ቀዳም ዕለት 16/06/2012 ፣”ብምሕዝነት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኣብ ሚላኖን ከባቢኣን” ዝተወደበ ኣድማዒ ናይ ዝኽረ ስውኣት መዓልቲ ተኻይዱ።እቲ በዓል ኣብቲ ብዙሓት ኤርትራውያን ዘዘውትሮ ከባቢ ፖርታ ቨነስያ ኣብ ፕያሳ ኦበርዳን ዝበሃል ክፉትን ሰፊሕን ቦታ ኢዩ ተኸናዊኑ።ካብ ሰዓት 6.00 ድ.ቀ ጀሚሩ ክሳብ 8.30፣ ንክልተ ሰዓትን ፈረቓን ዝኣክል ጊዜ ፣ብብዙሕ መሳጢ መዛሙር፣ግጥምታትን  መደረታትን ተሰንዩ ንተሳተፍቲ ጥራይ ዘይኮነ ንሓለፍቲ መገዲ’ውን ዘስደመመ መደብ ነበረ።ኣብ ከተማ ሚላኖ ኣብ ቅሉዕ ፕያሳ  መዓልቲ ዝክረ ስውኣን መደብ ክኽበር ንመጀመርታ ጊዜ ኢዩ።ኣብዚ በዓልዚ ዝተራእዩ  መንእሰያት ካብ ቦሎኛ፣በርጋሞን ሎዲን ዝበሃል ከተማታት ከምዝነበሩ ምግንዛብ፣እቲ  በዓል ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምንባሩ ዘረጋግጽ  ተሳታፍነት ኢዩ።

መደብ ዝኽረ ስውኣት ብቃል ኣቦ መንበር ማሕበር መንእሰያት ሚላኖ ይኽፈት።ኣብዚ ተረኺብና ዘሎና ወለድቲ፣ደቂ ፣ኣሕዋትን ኣሓትን፣ኣዝማድን ኣዕሩኽን   ስውኣት ኢና።ስውኣትና ጓኖት ኣይኮኑን።ናይ ሎሚ ኣብዚ ምህላውና ክንሓዝንን ከነስተንትንን ኣይኮነን።እቲ ብ.ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተጠልመ  ዝተሰውእሉ  ዕላማታት ሽቶኡ ክሳብ ዝወቅዕ ብዘይ ቃልዓለም ክንቃለስ ከምዝኾንና ክንመባጻዕን  ማሕላ ክንኣቱን ኢና ብምባል እቲ መድርኽ ንዝተፈላለዩ ምስክርነቶም ክህቡ ዝደልዩ መንእሰያትን ዓበይቲን  ከፈቶ።ዝተፈላለዩ መንእሰያት ኣብ መድርኽ ወጺኦም  ልቢ ሰብ ዝትንክፍን ዘነድርን ግጥምታትን ደርፍታትን  ፈነውዎ።ሓይለኣብ ኢሳቕ (ሰላሊዓ) ወኒ ሰብ ዝሰልብ ደርፍን ግጥምን ብምቕራብ ንመዓልቲ ዝክረ ስውኣት ሓቀኛ ትርጉሙን ክብሩን  ኣትሓዞ።ሑቕፊ ኣቦኡ ከይጸገበ ዝዓበየ ወዲ ስዉእ ዘርእሰናይ ተወልደ ድማ፣ ኣቦኡ ዝተሰውኣሉ ዕላማ ክሳብ  መፈጸምትኡ ዝርኢ ተስፋ ከይቆረጸ ክቃለስ ከምዝኾነ ዳግመ መብጽዓ ከምዝኣቱ እንዳተደናፈቐ ብምግጣሙ ተሳተፍቲ ንብዓቶም  ከንቅጹ ይረኣዩ ነበሩ።ኣብ ጎድኑ ከሎ ዓርኩ ዝተሰውኦ ተኽለኣብ ኢሳቕ ድማ ቅድሚ ምስውኡ ዝተላበዎ  ዕማምን ድሕሪ ምስውኡ ድማ  ካብ ስድርኡ ዝተቐበሎ ደብዳቤን ብምዝካር ፣ኩነታት ስለዘይፈቐደሉ ክሳብ ሕጂ ክፍጽሞ ዘይከኣለ  ሰፍ ዘይብል መብጸዓ ተሰኪሙ ይነብር ከምዘሎ ፣ምስክርነቱን ተዘክርኡን ገለጸ።ካልኦት ብዙሓት’ውን ዝተፈላለየ ግጥምን መደረን ብምቕራብ  ክብርን ዝኽርን ስውኣትን ዘልኣለማዊ  ኢዩ።

ሃዋሁ ናይቲ መዓልቲ “ስውኣትና ክንዝክር ፣ዝተሰውእሉ ዕላምታት ነተግብር”   ዝብል ብቓል ጥራይ ዘይኮነ ግብራዊን ሓድነታውን ቃልሲ ንምክያድ ዝዕድም ቆራጽን ተሪርን ናይ ብደሆ  መንፈስን ዘንጸባርቕ ምንባሩ ፍሉይ መድርኽ ይገብሮ ።

ዝየዳ ንምክትታሉ ስእላዊ ማህደር ተመልከቱ።

 

 ልኡኽ  ዜናን ሓበሬታን ሃገራዊ ባይቶ ዞባ ኤውሮጳ።

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...