ህግደፍ ኣብ ቀምሽ ኣዲኣ ሰልፊ……..( ደቂሕድርትና) ክትስወር ትቃለስ ኣላ።

ከመይ ቀኒኹም ክቡራት ደቂ ኤርትራ! ሎሚ ቅነ ኣብ ድሮ መዓልቲ ሰማእታትና ብምኽንያት መዓልቲ ናጻነትን

ምጥርናፍ መንእሰያትን፡ ኣብ ብዓለሙ ጽብቕ ፖለቲካዊ ነጠፍጠፋት ኢዩ ቀንይና። ፍልልያትና ድማ መልክዕና ኢዩ። ናብ ሓደ ጥርኑፍ ኣረኣእያ ክሳብ ንበጽሕ ከኣ ገና ክንፈላለ ኢና። ኣዝዩ ዘሐብን መሰረት ዘለዎ ተገዳስነትን ኣስተዋጽኦን ሃገራውያን ምርኣይ ከኣ ብሓቂ ሃገር ምስ ህይወታ ከምዘላ ክምስከር ይከኣል። ነዚ ንምግላጽ ዝቐርቡን ዝጸሓፉን ዘለዉ መርትዖታት ድማ ዘተኣማምኑ ኢዮም።እንተኾነስ ሓቅታትናን ጸገማትናን ከኣ ማእለያ ስለዘይብሉ፡ ብዙሕ ንምብራህ ብዙሕ ይጸሓፍ ስለዘሎ፡ ብወገነይ ልዕሊ ኣዳለውትን ኣቕረብትን፡ ንተጠቀምቲ ይስከፈሎም ኣለኹ። ’ንምንባቡ ኣብ ክንድኦም ስለዝተሃከኹ’።

ተጸሚምኩም ተኸታተሉዎ መንእሰያት ነዚ ትረኽብዎ ዘለኹም ጥረ-ነገራት። ጽባሕ ተሞኩሮ ተረካቢ ኣይኮነን። ካብቲ ዲግሪታት ክትሰቕሉ ዝቕረበልኩም ከክንዲ ገዛ ዝኸውን መጻሕፍቲ ኣይዓብን ኢዩ’ዚ ጽሑፋት። እንተዘይጠዓመኩም ድማ ግድን ኣይኮነን ኩሉ ከተንብብዎ።ድሓር ድማ ሓንቲ ጽሕፍቲ ንምውጻእ ክንደይ ጸገም ከምዝህልዋ ከምትርድኡ፡ ብክንድኡ መጠን ከኣ ተሸገሩ። ........

መሸም ኩላህና ከምእንብሎ ኩሉ ምንቅስቓሳት ብፍላይ ፖለቲካዊ ነጠፍጠፋት ንረብሓ ዝዓለመ ኢዩ። ኣብሞንጎ ረብሓኡ ዝተሓለወን ዘይተሓለወን ኩሉግዜ ጐንጺ ኣሎ። ጐንጽታት ድማ ቀዳማውን ካልኣውን ክንብሎም ይከኣል። ከምሓቂ ኣብ ሃገርና ንክልሰ-ሓሳብ ፖለቲካ ዝገደፍናሉ የብልናን። ብሓቂ’ውን እቲ ዝተጸበናዮ ዕላማናን ክመጸና ዝኽእል ጥልመት ኮነ ካልእ ፈተናን ተማሂርናዮ ስለዝኾና ኣረጋጊጽና ንፈልጥ ኔርና ኢና። ሎሚ ዝፈላልየና ዘሎ ዕላማ’ውን ኣይሓድሽን። እቲ ጽቡቕ ነገር ሎሚ መድረኽ ኤርትራውያን ኣብ ክልተ ምርጫ ክጥቕለል ምኽኣሉ ኢዩ። ተቓዋምን ደጋፍን መንግስቲ ዝብላ ክልተ ኩነታት። እቲ መድረኽ ብዝእዝዞ መሰረት ምስ መንግስቲ ዝጸደቐን፡ ከምኡ ድማ ኣንጻር ዝቖመን ኮይኑ ሃገራዊ። ከምቲ ኣብውሽጢ’ቲ መንግስቲ ዘሎ ፍልልይ ከኣ ኣብ ወገን ተቓውሞ ኣሎ። እዚ ከኣ ልሙደ መፈላለይ ኢዩ። እንተ ብምርጫ ወይ ከኣ ብግድነት ክልቲኡ ክኽወን ይከኣል። ሰባት ስለምንታይ ነየናይ መሪጾም እንተበልና ነናቶም ምኽንያት ኣለዎም። ክርሳዕ ዘይብሉ ነገር፡ ምቅዋም መንግስቲ ልክዕ ከምቲ ምድጋፍ መሰል ምዃኑ ስለዘይእመነሉ ኢዩ። ስለምንታይነቱ ስለእንርዳእ ኢና’ውን ክንዛረብ ንግደድ ዘለና። እቲ ልክዕ ጸገም ሓደስቲ ካድረታት በቲ ብላይ ሜላ ስለዝታለሉን፡ ክኒኡ’ውን ሰብረብሓ ኮይኖም ኩሉ እናፈለጡ ክዉን ዘጥፍኡ ስለዘለዉ ኢዩ። ንሕጂ ብዛዕባኩሎም ክዛረብ ኣይምመረጽኩን። እንተኾነስ ሓሶትን ምድንጋርን ከኣ ሰራማት ጸላእቲ ኢዮን’ሞ ብፍላይ እቶም ሰብ ረብሓ ከይስበሎም፡ ተሰቢልዎም እንተኾይኑ’ውን ደጊምና ክንብሎ ዘለና ክንብሎም ገለ ምባል ተደሪኸ እነኹ።

ብመሰረቱ ፖለቲካ ናይ ረብሓ መቃለሲ ኢዩ ኢልና ። እንተኾነስ እቶም ናይ ሓባር ረብሓ ከምዘለና እናተረዳእና በረኻ ዝወፈርና ኤርትራውያን ዘይከምኣበጋግሳና በቢእዋኑ ክንፈላለን፡ ክንወናጀልን ክሳብ ከኣ ክንዛበጥ ተራኢና ኢና። ምስኩሉ ጸገማትና ከኣ ክሳብ ናጻነት በጺሕና። ኩሉ ግዜን ኣብ ኩሉ ስርዓትን ረገጻ መሰልን ስእነት ውሕስነት ናብራን ቀንዲ ጠንቂ ዘረባን ዘይምርግጋእን ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ። መንግስቲ እምባትካላ ከኣ ነቲ ህሉው ኩነታት ክዓባብጥ ዝገበሮ ፈተነታት ምስፈሸሎ፡ እናሓንሳእ ድፉን ክሕደት፡ ካልእ ሳዕ ድማ ምኽንያታት ከዘውትር ይርአ። ሎሚ ኩሎም ዓይነታት ምስምስ ኣብ ሓደ ከብሒ ተጠርኒፎም ኣለዉ። ከብሒ ምክልኻል ሃገር። ስለዚ ዝሓለፍናዮም ናይ ኩናት ግዜያት ጥራይ ዘይኮኑስ ነቀጻልን ብዘይዕረፍትን ኣብ ኩናት ክንህሉ ምዃንና ተገሊጽልና ኣሎ። ቀንዲ ጸላኢትና ከኣ ኣመሪካ ክንሳ በታ ማሕዮኣ ኢትዮጲያ ገይራ ትወግኣና ኣላ ኢዩ’ቲ እዋናዊ ምስምስ። ነገር ግርምቢጥ ሓቂ ክመስል ድማ ብርግጽ ኣብ ሎሚ ተበጺሑ ሓድሽ ውግእ ይርአ ምህላዉ ኢዩ። ሓቂ ድዩ’ዚ

ውግኣት’ዚ? ኣብ ሃገርና ዘሎ ሳዕቤናትከ ባህርያዊ ዲዩ?

ኣነ ብዛዕባ “ሓቅን ሓሶትን“ ዝብላ ቃላትን ተጠቀምተንን ሓድሽ ነገር ተረኺቡስ ተዛሪበ ከረድእ ስለዘብሃገኒ ኣይኮነን ተመሊሰየን። እንተኾነስ ኩሉ ፍጡር፡ ኩሉ ነገር በዘን ክልተ ቃላት ክግለጽ ክጠቓለል ግድን ስለዝኾነ፡ ኣውራ ድማ እዋናዊ ኩነታትና ንተዛማድነተን ዘድመቐ መድረኽ በጺሕና ብምህላውና ኢዩ። ከምዝፍለጥ ሓቅን ሓሶትን ምስ ቅኑዕን ግጉይን ተወራሪሰን፡ ኣብ ሓደ ውሱን ግዜን ቦታን ንዝርአ ኩነተ-ነገራት ዘነጽራ ቃላት ኢየን። እንተኾነስ  ገለ ክኢላታት ከኣ መፍለይ ወይ መለለይ ሓቂ  ከምዘየለ መሲሉ ስለዝረኣዮም፡ ተደናጊሮም ዘደናግሩ ስለዘለዉ፡ ገለ ክብል’ሞ፡ ነቶም ከምዚ ከማይ መለለይ ሕብርታቶም ’ዘደናገረና’ በሃማት ከኣ ገለ እቲ መዐቀኒ ሓቅነቶም እንተጠቐመናስ ክእርሙና ክጓየዩ’ሞ ክንጥቀም ብማለት ኢየ።

መብዛሕትኡ ግዜ ከምዝርአ ሓቅን ሓሶትን ብሓይልን ድኻምን ተጸለውወቲ ኢየን። እዚ ማለት ሓያል ምስኩሉ ዓመጻቱ ወትሩ ከምሓቀኛ፡ ድኹም ድማ ምስቲ ቅኑዕ ሕልናኡ እናሃለወ ሰሪ ድኽመቱ ከምግጉይ ክውሰድ ኢዩ ዝርአ። ሓይሊ ማለት ከኣ ኩሉ ናይ ምግባር ዓቅሚ ማለት ኢዩ። ቁኑዕ ፖለቲካዊ ውሳነታት ንኣብነት ብከምዚ ዝተባህለ ዓማጺ ፍርዲ ይደሃኽ። ፖለቲካዊ ተሳትፎ ከኣ ይቅልቀል። የግዳስ ሓያል ኣብረብሓኡ ዝወዓለታ ክነጥብ

ተኽእሎ ስለዘለዎ ተሳትፎኡ ምርጫ ጥራይ ኢዩ። ነቲ ድኹም ግን ግድነት ኢዩ።

ኤርትራውያን “ተገዚእና“ ኢልና ክንቃለስ እንከለና፡ ጉዳይና ናዓና ሓቂ ነይሩ። ነቶም ዘይእንታይና ግን ዘረባና ሓሶት ነይሩ። ኣብ 91 ናጽነትና ረኺብና ክንጽንብል እንከለና፡ንሳቶም ግን ባርነትና ይረኣዮም ነይሩ። ብዝኾነ “ተግባር ኢዩ ምስክር“ ኢልና ተበጊስና። እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ እንተድኣ ተረጋጊኡ ንይቕረታ’ውን ባይታ ነይርዎ

ስለዝኾነ።

1993፡- ሓቂ እንተኾይኑ ኣብዚ ዓመት’ዚ ’ኣድማ ተጋደልቲ’ ዝበሃል ኣርኪቡ። እቲ ምእንቲ መሰልካ፡ ምእንቲ ህላወኻ ሕቶ ምሕታት ቅኑዕ ምዃኑ ዘስተምሃረ መሪሕ ፖለቲካ፡ ንሕቶ መሰል ገበን ጠሚቑ ዝሰዓበ ርኢናዮ። እዚ ናይ መጀመርታ ናይ ድሕሪ ናጻነት ወስታን ምድንጋርን ናይቲ ኣብ ሃገራዊ ስልጣን ዝሓኾረ ሓይሊ ነበረ። ሽዑ ኣፍ ናይቲ ውጹዕ ተደፊኑዶ ሓቀይ ዋላስ ሓሶት?

1994፡-  ጽምብል ምስረታ ናይታ ኣብ ውሽጢ’ታ ፈሪሳ ዝበሉና ሰልፊ ዝተመስረተት ዝያዳ ስውርቲ ሰልፊ ተኻይዱ። ህግደፍ ከኣ ውላድ ኣዲኣ ክንሳ ከም መሰጋገሪት መንግስቲ ተጠሚቓ። ምስረታ’ዛ ሰልፊ ንወነንታ ቁኑዕ ክኸውን እንከሎ፡ ንኩሉ ነቲ ብሳዕቤን ናይታ ኣደ ሰልፊ ዝተኸላበተ ልዕሊ ሰለስተ-ርብዒ ተጋዳላይ ግን ቅኑዕ ኣይነበረን። ሓዚላ ዘላን ተሓዚላ ዘላን ኩለን ሓደ ምዃነን ዘዘስተብሃለ ከኣ ምስረታ ናይታ ሓዳስ ነቲ ክሳብ ሎሚ በዛ ውላድ ሰልፊ ዝበታተን ዘሎ ጉጉይ ምንባሩ ደርጒሕዎ ኢዩ።ኣይደንጎየን ከኣ ሽዑ ሕቶ መሰል ናብራ፡ ስንክልናን ስንኩላንን ኣርኪቡ። ሓንቲ ጥራይ ኢያ ነይራ ጠለቦም።“ ንስኻ እንኮላይ ትጠልመና ኣይመሰለናን“ ክብልዎ። ኣፈታትሓ ናይቲ ሕቶ ከኣ ርኢናዮ። እቲ ’ተጋደልቲ ስለዝኣደሙ’ ናብ ዘተ፡ ናብ ጠረጴዛ ሜዳ ንግስተ-ሳባ ዝተጓየየ ’ህቡብ መራሒ’፡ ኣብጉዳይ ስንኩላን ክበጽሕ በይኑ ዝረኣዮ ስዕረት ግዲ ኣራቲዕዎ ናብ ዝቐረቡሉ ናይዘተ ጻውዒት ምቕራብ ኣብዩ ብማዕዶ “ኣውድቑሎም“ ኢሉ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ። ስንኩላን ከኣ ብትሕዞ ብጠያይት ብጾቶም ብተመልከተለይ ኣራእሶም ተፈጊጾም። እዚ ንኩሉ ሰብ ዝገረመ ፍጻመ፡ ብኩሉ ደላይ ፍትሒ ኩኑን እንከሎ ብሰብ ረብሓ ግን ሽዑን ሎምን ቅቡል ነይሩን ኣሎን። ክሳብ ሎሚ ናብ ፍርዲ ዝቐረበ፡ ይቕሬታ ዝሓተተ ሰብ ከኣ የለን።

መሸም ኩላህና በቲ ኩነታት ተደናጊጽናን ተደናጊርናን ምንባርና ንዝክሮ ኢና። ሽዑ ዝኾነ ፍጹም ዘይርስዖ ነገር ንምጥቃስ ቃል ናይ ሓንቲ በዓልቲ ስልጣን ይቕድመኒ። ንሳ በቲ ፍጻመ ተደሪኻ ብነድሪ “ ኣንታ፡ ’ዝከኣል እንተዝኸውንሲ ሓንቲ ዓይነይ መወፈኹልኩም’ ከም ዘይበለስ በድራጋ ጠያይቲ ቀልይዎም! ፍጹም እዚ’ሞ ዘይከውን ኢዩ፡ ንሱ ዘይፈለጦ ነገር ክኸውን ኣለዎ“ ኢላ ተደነቐት። ብድሕሪኡ ዘስዓበቶ ተወሳኺ ብዘይምንባሩ ድማ ኣነ ብልበይ ሓዘንኩላ። ያኢ ክቡር ፕረሲደንትሲ ሳላ ፕረፖጋንዳ 03 ሓልዮት ስንኩላን ከምዘሰንፎ መሲልዋ ስለዝሓሰብኩዋ። መሊሰ ድማ ከምትፈልጥ ክትፍለጥ ዘይትደሊ ካን ኣምሱሉ ክሓስባ ግዜ ኣይወሰደለይን። ሓቂ’ዩ

ኩላህና ብዛዕባኦም እንፈልጦ ሓቅታት ነይርና ኢዩ። ስለምንታይ ፕረሲደንት ድሕሪ ናጻነት ንስንኩላን ኣብ ሰራዊት መዲብዎም? ስለምንታይከ መዓስከራት ስንኩላን ኣብቲ ሓሙሻይ መስርዕ ዝንቀሳቐሱሉ ርሑቕ ቦታታት ባርካ ክድኮን ኣዚዙ ነይሩ? ህዝቢ ንስንኩላቱ ዝኣክል እናቐረበ እንታይ ጸገመ? ዝኣመሰልዎ ክፈልጥ ዝኸኣለ ሰብ፡ ድሒሩ ብጥይት ክርሽረሹ ምርኣይ’ሞ እንታይ የገርም! ስለዚ እምበኣር ኣነ ካብ ባዶ ኣይኮነን ከምኡ ሓሲበ።

ኣቐድም ኣቢሉ ብዝመሎቐኒ ቃላት ሓደ ካባና “ ሐቅኻ ዲኻ ንመዕገርገርቲ ክንድኡ ሓሊኻሎም? ንምዃኑኸ ንስኻ ተወጊእካዶ ትፈልጥ“? ኢሉ ከሕፍረኒ ኣብዝፈተነሉ’ውን ንሳ  “ብዛዕባ ነብስኻ ጥራይ ሕሰብ“ ብማለት ገይራትለይ ነይራ ኢያ። ግናኸ ብዛዕባ’ቲ ቆሎጥጥቖ ገዲፈ ብዛዕባ ሕልና ደቂሰብን ፍጻመታትን ኢየ ኣድሂበ። ምኽንያቱ ብዛዕባ ስዉኣት ክትሓስብ ስዉእ ክትከውን ኣለካ ማለት ድዩ? እንተዘይሰንከልካኸ ብስንኩላን ክትሓስብ ኣይግባእን ማለት ድዩ?...  እናበልኩ ደጋጊመ ሓሰብኩ።

ስዒቡ ዝመጸ ምጥያስ ስንኩላንን ተጋደልትን ምስተጀመረ እቲ ተግባር ብገለ ንፍትሒ ዘቛሙቱ ጉጉይ ክኸውን እንከሎ ብገለ ሰብረብሓ ግን ቁኑዕ ኮይኑ ሓሊፉ። ሓደሓደ ግዜ ገለ ኣብነት ምጥቃስ ኣይጽላእን ይኸውን። ስዉእ ብጻይ ዓብዱ ረመጭ “ብዓሰርተ ሽሕ ክጣየሱ ኢልና ኣየሰለፍናዮምን ኣየሰንከልናዮምን“ እናበለ ገለ ካብቶም ንምጥያስ ኣትሪሮም ዝተቓወሙ ነበረ። ካብ ህሉዋት ድማ ዝሰዓብዎን ክሳብሎሚ ዘይተዋሕጠሎምን ኣለዉ።

ሚኒስተር መስፍን ሓጎስ ከኣ ምጥያስ ምስኣብነቱ ከምዝደገፈ ይፍለጥ። ንሱ ኣብ መግለጺኡ እቶም ሽዑ ብዓሰርተ ሽሕ ዝጣየሱ ዝነበሩ ዕድለኛታት ምንባሮም፡ ምኽንያቱ ጸኒሕካ’ሞ ብጥራዩ ምጥያስ’ውን ክመጽእ ከምዝኾነ ኢዩ ዝጠቅስ ዝነበረ። እቲ ንስንኩላን ብሕንቓቐ ተሚኑ ንስንክልና ድማ ዘቃለለ መራሒ’ሞ በዓል ዕላማ ኮይኑስ ድላዩ ገይሩ ደቂሱኣሎ። እንተንሳቶም ብጾት ናይቶም ሓመድ ዝተደፍኑ ስዉኣትን ዝኸሓድዎም ህሉዋትን፡ ኣውራ ከኣ ደቂ ኤርትራን ኣሕዋት ናይዞም ዝሽየጡ ዘለዉ መንእሰያት ስለዝኾኑ፡ ሽግራቶም ካብ ግዜ መውጋእቶም ኣትሒዙ

ተገይጹ ኣሎ። ኣብ መንፈስ ጥዑይ ስንክልና ስለዘየለ ከኣ ኣብርእሲ ጸገሞም ናብራ ከሰንፉ ይቃለሱ ኣለዉ:፡

ኣብቲ እዋን’ቲ ገለ ካብቲ ኣዝዩ ዘሻቕል ኩነታትና ንምጥቃስ ክብል ኢለ ኢየ። እንኮላይ ተዓዛቢ ኣየናይ ቅኑዕ ኣየናይከ ግጉይ ከምዝነበረን ከምዘሎን ትዕዝብታቱ ንምዝኽኻር ጥራይ። ሓቂ ኢዩ ፍርዲ ንባዕሉ ምስረብሓ ስለዝዛመድ፡ ገለ ሰባት ኣንጻር ሕልናኦም እናኸዱ ንጥፍኣት ከምቅኑዕ ከምሓቂ ዝድግፉ ነይሮምን ኣለዉን። ከምቲ ብዓይኒ ሓቂ ኤርትራ ናጻነታ ክትረክብ ከምዝነበራ እናተኣመነሉ ምእንቲ ረብሓ ኣመሪካ ምስ ኢትዮጲያ ከምትቑረን ዝተገብረ፡ ሎሚ’ውን ምእንቲ ረብሓ ህግደፍ፡ ምእንቲ ገዛእ ረብሓታቶምን ብኽነቶምን፡ ገለ ግሩሃት ከኣ መተካእታ ስለዘይብልና ኢሎም ስለዝሓስቡ ሬሳ ከይቕበር ዝምነዩ ኣለዉ።

ናይ ሰለስተ ዓመታት መሰጋገሪ መንግስቲ፡ ኣርባዕተ ዓመታት ብዘይደሞዝ ኣገልግሎት ኣብ ዝተወሰነሉ እዋን፡ እቲ

ብጽንዓቱን ተጻዋርነቱን ዝተፈተነ ህዝብን ተጋዳላይን፡ ሃገሩን መንግስቱን ከየድፍር ኢሉ ኩሉ ከምዝተቐበለ ሓቂ

እንተነይሩ፡ እቲ መደብ ከኣ ክፍጸም ነይርዎ። እንተኾነስ ሓቅን ሓሶትን ከብድን ሕቖን ኮይነን ሕልምታትና ድማ እናሓደረ በነነ’ሞ ክሳብ ኣከሓሓድ ከኣ ተበጺሑ። ዝኾነ ኮይኑ ቀንዲ መንቀሊኡ ብዘየገድስ በቲ ግዜ’ ኣንጻር መንግስትና ዝወፈረ ኢትዮጲያ ዝመደበሩ ተቓዋሚ ሓይሊከምዝነበረ ንዝክሮ ኢና። ብዛዕባ ኣመሰራርታን ኣባላት’ቲ ውድብን ክበሃል ዘለዎ ብዙሕ’ዃ እንተኣሎ፡ ኣብቲ ኣብ ጽባሕ ጽንዓትን ናጻነትን እንከለና ኣንቂዶም ካብ ዝተሰለፉ ሓደ ናይሽዑ ’ተጋዳላይ’፡ ዝሓሸ ሕማቕ ዝመረጸ ናይሎሚ ተጣዓሳይ ከኣ ተቐላቒሉ ሎሚቕነ ሰሚዕናዮ። ንሱ እንታይ ዝኣመሰለ ፖለቲካ ተረዲኡ ሓራ ከውጽኣና ከምዝወፈረ ንሰማዕቲ ገዲፈ፡ በቲ ግዜ’ቲ ክንድኡ ዝቖራጽነቱ ስረን ንዕዑ ዝርድኦ  ፖለቲካን ካብ ዓጠቐስ ሓደ ካብቶም ብቕንዕና ዝተጋደሉን ናብልቦም ዝተመለሱን ጥራይ ክኸውን እምነየሉ። ካልእ ማለተይ ኣይኮነን፡ መንግስቲ እምባትካላ ሽዑ ህግደፍ ሎሚ’ውን ህግደፍ ስለዝኾነት ኢየ። ሓቂ ከኣ ሽዑን ሎምን ኣብ ቦታኣ ነይራን ኣላን።

ይቕጽል

ጎደፋ፡

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...