራዊ ስምዒት ተዳኺሙ ብኣንጻሩ ወገናዊ ስምዒት ክቀላቐልን ክግንፍልን ዝረኣ፡ እቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝሓዘ ገዛኢ ሓይሊ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ንረብሓኡ ክብል ዕብላለ ናይ ሓደ ወገን (ናይቲ ወገነይ'ዩ ዝበሎ) ስለ ዘንግስ ኢዩ። ኣብ ሃገርና ዘሎ ብህ.ግ.ደ.ፍ ዝቖመ መንግስቲ ንኣብነት፡ ብሓደ ብሄርን ሃይማኖትን ዝተዓብለለ ስለ ዝዀነ፡ እዚ ኣሉታዊ ምዕባለ'ዚ ነቲ ተደጒሉ ንዝጸንሐ ወገናዊ ዝንባለታት  ብምቕስቃስ ብርክት ዝበላ ብሄራውን ሃይማኖታውን ኣጀንዳ ዘሎወን ውድባት ክትንስኣ ጠንቂ'ዩ ኰይኑ። ካብተን ብሄራዊ ሕቶታት ብምልዓል ድሕሪ ናጽነት ዝቖማ ብሄራዊ ውድባት ንኣብነት፡ ናይ ብሄራት፥ ኩናማ፣ ዓፈር፣ ጀበርቲ፣ ሳሆ፣ ከምኡ'ውን ብሌን ይርከብአን። ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሃገርና ወገናዊ ዝንባለታት ዘሎወን ውድባት ዝተቐልቀላ፡ ብግዳማዊ ጽልዋ ወይ ከኣ ብውዲት ገለ ኣባላተን ዘይኰነ፡ ርኡይ ዝዀነ ንኽቆማ ጠንቂ ዝዀነን ወጽዓን ዕብለላን ስለ  ዘጋጠመን ኢዩ። ብንጽር ዝበለ ኣበሃህላ፡ እቲ ድሕሪ ናጽነት ንመብጽዓታት ሰውራ ጠሊሙ ብዓመጽ ዝቖመ  ገባትን ጨቋንን ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ንማዕርነትን መሳላትን ናጽነታትን ክብርታትን ናይ ኲለን ብሄራትን ሃይማኖታትን (ከምኡ'ውን ኣውራጃታት) ሃገርና ከውሕስን ከረጋግጽን ከኽበርን ስለ ዘይተረኽበ ኢዩ። ድሕሪ ናጽነት ብህ.ግ.ደ.ፍ ዝቖመ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብዘየማትእ ብሕጋዊ ኣገባብ ንኹሉ ሃገራዊ ዜጋ ብዘይ ሌላን ጉሌላን ኣብ ናጻን ፈትሓውን ሃገራዊ ምርጫ ብምስታፍ ዝተመርጸ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ኣይኰነን። እንታይ ድኣ፡  ቅንጣብ ሕጋውነት ዘይብሉ ብሓደ ኣምባገነንን ዕማኾ መኻርኽቱ መኰንናትን ዝተባሕተን ዝተወነነን ቀይደ-በተኽ መንግስቲ ኢዩ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ  ዘይምዑርይ ኩነታት፡ እቲ ተደጉሉ ካልኣዊ ቦታ ሒዙ ዝጸንሐ ወገናዊ ዝንባለታት፡ ቀዳምነት ሒዙ ምግጅጃል ብምፍጣር ንድሕነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ኣብ ዘይውጻእ ሓደጋ ከውድቅ ልዑል ተኽእሎ ስለ ዘሎዎ፡ ነዚ ተኽእሎ'ዚ ናብ ክውንነት ከይልወጥ ንምግታእ ዝከኣል፡ ነቲ ጠንቂ ወገናዊ ዕብለላ ዝዀነ ዓማጺ ገዛኢ ሓይሊ ብናይ ሓባር ቃልሲ ብምውጋድ፡ ንዂሉ ወገናት ብማዕርነት ዝውክልን ብዘይኣድልዎ ዘሳትፍን ብፍትሒ ዘመሓድርን ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ብምትካል ጥራይ ኢዩ። ብዝተረፈ፡  ኲልሳዕ ካብ ወገናዊ ዝንባለታት ንላዕሊ ሃገራዊ ዝንባለታት ስለ ዝዓዝዝን ዝሕይልን፡  ንወገናዊ ዝንባለታት ኰነ ኢልካ  ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ  እንተ ዘይተጠቒምካሉ፡ ከም ህላወ መጠን ብምህላዉ ጥራይ ዝዀነ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣየኸትልን ኢዩ። ይኹን'ምበር፡  ኣቐዲሙ ከም እተወስአ፡ እንተድኣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሃገር እቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ (ግንባር ይኹን ሰልፊ)፡ ምስ ወገኑ ብምሽራው፡ ንወገኑ ሓልዩ ዘይኰነ ከም መሳርሒ ጃንዳዊ ረብሓኡ ንኽጥቀመሉ፡ ኣገዲዱን ኣደናጊሩን፡ ሽሒጡን ኣታሊሉን፡ ኣብ ልዕሊኻልኦት ወገናት ካብ ሕጊ ወጻኢ ብዝዀነ ኣገባብ፡ ርኡይ ወገናዊ ዕብላለን ዓመጽን  ዘዘውትር  እንተኰይኑ ግን፡ ወገናዊ ዝንባለታት ብባህርዮም ድጉል በታኒ ውሽጣዊ ድርኺታትት ስለ ዘለዎም፡ ይንዋሕ-ይሕጸር ናብ ምፍንጫል ሃገር'ዮም ዘምርሑ።

ይኹን'ምበር፡ ዝዀነ ወገናዊ ምጥርናፍ ኣዛዪ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘይብሉ እንተዀይኑ፡ ብዓይኒ ጠርጠራ ተራእዩ ከይመመኻ  ብድብድቡ ክውገዝ የብሉን። ገለ ሃገራውያን ባእታታት፡ ነተን ጭቡጥ ብሄራውን ሃይማኖታውን ሕቶታት ዘልዓላ ወገናውያን ውድባት፡ ነቲ ዘልዓለኦ ጭቡጥ ሕቶታታት ከይመመዩ ብጸቢብ ሃገራውነት ብምኽሳስ፡ ብተርባጽ ተሰናቢዶም ክዂንንወንን ክዘልፍወንን ኢዩም ዝህንደዱ። ጭቡጥ ብሄራዊን ሃይማኖታውን ሕቶታተን ጠንቂ ስለ ዘሎዎ፡ ነቲ ጠንቂ ሕቶታተን ከይመለስካ ማለት ከይወገድካ ነባሪ ፍታሕ ከተምጽእ ዝከኣል ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ ነቲ ሳዕቤን ዘኸተለ ጠንቂ ከይኣለኻ፡ ነቲ ሳዕቤን ንምእላይ ምስ እትህቅን ኣይትዕወተሉን ኢኻ። ሃቐነኻ፡ ነቲ ሳዕቤን መመሊሱ ከም ዝስስን ክገብሮ እንተዘይኰይኑ፡ ከም ዝምህምን ኣይገበሮን ኢዩ። ወገናዊ ዝንባለታት፡ ካብ ንውዓት ውዱዕ ህዝባዊ ኣቀዋውማ ዝመንጨወ ክውንነት ስለ ዝዀነ፡ ከም ቆፎ ንህቢ ነዝኒዝካ እንተ ዘይገስጕስካዮ፡ ዝዀኑ ሕንዚ ይኹን መርዚ ኣይነዝሕን ኢዩ።ዝዀነ ወገን፡ ጥርናፈኡ ንድሕነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ዕላማን መደብን እንተዘይሃልይዎ፡ ንወገኑ ተጠርኒፉ ክንቀሳቐስ ዘይገሃስ ደሞክራሲያዊ መሰል ኣሎዎ። ኲሉ ወገናዊ ጥርናፈታት ኣሉታዊ ተራ ጥራይ ከም ዝጻወት ጌርካ ክርአ ይብሉን። ከምኡ'ውን ከም ተላጋቢ ሕማም ተራኢዩ ክፍንፈን የብሉን። ንኣብነት፡ ሓደ ብሄር ፍሉይ ባህሉን ልምዱን ንምምዕባልን ንምዕቃብን ብሄራዊ ንጥፈታት ምስ ዘካይድ ወይ ከኣ ሓደ ፍሉይ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ንምእመናቱ ሃይሞኖታዊ ኣገልግሎታት ንምሃብ ምስ ዝጥርንፎም፡ እቲ ብሄራዊ ንጥፈታት ኰነ እቲ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎታት ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ስለ ዘይብሉ፡ ዝዀነ ዘኸትሎ ኣሉታዊ ፖለቲካዊ መንቅብ የብሉን። ስለዚ፡ ወገናዊ ዝንባለታት በታኒ ውሽጣዊ ድርኺት ይሃልዎ ድኣ'ምበር፡ እቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ ንደሞክራሲ ነጺጉ ዓብላልን ዓማጽን ዘይሃገራዊ ስርዓት እንተ ዘይተኺሉ፡ ነቲ ሓያል ጠርናፊ ድርኺት ዘሎዎ ሃገራዊ ዝንባለታት ስለ ዘየዳኽሞ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ትሃኑን ወኑን ብምቕናስ ቅሂሙ'ዩ ዝተርፍ። ብኣንጻሩ፡ እቲ ሃገራዊ ዝንባለታት ኩሉ ዝብህጎን ዝምነዮን ብምዃኑ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓየለን እናደንፈዐን ናብ ነቕ ዘይብል ሓይሊ'ዩ ዝልወጥ። እዚ ኸኣ ደሞክራሲ፡ ንምርግጋጽ መሰላትን ናጽነታትን ዜጋታት ሃገር ጥራይ ዘይኰነ፡ ንምርግጋጽ ሓድነትን ስኒትን ህዝቢ እውን ክሳብ ክንደይ ኣገዳስን ወሳንን ተራ ከም ዘሎዎ ዘመስክር ስነታዊ ሓቂ (logical truth) ኢዩ። ንኣብነት፡ ኲለን ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝርከባ ደሞክራሲያውያን ሃገራት፡ ዝተፈልየ ቋንቋን ባህልን ዝውንኑ  ዜጋታተን፡ ቋንቋኦምን ባህሎምን ክዕቅቡ ብብሄር ደረጃ ክጥረነፉ ከፍቅዳሎምን ከተባብዖምን ዝረኣያ በዚ ምኽንያት'ዚ ድኣ'ምበር ካብዚ ሓሊፉ ካልእ ምስጢር የብሉን።

n ካልኣይ ረቛሒ፡ ነቲ "ብሓባር ተጸዋዊርካ ናይ ምንባር ባህሊ" ዘይምምዕባል ዝብል ፖለቲካዊ ኣምር ዝምልከት ኰይኑ፡ ንሱ ድማ፥ "ኣብ መንጎ እቶም ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ (ideological difference) ዘሎዎም ኣብ ውሽጢ ክልቲአን ውድባት ተሰሊፎም ዝጋደሉ ዝነበሩ ሃገራውያን፡ ናይ ተጻዋርነት ፖለቲካዊ ባህሊ (political culture of tolerance) ክምዕብል ዝኣክል ዕድል ኣይተዋህቦን" ዝብል ኢዩ። ኣብ ዝዀነ ግዜን ኩነታትን፡ ምስ ዕላዊ ሰልፋዊ ወይ ግንባራዊ ስነ-ሓሳብካ ዘይቃዶ ስነ-ሓሳብ ዘሎዎም ዜጋታት ወይ ጕጅለታት ደሞክራሲያዊ ጠላባት ምስ ዘቕርቡ፡ ንጠለባቶም ብዕቱብነት እዝኒ ሂብካ ብምስማዕ ድሕሪ ምምዛንካ፡ ትቕበሎ ወይ ከኣ ምኽንያት ኣቕሪብካ ትነጽጎ ድኣ'ምበር፡ ነቶም ዜጋታት ወይ ጕጅለታት ንስነ-ሓስብካ ዝጻረር ወይ ዝነቅፍ ደሞክራሲያዊ ጠላባት ብምቕራቦም ከም ደመኛታትካ ቆጺርካ፡ ከምቲ ኣብ ስሳታት ላዕለዋይ መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ኣባላቱ (ደሞክራሲያውያን ባእታታት) ዝወሰዶም ናይ ምቕንጻል ስጕምቲ፡   ወይ ከኣ ከምቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብዚ ቀረባ ግዜ (መስከርም18-19፡ 2001) ኣብ ልዕሊ እቶም ንዘይደሞርክራሲያዊ ተግባራት ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣትሪሮም ዝነቐፉ ጉጅለ-15፡ ዝወስዶ ተመሳሳሊ ናይ ምሕቃቕ ስጉምቲ ብምውሳድ ብሓይሊ ከተጽንቶም ቅኑዕ ኣይኰነን።

ኣብ መንጎ ሃገራውያን ዜጋታት ዝቕልቀል ምስ ፖለቲካ ዝተኣሳሰረ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ ዓይነቱን ዕብይየቱን ብዘየገድስ፡ ብባህርዩ ብሰላም ክፍታሕ ዘሎዎ ካልኣዊ ግርጭት ስለ ዝዀነ፡ ንሓዋሩ ናይ ተጻዋርነት ፖለቲካዊ ባህሊ ንምምዕባል ምእንቲ ክሕግዝ፡ ኣብ ክንዲ ብልዝብን ብደምክራሲያዊ ኣገባብን ትፈትሖ፡ ብኣንጻሩ ንተቓናቐንትኻ ወተሃደራዊ ሓይሊ ተጠቒምካ ብምጽናት ክትፈትሖ ምስ እትፍትን፡ ነቲ ብሰላም ክፍታሕ ዝኽእል ካልኣዊ ግርጭት ናብ ክቕረቕ ዘይከኣል ተጻራሪ ቀዳማዊ ግርጭት'ዩ ዘደይቦ። ኣብ ዝዀነ ግዜን ኩነታትን፡ ኣብ መንጎ ሃገራውያን ዜጋታት ኣብ ፖሊተካ ይኹን ኣብ ካልእ መዳያት ስነ-ሓሳባዊ ፍልልያት ክህሉ ባህርያዊ ስለ ዝዀነ፡ ከም ዘይንቡር ተወሲዱ ነንሓድሕድካ  ዘቀያይምን  ዘረሓሕቕን  ዘፋልስን ጠንቂ ክኸውን የብሉን። ዝበዝሕ ግዜ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኣባላት መሪሕነት ዝኽሰት ግርጭት ብመሰረቱ ካብ ውልቃዊ ህልኽን ኒሕን ጽልእን ናይ ስልጣን ውድድርን ዝመንጨወ'ኳ እንተዀነ፡ ሓቀኛ እንታይነቱ ተሸፊኑ ወይ ተደጕሉ መበገሲኡ ዘይዕረቕ ናይ ስነ-ሓሳብ ፍልልይ ከም ዝዀነ መሲሉ'ዩ ዝቐርብን ዝግለጽን። ንኣብነት፡ ነተን ከም ኣሜባ ጸጸኒሐን ኣናተኸፋፈላ ዝተባዝሓ ናይ ሃገርና ተቓወምቲ ውድባት(ኣስታት ሰላሳ ዝዀና) እንተወሰድና፡ ነቲ ቀንዲ ጠንቂ መፈናጨሊኣን  ኲሉ ካብ ፈጺሙ ክዕረቕ ዘይከኣል ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ ዝመንጨወ ኣይኰነን። እንታይ ድኣ፡  መብዛሕትኡ ቀንዲ ጠንቁ ካብ ውልቃዊ  ዘይምቅዳውን ምትህልላኽን ምቅይያምን፡ ገለኡ ኸኣ ካብ ዝዀነ ስነ-ሓሳባዊ ትሕዝቶ ኰነ መእሰሪ ዘይብሉ ቀንጠመንጢ ዝመንጨወ፡  ጭው ዝበለ ናይ ስልጣን ምሽማውን ኣነነትን ወገንነትን ትምክሕትን ኢዩ። እዚ  ሕማም'ዚኸኣ፡ ካብቲ ኣብ መንጎ መራሕቲ ተ.ሓ.ኤን ህ.ግ.ሓ.ኤን ዝነበረ (ገና'ውን ዝቕጽል ዘሎን) ክልተ ሳዕ ናብ ኲናት ሓድሕድ ብምብጻሕ፡ ደም ንጹሃት ተጋደልቲ ንኸንቱ ዘጥፈአ ብታሪኻዊ ገበን ዘሕትት ሕማም፡ እንትርፎ ብደረጃኡ ብዓይነቱ ብምንታይ'ዩ ዝፍለ?  ክልተ መርኣያታት ናይ ሓደ ዓይነት ሕማም -- ህርፋን ስልጣንን ዕብላላን-- ስለ ዝዀነ፡ ሓንቲ ዝፈልዮ ነገር የብሉን!

በዚ ዀነ በቲ፡ ነፍስወከፍ ገስጋሲ'የ ወይ ሰውራዊ'የ ዝብል ፖለቲካዊ ስልጣን ዝሓዘን ብሕጂ ክሕዝ ዝቃልስ ዘሎን ሓይሊ፡ እቲ ዝዋሳኣሉ ዘሎ መድረኽ ሓርነታዊ ግንባር ይኹን፡ ሃገራዊ መንግስቲ ይኹን፡ ናይ ተቓወሞ ፖለቲካዊ ሰልፊ ይኹን ብዘየገድስ፡ እንተድኣ ብልክዕነት ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳቡን ብሕጋውነት ፖለቲካዊ ስልጣኑን ከምኡ'ውን ብብቕዓት ፖለቲካዊ ኣመራርሓኡን ዝተኣማመን ኰይኑ፡ ንናይ ተቐናቐንቱ ስነ-ሓሳብ  ዘየጽውር ምኽንያት የብሉን። ሓደ ሰልፊ ወይ መንግስቲ ህዝባዊ ተቐባልነትን ደገፍን ዝረክብ፡ ብሓይሊ ንተቐናቐንቱ ምስ ዝዕብልል ወይ ከኣ ዝደቊስ ኣይኰነን። እንታይ ድኣ፡ ንድልየት ህዝቢ ዘማልእን ንመሰላት ህዝቢ ዘኽብርን ከምኡ'ውን ንህዝቢ ጠርኒፉ ዘሳትፍን ምስ ዝኸውን ጥራይ ኢዩ። ካብዚ ዝተላዕለ፡ ብሓቂ ልክዕነት ናይ ሓደ ሰልፊ ወይ መንግስቲ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ዝፍረድ፡ ኣብ ግብሪ ተፈቲኑ ዘየማትእ ኣዎንታዊ ውጺኢት ምስ ዘኸትል'ዩ፤ ብተመሳሳሊ፡ ብሓቂ ሕጋውነት ፖለቲካዊ ስልጣን ናይ ሓደ ሰልፊ ወይ መንግስቲ ዝረጋገጽ፡ እቲ ሰልፊ ወይ መንግስቲ ብህዝቢ ኣብ ናጻን ፍትሓውን ምርጫ ምስ ተቐናቐንቱ ተወዳደሩ ብዝረኸቦ ዝበዝሐ ድምጺ'ዩ፤ ከምኡ'ውን ብሓቂ ብቕዓት ሰልፋዊ ወይ መንግስታዊ ኣመሓዳድራኡ ዝምዘን፡ ብዘበርክቶ ኣዎንታዊ ኣስተዋጽኦን ዘከናውኖ ስራሓትን ብሳዕቤኑ ዘጥርዮ ዕግበትን ተቐባልነትን ህዝቢ ኢዩ። ስለዚ፡ ዝዀነ ቅንዕና ዘሎዎ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ ይኹን ዘይሓዘ ሓይሊ፡ ንናይ ተቐናቐንቱ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ዓማጺ እንተዘይኰይኑ ይፍቶዎ ይጽላኣዮ ክጻወሮ ኣሎዎ። ኣየናይ ስነ-ሓሳብ ዝኽተል ሰልፊ'ዩ ቅኑዕ? ንዝብል ሕቶ ክፈርድ ስልጣን ዘሎዎ ኣካል፡ እቲ ዝምልከቶ ህዝቢ ናይታ ሃገር ጥራይ ኢዩ። ከመይ ጌሩ?

ኣብቲ  ጸጸኒሑ  ዝካየድ  ናጻን  ፍትሓውን  ሃገራዊ ምርጫ፡  ነቲ  መንግስታዊ  ስልጣን  ሒዙ ዝጸንሐ ሓይሊ በቲ ኣብ ስልጣን እንከሎ ብግብሪ ንዘከናወኖ ዕማማት መዚኑ፡ ብምስጢራዊ ማሕፉዳ (secrete ballot) ብዝህቦ ድምጺ፡  እንተኒፊዑ የሕልፎ (ደጊሙ ይመርጾ)፡ እንተሓሚቑ ኸኣ የትርፎ (ደጊሙ ኣይመርጾን)።

ናይ ተጻዋርነት ፖለቲካዊ ባህሊ ዘማዕበለ ሕብረተሰብ፡ ዜጋታቱ ሓሳባቶም ዝገልጽሉን ዝለዋወጥሉን ሰፊሕ መድረኽ ኣብ ርእሲ ምኽፋቱ፡ ንሓደ ጉዳይ ብዂሉ ዛውያቱ (ኣዎንታውን ኣሉታውን መዳያቱ) ክምልከትዎ ብምኽኣል፡ ንዝነበሮም ሓሳባት ዘሀብትም ሓዲሽ ኣተሓሳስባ ዘማዕብልሉ ዓቢ ዕድልን ገፊሕ በርን'ዩ ዝፈጥር። ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ ዘሎዎም ባእታታት፡ ኣባላት ናይ ሓደ ዓይነት እምነት ዘሎዎ ፖለቲካዊ ሰልፊ  ወይ ከኣ ኣባላት ናይ ዝተፈላለየ  ዓይነት እምነት ዘሎወን ፖለትካዊ  ሰልፍታት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ይኹን'ምበር፡ እንተድኣ ናይ ተጻዋርነት ፖለቲካዊ ባህሊ ኣማዕቢሎም፡ ከይተፈናጨሉን ከይተናቘቱን በቲ ኲሎም ዝሰማምዕሉ ናይ ሓባር ረቛሒታት ተጠርኒፎም ሰልፋዊ ንጥፈታቶም ከካይዱ ስለ ዝኽእሉ፡ ኣብ መስርሕ ጕዕዞኦም ካብ ናይ ሓድሕዶም ገድለታትን ድኽመታትን እናተማህሩ ወይ ሓደ ዓይነት ወይ ከኣ ዝተቐራረበ ስነ-ሓሳብ  ከማዕብሉ ይኽእሉ ኢዮም። በዚ መሰርት'ዚ፡ ተመሊስና ነቲ ኣብ ሓርነትዊ ጕዕዞ ዘጓነፈ ኩነታት ምስ እንግምግሞ፡ ኣብ ውሽጢ ተ.ሓ.ኤ ብዓንቶቦኡ ናይ ተጻዋርነት ፖለቲካዊ ባህሊ እንተ ዝምዕብል ኔሩ፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ካብ ተ.ሓ.ኤ ምናልባት ኣይምተፈልየትን ኔራ፣ ካብኡ ብዘይፍለ፡ እቲ ብሰሩ ዝሰዓበ ኣብ መንጎኣን ዝተባረዐ ብዙሕ ንኸንቱ ናይ ሰብን ንዋትን ክሳራ ዝተኸፍሎ ኲናት ሓድሓድ እውን ምናልባት ኣይምተባረዐን ኔሩ። ናይ ተጻዋርነት ፖለቲካዊ ባህሊ፡ ጸኒሕና ከም እንግንዘቦ፡ ኣብ ውሽጢ ተ.ሓ.ኤ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ውሽጢ ህ.ግ.ሓ.ኤ እውን እንተዀነ ስለ ዘይማዕበለ፡ ዝዀነ ኣብ ውሽጢ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝተቐልቀለ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ይሃልዎ ኣይሃልዎ ኣብ ገሊኡ እዋን ሕሉ`ፍ ጸጋማዊ  ምንቅስቓስ (ንኣብነት፡ ናይ1973 መንካዕ)፡ ኣብ ካልእ እዋን ከኣ ሕሉ`ፍ  የማናዊ  ምንቅስቓስ (ንኣብነት፡ ናይ 1976 የሚን) ብዝብል ጠቐነታት፡ ኩሉ ሓደ ካብቲ ሓደ ብዘይፍለ ኣገባብ ብዘይንሕስያ'ዩ ተደቚሱ። እዚ ኸኣ እንትርፎ ዘየወጽእ ሓዳሪ ቅርሕቲ ምሕዳር፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብና ክዂስኲስ ዘሎዎ ደሞክራሲያዊ ያታ ንኽጥጥዕ ምቹእ ሃዋህው ዝፈጥር ማለት ናይ ተጻዋርነት ፖለቲካዊ ባህሊ ዘማዕብል ኣይኰነን።

(መቐጸልታ ናይዚ ሳይሳይ ክፋይ  ብምንውሑ ንምክታታሉ ከየጸግም ኣብ ዝስዕብ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ክቐርብ ኢዩ። ሰናይ ምክትታል።)


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...