ሓዲሽ መልክዕ ናይ ኣዲስ ብቓላት ከተስፍሮ ቀሊል ኣይኮነን። ምኽንይቱ’ሲ ኮምቢሽታቶ ፈቐድኡ’ዩ ተሃኒጹ ዘሎ። ንኣብነት ካብ ራስ ሆቴል ክሳብ ብሔራዊ ትያትር ዝርከብ ማርሻፔዲ እንተርኢና ስታርባክስ ዘለዎ ላይብራሪ’ዩ ዝመስል። ልክዕ ከም ከባቢ ኢምፐሮ ኣብ ቨራንዳ መናብር ቀሪቦም ብሻህን ቡንን ካፑቺኖን ማክያቶን ምስ ሙቁር ህብስቲ ንዓማዊል ዘአንግዱ ትካላት ፍሉያት’ዮም። እቲ ኸባቢ ድማ ብጻዕቂ ምንቅስቓስ ናይ መካይንን ኣጋርን ጥራይ ዘይኮነ ብጽበት ናይ ጽርግያ’ውን ንኾምብሽታቶ ሓሊፉዎ’ዩ። ብፍላይ ብፍላይ ብብዝሒ ጋዜጣታት ግን ንኾምቢሽታቶ ንየው! ንየው! ንየ……….ው’ዩ! ሓዲግዎ’ዩ ከይዱ ዘሎ። ቡን ኣዚዝካ ቦታኻ ምስሓዝካ’ሲ ዓስርተ’ሳዕ ብጥቓኻ ዝሓልፉ ጋዜጣታት ቁጽሪ’ብሎምን፡ ….. ተዓጺዱ ዝኹመር ዘሎ ሕቑፍቲ ስርናይ’ዮም ዝመስሉ።

ጽሑፋቶም ድማ ካብ ወቐሳ ብዛዕባ ተግባራት መንግስቲ ክሳብ ናእዳ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ሃገር ትህነጻ’ላ ዝብል ዝምባለ ክሳብ ሃገር ትዓኑ’ላባ ዝብል ትንታነ ዝፈለለ’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ማዕቢሉ ዘሎ ኣኻይዳ እምበኣርከስ ክሳብ ክንድኡ ዝኣክል ናይ ፍልልይ ጽፍሒ ዘለዎ ማዕበል ኣአንጊዱ ክሓድርን ክውዕልን ዝኽእል ናይ ምንብባር ባህሊ’ዩ። …. ይበል!

ዝኾነ ኾይኑ ኣነ ድማ ቀስ ብቐስ ካብ’ቲ መምዘንን መዐቀንን ዘይርከቦ ኢድ-ፍቕርን ሕውነትን  ናይ ፈተውትን ኣዝማድን ሙሉቕ ኢለ ኣብ ንግድን ዕዳጋን ተወዝ ክብል ምስጀመርኩ’ሲ፡ ምሕሻሽ ብኣምቦ ውሃ’የ ጀሚረ’ያ። ዝገርመኩም’ዩ ኣምቦ ውሃ’ሲ ከም’ዛ ቀትሪ ምድሪ ብዛዕባ ጀበና ምስ ፈናጅላ ሃተፍተፍ ተብለካ ወልፊ ቡን’ያ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ከተኹድድ ዝጀመረት። ….. እሞ ድማ ድሕሪ 15 ዓመታት!

ዝኮነ ኾይኑ ምስ ጠለብኩዋ እታ ጥርሙስ ኣይነውሐት-ኣይቀጠነት! መልክዕ ቀደማ ከየጥፍአት’ያ ደበኽ ዝበለት። ምስጠዓምኩዋ ድማ መቐረት ቀደማ’ውን ኣይቀየረትን፡ ስለ’ዚ ተማም ጌራ’ያ ነቲ ከም ወልፊ ዝመስል ዝነበረ ሕምብዚዝ ሕንዝፍ ኣቢላ ዘፍ ዘበለቶ። ኣብ መወዳእታ ግን ኣይግድን። ምኽንያቱ ኣብ ወረቐት ተጻሒፉ ዝቐረበለይ ሕሳብ ከምቀደሙ ኣይነበረን። ሓቂ ንምዝራብ ፈለማ’ኳ ዘይናተይ ወረቐት’ዮም ብጌጋ ሂቦሙኒ ዝኾኑ ዝዓይነቱ ጥርጠራ ተሰሚዑኒ ኔሩ፡ ደሓር ነታ ወረቐት ኣልዒለ ብህድኣት ምስረአኹዋ ግን ናይ ብሓቂ’ያ ኔራ። …. ዓለም ዕዳጋ!

እዝግሄር ኣውጺኡኒ! በይነይ ሰብ እጽበ ስለዝነበርኩ ስምባደይ ምስክር ኣይነበሮን ደኣ’ምበር፡ ኣብ’ታ ዝነበርኩዋ መንበር ኮፍ ኣበሃህላይ ኣመኣዛዜ ብትሑት ድምጺ ወድኣይተኸ! ክሳብ ዝብል’የ ኮይነ። ጽንሕ ኢለ ግን ኣብ’ቲ ሆቴል ዓራት ክሕዝ ክምዝገብ እንከለኹ እንተደለኻ ብዶላር (43) እንተደለኻ ድማ ብብር (43*18++= 700++) ማለት’ሲ በቲ ናይ ዕለቱ ሸርፊ መሰረት ክትከፍል ትኽእል ኢኻ ከምዝበሉኒ ትዝ በለኒ’ሞ፡ ነታ ዋጋ ናይ ኣምቦ ውሃ ናብ ዶላር ቀይረ ክርድኣ ፈተንኩ።

እንተረአኹስ ሓንቲ ዶላር’ኳ ኣይመለአትን፡ ኣስታት 65 ፐኒ! ኣቢላ’ያ ኔራ። ካብኡ እዚስ ንበዓል ዶላር ዘዛርብ ኣይኮነን ብምባል ንነብሰይ ኣእመንኩዋ። ስለ’ዚ ክሕሽሽ እንከለኹ’ሲ ኣብ’ቲ ቐደም ዝገደፍኩዎ ናይ 1998 ንግድን ዕዳጋን ናይ ኣዲስ ኣበባ ዘይኮነስ ኣብ ናይ 2012 ንግድን ዕዳጋን ከምዘለኹ ብዋጋ ናይ ኣምቦ ውሃ ተቖንጢወ’የ ዝተበራበርኩ፡ ኣዲስ ኣባባ’ውን ምስ’ታ ናይ ዳርዊን ዓለም ከምዝተጸምበረት ዝተገንዘብኩ።    …  ን’ንዳ ዝናን ባህታን ዘበራብር ምቕንጣው ይፍጠረለና ጥራይ!

ጨምረዋል! ጋሼ ገበያ ጨምረዋል!

ብዛዕባ ኣብ መንጎ ዶላርን ብርን ዝነበረ ሸርፊ ድማ እንተደለኻ ብሕጋዊ መንገዲ እንተዘይኮነ ድማ ኣብ ደገ ማለት ጸሊም ዕዳጋ ኣወዳዲርካ ዘዋጽኣካ ስጉምቲ ንምውሳድ ዝዕንቅፍ ወይ ድማ ዝቕስብ ኩነታት ኣይነበረን።

ምናልባት ትኽ ኢሉ ክንቀሳቐስ ንዝደለየ ኣሽራፊ ከኣ ካብ ባንክታት ወጻኢ፡ ናእሽቱ ናይ ሸርፊ ትካላት መሊአን ኣለዋ። ከምኡ’ውን ኣብ ከባቢአን ኩነታት ናይ ሓላፍ መንገዲ መመዚኖም ጨምረዋል! ጋሼ ገበያ ጨምረዋል! ክብሉ ዝውዕሉ ናይ ጸሊም ዕዳጋ ደለልቲ  ውሑዳት ኣይኮኑን።  ስለ’ዚ ምናልባት ምስ’ዞም ደላሎ ተረዳዲእካ ከተሽርፍ እንተወሲንካ’ሲ ተተሓሒዝካ ኣብ ጎኒ’ቲ ናይ ሸርፊ ትካል ዝርከብ ናእሽቱ ናይ ጨርቀመርቂ ድኳናት ኣቲኻ’ዩ ብደቓይቕ ዝውዳእ። …… ዝገርም’ዩ!

ብዓቢኡ ድማ ብኣየር ፖርት ክትኣቱ እንከለኻ ይኹን ክትወጽእ እንከለኻ ኣብ ጁባኻ ክንደይ ዶላር ኣለካ ዝብል ሓታቲ ኣይነበረን። ወይ ድማ ኣብ ንግድን ዕዳጋን ምስኣተኻ ዶላርካ ኣበይ ኣሽሪፍካ’ዮ ዝብል ወጣሪ ኣይነበረን። ስለ’ዚ ኣብ ዝኸድካ ኸድካ …… ውዕሎኻ ከም ጁባኻ’ዩ።

ኣምቼ!

ዝኾነ ኾይኑ ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ናብ’ቲ ዝዓረፍኩሉ ሆቴል ኣማስያይ ክኣቱ እንከለኹ፡ ዝጸንሐትኒ ተቐባሊት ኣጋይሽ፡  ልዕሊ 2500.00 ብር ኣቢሉ ዝኽፈል ከምዘለኒ ዝሕብር ወረቐት ሃበትኒ። ምስ’ታ ወረቐት ኣልግብ ኣቢላ ድማ ……“ከዛሬ ማለፍ የለበትም ተብለዋል ጋሼ” ... በለትኒ። ኣነ ድማ ተቐሪበ ስለዝጸናሕኩ በብሚእቲ ሓደ-ክልተ ኢለ ፈቒደ ከፈልኩዋ።

ሽዑ ነቲ ዝሃብኩዋ ገንዘብ ምስ’ቲ ብድሕሪኣ ኣብ ዝባን ጠረጴዛ ተቐሚጡ ዝነበረ መዓት ጥቕላላት ደራሪባ ናብ መንደቕ ኣጸግዐቶ’ሞ፡ …. “ለመሆኑ ኢትዮጵያዊነትዎ የሚገልጽ መታወቅያ ነገር የለዎትም እንዴ!”   ክትብል ሓተተትኒ። ኣነ ድማ ኣለኒባ ብምባል ናይ ቀደም ባቴንተይ ኣውጺአ ከም’ዚ ማለትኪ ድኺ እና’በልኩ ኣርኣኹዋ። ንእግረ መ’ገደይ ድማ ምሸት ምድርስ እቲ ኹሉ ኣሽሓት ሰላዲ ኣብ ዝባን ጣውላ ተደርዲሩ ምስረአኹ! “ናተይ ንዕቀት ድየ ናይ ወርሒ ድምቀት” ዝብል ምስላ ወለዲ’ዩ በዚ ቕድሚ ዓይነይ ሽው ኢሉ ዝሓለፈ፡ ……. ቀንጠብጠብ ደኣ’ይብልኩን’ምበር!

ከመይ ድዩ ዝነገር እና’በልኩ ተገሪመ ክጥማታ እንከለኹ ግን፡ በቲ ዝሃብኩዋ ባቴንቲ ከምዘይዓገበት ካብ ገጻ ተረዳእኩ። ዘረባኣ ብምቕጻል ከኣ  “ጋሼ! .. ይሀማ ከወደቀ ቆይቶዋል’ኮ ሌላ የታደስ ካለዎት ማለቴ ነበር እንጂ” በለትኒ። ካብኡ ኣይ የለኝም! ኢለያ ግልብጥ ምስ በልኩ፡ ምስ’ቲ ፍሽኽታ ዘይፍለዮ ዕዙዝ ኣቐባብለኣ፡ “እንግዲህ ምናልባት ነገ ጥዋት ማናጀሩን በማናገር የያዙት መታወቂይ ተቀባይነት ካለው ይሞክሩ’ንጂ እኔ ልረዳዎት ኣልችልም” በለትኒ’ሞ፡ ዝደመረቶ ሕሳብ ኣኽፈለትኒ። ኣነ ድማ ኣመሰግናለሁ እታ’ለም! ኢለያ ገጸይ ግልብጥ ከብል እንከለኹ ብትሑት ድምጺ  ኣምቼ ነዎት’ንዴ በለትኒ።

እወ! ኣምቼ ትብል መጸውዒት ቃል ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕመጡ ዝነበሩ ሰብ ድርብ ዜግነት (ኤርትራውነትን ኢትዮጵያውነትን ዝብጽሖም) ምስቶም ኣብ ኤርትራ ዝቕመጡ ደቂ ሓው’ቦኦም ብንጽጽር ፈሊኻ ንምምልላይ ናብ ቋንቋ እንዳ ዝናን ባህታን ዝለገበት ናይ ንግድን-ዕዳጋን ቃል’ያ። መበገሲኣ ድማ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ነጸብራቕ ዕዳጋ መኻይን ናይ ፊያት ዝሕብር’ዩ።

ኩሉ ሰብ ከምዝፈልጦ ከም’ዚ ሎሚ ካብ ውድድር ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ንድሕሪት ከይተረፈት፡ ፊያት ትበሃል ናይ ጣልያን ካምፓኒ ብዓብላልነት’ያ ናበ’ስመራን ኣዲስበባን መኻይን ተቕርብ ዝነበረት። ደሓር ግን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓበይቲ መኻይን ተገጣጥም ትካል (A.M.C.E?) ተመስሪታ። ካብኡ ነተን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገጣጠማ መኻይን፡ ምስ’ተን ካብ ዓዲ ጣልያን ዝጥለባ መሓዙተን ብምንንጽጻር ናይ ብቕዓት ፍልልይ ከምዝነበረን ዘንጸባርቕ ናይ ዕዳጋ ወረ ማዕቢሉ። ብሓጺሩ’ሲ እተን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገጣጠማ ክንድተን ናይ ዓዲ ጣልያን ኣይምጥናን’የን ዝብል ሚዛን’ዩ ኣብ ዓይኒ ዕዳጋ ሰፊኑ ዝነበረ። ስለ’ዚ’ሲ ኣምቼ ትብል ቃል …. ሩባ መረብ ስግር ኢልካ …. ዝነበረ ፍልልይ ናይ ኤርትራውነት ከተንጸባርቕ’ያ ከም ሳጓ ተለሚዳ።

ሕጂ ድማ ኣብ’ዚ ጽሑፍ’ዚ  …..ንጣዕመ ልሳን….. ተጠቒመላ  ስለዘለኹ ቅር ዝብሎ ሰብ እንተ’ልዩ ኣቐዲመ ይቕረታ እሓትት።

ድርብ ዜግነት።

ዝኾነ ኾይኑ ኣምቸ ከም ህዝቢ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያውያን፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ኤርትራውያን፡ እና’ኾኑ’ዮም ድርብ ዜግነት ሒዞም፡ ካብ ናጽነት ናይ ኤርትራ ክሳብ ኲናት ናይ ባድመ ኣብ ኢትዮጵያ ጸኒሖም። ኣብ  1998 ብሃንደበት ብስም ባድመ  ኲናት ምስተባርዐ ግን፡ መጻኢ ዕድሎም’ውን ምስኡ ተባሪዑ። ስለ’ዚ ይዋኣት ኣምቸ ከም ህዝቢ ብኽልቲኡ ሸነኽ ተጠሊሞም፡ ናብ ቃልዕ ተደርብዮም ማለት’ዩ። …… ኣይጣል!

ካብኡ ንነጀው ድማ እቶም ዝሞቱ ሓሊፎም ኣለዉ። ክሳብ ነርክቦም ኣብ ላዕላይ ሰማይ ይቕንዓዮም። እቶም ዝተረፉ ግን ኣብ ሙሉእ ዓለም ተበቲኖም’ዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ኩነታቶም ከኣ ብገምጋም ከም’ዚ ይመስል፡

 

1. ከም ሰቦም ኣብ ኤርትራ ብሕሰምን ድኽነትን ዝሳቐዩ ዘለዉ።

2. ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ክጣየሱ ዝፍትኑ ዘለዉ።

3. ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ’ሞ ምስ’ቶም ናይ ህግደፍ እሙናት ብቐዳምነት ተሰሪዖም ዘጣቕዑ።

4. ከምኡ’ውን ንግፍዕታት እንዳ ዝናን ባህታን ብምቅዋም ምእንቲ ለውጥን ዕርቅን ዝጣበቑ።

 

ዝመስሉ ኮይኖም፡ ብመንፈስን ብኣካልን ኣዝዮም ፋሕ-ብትን ኢሎም’ዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ይኹን ደኣ’ምበር ክሳብ ሕጂ ንዝወረዶም ከቢድ ፈተና ብሓባር ዘትዮም ፍታሕ ከናድይሉ ኣይፈተኑን። ብፍላይ ብፍላይ ብዛዕባ ናይ ዜግነት መሰሎምን ንብረቶምን ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ምዝታይ ታሪኻዊ መሰል ከምዘለዎም ዘማዕዱ ድፍረት ከኣ ክሳብ ሕጂ ኣየጥረዩን።… ብፍርሓትን ተስፋ ቁርጸትን’ዮም ዝሕቆኑ ዘለዉ።

ተስፋ-ቑርጸት።

ምናልባት ኣብ’ዚኣ ከይጠቐስኩዋ ክሓልፍ ዘይደሊ ነጥቢ’ላ፡ ብ1998 ተባሪርና ዓዲ ምስኣተና’ሲ፡ ንሕና  ንጸጥታ ናይ ኢትዮጵያ ተስግኡ ኢኹም ዝብል ዘይተጻረ ሚዛን ተዋሂቡና ብኣካል ካብ ኢትዮጵያ ተሰጒግና’ለና፡ ስለ’ዚ ብድሕሬና ዛ’ህዉጽቲ እዋን ክሳብ ትሃድእ ንደቅናን ንብረትናን ….. “ብሓደራ ሓልዉልና”…… ዝብል ትሕዝቶ ዘለዋ ሓጻር ኣቤቱታ ነርቅቕ’ሞ፡ መጀመርያ ናብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር (ናይ ኤርትራ) ወሲድና ነርእያ። ካብኡ ኣብ ኣስመራ ናብ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ናይ ኢትዮጵያ ከነብጽሓ፡ ከምኡ’ውን ነ’ቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ናይ ዓለም ኤምባሲታት ከኣ ብቕዳሕ ንኸነፍልጦም ……“ፍቓድ ንሕተት”…. ትብል መበገሲ ንውሑዳት ኣዕሩኽተይ ኣቕሪበ ኔረ።

ነዛ ሓሳብ’ዚኣ ፈለማ’ኳ እቶም ቀዳሞት ሓንጎፋይ ኢሎም’ዮም ተቐቢሎማ ኔሮም። ካብኡ በብቑሩብ እታ ሓሳብ ምእንቲ ክትምዕብለልና ሰባት መመሪጽና ምምኻር ቀጸልና። ከምኡ’ውን ሓደ ናይ ሕጊ ምሁር ሓወስና። እቲ ቑጽሪ ናይ ሰባት እናበዝሐ ምስ ከደ ግን ወዮ ልቦና ገፍሐ’ሞ፡ ካብ ገዛኹም ተሰጒግኩም ክሳብ ሕጂ ወሪዱኩም ዘሎ ኣደራዕ ከይኣኽለኩም’ሲ ሕጂኸ መሕደሪኹምዶ ክትጽይቑ ደሊኹም ደቀይ፡ በጃኻትኩም እዚ ኣኻይዳ’ዚ ምስ እንዳ ዝናን ባህታን ዘናብር ኣይኮነን። ዝብል …ተስፋ ቑርጸት….. በቲኹዋ ኣብ ምእጓዳ ቀሃመት። …………….  ስለ’ዚ ፍርህን ተስፋ ቑርጸትን ምስ እንዳ ዝናን ባይታን’ሲ  ብንግህኡ’ዩ ሰሪጹ ኔሩ ማለተይ ኢየ።

ሕጂ ድማ ብሸነኽ ኢትዮጵያ ንጉዳይ ኣምቸ ብፍላይ ድማ …  “ንንብረቶም”… ብዝምልከት፡ ተስፋ ዝህብ ለውጢ ተጀሚሩ’ሎ። እዚ ተስፋ’ዚ ድማ’ዩ ዘዛርበኒ ዘሎ። እታ ናይ ዜግነት ሕቶ እንተኾነት ግን  ወላ ብሸነኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ኣይተናሕሰየላን ዘሎ። ብዘይምግናን ኣምቸ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያውያን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ኤርትራውያን ኮይኖም’ዮም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ዝነበሩ። ….. ስለ’ዚ ሕጋዊ መዕለቢ ዘይተገብረሉ ድርብ ዜግነት ኔሩዎም’ዩ።

እዚ ኩነታት’ዚ ናይ ህዝቢ ታሪኽ ስለዝኾነ ንታሪኽ ዝበቅዕ ሕጋዊ  መዕለቢ ዝግብኦ ታሪኽ’ምበር በብዓይነቱ ምኽንያት ኣተርኢስካ ብበትሪ መንግስታት ዝሕንዘፍ ናይ ህዝቢ ዕጫ ኣይመስለንን። ከመይ’ሲ መንግስታት ሓዲጎሞ ዝኸዱ ታሪኽ ብዘየገድስ ሓለፍቲ’ዮም። ህዝቢ ግን ነባሪ’ዩ። ናይ ህዝቢ ሕቶ ድማ ብሕግን ብምንብባርን እንተተኣልየ’ዩ፡ ነባሪ ፍታሕ ንኽረክብ ንጉስ ሰማይን ንጉስ ዕዳጋን ዝባርኹዎ።

ዝኾነ ኾይኑ ክሳብ ሕጂ ተራእዩ ዘሎ ናይ መንግስታት ህልኽ ንናይ ታሪኽ ሕልና ዝኸብድ’ዩ። እዚ ናይ ህልኽ ጉዕዞ’ዚ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ ድማ ንጹር’ዩ። ብፍላይ  እንዳ ዝናን ባህታን ከኣ ብንስሓ ወይ ድማ ብማ’ጨሎት ናብ ልቦም ዝምለሱሉ ብቕዓት ከምዘይብሎም ኣብ ተግባር ተራእዮም’ዮም። እታ በብቑሩብ ፈኸም ክትብል ትጅምር ዘላ ናይ ለውጥን ዕርቅን ኣማራጺት መንገዲ ተስፋ እምበኣርከስ ብሸነኽ ኢትዮጵያ’ያ ትብገስ ዘላ። ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተፈተኑ ኣማራጺታት እዚኣ’ያ ሂወት ዘለዋ ንህዝቢ ተርብሕ ናይ ለውጥን ዕርቅን መንገዲ ትቕይስ። ስለ’ዚ ድማ’የ ንኣምቼ ምስ ኢትዮጵያ ናይ ህዝቢ ዲፕሎማሲ ንምኹስኳስ ሰዓቱ ከምዝኣኸለ ዘዘኻኽር ምሳለይ ክሕውስ ዝፍትን ዘለኹ።

ሓጢኣት ናይ ረፈረንደም -ዓባይ!

ኣምቸ ከም ህዝቢ፡ እታ ኩሉ ኤርትራዊ ዘሕለፋ፡ እሞ ድማ ……..ተመሊስካ ንኽትርእያ ተሰክፈካ ……. ባርነትዶ ናጽነት ትመርጽ  ዝዓይነታ  ጣቋ ዘይብላ ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ቋንቋ ዝተሰነየት ረፈረንደም’ምበር፡ ኢትዮጵያውነትዶ  ኤርትራውነት ትመርጽ ወይስ ንኽልቲአን ትድርብ፡ ዝብል ናይ ዜግነት ረፈረንደም ብሕጋዊ መንገዲ ናይ ምግባር መሰል ኣይረኸቡን።

ኣብ መወዳእታ ድማ ብሃንደበት ኣብ ረፈርንደም-ዓባይ ዘድመጽኩምሉ ሓጢኣት ኣለኩም ተባሂሎም ኢትዮጵያውነቶም ተሓዲጎም ካብ ገዝኦምን ንብረቶምን ተላዒሎም ናብ ኤርትራ ተባሪሮም። ዝኸፍአ ድማ ናብ ኤርትራ ምስ ኣተዉ፡ ኦሮማይ! ቁማር ተበሊዕኩ ኢኹም ተባሂሎም፡ .. ዘጸናንዕ መንግስቲ’ኳ ኣይረኸቡን። ……. ኩሉ ወዮ!

ሕጂ ድማ ዝሓለፈስ ሓሊፉ’ሎ፡ ንሱ ናይ መወዳእታ’ግበሮ ብምባል፡ በ’ዛ ተኸፊታ ዘላ ናይ ተስፋ  መስኮት ክሳዶም ኣእትዮም፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ትመክር-ትዝቲ ናይ ህዝቢ ኮሚቴ መስሪቶም ደሃይ መሰሎም (ኣብ ኢትዮጵያ) ክሳብ ዜግነት ናይ ምምራጽ ረፈረንደም ክፍቀደሎም ዝጥይቕሉ ሃዋህው ንምጥጣሕ እንተጸዓሩ ነውሪ’ለዎ’ድዩ፡ ክብል’የ ዝፍትን ዘለኹ።

ምናልባት ግን ረፈረንደም-ዓባይ  ንኣምቸ ጥራይ ትደገም ክትብል ዝደለኻ ትመስል ዝብል ሚዛን ክወሃበኒ’ብሉን። ብኡነት ብኡነት እብለኩም ኣለኹ፡ ከምኡ ኣይበልኩን ኣነ!  …… ከምኡ’ውን፡ ረፈረንደም-ዓባይ! ክትድገም እንተኾይና’ሲ ንኹሉ ብሓባር ትደገም ትብል ዘረባ’ውን ኣይወጽአትንን። ምናልባት ወሸለ ተደጊማ ዝብል ሰብ እንተል’ዩ ግን፡ መድረኹ ብሒቱ ኡሉኹ ይለንቅጥ! ኣብ’ዛ ዛዕባ’ዚኣ መለንቀጥስ ይትረፍ መዲድ’ውን እንተኾነ ነናትካን ከምምውቃርካን’ዩ ክኸውን ዘለዎ። …. ካብ መኸተ ናብ ዘተ ክሳብ ዝስገር ማለተ’የ! ….. ከመይ’ሲ እዚ ተካል መኸተ’ዩ ነዛ እዋን’ና መኪቱዋ ዘሎ!

ብሓፈሽኡ ግና …. “ብዛዕባ መሰልካን ንብረትካን”….. ወያኔ ከም’ዚ ጌሮም! ወያኔ ከም’ዚ ኣይገበሩን! ብዝዓይነቱ ናይ ውሽጢ-ውሽጢ ትሒም-ትሒም ብጓህን ሕሰምን ምስጻይ መንገዲ መስተርሆት ኣይኮነን። ካብ ታሪኽ ተማሂርካ፡ ታሪኽካን መጻኢ ዕድልካን ዝመሓየሸሉ ብልሓት ምኹስኳስ ድማ ንእንዳ ዝናን ባህታን ዝግደፍ ናይ ፖለቲካ ኣርእስቲ ኣይኮነን። ንሳቶም’ሲ ክሳብ ሕጂ ዘደላሓቕዎ’ኣኽሎም።

ዝኾነ ኾይኑ እስኪ እቲ ኻልእ ይጽናሓልና’ሞ፡ ንሕጂ ኣብ’ታ ብሸነኽ ኢትዮጵያ ትንፋስ ትረክባ’ላ ክብላ ዝፍትን ዘለኹ፡ ብፍላይ ንንብረት ናይ ኣምቼ ትምልከት ….. ተስፋ……  ከተኩር። ነቶም ጨኒቑዎም ዘለዉ ተስፋን መስተርሆትን ይፍጠረሎም።

ተስፋ።

እወ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ……“በውጭ ጉዳይ ሚኒስተር የኤርትራውያን ንብረት ኣስመላሽ ኮሚቴ” ትበሃል ነቲ ጉዳይ ትከታተል ኣካል መዚዙ’ሎ። እዚ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስጉምቲ’ዚ ታሪኻዊ ኢትዮጵያዊ ህዝባዊ ከምኡ’ውን ፖለቲካዊ ስጉምቲ’ዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምስገነሉ ሰብኣዊ ሕልና ዘለዎ ንኡድ ናይ ለውጥን ዕርቅን ኣንፈት’ዩ። ዝኾነ ኾይኑ ናይ’ዛ ኮሚቴ’ዚኣ ቤት ጽሕፈት ኣብ ከባቢ ፕያሳ ብፍላይ ድማ ኣብ ጥቓ’ቲ ….. “ጊዮርጊስ”…. ዝበሃል ዓቢ ቤተክርስትያን’ዩ ዝርከብ። ….. ኣነ’ኳ ቀልጢፈ ክረኽባ ዕድል ኣይገበርኩን! ካብ’ተን ናይ ክልተ ሰሙን መገሻይ፡ ድሕሪ ሰሙን’የ ደሃያ ረኺበ።

ስለ’ዚ ምናልባት ንሽዋ ገጽኩም እነተተበጊስኩም’ሲ ናይ ጊዮርጊስ ጸበል ኣይትግደፉ። …. ጊዮርጊስ ኣምበላይ ኣብ ፈረሱ ኣወጢሑ!  ምእንቲ ክመርሓኩም ብመጽሓፉ! ብኾለል ከይትደሓፉ።

ኣብ ጉዕዞኹም ከኣ!

1) ምናልባት ምስ’ቶም ዕድል ዝገብሩ’ሞ ብቐሊሉ፡ ማለት ናብ እንዳ ጊዮርጊስ ገጹ ዝወስድ ናይ ቸርቺል ዓቐበት ከይደየቡ፡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ናይ ቦሌ ትኽ ኢሎም ብዘይ ገልጠም ብዘይ ጣሕሸም ናብ እሙናቶምን ንብረቶምን ኣትዮም ፋሲካ ዘኽብሩ ሰባት ናይ ምጽንባር ዕድል እንተ’ጋጢሙኩም ኣብ ሳልስቱ ንሶደረ ኢኹም። …. ተዓዲልኩም ብእምነት ተገላጊልኩም።

ብኡነት! ኣብ’ዛ ኩነታት’ዚኣ ዝዝከር ኣዝዩ ክቡር ኢትዮጵያዊ ባህልን ሃይማኖትን ብዙሕ’ዩ። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ብስርሖም ብግዜኦም ከምኡ’ውን ብገንዘቦም ከይሰስዑ ብዓቢኡ ድማ ንሂውቶም ከይሰግኡ ….. ብዝተፈላለዩ ሜላታት  ….. መሬት ክሳብ ዝወግሕ ሕድሪ ተሰኪሞም ዝጸሓፍዎ ታሪኽ ዘኹርዕን ዘሐብንን’ዩ። ንናይ ፖለቲካ ሊቃውንቲ ድማ ዓቢ ትምህርቲ ኢዩ። እዚ ፍጻሜ’ዚ ኣብ መጻኢ ንለውጥን ዕርቅን ዝኸውን እምኒ ኩርናዕ ናይ ህዝቢ ዲፕሎማሲ ኣንጺፉ፡  ንኣምቸ ዝጽበ ዘሎ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ’ዩ።

2) ብኻልኣይ ደረጃ - ምናልባት ምስ’ቶም ናይ ቸርችል ዓቐበት ከይደየቡ ብዘመድ ሽማግለ ክንድ’ዚ ንኣይ ክንድ’ዚ ንኣኻ ብምባል፡ ተመስገን ኣቛስዮም ምግቢ ዕለቶም ክምእርሩ ዝወሰኑ ሰባት እንተተሓዊስኩም ድማ ። ….. ተዓዲልኩም ብዕርቂ ተገላጊልኩም።

3) ኣየውርድ ደኣ’ምበር! ምናልባት ኣማራጺ ተሳኢኑ ናብ ቤት ፍርዲ ገጽኩም ከተምርሑ እንተተገዲድኩም ግን፡ ኣዝዩ ሕልኽልኽ ዝበለ ጉዳይ’ዩ። … መዓልቲ የጸብቐልኩም ጥራይ’ምበር ቀሊል ኣይኮነን’ቲ ውራይ።

ምኽንያቱ ናይ ቤት ፍርዲ ጉዳይ ብቐዳምነት ካብ’ታ ኣብ እዋን ምብራር (1998)፡ ኣብ ቅድሚ ፖሊስ ዝተፈረመት …..“ኣማራጺ ዘይነበራ”…..  ሓንቲ ግንጽል ፖለቲካዊት ናይ ውክልና ወረቐት’ዩ ዝጅምር ይብልዎ። ….. ኣይጣል!

እወ ኣይጣል! ይብል ኣምሓርኛ፡ ምናልባት ኣብ’ታ ፖለቲካዊት ናይ ውክልና ወረቐት’ቲኣ ዝሰፈረት በትሪ-ፖሊስ፡ ….. “ክሸይጥ ክልውጥ”….. ዝብል ጥርዚ እንተኔሩዋ፡ እሞ ድማ እቲ ንብረት እንተ ተሸይጡ ከኣ፡ ኣገባብ ኣሸያይጥኡን ዋግኡን ብዘየገድስ፡ ነታ ናይ 1998 በትሪ-ፖሊስ ምስ ጥርዛ ወላ ናይ ቤትፍርዲ ዳኛ’ዩ ክድስቐላ ጸኒሑ ይብሉ።

ስለ’ዚ ዘጋጥም ኣይፍለጥን’ዩ’ሞ፡  ከም ኣማራጺ ንግዜኡ ምስ ወዳጅ-ዘመድ ተጻዊትኩም፡ ምዕባለ ኣድኒቕኩም፡ ፍል ውሃ ተሓጺብኩም ክትምለሱ ተቐራሪብኩም ግሹ። ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ እንዳ ጊዮርጊስ ገጽኩም ዓቐበት ቸርችል ክትድይቡ እንከለኹም ናይ ጊዮርጊስ ጸበል ምቑጻር ኣይትረስዑ። …. ኣይጣል ዘበለኒ ከኣ ንሱ’ዩ።

ምኽንያቱ እቲ ጉዳይ ምስ ምንዋሕ ግዜ ብዙሕ ነገርን መዓት ወረቐትን ’ዩ በሊዑ። ካልእስ ይትረፍ ኣብ’ቲ እዋን ምብራር ነቶም ንብረት ኤርትራውያን ዝተወከሉ ኢትዮጵያውያን “ንብረት ናይ ወጻእተኛታት” ክሸጡ ግሁድ ጸቕጢ ብመንግስቲ ይግበረሎም ኔሩ’ዩ ይብሉዎ። ንኣብነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትሕተም ውርይቲ ጋዜጣ  ሪፖርተር፡ ሕታም ናይ ሰንበት 06/07/2009፡ “ወገብ ሰበራ”  … ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣዝዩ ንኡድ ትንታኔ እዚ ዝስዕብ ገላጺ ሓሳባት ይርከብ።

1. በወኪል የተተዉ ንብረቶች በልዩ ልዩ ስልት ለማራገፍ ያለመ፡  ጫና በመንግስት ሰዎችና ኣካላት ሲደረግ ታይተዋል። በተቆለሉ ዕዳዎች የንግድ ቤቶችንና መኪኖችን ይዞ ማቆየት፡ ባንድ ወር ግዜ ቤት ሽጡ ብሎ ወኪሎችን ማዋከብ ተፈጽመዋል።” …. ዝብል ይርከብ።

ስለ’ዚ ብዙሓት ካብ’ቶም ዝተወከሉ ሰባት ነዚ ጸቕጢ’ዚ ተመርኲሶም ከከምሳሎም’ዮም ስጉምቲ ክወስዱ ኸሪሞም። ስለ’ዚ እቲ ጉዳይ ካብ ናይ ሕጊ ሚዛን ወጺኡ ናብ ናይ ሕልና ሚዛን’ዩ ጥንቅልዓሸው ኢሉ ወዲቑ ተጀሚሩ። ካብኡ ንደሓር ድማ ተወከልቲ ንዘቕረብዎ ናይ መሸጣ ውዕል ዝጸባጸብ ወይ ድማ ዝገንሕ ኣሰራርሓ ኣይነበረን።

ብግልጺ ኣብ’ቲ ህጹጽ እዋን ዝነበረ ህዉጽ ንፋስ ……. ካልእስ ይትረፍ……….፡ ኣብ መንጎ ወላድን ውሉድን ወይ ድማ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ንዝፍጸሙ ናይ መሸጣ ውዑላት፡ ……ብዛዕባ ንብረት ናይ ዝተሰጎጉ ኤርትራውያን ….. ብማሕተም መንግስቲ ዘጽድቕ ኣሰራርሓ’ዩ ዝገዝእ ዝነበረ።  ስለ’ዚ ኣብ’ቲ ህዉጽ እዋን’ቲ ካብ ዝተፈጸመ  መስርሕ መሸጣ ንብረት ናይ ኤርትራውያን፡ ሕጂ ተመሊስካ በደልን ፍትሕን ክትመሚ ምፍታን ቀሊል ኣይመስልን።  ….. የቕልሎ ጥራይ!

ማለት’ሲ ኣብ’ቲ ህዉጽ እዋን’ቲ፡ ብውክልናን ብሕድርን ክግደፍ ….ንዝተገደደ….. ናይ ሳልሳይ ኣካል ንብረት ካልእስ ይትረፍ ኣብ ሞንጎ ውሉድን ወላድን ወይ ድማ ሰብኣይን ሰበይትን ክሽያየጥ እንከሎ፡ እዚ ስጉምቲ’ዚ ልሙድ ኣገባብ ናይ ንግድን ዕዳጋን ኣይኮነን፡ ብምባል ንቡር ቅጥዒ ከትሕዝ ዝፍትን መንግስታዊ ኣፈጻጽማ ይገዝእ ኣይነበረን። ስለ’ዚ ድማ’የ እቲ ጉዳይ ኣዝዩ ብዙሕ ነገርን ወረቐትን’ዩ በሊዑ’ሎ ዘብለኒ ዘሎ።

ምናልባት ግን እዚ ንኣይ ገሪሙኒ ዘሎ ናይ መሸጣ ኣገባብ፡ ማለት’ሲ ኣብ መንጎ ወላድን ውሉድን ወይ ድማ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ሓዲኦም ንዝተወከሎ ናይ ሳልሳይ ኣካል ንብረት ናብ’ቲ ሓደ ምሻጥ ብዓይኒ ሕጊ ቅቡል እንተኾይኑ ….. ትጉሽቶተይ። ተማሂረ እእረመላ።  ብሓፈሻኡ ግን መሸጣ ተፈጺሙ ዝብል ወረቐት ጥራይ እንተቐሪቡ፡ ሕራይ ኢሉ ዘስልጥ’ምበር ዓገብ ዝብል ኣገባብ ወይ ድማ ናይ መንግስቲ ሰንሰለት ኣይነበረን ክብል’የ ዝፍትን ዘለኹ። ብሓጺሩ’ሲ  ሕጂ ተመሊስካ ንኽትርእዮ ዘስካሕክሕ ብዙሕ ናይ መሸጣ ውዕላት ብማሕተም መንግስቲ ጸዲቑ ከምዘሎ ዘማትእ ኣይኮነን።

ብተወሳኺ ድማ ምናልባት እቲ መስርሕ ናይ መሸጣ-ውዕል ቅድሚ ምዝዛሙ፡ ግር ዝብሎ ናይ መንግስቲ ኣፈጻሚ ኣካል እንተተረኺቡ፡ እሞ ድማ ምናልባት ካብ ዝምልከቶ ኣካል ናይ ሕጊ ርኢቶ ሓቲቱስ፡ …. “ከም’ዚ ዓይነት መሸጣ ክፍጸም ብሕጊ ቅቡል ኣይኮነን”…  ዝብል መልሲ እንተቐሪቡሉ’ኳ፡ እቲ መስርሕ መሸጣ ንድሕሪት ይምለስ ከምዘይነበረ ዝምስክሩ ኣብነታት ኣይሰኣኑን’ዮም።

ሕጂ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ኹሉ ሕልኽልኽ ዝበለ ሕሉፍ ፍጻሜታት’ዩ ከመዓራሪ ዝፍትን ዘሎ። ….. እዝጊ’ሓግዝ!

ከም ርኢቶይ ኣብ’ዚ ቅዱስ ተበግሶ’ዚ ናይ ኣምቸ ኢድ የድሊ’ሎ ክብል’የ ዝፍትን ዘለኹ። ምኽንያቱ ነዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ንብረት ፈቒዱዎ ዘሎ መሰል ከም መበገሲ ሒዝካ “ብጥርኑፍ” እሂን-ምሂን ምብህሃል ብዙሕ ነገረ ከመዓራሪ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት’ዩ ዘለኒ።

ክሳብ ሕጂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፍትኖ ዘሎ ሜላ ብቐንዱ ነቲ ናይ ንብረት ጉዳይ ….. ኣብ መንጎ ወካልን ተወካልን ….. እንተተኻኢሉ ብምርድዳእ …. ወይ ድማ ብሽምግልና… እንተዘይኮነ ድማ ብሕጊ ….. ዝውዳእ መስርሕ ኣምሲሉ’ዩ ክሕዞ ዝፍትን ዘሎ። ብርግጽ ድማ እዚ ኣገባብ’ዚ ከም መበገሲ ክጠቅም ይኽእል’ዩ። እንተ ዘይኮነ ግን እቲ ኹሉ ተፈጺሙ ዘሎ ሕልኽላኽ ዓይኑ ኣንገልሒጡ እናመስከረ ነቲ ናይ ንብረት ክርክር ናብ “ወኪልን ተወካልን” ምዝዛዩ፡ ነ’ቶም መዋድቖን መዓልቦን ሓርቢትዎም ኮለል ዝብሉ ዘለዎ ሰባት ቀሊል ኣይኮነን። እቲ ጉዳይ ንመንግስቲ’ውን ይምልከት’ዩ። ትንታነ “ወገብ ሰበራ” ካብ ጋዜጣ ሪፖርተር ከምዘዘክሮ፡

2. “…. ያም ሆነ ይህ ሻዕብያ በዘረጋው መዋቅር ውስጥ ቀንደኛ ላይ የተገደበ እርምጃ በመውሰድ፡ የሻዕብያን የገንዘብና ያሻጥር ምንጭ ማድረቅ የማይቻል ነበርና የኢሃዴግ መንግስት የንግድ ስራዎችን የማዳፈኑን ዘመቻ ኣሰፋው። ከዚህም ኣልፎ የጸጥታ ስጋትን በማቅለል ዓላማ የጀመረውን ካገር የማስወጣት እርምጃ (ከሻእብያ ጋር ያለው መቋሰል ከመባባሱ ጋር ኣያይዞ) የኤርትራን ማህበራዊ ሸክም ማብዣ ኣድርጎ ይጠቅምበት ጀመር።”

3. “….የነበረው ኣሰራር በኣዲስ ኣበባ ደረጃ እንኳ ከኣንድ መንግስት የሚፈልቅ መመሪያ የተከተለ የማይመስል ክኢህኣዴግ ቁጥጥር የወጣ፡ ወይም የድርጅታዊ ኣመራሩ ሴመኛነቱን ያጣ ያህል ክስፍራ ስፍራ የነበረው እርምጃ ኣወሳሰድ ውጥንቅጡ የወጣና ድንገታዊነት የተሞላበት ነበር።”

ስለ’ዚ ካብ ከም’ዚ ዝበለ “ውጥንቅጡ የወጣ” ሕሉፍ ኩነታት ንህዝብን ንመንግስትን ዘዕግብ መልሲ ኣበይ ከይርከብ። ንግዜኡ ግን መብዛሕትኡ’ቲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ምንባር ……. መሰሉ ተመሊሱሉ…… ብዛዕባ ንብረቱ ምስ ተወከልቲ ክዘራረብ ትጽቢት ዝግበረሉ ህዝቢ-ኣምቸ ካብ ኤርትራ ናይ ምውጻእ ዕድል ስለዘይረኸበ ክሳብ ሕጂ እቲ ጸገም ዳርጋ ብዱጉሉ ዘሎ’ዩ ዝመስል።

ዝኾነ ኾይኑ ኣምቸ ድማ በብሓደ ናብ ኢትዮጵያ ዘርጠብጠብ ምባል ኣይገደፉን። እቲ ጉዳይ ከኣ ብዝተፈላለየ መንገዲ፡ ማለት’ሲ ነንሰቡ ዝመስል መልክዕ ሒዙ ይቕጽላ’ሎ። እወ ብዙሕ ሰብ መስመሩ ሒዙ ዕለታዊ ሂወቱ ብሰላም ክመርሕ ዝጀመረ’ሎ፡ ብዙሕ ሰብ ድማ መጀመርታን መወዳእታን ስኢኑሉ ዝተሸገረ’ሎ። ብፍላይ ገለ ገለ ሰባት ኣብ ካልኦት ሃገራት ከም በዓል ደቡብ ሱዳን ዝወጠንዎ ዋኒን ሓዲጎም ንሰሙን ንወርሒ እናበሉ ዝመጽኡ ብቐሊሉ ሓሳቦም ምስላጥ ኣብይዎም ላዕልን ታሕትን ክብሉ ዝፍትኑ ዘለዉ’ውን ኣለዉ።

እቲ ኹሉ ዝተፈላለየ ኩነታት ኣብ ቦትኡ እናሃለወ’ያ እምበኣርከስ እታ ኮሚቴ ቤትፍርዲ ንዘይወድኦ ናይ ንብረት ክርክር ክትከታተል ትፍትን ዘላ። ምናልባት ቤትፍርዲ ንዝወድኦ ክርክር ድማ፡ ገበን ገበን ዝጨኑ ሕቡእ ቁስሊ ከይህልዎ ንምጽራይ፡ ዘድሊ ዶኩመንት ተቐቢላ ናብ ……“ብሄራዊ መረጃና ደህንነት ኣገልግሎት” ……. ትመርሖ ይበሃል።

ምናልባት በዚ ሓበሬታ’ዚ ዝግደስ ሰብ እንተ’ልዩ ድማ፡ እዘን ዝስዕባ ዶኩመንት’የን ብኽልተ ቅዳሕ ዝሕተታ።

1. ማመልከቻ ዝርዝር ጉዳይ የያዘ

2. ፎቶግራፍ 3*4 የሆነ 4 ባለቀለም ጉርድ ፎቶግራፍ

3. የማንነት መታወቂያ፡ ፓስ ፖርት ዋናውንና ፎቶ ኮፒ

4. የባለቤትነት ማረጋገጫ ደብተር … “ንዋንነት ዝገልጽ ናይ ቀደም ዶኩመንት”

5. ሌሎች ከጉዳዩ ጋር ኣግባብነት ያላቸው ደጋፊ ሰነዶች

6. ኣገልግሎቱ ያላበቃ ቪዛ ወይም ስልጣን ካለው የኢትዮጵያ መንግስት ኣካል የተሰጡ ህጋዊ ማስረጃዎች

7. የውክልና ስልጣን ማረጋገጫ ሰነድ

እዛ ኮሜቴ እምበኣርከስ ነዚ ወረቓቕቲ’ዚ ኣኻኺባ’ያ ኣብ’ቲ ኩነታት ኢዳ ከተእቱ ተመስሪታ ዘላ። ….. ይመልኣላ።

ስለ’ዚ ኣነ ድማ መብዛሕትኡ’ቲ ጉዳይ ብዙሕ ነገርን ወረቐትን በሊዑ ኣዝዩ ተሓላሊኹ ስለዘሎ፡ ኣንፈቱ ምእንቲ ከመኣዛዚ ናይ ሕብረት ኣቐራርባ ዘለዎ ናይ ህዝቢ ዲፕሎማሲ እንተተሓወሶ መጸበቒኡ ክኸውን’ዩ ዝብል ርኢቶ’የ  ከንጸባርቕ ዝፍትን ዘለኹ።

ከምኡ’ውን ኣብ መወዳእታ ክዝክረን ዝደሊ ነጥብታት ኣለዋ። ቀዳመይቲ ናብ ኢትዮጵያ መእተዊ ቪዛ መሕተቲ ዝምላእ ቅጥዒ ክመልእ እንከለኹ’ሲ፡-

“ዜግነት በትውልድ” (Original Nationality – Nationality at Birth)  -- ትብል ኣብ’ቲ ፎርም ዘላ ሕቶ --- ኢትይጵያዊ ኢለ መሊአያ፡ ተጋጊኻ ከይተበሃልኩ ድማ ሓሊፋ። ደሓር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጉዳየይ ከሳልጥ ላዕልን ታሕትን ክብል እንከለኹ ድማ ኣብ ሓደ ናይ መንግስቲ ቤት ጽሕፈት፡ ዝተዋህበትኒ ፎርም ወያ “ዜግነት በትውልድ”  ትብል ሕቶ ከምእንደገና ኣጋጠመትኒ’ሞ፡ ኣነ ድማ ትኽ ኢለ ኢትዮጵያዊ ኢለ መላእኩዋ። ሽዑ እታ ወረቐት ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ሓሊፋ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ምስበጽሐት፡ ደው በለት። ብምቕጻል ወያ ደው ዘበለታ ሰበይቲ፡ ምሳይ ከይተዛረበት፡ ካብ መንበራ ብድድ ኢላ ናብ መበገሲ ነቑጣ ናይ’ታ ወረቐት ኣንጠልጢላታ ከደት’ሞ ኣብኡ ገዲፋታ ናብ ጠረጴዛኣ ተመልሰት።

ሽዑ ንኣይ ናብ መበገሲት ናይ’ታ ወረቐት ክምለስ ሓበረትኒ። ኣነ ድማ እተን ነቕጣታት ጥቓ ጥቓ ስለዝነበራ ቀልጢፈ ኸድኩ። ሽዑ ኣብኡ ዝጸንሐት ሰበይቲ እዛ “ዜግነት በትውልድ” ትብል ዘላ ኤርትራዊ ጌርካ ኣርማ በለትኒ።

ኣነ ድማ ኣይፋልክን ዝ’ሓውተይ፡ ሕጂ ዜግነትካ እንታይ’ዩ ኢልኪ እንተሓቲትክኒ’ኮ …. ኣመሪካዊ’የ ክብለኪ’የ። ብኻልእ ኣዘራርባ ክትውለድ እንከለኻ ዝነበረ ዜግንትካኸ እንታይ ኔሩ ኢልኪ ትሓትኒ ስለዘለኺ ድማ’የ ኢትዮጵያዊ’ዩ ኔሩ ዝብለኪ ዘለኹ። እዚ ታሪኽ’ዚ ከኣ ኣነን ንስኽን እንተተፋተና ንቕበሎ እንተተባኣስና ድማ ንነጽጎ ታሪኽ ኣይኮነን። ንኽትፈልጥዮ ግን፡ ኣነ ክውለድ እንከለኹ ኢትዮጵያዊ ዝብል ዜግነት’ዩ ተዋሂቡኒ ኔሩ’የ፡ ዝብለኪ ዘለኹ። ….  እዚ ድማ ምሰ’ቦይን ኣደይን ሳልሳይ ኣማኻሪ ኮይነ ኣይወሰንኩዎን ዝሓውተይ። ደሓር ድማ ኣብ’ዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክነብር እንከለኹ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፈልጦ፡ ኤርትራዊ ዝብል ካልኣይ ዜግነት ደሪበ ኔረ። ሕጂ ድማ ኣመሪካዊ ዝብል ዜግነት ኣለኒ፡ እብለኪ’ለኹ።

እዚ ኹሉ ለውጢ ኣብ ሂወተይ ዘጋጠመኒ ናይ ታሪኽን ናይ ፈጣርን ትዕድልተይ ደኣ’ምበር ዝሓፍረሉን ዝሕባኣሉን መርገም ወለዲ ኣይኮነን። ስለ’ዚ መልሰይ ንሱ’ዩ። ኣብ ሶማል ተወሊደ፡ ሶማላዊ ዝብል ዜግነት ተዋሂቡኒ እንተዝነብር ኔሩ’ውን፡ ነዛ “ዜግነት በትውልድ” ትብል ሕቶኺ “ሶማላዊ” ኢለ ምመለስኩዋ ኔረ፡ በልኩዋ። ሰበይቲ ኣዘራርባይን ዝሓዝኩዎ መንገድን ከምዘይቃዱ ተገንዚባ ደሓን ትእቶ፡ ነቲ ምሳይ ዝነበረ ዓርከይ ፍልይ ኣቢላ በጃኻ ነዛ ወረቐት ኣሪምካ ኣምጽኣያ በለቶ። …. ኣብ መወዳእታ ድማ ዝመሰለና ደኣ ተዛረብና’ምበር ዘለትና ጌርና ኢና ዝወጻእና!

ኩሉ ሰብ ከምዝፈልጦ፡ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ፍቕሪ ወያነን ሻዕብያን ኣብ ምብቋሉ’ሲ ዕምባባ ሓንሰ-መስቀለ መሲሉ’ዩ ተበጊሱ ዝነበረ። መዋእሉ ደኣ መዋእል ዕምባባ መስከረም ኮይኑ ተሪፉ’ምበር። ኣብ’ታ ሓጻር እዋን’ዮም እንዳ ዝናን ባህታን ብናይ ፍቕሪ ደበንገረ ተኸዊሎም፡ ኣብ’ቲ ደበንገረ ዝፈጠሮ ጸላም ኣደቂሶም ረፈረንደም ግበሩ ዝበሉና። ሽዑ እታ ጸልማት’ቲኣ ከይወግሐት እሞ ድማ ኣብ’ታ ዘውደቑና ንእዲ ደቂስና እንከለና፡ ሰላሕ ኢሎም ልብናን ነጻነትናን ክዳን ዝባንናን ሰሪቖም ተመጣጢርናን ተማህሊልናን ናብ ዘይንበጽሖ ጠረር ዝደየቡ። ሕጂ ድማ ነጻነትናን ክዳን ዝባንና’ሲ ደሓን ቀስ ኢልና ንረኽቦ ንኸውን። ልብና ግን ክሳብ መኣስ?

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ!

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...