፪ይን መደምደምታን ክፋል

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ነቲ ኣብ ዓዲ ደሞክራሲ እናተቀመጥካን ጸጋታቱ እናተጠቀምካን እንታይነቱ ከይተረደኣካን ከየስተባሃልካሉን ክሓልፍ ይኽእል`ዶ ? ኢልና ዘልዓልናዮ ጉዳይ፤ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ነዚ ዘይምርዳእን ንኣብ ዓድኻ ዘሎ ምልኪ ምምጓስን ከም ዘሎ`ውን   ሪኢና።

ከምኡ ኸኣ ንኽብረት ኢልካ ዲዩ ንብረት ዝብጀው ወይስ ንንብረት ኢልካ`ዩ ክብረት ክብጀው ዘለዎ ? ዝዓይነቱ ምምዝዛን ኣልዒልና ኣብ ኣጋ ምድምዳም ብዛዕባ`ዚ ጉዳይ ብኮሌኔር ነጋን ሸኽ ከቢረን ዝጥቀስ ነገር ከምዘሎ ወስ ኣቢለ`የ ተሰናቢተ ነይረ። ሕጂ`ውን ቅድሚ ናብቲ ንነጋን ከቢረን ዝምልከት ኣብነት ምእታው፤ ነቶም ኣብ ሃገራት ደሞክራሲ እናተቀመጡ ብጸጋታተን እናጋየጹ፤ ደቆም ኣምሂሮም ቀሲኖም ዝነብሩ ዘለዉ ኣሕዋትና ካብ ዘለዎም ፊዩዳል ኣተሓሳስባ ሪሒቆም ኣወንታውያን ብምዃን ነነቲ ዝነብርሉ ዘለዉ ሃገር  ክኸፍልዎ ዘለዎም ጻማ ከምዘሎ ክርድኡ ኣለዎም።

ሓደ ካብ ጻማታተን ከኣ ነቲ ደምን ራሃጽን እናፍሰሳ፤ ዲቅ ዝበለ ጸላም ዘመናት ሰጊረን ዝተኸለኦ  ደሞክራስያዊ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ናይ ትውልዲ ሃገሮም ከንጸባርቅዎ ከም ዘለዎም`ዩ። ብተወሳኺ ብሽጣራኻ ትጥቀመለን ዘለኻ፤ ደጋፊ እንኮለኻ ከም ተቃዋሚ ኮንካ ዘላገጽካለን ሃላያት ሃገራት ጌርካ ካብ ምርኣይ፤ ነቲ ድሕሪ ጸላም ሂወት ዝተጋህደለን ብርሃን ደሞክራሲ ኣብ ምክልኻል፤ ነቶም ናብ ናይ ጸላም ዘመን ክመልስወን ዝደልዩ ዘለዉ ጡሩፋት ወገናውያን ከኣ ኣብ ምፍሻሎም ክትርከብ`ዩ ዝግባእ፡" ዝገበረልካ ግበረሉ ወይ ንገረሉ "  እንተዘይኮነ ጥልመት`ዩ፡ ኣብዚ ጥልመት ዘርኣየ ኸኣ "ተወሊደሉ  እንድየ " ኢሉ ዝብጀወሉ ሃገር`ውን የብሉን ።  ጠባይ ሓንቲ ኢያ።

እንታይ ግድና ! ኣብ ጉዳይ ኮሌኔር ነጋን ሸኽ ከቢረን ተመሊስና፡ እቶም ንነፍሶም ኣኽቢሮም ንሃገሮም ዘኽብሩ ዜጋታት ንጉዳይ ንብረት ብኸመይ ከም ዝርእዩዎ ንመልከት፡-

ንሸኽ ከቢረ ንምንብርካኽ፡ ንምፍርራሕ፡ ንምጥባር ብዙሕ ፈተነ ተገይሩ`ዩ፡ ካብኡ ሓደ ነዚ ሒዝናዮ ዘለና ዛዕባ ዝቃዶ ተረክቦ ኸኣ፡ ሓደ መዓልቲ ብኣብ ቤት ጽሕፈት ኮሌኔር ነጋ ዝተኸሸነ ብኢድ ሸፋቱ ማሕበር ኣንድነት ዝተተግበረ ናይ ከብቲ ምዝማት ስሪሒት ኣብቲ ሸኽ ዓብደል ቃድር ከቢረ ዝውንንዎ ናይ ከብቲ መፍረ ሕርሻ ተፈጸመ ።

እዚ ቅጥፈት`ዚ ብደቂ ዳኛ ከም ዝተፈጸመ ዝርድኡ ሸኽ ከቢረ ናብ ኣቦ ቀጠፍቲ ዝኾነ ዳኛ ቀሪቦም ዝኸሱ ዓሻ ሰብኣይ ኣይነበሩን። ነዚ ፖለቲካዊ ስርቂ ዝመርሔ ኮሌኔር ነጋ ናብቲ ዝደለዮ ንኽበጽሕ ግዜ ሓሊዩ ንሸኽ ከቢረ ንቤት ጽሕፈቱ ጸዊዑ ፤ ብኣዚዩ ስነ-ስርዓት ዝመለኦ ኣኽብሮት ኣብኦም ዘለዎ ክብረትን ኣድናቆትን ክገልጽ ጸኒሑ ዘረብኡ ብምቅጻል፡-

" ……. ኣቶ ከቢረ ! ሎሚ ቅኔ ንትግራይ ገጸን ክሰግራ ዝተታሕዛ ናይ ስርቂ ከብቲ ኣለዋ፤ እዘን ከብቲ እዚኤን ከኣ ናትኩም ምዃነን ስለ ዝተሓበረና፤ ንብረትኩም ኣብ ኢድ መንግስቲ ከም ዘለዋን ክምለሳልኩም ምዃነን ንኽሕብረኩም ኢየ ጸውዔኩም። ግና ……….

ትሕዝቶ ናይቲ "ግና" ብዝብል ኣፍራሲ ቃል ዝቀጸለ ዘረባ ኮ/ ነጋ ፤  ሸኽ ከቢረ ንናጽነት ዝጽውዕ መርገጾም ደው ከብሉ፤ ንሓድነት ምስ ኢትዮጵያ ክሰርሑ ብዝወሓደ ኸኣ ፖለቲካዊ ምንቅስቃሶም ደው ከብሉ ዝጽውዕ`ዩ ነይሩ።

ቅድሚ ናይ ሃገሮም ኣብ ኣህጉራዊ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ሜዳይ ዝተሳተፉ ንሽጣራታቱ ዝፈልጡን ዝተዓዘቡን ሸኽ ከቢረ እዚ ታህዲድ በተን ተዘሚተን ዘለዋ ነጋ ዝዛረበለን ዘሎ ከብቲ ከም ዘይውሰን ፤ እምቢ ምስ ዝብሉ ኣብ ርእሲኦምን ንብረተሙን  ክውሰድ ዝኽእል መጥቃዕቲ ከም ዝህልው እናፈለጡ፤ ካብቲ ኮፍ ኢለሙሉ ዝነበሩ ብድድ ኢሎም ፡-

እዝን እትን እንታይ ኣራኸቦ !! ከብትን ፖለቲካን እንታይ ኣራኸቦ ብዝብል ናይ ምድናቅን ንዕቀትን መልሶም ሂቦም ንዝተቀድሓሎም ሻሂ ከይሰተዩ ጠንጢኖሞ ከዱ።ነጋ ሆየ ዕብድብድ ኢሉ ዝዛረቦ ጠፈኦ። ንብኣካል ምቅንጻሎም ዝተወሰነ`ውን ድሕሪ`ዛ መዓልቲ እዚኣ ከይኮነ ኣይተርፍን`ዩ ዝብል ግምት ኣሎ።

ሸኽ ከቢረ ንዕላማኦም ይትረፍያ  ብኸብቲ (ብንብረት) ክሸጡ ፤ ንሂወቶም ክብሉ ዕላማኦም ከም ዘይሸጡ መደረን ጽሑፍን ጥራሕ ኣይነበረን እታ ደሞም ዝሰተየት ጎደና ሰራየ / ኣስመራ ትምስክሮ ኢዩ።

ሕጂ ኸኣ ድሕሪ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣቦታት ከምዚ ዝኣመሰለ ኣርኣያ ገዲፎም ምኻዶም 63 ዓመት፤ ድሕሪ`ቲ ኹሉ ኣሰሮም ዝሰዓበ ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ፡ ኣብዚ ዘመና ኣብ መንጎና ብልኡላውነት ሃገሮም ዝኣምኑ ክነሶም፤ ንኽብረት፡ ንመሰል፡ንሓርነት ብመንደቅ ዝዕቅንዎ ፤ ብዚንጎ ዝሰፍርዎ ፤ ዜጋታት ምህላው፡ ንስለ`ቲ ዝተኸፍለ ናይ ዝቀደሙን ዝደሓሩን መስዋእቲ፤ ንስለ`ቲ ዝተጠርየ ንሓቂ ኢልካ ናይ ምስያፍ ስነ-ምግባር/ ባህሊ ንምዕቃብ  ኢልካ ካብቲ ብዋጋ ሂወት ዝተሓረረ ኣካላት ሃገርና ክእለ ዘለዎ ቁስሊ ኢዩ ።

A.A.Hafiz 9/6/2012 (131)

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...