በትሪ ሐቅስ….. ኣብ ዝብል ክፋላት ጽሑፈይ ካብዝተጠቓለለ ኣብ ዓምዲ “ትፈልጣዶ“? ኣብዝብል ሓሳብ ዝጥመር ንዘዳለኹዎ ዛዕባ ኢየ ንሎሚ ከምካልኣይ ክፋል ክቕጽል መዲበ ነይረ። ሽዑ ተመሳሳልነቱ ብዙሕ ከየስተብሃልኩ ኢየ’ውን “ኤርትራዊያን ማርያ ተሬዛታትን ጋንድታትን“ ብዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ኣዳልየዮ ነይረ። እንተኾነስ ናዝ ድማ ቀዲምኒ። ዝኾነ ኮይኑ ብዛዕባ ኣጋጣምነቱ ዘዛርብ የብሉን። ሎሚ ኩላህና ኤርትራውያን  በቶም ውፉያት መራኸቢ ብዙሃናትና ክንደማመጽ ብምብቃዕና፡ብኡመጠን ድማ ዕርዲ ዓባቢጥካን ነጻጺልካን መግዛእቲ ይዓኑ ስለዘሎ ኣረኣእያና ክንጥርንፍ በቒዕና ኣለና’ሞ ይመስገን ድማ ፈጣሪ!

ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ብቀሊል ዓቕምን ትሕዝቶን ክገልጾ ከምዝፈተንኩ፡ ሎሚ ከኣ መንነት ሓቕን ሓሶትን ከምኡ ’ውን ምስ ሕልና ሰብ ዝህልዎም ተዛማድነት ንምጥቃስ ይሕግዝ ንዝበልኩዎ ኢየ ከካፍል። ከምእምነተይ እንተ  ኾይኑ ሰባት ሓቅን ሓሶት፡ ቅኑዕን ግጉይን ክሰርሑ ዝድርኾም ሓይሊ(ዝገልጾ እንተኾይኑ ዋላ ሶፍትዌር በሉዎ) ሕልናኦም ኢዩ። ሕልና ከኣዋላ’ዃ ብረብሓን ሓይልን ክሰድዕን ክስንብድን ዝኽእል እንተኾነ ብቐንዱስ ተፈጥራኣዊ ህያብ ይመስለኒ። ማለት ሰባት ኣብ ልግስን መሸጣን ሕልና ዝዋፈሩ፡ ብዘለዎም ሓያል ወይ ስኑፍ ተፈጥሮ ምዃኑ ክጠቅስ ክብል ኢለ ኢየ። እንተ’ቶም ዓደግቲ’ሞ ከከምግምትኩም ክትገልጽዎም ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ቃልሲ ሰሰናዩ ጥራይ ክገብር ዝኽእል ትእምርተኛ መራሒ የለን። እንተኾነስ ዝበዝሐ ጽቡቕ እናሰርሐ ንዝፍጽሞ ኣዝዩ ውሑድ ጌጋታቱ ከኣ ናይ ዕርቂ ባይታ ዝፈጥር ዘበለ ኢዩ ፍትሓዊ ዝበሃል። ኩሉ ዓይነት ፖለቲከኛ ከኣ ቀዳማይ ዓወቱ ምቁጽጻር ሕልና ደቂ-ሰባት ምዃኑ ኩልና ኣስተብሂልናሉ ኢና። ስለ’ቲ ንሱ፡ ዕዳጋ ዓደግትን ሸየጥትን ሕልና ደቂሰብ ሃጢሩ ይርአ። እንተኾነስ ከምቲ ምእንቲ ውልቀ ጥቕምኻ ዝሽየጥ፡  ኣብቲ ሓደ ደምበ ድማ ዝልገስ ዝውፈ ዝብጆ ሕልና ከኣ ኣሎ ኢዩ። ኣብዚ ክስመረሉ ዘለዎ ጉዳይ ኣብመንጎ ንውልቀ-ረብሓ ክጥዕመካ ዝሽየጥን ምእንቲ ሓፋሽ ክትብል ዝውፈን ሕልና ዘሎ ፍልልይ ዘይዋሰብ ምዃኑ ኢዩ።

ዘለናዮ ግዜ እቲ ምእንቲ ሓፋሽ ከምዝተወፈየ ንክልተ ዕቑዳት መመላእታ ከበሮ ሓምሓም ክድሰቐሉ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ መስመር ህግደፍ፡ እቲ ሕቡእ  ኣጀንዳኣ ጽንተት ሃገርን ሃገራውያን ተጋሊጹ ኣብ ጥፍሽና ዝኣተወትሉ መድረኽ ብምእታውና፡ ትሰርር ህይወት እንተ ኣልያስ ኮን ዶኾን ብማለት ብገዛእ ዓቕማ ጥራይ ዘይኮነስ ብደላሎ ከይተረፈ ሕልና ትሽምተሉ እዋን በጺሕና ኣለና። ህግደፍ ኣብ ሕልና ዜጋታት ከፊታቶ ዘላ ናይ ስድዓትን ራዕድን ኲናት ከኣ ካብ ኩሉ ኣይተሰወረን። ኣቐዲማ ቅልጽማ ከተረጋግጽ፡ ሎሚ ከኣ ገና ’ኣብ ብርካ ተተንፍስ ስለዘላ’ ስንፈታ እናሓብአት ብብዙሕ ጥበባት ገና ተወሰኽቲ ክልተ ነናይ ዓሰርተ ዓመታት ከተራጥጥ ክትብል ዘይተገብረ የለን። ብኣንጻሩ እቶም ተባዓትን ሰብ ሙሉእ ሕልናን ሃገራውያን ዕርቃና ከውጽኡዋ ይጓየዩ እነዉለ። ነዚ ጽቡቕ ኣብነት ዝኾነና ኣጋጣሚ ኢዩ እምበኣር ናዝ ዘአንገደና።

ሜሮን እስቲፋኖስ። ኣነ ከምቲ ካልእ ኩሉ ሰብ ሓንቲ ካብ መንእሰያት ንለውጢ ከምእትኸውን እምበር ብዛዕባኣ ዝፈልጦ ኣይነበረንን። ከምቲ ሽዑ ቀስ ብቀስ ዘዋህለልኩዎ ሓበሬታ ሎሚ’ሞ ነቲ ሰፊሕ ቃለመሕትት ክሰምዕ ብምብቃዐይ፡“እዛ መንእሰይ ኤርትራዊት ማሪያ ተሬዛ እንተዝብላስ ይኸብዳዶ“? ኢለ ምስነፍሰይ ድሕሪ ምልዛብ፡ ደጊመ ንክዉንነት ኣጣሊለን ከይተጠራጠርኩን “እታ ዝሓሰብኩዋ ትጽደቐለይ ድኣ ይግባኣ ኢዩ“፡ ኢለ ዛዚመ ኣለኹ። ዓቕምን ሕልናን መንእሰያትና ዘይከኣሎ ነገርን ዘይሰግሮ ጸድፍን ስለዘየለ።

ሓቂ ኢዩ ሃይማኖት ይዕጠቓ ስልጣን መንግስቲ ከየገደሰ፡ ሓያለይ በዚ ስም’ዚ ዝስመያ “ናጻነት ደቂ-ሰብ፡ ብዘይ ገደብ“ ኢለን ዕድመአን ሙሉእ ዝተወፈያ ከምዝነበራ ይትረኽ ኢዩ። ሓቂ ኢዩ’ውን ምእንቲ ናጻነትን ሓርነትን

ክብላ ዝሓለፋን ዝሰንከላን፡ እቲ ዝኸፍአ ድማ ኣደዳ ናይ ናብራ ሕሰም ኮይነን ዝተሰደዳን ብጾትና ኣይወሓዳን።

ኣብ ወጻኢ ኮይነን ምእንቲ ሰብኣዊ መሰል ዝጣበቓ ብጾትና ንምዝካር ዝኣክል ሜሮን ካብ ጠቐስናስ ጓል ጭሩምን ጓል ጋንድን ከኣ ክንጠቅስ ኢና። ብማዕረ ተሳትፎ ክቡር ኣቦ ኣባሙሴ እንተበልና ድማ ባዕላ መንእሰይ ሜሮን

ዘመስገነቶም ኤርትራውያን ሰብ ሕልና ከይዘከርና ኣይንሓልፍን። ጋዜጠኛነት ሞያ ኢዩ። እንኮላይ ስራሕ።“ጋዜጠኛ

ፖለቲካዊ መርገጺ ወይ ፖለቲካዊ ኣድልዎ ክህልዎ የብሉን“ ዝበሃል ሓቂ እንተኾይኑ ክሃድመሉ’ሞ፡ ተጠቃሚ ኣብ ደስ ዘዝበሎ ከመጉሶም፡ ፊን ከብሎ ድማ ዘመራስሖም ኣባላት ፕረስ ከይሰድዑን ከይተሰናበዱን ክዉን ነገር ይቕርቡልና ካብ ዘለዉ ሓደ ብጻይና ናዝ እንተጠቂስና፡ ካልኦት ውፉያትን ሰብ ቅኑዕ ሕልናን ኣሰናታትን ካልኦትን ምጥቃስና የግዲ ኢዩ። ዝኾነ ኮይኑ ካብ ድፍነት ተገላጊልና እቲ ዝሰማዕናዮ ምስማዕና ካብኡ ዝዓቢ ጸጋ’ሞ እንታይ ኣልዩ!

ስለምንታይ ኢያ ግን ነፍሰይ ነዚ ጉዳይ ክንድኡ ኣስተብኢላትሉ? ኢለ ዘይሓሰብኩን ዘይመለስኩን ከይመስለኩም።

ከምእምነተይ እቲ ቅርጺ ኮነ ትሕዝቶን ተግባርን ዓለማዊ ትካል ገዲፈ ንሰብኣዊ መሰላት ምጥባቕ ግን ንጹህ ሕልና

ዘበገሶ ሓያል ኒሕ ኢዩ። ዘለካ ዓቕሚ ኣብመዓላ ኣፍ ዘለዎም ምዉታን ምውዓሉ፡ ልዕሊ ሰብኣውነት ኣብ ምድርን ሰማይን ቦታኻ ምጥጣሕ ኢዩ። ኣብ ብዓለሙ ምጥባቕ ዝድለ ነቲ ሓቅነት ናይ ሰብነት መሰል እንከለዎ ሓይሊ ስኢኑ ዝሰነፈ፡ መሰሉ ከስምዕን ክረክብን ዘይከኣለ፡ ብሰሪ ግዳማዊ ኮነ ባህሪያዊ ተጻብኦ ንቡርነት ስኢኑ ናብ ጽንተት ዘምርሐ ንምርዳእን ንምዕቃብን ዝዕላማኡ ተግባር ኢዩ። እዚ ቅዱስ ዕላማ ጥብቅና’’ዚ ምእንቲ ኩሉ ፍጡር ክበሃል ተፈጻምነት ኣለዎ። ብረታዊ ቃልስና ካብዚ ዕላማ’ዚ ዝተፈለየ ካልእ ተልእኾ ፍጹም ኣይነበሮን። ካልእነቱ ዝተጋህደ ድማ ድሕሪ ናጻነት ኢዩ። ሜሮንን ብጾታን እምበኣር ልክዕ ከመቲ ምእንቲ መሰል ህዝብና ንምጥባቕ ክብሉ በረኻዊ መስዋእቲ ዝተጎንዑ፡ ብርግጽ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰል ድቂሰብ ክበሃሉ ዘኽእሎም ውዕሎ ብዝግባእ ዝተግበሩ ተቓለስቲ ኢዮም ።

ምእንቲ እዞም ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝሓሸ ገሃንም ክሃድሙ ክብሉ ኣብሓደጋ ዝወደቑ መንእሰያትና ምጥባቕ በበይኑ

ትርጉማት ክዘንቦ ተራእዩ ኢዩ። እቲ ኣውራ ንምድንጋር ተባሂሉ ዝፍኖ መጎናደቢ ጎስጓስ ከኣ ልክዕ ከምቶም ናይ ጋዜጠኛታት ብስም ጥብቅና ኣብ ፖለቲካ ይኣትዉ ከምዘለዉ ዝጥቀስ ድኻን ተንኮለኛን ፖለቲካ ክንስነስ ሰሚዕና።

ያኢ ተጠቂዩ ተባሂሉስ እዞም ካብ ሃገር ዝወጹ ዘለዉ ዜጋታት “ዘይሕጋውያን ኢዮም“ ተባሂሉ። ኣየናይ ብቅዋም ዝጸደቐ ግቡእን መሰልን ሃልዩ፡ ኣየናይ ሕጋዊ መደብ ኣገልግሎት ምስተቐረበ ኢዮም ዘይሕጋውያን ኮይኖም? ንሱ ንክኸውንዶ ኣይኮነን ቅዋም ተዳልዩ? ህዝባዊ መንግስቲ ተደልዮ? በዓል ግዜ በሉ ንዜጋታቱ ክገብሮ ዝነበሮ መሰል ጥብቅና ርእዩ ከምዘይረኣየ ይሓልፍ ኣሎ። ስለ’ቲ ንሱ ኢዩ ጥሕሰት ዜግነታዊ መሰል ተባሂሉ። ስለንሱ ኢዩ ስርዓተ ጊላነት ተባሂሉ።ንቀጻሊ’ውን ብሕልና ህግደፍ ክግዛእ ዝምነ ንርእሱ ከምዝበኪ ምንም ኣይንጠራጠረሉን። ንነገሩ

ምኽንያት ስቕታ ድማ፡ ሃንዳሲ’ቲ ነገር ባዕሉ መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ ስለዝፍለጥ ጉዱ ክዓብጥ ክብል ከምዝኾነ

ልዕሊ ኩሉ ግዜ ተጋሂዱ ኣሎ። እሞ ከምኡ እንተኾይኑ መጨረሽታኡ ድኣ ብኸመይ ኢዩ ክፍታሕ?

እወ ሓቂ ንምዝራብ ኣብክንዲ ናብ ረዲአት ምጉያይ እቲ ጠንቂ ምፍዋስ ምቐለለ። ከምኡ ኢልካ ምሕሳብ’ውን ፖለቲካዊ ገበን ከምዝጥመቕ እናተረዳእና፡ ግን እንዶ’ሞ ህግደፍ ኢያ’ኮ እታ ጠንቂ። ንሳ መሸም ኣብ ሃገርና ፖለቲካዊ ጸገም ከምዘየለ ንምምሳል ዘይትፍጽሞ ወንጀል የለን። ኣውራ ወንጀል ኤርትራውነት ብህግደፍነት ምቕያራ ኢዩ። ማሕበረ-ሰብ፡ ማሕበረ-ኮምን ካልኦት ማሕበራውያን ሓይልታት ከኣ ከምተወዳደርቲ ሰልፍታት ህግደፍ ገይራ ብምቛም፡ ዝኾነ ኣባል ህግደፍ ዘይኮነ ዜጋ ከም ዘይኤርትራዊ፡ ካብዘን  ኮማት ወጻኢ ድማ ዕሱብ ኤርትራዊ ክመስል ክንደይ ዘይተፈተነ። ህዝብና ከኣ ገርሂ ብምዃኑ ብቐሊሉ ኣብ ረብሓ ህግደፍ ውዒሉ ኣሎ። ኣዴታት ከይተረፋ ኣብ መስርዕ ደርጊ ንዝተሰለፈ ውላደን ከምዘየመኽነያሉ፡ ነዞም ባሕርን ሰሃራን ዝበልዖም ደቐን ዝርህርህ ልቢ ከምዘይብለን ብኣፈኛአን ህግደፋዊት ሃማድኤ እናተጎስጎሰ ተደናጊረናሉ ጸኒሐን። ከምሳዕቤኑ

ኩሉ ወይጦ ብሞትን ሕልፈትን ዜጋታት ክጭፍር እንከሎ፡ ኩሉ ህሙልን ፈራህን ድማ በቲ ድሙቕ ሕብርታትን

መደረታትን ተዘኒቡ ኣብ ኣዕጽምቲ ገዛእ ሬሳታቱ ክኹድዱ ይረኣዩ ኣለዉ። ብቀንዱ ኣውያት ውጹዓት ሰሚዑ ክብድህ ዘይቆርጽ ድሁል ሕልና ብጨፈራ ዓመጽቱ ክሰራሰር ኢያ መድሕኑ ትመስሎ እሞ ኣብዘይጓይላኡ ክቆጻጸ ንዝዕዘቡ መራሕቲ ህግደፍ “ እንዃዕ ኣብዛ ምድረ ፈራሃትን ዝንጉዓት ተፈጠርኹ“ እናበሉ ዕድሎም ከይመረቑ ኣይውዕሉን። ክሳብ’ታ ፍጻመ ! ፍታሕ ናይቲ ሽግር በሉ ከይተዘርበ’ውን ፍሉጥ ኢዩ።

ሜሮን ገበነኛ ኢያ። ብሕልና መላኺ ሰልፊ ማለተይ ኢየ። ምኽንያቱ በቲ ሓደ ብተወላወልቲ እናተገረመት ብዘይሕብእብእ መፍትሒኡ ኣቐሚጣ ኣላ። በቲ ካልእ ድማ ምስጢር ስለዘቃልዐት። ኮይኑ ከኣ ብንጹህ ወስታኣን   ናይቶም ዕማኾ ዘይኣኽሉ ብጾታን ዕርቃን ናይቲ ጎብለል ሰልፊ ተቓሊዑ። መሸጣ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ከምዝጅመር፡ ክፍሊት ድማ  ክሳብ ኣብ ማእከል ኣስመራ ከምዝፍጸም ተቓሊዑ። ድላያ እንተኾይኑ ኣነ’ውን እቲ ገበን ብኣውራኡ ፈጠራ ናይቶም ሰብ ረብሓ ምዃኑን፡ ካብ ኩሉ ባንክታት ንዝግበር ብልሓት ዋሕዚ ክፍሊትን ካልእን ንዝምልከት ብዙሕ ምወሰኽኩላ። ዝኾነ ኮይኑ ምስጢር ሃዳምነት ተቓሊዑ። ምስጢር ናይቶም ደድሕሪ መንእሰያት እናሰዓቡ ዝዋገዩ ህግደፋውያን ሸቓጦ ተቓሊዑ።ምስጢር ሲና ኮነ ትዕዝብቲ ዓለም ተጋሂዱ። ስለዚ ጥልቀት ጋህሲ ህግደፍ ከኣ ተጋሊጹ ኣሎ። ከምሳዕቤኑ ሜሮን “ሲ.ኣይ.ኤ. ኢያ፡ ሰለስተ-ርብዓ ዓጋመ ኢያ፡ ወዘተ ክትበሃል ክትጽበዮ ኣለዋ። ክሳብ ዘይስማዕ ሕሹኽሹኽ ከኣ ኣሎ። “ ዞባ ደቡብ ክትከውን ኣለዋ“ ዝብል

እንተ’ቲ ተጣበቕቲ መሰል ሰብ ፖለቲካዊ ጸግዕነት ከምዝሕዛ ፈሊጡ ንሳን ከምኣን ድማ ካብ ጸግዒ ሓራ ክኾኑ ዝምሕጸን ካብ ትሕዝቶኡ ንላዕሊ ባዶነቱ ዝኸበደን መልሓሱ ዘጽፈፈን መላእ ፎሩም ጣዕሳን መሰላቱን’ሞ ይኣክል

ምባሉ ጥራይ ምኣኸለ። እንተ ብገርሂ እንተ ብጉርሒ ሕልናኡ ዝሸጠ ሰብ ነብሰ-ምሉእነት ክስምዖ ብዙሓት ከምቲ ከምኡ ከፍሪ ክንደይ ተሰሚዑ ኢዩ። እቲ መልሱ ሓጺር ኢዩ። ኩለን ተጣበቕቲ መሰል ደቂሰብ መሳርሒ ናይቲ ዝለኣኸን ኣካል ከምዝኾና ፍሉጥ ካብኮነ፡ እዞም ኤርትራዊ ሕልና ዝለኣኾም ዜጋታትናኸ ምእንቲ’ዚ ኣብ ሲኦል ዘእዊ ዘሎ ሰብና ዘየእውይሉ ምኽንያት እንተንሓቶ ዝህበና ቃላት ሰሚዕናዮ እንዲና ጥራይ ይኣክል። ሕሉፍ ሓሊፉ ተቓወምቲ ዝበሃሉ የለዉን በሃላይ ስለዝኾነ ነገራቱ “ድሕሪ እድያት እንታይ ይእለም“ ከምዝተባህለ ይኣክል ጥራይ። ንሱ ንዕላማ ነባራት ተጋደልትን ተቓወምትን ከይተረድአ ኢዩ ያኢ ንገድሊ ከይዱ። “ተቃወምቲ ዝበሃሉ ተቓውሞኦም ናብ መንግስቲ ኣቕሪቦምዶ ይፈልጡ“? ምስ ዝብል መቛሰይ ክሓድገኩም ከኣ ሓቲቶምን ኣብህዝቢ ድማ ቀሪቦምን፡ ከምኡ ከኣ ሰነዳቶም ንመራሒኦም ኣቕሪቦምን ክሳብ ኣኼባታት ክግበር ጠሊቦምሲ ክቡር መራሒ ህግደፍ “ ክቛየቕ ኢለ ኣይእክበኩም ኢየ“ ከምዝበሎም ዘይፈልጥ የለን ብዘይካ’ዚ ወዲሓደ ዓመት ሽወደናዊ። ሜሮን ድማ ምስ መራሕቲ ካልኦት ሃገራትስ ይትረፍ፡ ምስ መምህሩ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ከይተረፈ ዝተፋጠጠት ተቓዋሚት ህግደፍ ምዃና በሪህሉ ክኸውን እትስፎ።

ኣብ ከምዚ ገልታዕታዕ እንከለና ኢዩ እምበኣር መዓልቲ ሰማእታት ዘርክብ ዘሎ። በዚ ኣጋጣሚ ነታ ዕዮኣ ብብቕዓት ፈጺማስ ንዝመጻ ሕቶታት ከኣ ብግቡእ ዝመለሰት መንእሰይ ሜሮንን መሳርሕታን፡ ከምኡ ድማ ንኩላቶምግዱሳትን ምስጋናይ እናኣብጻሕኩ፡ ኩላህና ድማ ብኣካል ኣብቲ ምስሊ ስነስርዓት ምስታፍ ጥርአይ ዘይኮነ፡ ነዚ ጉራማለ ብዓል ብሓቐኛ ትርጉሙ ከነብዕሎ እምሕጸን። ከምዝፍለጥ መቓብር ሃገርና ብዘይካ ህግደፍን ኣጋፈርቱን ንካልኦት ዜጋታት ኣብዘይቅበለሉ እዋን ተበጺሑ ኣሎ። “መን እዮም ስዉኣት“? ንዝብል ሕቶ ዘይምልስ ዝኽሪ፡ ስነ-ስርዓት ዝጎደሎ ምዃኑ ማንም ይርድኦ ኢዩ። ትማሊ ብትማሉ መዓጹ ማርያም ግምቢ ከፊትና እከያት ደርጊ ከምዘየቃላሕ ናን ኢድና ንድሕሪት ጠዊና ከምዘየልቀስናን፡ ሎሚ ክንድዚ ዝኣክል ገበናት ክፍጸም ሃየንታኡ ተሰጋሪ ኣይክኸውንን ኢዩ። መንነት ፈጸምቲ ናይ ክንድዚ ገበናት ስለዝተጋህደ ግን ጽባሕ ብጊሓቱ ምስጢራት ማእሰርቲ ዒላዒሮ፡ ዓዲ ኣበይቶን ካልኦትን ዝጋለጸሉ እዋን ተቓሪቡ ኢዩ። ጥራይ ቁሩብ ጽንሕ እምበር ሓቂ ዝሓዘ ሕልና ክበጽሖ ምዃኑ እንታይ ዘጠራጥር ሃልይዎ!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

ዓወት ንሜሮናትን ካልኦት ሰብ ቅኑዕ ሕልናን!


 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...