ኣብ ዕለት 26 ግንቦት ብኣጋጣሚ መበል 21 በዓል ነጻነት ናይ ህዝቢ ኣኼባን ናይ ባህሊ ምሸትን ምክያዱን ብዓቢ ዓወት ምዝዛሙን ተሓቢሩ ነይሩ።ኣብዚ ኣኼባ ምስቲ ካልእ መደባት ተደራሪቡ ናይ ግዜ ሕጽረት ስለዘጋጠመ ምርጫ ሽማግለ ናብ ዕለት 09/06/2012 ከምዝመሓላለፍ ተወሲኑ።በዚ ውሳኔ መሰረት ድማ ቀዳም ዕለት 9 ሰነ ካብ ሰዓት 5.00 ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ህዝቢ ኣኼባ ምርጫ ተኽይዱ።ቅድሚ ኣብ ምርጫ ምእታው ብኣቶ ደስበለ መሓሪ ዕላማን ኣቀዋውማን ናይታ ሽማግለ እንታይ ምዃኑ መብርሂ ቀሪቡ።ድሕሪ ዝተዋህበ መብርሂ ንሓጺር እዋን ናይ ሕቶን ርእይቶን ምልውዋጥ ብምክያድ ነቲ ምርጫ እትመርሕ ግዚያዊት መራሒት ባይቶ ተመሪጻ።

ግዚያዊት መራሒት ባይቶ ብዛዕባ ቁጽሪ ናይታ ክትቀውም ዘለዋ ሽማግለ ክንደይ ክኸውን ከምዘለዎ ንምውሳን ናብ ህዝቢ ኣውሪዳ ድሕሪ ምዝታይ እታ ሽማግለ ብ5 ኣባላት ክትቀውምን ተጠባበቕቲ ክህልውን ምርድዳእ ተገይሩ።በቲ ዝተገብረ ምርድዳእ መሰረት ድማ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዘላታ 5 ዝኣባላታ ሽማግለን ሓደ ተጥባባቒን ተመሪጾም ኣኼባ ይድምደም።ኣኼባ ድሕሪ ምድምዳሙ ድማ እታ ዝተመርጸት ሽማግለ ተራኺባ ኣብ ውሽጣ ስርርዕ ብምክያድ ኣቦ መንበር፣ጸሓፊን፣ሓላፊ ፋይናንስን ድሕሪ ምምራጽ፡እቶም ዝተረፉ ክልተ ኣባላት ድማ ከም ሓላፊት ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ሓላፊ ጉዳይ መንእሰያትን ኮይኖም ክሰርሑ ተመዲቦም።ካብዚ ቀጺሉ በቲ ዝተዘርግሐ መምርሒ ስራሕ መሰረት መጻኢ መደባት ብሰፊሑ ንምዝርራብን ንምሕንጻጽን ቆጸራ ወሲኖም ተፈላልዮም።

ካብ ሚላኖ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ  ተቓወምቲ ኤርትራውያን ከምዚ ኣብ ሚላኖ ቆይሙ ዘሎ ሽማግለ ብምቛም ናይ ሓባር መደብ ወጺኡ ኣንጻር ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ከነካይዶ ዘሎና ቃልሲ ከነበርትዕ ክጸዓረሉ ከምዘለዎ ጥብቂ ለበዋን ምትሕስሳብን ቀሪቡ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ዕለት 16-06-2012 ኣብ ከተማ ሚላኖ፣ ብምብራህ ሽምዓ ዝተሰነየ ብመንእሰያት ዝተዳለወ  ናይ ዝክረ ስውኣት ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ከምዝኾነን ኩሉ ደላይ ለውጢ ክካፈሎ ከምዘለዎን ተሓቢሩ።

ልኡኽ ዜናን ሓበሬታን ሃገራዊ ባይቶ ዞባ ኤውሮጳ።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...