(4 ሰነ 2012) EYC-EYSC ድሕሪ ዘካየዶ ዕዉት ኮንፈረንስ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (ስ.ኤ.መ.ለ.) ወግዓዊ ስም ማሕበሩ ክኸውን ኣጽዲቑ። ብተወሳኺ ምምሕያሽ ዝተገብረሉ ሰነዳት “ራኢና ንቁልጡፍ ዓወት” ኣጽዲቑ፡ ንሓደ ዓመት መራሕቲ ኮይኖም ዘገልግልዎ ፈጸምቲ ኣካል መሪጹ።

እዘን ክልተ ኣሓት ማሕበራት EYSCን EYCን ኣብ ለካቲት 2012 ኪዳን መስሪተን፡ ሕጂ ከኣ ብሓደ ስም EYSC እናተጸውዓ ቃልሰን ኣንጻር መላኺ ስርዓት ንምሕያል ይቕጽላ ኣለዋ። ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ድማ ኣሓት ማሕበራት እናበዝሓ ይኸዳ ኣለዋ። ኣብ ኦክላንድ፡ ሎስ ኣንጆሎስ፡ ሁይስተን ከምኡ ውን ቶረንቶ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከባ ኣሓት EYSC ክኾና ከለዋ፡ ኣብ ኤውሮጳ ውን መንእሰያት ዝመርሕወን ብዙሓት ኣሓት ማሕበራት ይጭብጭባ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ኣብቲ ካብ 25 ክሳብ 27 ግንቦት ዘካየዶ ኮንፈረንስ ዝገበሮ ክፉት ዘተን ክትዕን፡ EYSC ንሰነዳት ራኢታቱ ምምሕያሽ ጌሩ፡ ተወሳኺ ተልእኾታት ብምድራብ ንመላኺ ስርዓት ኢሳያስ ምስዓር ጥራሕ ዘይኮነ፡ ውሑስ ምስግጋር ናብ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ንክህሉን ብልዕልና ሕጊ እትምሓደር ሃገር ንኽትምስረት ብንጥፈት ከምዝቃለስ አረጋጊጹ።

ብመሰረት ሕጊ’ቲ ማሕበር፡ ኣባላት ቦርድ EYSC መራሕቲ ኮይኖም ዘገልግልዎም ሓሙሽተ ዝኣባላታ ፈጻሚት ኮሚተ መሪጾም። እቶም ክሳብ መወዳእታ ግንቦት 2013 ከገልግሉ ዝተመርጹ ኣባላት፡-

ኣቦ-መንበር፡- ዳኒአል ገ.ሚካኤል

ም/ኣቦ-መንበር፡- ሰለሙን ገብረየሱስ

ሰክረታሪ፡- ኣለም ሃብተ

ትረዠረር፡- ዮናስ ገብረማርያም

ህዝባዊ ርክባት(መድያ ዳይረክተር)፡- ኣሮን ብርሃነ

 

ኣብ ተግባር ዝቐንዐ ስትራተጂ

ሕመረት ባህሊ ስ.ኤ.መ.ለ. ትብዓት ዝተዓጥቀ፡ ተግባር ዝተቐነተ፡ ዘይምእኩል ቅርጻዊ ኣወዳድባ ዝሓዘ፡ ነጻ መንፈስ ዘለዎ ስጡም ምንቅስቃስ ኢዩ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ይኹን ኣብ ባይታ፡ ህዝቢ እናለዓዓለ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ መላኺ ስርዓት ጸቕጢ ክገብር እናጎስጎሰ፡ ህዝቢን ሰራዊትን ኤርትራ ለውጢ ክሓትት ክለዓል እናጸውዐ፡ መሰል ደቂ-ሰብ ዝኽበረሉ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝመለልይኡ ቅዋማዊ ስርዓት ክትከል ብትግሃት ዝሰርሕ ማሕበር’ዩ።

ንዝያዳ ሓበሬታ

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (ስ.ኤ.መ.ለ.)

Email: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

Facebook: http://www.facebook.com/groups/eritreanyouth

Website: www.eysc.net

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...